Placeholder Picture
Placeholder Picture
ዮሃና፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ተቓናቐንቲ ኣካላት ኢትዮጵያ፡ ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ስምምዕ!

07/11/2022 22:51 PM

ዮሃና፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ተቓናቐንቲ ኣካላት ኢትዮጵያ፡ ዝተበጽሐ ኣፈናዊ ናይ ሰላም ስምምዕ!

Congratulations on the Ethiopian Conflicting Parties' Preliminary Peace Agreement.

ምስቲ ጠንቂ ናይቲ ግጭትን፡ ከይዲ ንስምምዕ ሰላምን ዝተኣሳሰሩ ምዕባለታትን ትንታነታትን።
Highlights and reflections on the developments relating to the conflict and the peace agreement.

snitna.com, 07 November 2022

Congratulations on the Ethiopian conflicting parties' peace agreement.

ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ!
ብፍላይ ከኣ እቲ ኣደዳ ሓዊን ህልቂትን ኮይኑ ዝጸንሐ ህዝብታት ትግራይን ካልእ ከባቢታትን፡
ካብቲ ንክልተ ዓመት መመላእታ (03 Nov 2020 ክሳብ 03 Nov 2022)፡ ክወርደኩም ዝጸንሐ ህልቂት ሰብን ብርሰት ንብረትን፡
እንቋዕ እዚ ናብ ሰላም ዘምርሕ መድርኽ ተኸፍተልኩም!

ሙሉእ ሰላምን ራህዋን ክኾነልኩም፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኸኣ ህድኣትን ንቡር ህይወትን ክሰፍን፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም (snitna.com) ዘለዋ ሰናይ ትምኒታን መልእኽታን ተማሓላልፈልኩም።
ኣብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ብሩህ ናይ ሰላም ተስፋ ከጋጥም ዝኽእል ዕንቅፋታት፡ ብሰናይ ድሌትን ልቦናን ሰጊርኩም፡ ኪኖ`ዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት፡ መጻኢ ረብሓ ህዝብታት ኣብ ግምት ኣእቲኹም፡ ዝግባእ ልቦና ከተንብሩሉ ኸኣ ትላቦ። ሰላም ናይ ጎረቤት ህዝቢ፡ ሰላም ናይ ኩሉ ህዝብታት ስለዝኾነ።

እዚ ጥዑም ደሃይ ናይ ሰላም፡
ንመላእ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ህዝቢ ኤርትራ`ውን፡ ዓቢ ብስራት ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ዝፈትዉዎም ወለዶምን ስድራቤቶምን እናተመንጠሉ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይን ካልእ ቦታታትን ኢትዮጵያ ክኸየድ ዝጸንሐ ኣስካሕካሒ ኲናት፡ ከይፈተዉ ክጥበሱ ምጽንሖም፡ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኢዩ። ብሰንኪ`ዚን ብሰንኪ ቲ ክወዓዋዕ ዝጸንሐ ናይ ቂምን ጽልኢን ጎስጓሳት፡ ኣብ ሞንጎ`ቲ ሓው ዝኾነን ንሓድሕዱ ብመውስቦ ዝተዛመደን ህዝብታትና፡ ኣድላዪ ዘይኮነ ናይ ቂምን ጽልኢን በሰላ ገዲፉልና ከምዘሎ ንኹልና ብሩህ ኢዩ። ሓደ ዓቢ ግድል ክንፈትሖ ሓዲጉልና ይኸይድ ምህላዉ`ውን፡ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ (ኢትዮጵያን ኤርትራን) ዝርከብ ህዝብታትና፡ ልክዕ ከም ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዉ ህዝብታት፡ ለባማት ሕብረተሰብ ስለዘለዉና ግን፡ ነዚ ወሪዱ ዘሎ በሰላ ንምሕዋይ፡ ከም እንኽእል ዓቢ ተስፋ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ነቶም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክባት ብምጅማር ናይ ሰላም ጎስጓሳት ከተሳላስሉ ዝጸናሕኩም፡ ልዑል ምስጋና ይብጻሕኩም። ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ሕብረተሰብና፦ ዓበይቲ ለባማት፡ ምሁራት፡ መራሕቲ ማሕበራትን ውድባትን፡ ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክባት፡ ብምሕያል፡ ንዘላቒ ሰላም ህዝብታትና ክትሰርሑ ምሕጽንታ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ዝዓበየ መጻኢ ረብሓ ህዝብታትና፡ ኣብ ሰላምን ፍቕርን ስለዝኾነ፡ ኩልና ዜጋታት፡ ነዚ ጅማሮ`ዚ ከነተባብዖን ክንስዕቦን ይግባኣና።

ኩሎም ኣህዛብ፡ ከም ሰብኣዊ ፍጡራት ክነብሩ፡ ዘይሕከኽ ባህሪያዊ መሰል ኣለዎም። እዚ ስለዝኾነ ኢዩ ኸኣ፡ እዚ መሰል`ዚ፡ ኣብ ኣዋጅ ኣድማሳዊ መሰል ደቂ-ሰባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ (Universal Declaration of Human Rights 1948)ተደንጊጉ ዝርከብ። ኩሎም ሃገራዊ ቅዋማት ከኣ፡ ነዚ መሰል`ዚ፡ ከም ቀንዲ ዓንድታት ኣብ ሃገራዊ ቅዋሞም ኣስፊሮሞ ይርከቡ። ቀሊል ኣብነታት ናይዚ፡ ብሸነኽ ኤርትራ እንተተመልከትና፡ ናይ 1952 ቅዋም ኤርትራ፡ ከምኡ`ውን ናይ 1997 ቅዋም ኤርትራ ክንውከስ ይከኣል። ብሸነኽ ኢትዮጵያ እንተጠመትና ውን፡ ነቲ ናይ ፈደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ቅዋም ናይ 1995 ክንውከስ ንኽእል ኢና።

ኣብ ነፍሲወከፍ ሃገርና፡ ህዝቢ ዝሰረቱን ዝዓግበሉን ፖለቲካዊ ስርዓታት ኣብ ምቛም ክንዕወት እንተኺኢልና፡ ነቲ ብዘይ ድላይ ህዝብታትና፡ ኣብ ሞንጎና ክጽሕተር ዝጸንሐ ኣዕናዊ ኲናታት፡ ንሓዋሩ ከነወግዶ ንኽእል ኢና። ስለዝኾነ፡ እዚ ኣጋጢሙና ዝጸንሐ ኣዕናዊ ክስተታት፡ ንኹልና ዓቢ ትምህርቲ ኢዩ። ስለዚ፡ ናብ ሃገራዊ ጉዳያትና ብምትኳር፡ መሰል ህዝብታትና ዝኽበረሉ፡ ፍትሒን ዲሞክራሲን ዝሰፍነሉን ስርዓት ንምምጻእ፡ ሓቢርና ክንነጥፍ እዋኑ ይጠልበና ኣሎ። በዚ መንገዲ`ዚ ኸኣ፡ ናይ ውሽጥና ሰላም ከነረጋግጽ ክንክእል ኢና። እቲ ኣብ ውሽጥና እነረጋግጾ ሰላም፡ ኣብ ጎረባብትናን ዞባናን እውን ንሰላምን ምዕባለን ወሳኒ ግደ ክህልዎ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ጎረቤት ህዝቢ ጸገማት ምስዘጋጥም እውን፡ ከም ሓው ጎረቤት መጠን፡ ኣብ ምትብባዕ ዕርቅን ሰላምን ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ቡኽረት ናይዚ ግደ`ዚ ብምንባሩ ኢዩ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ህዝብታትና ከጋጥም ዝጸንሐ ዕግርግርን ህልቂትን ዝተራእየ።

እምበኣር፡ ኩልና ጎረባብቲ ኣህዛብ፡ ብሕውነትን ሰላምን እንነብረሉ ሓድሽ መዋእል ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ። ኩልና ነዚ ንምዕዋት ክንሰርሕ ኢና። ኣብቲ ሰላም ዝሰፈኖ መዋእል ኸኣ፡ ዘይተደረተ ልምዓትን ብልጽግናን ናይ ኩሎም ኣህዛብ ክዕምብብ ኢዩ።

ሰላም፡ መሊኣ ትኮላዕ!

ፈጣሪ፡ ዝሓለፈ ወጽዓ ህዝብታትና ከብቅዕ፡ ይሓግዘና።

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና (snitna.com)
07 ሕዳር 2022


•  ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ

• ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነቲ ኣብ ሞንጎ ተጻባእቲ ኣካላት ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብሓጎስ ተቐቢሉዎ።
Eritrean Political Forces statement, praising the recent peace accord made among Ethiopian hostile parties. Tigrinya version:

• ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነቲ ኣብ ሞንጎ ተጻባእቲ ኣካላት ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብሓጎስ ተቐቢሉዎ።
Eritrean Political Forces statement, praising the recent peace accord made among Ethiopian hostile parties. Arabic version:

• መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራያን። ብዛዕባ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ስምምዕ።

• ኣብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ዝቐረበ ገምጋማትን ትንታነታትን፡
News Analyses from different sources on Current peace agreement between the Federal Government of Ethiopia and The Tigray Gov't (TPLF):


Ethiopia’s warring sides agree ‘cessation of hostilities’: AU


መግለፂ ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪካ ቀጥታ ፈነወ - TMH - 11-02-22


• To Cement Peace in Ethiopia, Take Action on Eritrea; Michael Rubin6-7 minutes 03/11/2022

• Analysis: Truce in Ethiopia's Tigray war just first step on long road to peace.

• How Eritrea Has Driven Ethiopia’s Tragic Tigray War
A peace deal between the government and rebels is a step forward. However, Eritrea has exported conflict to its neighbors, particularly to Ethiopia. Without Eritrean buy-in, prospects for a lasting peace are dim.

• Ethiopia civil war: Tigray truce a triumph for PM Abiy Ahmed.




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: