አሕዋትኩም ካብ ምድረ-ታሪኽን ክብርን ኤርትራ

06/08/2017 23:48 PM

ኣሕዋትኩም ካብ

ምድረ-ታሪኽን ክብርን ኤርትራ

ኣሕዋትኩም ካብ ምድረ-ታሪኽን ክብርን ኤርትራ

 

ፍቱዋት አሕዋት ተለምቲ መዓልቲ ሓርበኛታት!

ቀዳመይቲ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ፡ እታ ጀጋኑ ተባዓት ወለድና ኣብ ማእከል ኩናት ሓድሕድ ደቆም ኣትዮም: ዕርቀ ሰላም ክነግስ ዝተማሕጸኑላ፡ ትእምርተ ዕርቅን ሰላምን ኩናት ሓድሕድ ወከ-ዛግር: ንክብረትን ናጽነትን ኤርትራና ንእተቓለሱ ሓርበኛታት ኣበዋትና፡ አሕዋትናን ኣሓትናን ከምዝወፈኹሙዋን፡ ዓሚ ከምዚ እዋን ፈላሚ ዝኽሪ ብምጽንባልኩምን፡ ኣነን ዝኸማይን ኣብ ውሽጢ ሃገር እንርከብ ብጾትኩም ብልቢ ከምእተሓጎስና ክሕብረኩም እፈቱ።

እቲ ሓሳብ ኣብ ልቢ ብዙሓት መሰልትኹም ግዲ ጸኒሑስ፡ ነቲ ቕዱስ ተበግሶ ናብ ህዝቢ ኽትዝርግሑ ኣብ ዝተፈላለያ ማእከናት ዜና፡ ቃለ መሕትትን ሓባራዊ ዘተን ከተካይዱ እንከለኹም ኣትሒዝና ኢና ተኸታቲልናዮ። እዚ ሰናይ ተበግሶ’ዚ ከም ካልእ ብዙሕ ጀሚሩ ዘይቀጸለ ቅዱስ ትልምታት፡ ከይዓምበበ ከይሓርር ብዙሕ ስክፍታን ስግኣትን ከምዝነበረና እውን ክንሓብኣልኩም ኣይንደልን።

ኮይኑ ግን፡ ንዝሓዞ ዕላማ ከዐውት፡ ስኑ ዝነኸሰ ዘበለ፡ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ተበግሶታቱ፡ ኣብ ዝብጻሕ ከየብጸሐ ኣይዓርፍን’ዩ። እነሆ ከኣ ንስኻትኩም፡ ኣብቲ ግዜን ገንዘብን ዘይተኣኸኸሎ ሃገረ ስደት ኮይንኩም፡ ነዚ መንግስትና ክሓስበሉን ክትግብሮን ዝግባእ፡ ግን ከኣ ስለዝገፍሖን ዝበዝሖን ዘየርከበሉ ቅዱስ ሓሳብ ኣንቂልኩም፡ ድሮ እኳ ንኽልተ ዓመታት ኣብዒልኩሙዎ ኣለኹም።

ንሕና እውን ልክዕ ከማኻትኩም፡ እኳ ደኣ ካባኻትኩም ብዝበለጸ እውን፡ (ኣብዚ ክቡር ሃገረ ታሪኽን ክብርን ስለዘሎና) ዋላኳ ኣብ ኣደባባይ ወጺእና ከነብዕሎ እንተዘይከኣልና ኣኣብ ቤትናን መምስ ፈተውትናን ቀረብትናን ኮይንናስ ካብ ምኽባሩ ዓዲ ኣይወዓልናን።

ክቡራት ብጾተይ፡ ቃልስና ቃልሲ ወለዶታት ኤርትራ፡ ቃልሲ ዓመጽን ስቓይን፡ ቃልሲ መሰልን ፍትሕን፡ ቃልሲ ደሞክራስን ክብረትን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ’ዩ ዳርጋ ንፍርቂ ዘበን ንኣስታት ሓምሳ ዓመታት ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ከነካይድን ኣሻሓት ብሉጻት ጀጋኑና ክንከፍል ዝተገደድና። ዋላኳ ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነትና፡ ከምቲ ሓሊንና ዝተቓለስናሉ፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ መስሪትና፡ ቖጽሊ ብዝነበርናሉ ሹም አሕዋት ክንመሓደር እንተዘይበቓዕና፡ እታ ብውዲትን ሽርሕን ሓያላንን ብጎበጣ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ዝተመንዘዐት ናጽነትናን ሃገራዊ ክብረትናን ስለዘረጋገጽና ኣብ ታሪኽና ዓቢ ምዕራፍ ኣመዝጊብና ኢና።

ምህናጽ ሃገርን ምርግጋጽ ሓርነትን ቀሊል ከምዘይኮነ፡ ብዙሓት ቅድሜና ሃገራዊ ሰውራ ዘካየዳ ሃገራት ኣብነት ኮይነናና እየን። ግን ከኣ ንሕና ካብ ተመኩሮአን ተማሂርና፡ ካብ ብልጫታተን ብልጫ፡ ካብ ድኻማተን ከኣ ምህሮ ቀሲምና ከነመሓይሽ ብዘይምኽኣልና ከቢድ ዋጋ ንኸፍል ኣሎና። ግን ከኣ ኩላትኩም እቶም በዚ ቕዱስ ዕላማ መሰል ትተኣኻኸቡ ዘለኹም አሕዋት ነቲ ጽቡቕ ሰናይ፡ ነቲ ሕማቕ ከኣ ግናይ ብምባል ዝተረሰዐ ከተዘካኽሩ ብዓቕምኹም ክትመኽሩን ክትሕብሩን እንተደኣ ኪኢልኩምሲ፡ ጸገምን ሕሰምን መከራ ኤርትራ ዘብቅዓሉ እዋን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።

ምህላውን ምኽባርን መዓልቲ ሓርበኛታት ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝብጸሖ፡ ኣበዋትናን ወለዶናን ዝተቓለሱሉ ታሪኽ፡ ታሪኽ ህዝብን ሃገርን ስለዝኾነ፡ ታሪኽናን ክብርናን ከኣ ብተሳትፎና ስለዝዕቀብን ዝረጋገጽን፡ ብፍላይ እኳ እቶም ጀሚርኩሞ ዘለኹም ኣብ ስደት እትርከቡ አሕዋት ደኺምና እንከይበልኩም ድፍኡሉ ኢኹም ሓደራ። ንሕና እዞም ኣብ ውሽጢ እንርከብ ከኣ ብመንፈስን ሓሳብን ምሳኽም ከምዘሎና ደጊምና ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።

ዝተወጸዐ ዝስመዓሉ፡ ዝተረሰዐ ዝዝከረሉ፡ ልቢ ዘትረረ ዝርህርሃሉ፡ ዝጨከነ ዝልስልሰሉ እዋንን ግዜን የመጽኣልና።

እግዚኣብሄር ንሃገርናን ህዝባን ይባርኽ!

እቶም ነዚ ቅዱስ ሓሳብ ዘንቀልኩም፡ ወድኹም ጓልኩም ከኣ፡ ጸጋ በረኸት እግዚኣብሄር ይምላእኩም።

አሕዋትኩም ካብ ምድረ-ታሪኽን ክብርን ኤርትራ!!

06/08/2017

Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Asmera dimsi bayto 14th session 2.2002 Tigrina audio.
መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ (ለካቲት 2002)።
(YouTube Channel: Aida Kidane
):