ክኹነን ዝግብኦ፡ ስርቂ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

05/04/2021 22:41 PM

ክኹነን ዝግብኦ፡ ስርቂ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት

Content piracy in Social Media, that should be condemned.

ክኹነን ዝግብኦ፡ ስርቂ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት Content piracy in Social Media, should be condemned.

ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን፡
ድሕሪ`ቲ ናይ ኢመይል መልእኽቲ ምስዳደይ፡ ዋና ኣካያዲ ናይ ዩቱብ ቻነል Gize ግዜ Media፡ ብኢመይልን ብቴለፎንን ኣዕሊልና።
ኣብዚ ንኹልኹም ግዱሳት ክሕብሮ ዝደሊ፡ ኣካያዲ ናይ Gize ግዜ Media ዩቱብ ቻነል፡ ዕቱብ ሃገራዊን ልዕል`ቲ ትጽቢተይን ኮይኑ ረኺበዮ። ስለዚ ኸኣ፡ ነቲ ንጥፈታቱ ክቕጽሎ ኣነ ከም ውልቀ ሰብ፡ ብሓፈሻ ድማ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ( www.snitna.com ) ነተባብዕ። ነቲ ብመርበብ ሓበሬታና ዝወጽእ ትሕዝቶ፡ ደጊሙ ብዝጥዕሞ ክዝርግሖ ከምዝኽእል እውን በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ነረጋግጽ።
መርበብ ሓበሬታ ስኒትና
09 April 2021

ክኹነን ዝግብኦ፡ ስርቂ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት
Content piracy in Social Media, that should be condemned.

ሰላም ክቡራት ተኻታተልቲ መደባት መርበብ ሓበሬታ፡ ስኒትና.ኮም ( snitna.com )፡

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ኣብ 2013 ዝቖመ፡ ሃገራዊነትና ንምዕዛዝን፡ ስኒት ህዝብና ንምኹስኳስን፡ ንሓድሕድና ንምምዕዓድን ንምምህሃርን፡ ንኹሉ ኤርትራዊ መርበብ ሓበሬታታት ዝምልከት መላግቦታት ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ ኣበይ እንታይ ኣሎ ንህዝብና ንምእማትን ንምሕጋዝን ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን መርበብ ሓበሬታ ኢዩ።

ብተወሳኺ፡ ምስኡ ዝዛመድ ብመንገዲ ፌስቡክ እውን ገጽ ኣለዎ። ኣብዚ እውን ብተማሳሳሊ መንገዲ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ንንቕሓቱን የገድሱ ኢዮም ዝበሃሉ መርበባት እናኣላለየ፡ ትሕዝቶታቶም ኣብ ገጻት ፌስቡክ ስኒትና፡ ከምዝመጻ ይገብር።

ብተወሳኺ፡ ብመንገዲ ዋትስኣፕ እውን፡ ሓደ 'Snitna ስኒትና Network' ዝተሰምየ ገጽ ኣለዎ። ኣብዚ ገጽ ዚ (ግሩፕ ዚ)፡ ካብ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብናን ፖለቲካዊን ሲቪካዊን ምንቅስቓሳትናን፡ ከምኡውን ኣገደስቲ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ ውልቀሰባትን ዝሓወሰ፡ ኣማኢታት ኣባላት ዘለዉዎ ጉጅለ ኢዩ። ብመንገዲ ዙም ከምኡ ውን ፌስቡክ ዝዝርጋሕ ሰሚናራት እውን ከካይድ ምጽንሑ፡ ተኻታቲልኩም ትኾኑ። እዚ መደባት ዚ ብቐንዱ ኣብ ሰላምን ዕርቂን ሕብረተሰብና ዘተኮረ መደባትን ኣስተምህሮታትን ኮይኑ፡ ቀጻሊ እውን ኢዩ።

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ሓበሬታ ኣካላት፡ ወግዓዊ ስምምዓት ብምግባር፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ይሰርሕን ይተሓባበርን። ንኣብነት፦ (1) ምስ ራድዮ ድምጺ ኤርትራ (Voice of Eritrea) ብሓው ናዝ የማነ ዝምራሕ ሰሙናዊ መደብ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ብመርበብ ሓበሬታ ስኒትና ኣቢሉ ንመላእ ዓለም ብቀጥታ ይመሓላለፍ፡ ይቕዳሕን ይስነድን። (2) ብተማሳሳሊ መንገዲ፡ መደባት ራድዮ ኣሰርና (Radio Aserna)፡ ብሓው ይትባረክ ገብረትንሳኤ ዝፍኖ ዝነበረ መደባት፡ ይቕዳሕን ኣብ ስኒትና ይስነድን። (3) ምስ ፈነወ ንጋባእ (Ngabae Broadcasting)፡ (4) ምስ ራድዮ ሰእዮብ (Radio Saeyob) እውን ብተማሳሳሊ መንገዲ ይተሓባበር። (5) ምስ ፓልቶካት ናይ ዘተ ገዛውቲ እውን ከከም ጠለባቶም ክተሓባበር ጸኒሑን ኣሎን። ንኣብነት፦ ሕድሪ ጀጋኑናመርበብ ኤርትራውያን ንፍትሒስመርEMDHR፡ ወዘተ (6) ምስ ብዙሓት ወብሳይታትን ናይ ዩቱብ መርበባትን ከምኡ`ውን ብመንገዲ ፌስቡክ ኣሰምህሮን ሓበሬታን ዘመሓላልፉ ቻነላት፡ ኣብቲ ናይ ስኒትና ወብሳይትን ፌስቡክን ከምዝመጽኡ ብምግባር ይተሓባበር። እዚ ኣዝዩ ውሑድ፡ ንኣብነት ኢሉ ዝቐረበ ገለ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ዝገብሮ ምትሕብባር ኢዩ።
ብግብሪ ብኣካል ንምርኣይ፡ ናብ ወብሳይትና ክትበጽሑ ትኽእሉ።

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ብመንገዲ ዮውሃንስ ጸጋይ በርሀ ዝውነን፡ ዝካየድን ይኹን`ምበር፡ ብዙሓት ብሓሳብን ብምኽሪን ዝደጋገፉን ዘትባብዑን ግዱሳት ኤርትራውያን ኣለዉዎ። ብዘይካኦም፡ ክሳብ ሕጂ ደው ክብል ኣይምኸኣለን።

ናይ ግዜ፡ ክእለት፡ ካልእ ዘድሊ ወጻኣኢታትን ኩሉ ብ`ዮውሃንስ ጸጋይ በርሀ፡ ዝሽፈን ኢዩ። እዚ ከም ኣካል ናይ ሃገራዊ ቃልሲ፡ ከም ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ጸጸጸርካ ምድርባይ ገይሩ ኢዩ ዝወስዶ። ምስ ኩሉ ድኻማቱን ሕጽረታቱን፡ ምእንቲ ኤርትራ ክኽፈል ዘለዎ መስዋእቲ ስለዝኾነ። ንኹሎም እቶም ኣብዚ መዳይ`ዚ ዘተተባብዑ ድማ፡ ምስጋና ይብጻሓዮም።

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክግለጽ ዝጸንሐ፡ ቀንዲ ዕላምኡ፡ ህዝብና ንምንቕቓሕ፡ ንምምሃርን ሃገራዊ ስኒቱ ከምዘዕዝዝ ንምግባርን ኢዩ። ንመኽሰብ ዝስርሕ ኣይኮነን። እዚ እቲ ሓቂ ኾይኑ፡ ኣብ ገለ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ዩቱብ፡ ነቲ ብድኻምን ጻዕሪን ናይ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም ዝፈረየ ናይ ዩቱብ ትሕዝቶ፡ ብዘይ ፍቓድና ቀዲሖም ከም ናቶም ገይሮም ብምቕራብ፡ ኣብ ናይ ዩቱብ ቻነላቶም ብምስቃል፡ ንመኽሰብ ክጥቀሙሉ ከምዝጸንሑን ከምዘለዉን፡ እፈለጥና ስቕ ኢልና ጸኒሕና። እዚ ዘይቅኑዕን ዘይ-ስነምግባራዊን ኣገባብ ግን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ክኹንኖ ዘለዎ ኢዩ። እዞም ከምዚ ዝገብሩ ኣካላት፡ ብሓቂ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝርጋሕ፡ ብቕንዕና ከገልግሉ ዝደልዩ እንተኾይኖም፡ ነቲ ናይ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ቪድዮታት፡ ከም ሊንክ ብምውሳድ ኣብ ዩቱብ ቻለሎም ከምዝርአ ክገብሩዎ ዘገግም ኣይኮነን፡ እዚ እቲ ዝውቱርን ቅቡልን ኣገባብ ስለዝኾነ። ካብኡ ወጻኢ ፍቓድ ናይ ወናኒኡን ኣፍራዪኡን ከይሓተትካ፡ ብኢደ ዋኒንካ ወሲድካ ከም ናትካ ብምስቃል መኽሰባት ክትረክብ ምፍታን ግን፡ ስርቂ ጥራይ ዘይኮነስ፡ የኽስስ እውን ኢዩ።

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ዘፍርዮም ስራሓት፡ ብመንገዲ እተን ቀንዲ ናይ ኤርትራዊያን ማዕከናት ተለቪጅንን ዩቱብን (ንኣብነት ኣሰና፡ ኤሪሳት፡ ከምኡ`ውን ኣለና ሚድያ ቲቪ) ኣቢሉ ክዝርጋሕ፡ ሙሉእ ፍቓድን ኣፍልጦን ብምሃብ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን። እዘን ዝተጠቕሳ ናይ ተለቪጅን ኮነ ናይ ዩቱብ መደበራት፡ ብዝትዕመን መንገዲ ንትሕዝቶ መርበብና ክጥቀማሉ፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና የፍቅድ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ህዝብና ንምንቕቓሕ ዘካይድኦ ከቢድ ጻዕሪን ድኻምን፡ ናይ ገንዘብ ወጻኢታትን ዝተሓወሶ ሃገራዊ ዕማም፡ ገለ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዘምጽኣለን እንተኾይኑ፡ ሓላል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክጥቀማሉ ቅቡልን ቅኑዕን ኢዩ።

ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዘይቅዱስ ተግባራት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት፡-

1) - ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ከም ERI-MEDIA ነይሮም፡ ድሓር ግን ዩቱብ ከምዝዕጸዉ ገይሩዎም ኢዩ።

2) - ካልኦት እውን ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም፡

3) - ኣብዚ ቀረባ 1-2 ዓመት ድማ፦ Gize ግዜ Media ዝተሰምየ ቻነል ኣብዚ ስራሓት ዚ ተዋፊሩ ኣሎ።

4) - ከምኡውን፦ #asmaraeritra ዝተሰምየ ቻነል ኣብዚ ስራሓት ዚ ተዋፊሩ ኣሎ። እዚ ዩቱብ ቻነል`ዚ፡ ጥብቆን መቐጸልታን ናይ "Gize ግዜ Media" ኢዩ።

ገለ ካብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ዝፈረየ /ዝወጸ ስራሓት፡ Gize ግዜ Media ዝተሰምየ ቻነል፡ ንመኽሰባዊ ዕላማ ብዘይፍቓድ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ከምዚ ዝስዕብ ንኣብነት ክቐርብ ይከኣል፦

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዞም ኣብዚ ዘይቅዱስ ስርቂ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣካላት፡ ዓገብ ክብሎም፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ትምሕጸን።


መርበብ ሓበሬታ ስኒትና
snitna.com

------------

ክኹነን ዝግብኦ፡ ስርቂ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት። Content piracy in Social Media, should be condemned.
Your comments on Facebook - ርእይቶኹም ኣብ ፌስቡክ

ናብ ወነንቲ ናይ ዩቱብ ቻነላት (1) Gize ግዜ Media ፡ ከምኡ ውን (2) #asmaraeritra ፡ ዝተላእከ ናይ ኢመይል ስምዕታ፡ ዕለት 09 ሚያዝያ 2021.


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Our Latest Video Releases   እዋናዊ ቪድዮታት።



Share with friends: