ሲምፖዚየም ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል GLOBAL YIAKL MOVEMENT SYMPOSIUM

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

27/06/2021 23:55 PM

Reportage - ጸብጻብ - تقرير

GLOBAL YIAKL MOVEMENT SYMPOSIUM
June 26 - 27, 2021
“Action for Unity & Liberty”
ሲምፖዚየም ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡
ሰነ 26 – 27, 2021
“ሓድነትናን ሓርነትናን ብስራሕ ነውሕስ”
ندوة
المنظم: حركة كفاية العالمية
التاريخ: ٢٦-٢٧ يونيو ٢٠٢١
المكان: زووم
عنوان الندوة: العمل من أجل الوحدة والحرية

GLOBAL YIAKL MOVEMENT SYMPOSIUM

ተበግሶ ዓለምለኻዊ ምንቅስኻስ ይኣክል፡ ካብ 26 ክሳብ 27 ሰነ 2021 ንኽልተ መዓልታት ክቕጽል ዝቐነየ ዓለምለኻዊ ሶምፖዝየም፡ ምዓወት ተዛዚሙ። እዚ “ሓድነትናን ሓርነትናን ብስራሕ ነውሕስ” ዝብል ጭርሖ ዝማዕረገ ሲምፖዝዩም፡ ብኣቦ ወንበር ተበግሶ ዓለምለኻዊ ምንቅስኻስ ይኣክል፡ ኣቶ ወሰንሰገድ ሓጎስ ብናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም መኽፈቲ መደረ ተኸፊቱ፡ ካብኡ መድርኽ ናብቲ ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ መደባት ሰጊሩ። ኣብዚ ናይ ክልተ-መዓልቲ ሲምፖዝዩም፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዓለማዊ ደረጃ ምንቅስቓስ ይኣክል ንምጥርናፍን ንምቛሙን ዝሕግዙ ክካየዱ ዝጸንሑ መጽናዕታዊ ስራሓት፦ (1) ተስፋታት ናይ ጽምዶ (The prospects of Engagement) (2) ሜድያን ውዳበታትን (Media & Mobilization) (3) ዲፕሎማሲ (Diplomacy) (4) ኣብ ባይታ ዝካየዱ ስራሓት (Ground Connections) (5) ፋይናንስን ምወላን (Finance & Fundraising) ከምኡውን (6) ስእለ-መንገዲ ንምቛም ሃገራዊ ሓይልን ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲን (GYM Road map) ዝብሉ ሰፋሕቲ ኣርእስትታት ቀሪቦምን፡ ብርእይቶን ሕቶታትን ተሳተፍቲ ሃብቲሞምን። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሲምፖዝዩም፡ ናጻ ትዕዝብቶምን ገምጋማቶምን ክህቡ ብዝተዓደሙ ናይ ክብሪ ኣጋይሽ ዕድል ድሕሪ ምሃብ፡ ብናይ መደምደምታ መልእኽቲ ኣቦ መንበር ተበግሶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን ምክትሉን ብምቕራብ ተዛዚሙ።

ኣብዚ ሲምፖዝዩም`ዚ ካብ ፖለቲካውን ሲቪካውን ከምኡውን ናይ ሜድያ ትካላትን ዝመጽኡ፡ ልዕሊ 200 ተሳተፍቲ ነይሮም። እቲ መደብ፡ ብማንዛዊ (ኢንተርነት) ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ብቀጥታ እውን ብመንገዲ ፌስቡክን ዩቱብን ንኹሉ ተዓዛቢ ይመሓላለፍ ነይሩ።

ኣብዚ ሲምፖዝዩም`ዚ ዝቐረቡ ስራሓት፡ ተበግሶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ሓያልን በዳሂን ስራሓት ከካይድ ምጽንሑ ዘመልክቱ ኢዮም ነይሮም። ተሳተፍቲ ናይዚ ሲምፖዝዩም፡ ነቲ ዝቕረበ ስራሓት ዘሀብትሙ፡ ንመጻኢ ከይዲን ዕማማትን ናይ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዘሐይሉን ዝሕግዙን፡ ሓያሎ ሃነጽቲ ሓሳባትን ለበዋታትን እውን ቀሪቦም። ሓለፍቲ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ በብእዋኑ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እናቐረቡ፡ ምስ ህዝቢ ክላለዩን፡ ናይ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ሓበሬታ ንህዝቦም ክህቡ ዘተባብዕ ለበዋታት ገለ ካብቲ ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ ነይሩ።

ብተሳተፍቲን ብኣቦ ወንበርን ምክትሉን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ፡ ተሳትፎኡ ከዛይድ፡ ከቢድ ዕማምን ስራሕን ይጽበየና ምህላዉን፡ ለበዋ ኣመሓላሊፎም።

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም ነቲ ዝተኻየደ ሲምፖዝዩም ብሓፈሻ፡ ነቲ ኩሉ ብ`ተበግሶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ክሰላሰል ዝጸንሐ ዕማማትን ከኣ ብፍላይ፡ ብዓቢ ኣድናቖት ተመልኪታቶ። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ቁልዒ ናይ ህዝባዊ ቃልሲ ንፍትሒ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ፡ ጸጸጸሩ ክጽምብረሉ ለበዋኣ ተማሓላልፍ። ከምቲ ትማሊ ኣንጻር መግዛእታዊ ስርዓት ብሓባር ተቓሊስና መግዛእቲ ዝደምሰስናን ልዑላውነት ሃገርና ዘመስከርናን፡ ሎሚ`ውን ብስሙር ተግባርና፡ ሓርነት ህዝብና ብምርግጋጽ፡ ዝተጠልመ ሕድሪ ሰማእታትና ክንድብስ ዘኽእለና ባይታ ተፈጢሩልና ኣሎ`ሞ፡ ኩልና ናብኡ ንዕሰል።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

ስኒትና.ኮም 27 ሰነ 2021


Welcome and Keynote speech:
Mr. Wesenseghed Hagos
ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም መልእኽቲ መደረ ብኣቶ ወሰንሰገድ ሓጎስ።

ኣቶ ወሰንሰገድ ሓጎስ


GLOBAL YIAKL MOVEMENT SYMPOSIUM
June 26 - 27, 2021
“Action for Unity & Liberty”
ሲምፖዚየም ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡
ሰነ 26 – 27, 2021
“ሓድነትናን ሓርነትናን ብስራሕ ነውሕስ”
ندوة
المنظم: حركة كفاية العالمية
التاريخ: ٢٦-٢٧ يونيو ٢٠٢١
المكان: زووم
عنوان الندوة: العمل من أجل الوحدة والحرية
26 June 2021: Part-1

Topics covered:
Welcome and Keynote speech: Wesenseghed Hagos
Title: The prospects of Engagement
Moderator: Mulugheta
Panelist: Teamrat Seyum, Asihel Bitsuamlak, Romodan Shekay Bekit
Endorsements & Summary in Arabic
Title: Media & Mobilization
Moderator: Bereket Kahsay
Panelist: Ghezae Hagos, Zekarias Gerrima, Ayneta Mihretab
Endorsements & Summary in Arabic


GLOBAL YIAKL MOVEMENT SYMPOSIUM
June 26 - 27, 2021
“Action for Unity & Liberty”
ሲምፖዚየም ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡
ሰነ 26 – 27, 2021
“ሓድነትናን ሓርነትናን ብስራሕ ነውሕስ”
ندوة
المنظم: حركة كفاية العالمية
التاريخ: ٢٦-٢٧ يونيو ٢٠٢١
المكان: زووم
عنوان الندوة: العمل من أجل الوحدة والحرية
26 June 2021: Part-2

Topics covered:
Title: Diplomacy
Moderator: Eyorus Haile
Panelist: Dr. Aron Hagos, Sengal Woldetnsae, Ghebre Badurai
Endorsements & Summary in Arabic
Remarks


GLOBAL YIAKL MOVEMENT SYMPOSIUM
June 26 - 27, 2021
“Action for Unity & Liberty”
ሲምፖዚየም ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡
ሰነ 26 – 27, 2021
“ሓድነትናን ሓርነትናን ብስራሕ ነውሕስ”
ندوة
المنظم: حركة كفاية العالمية
التاريخ: ٢٦-٢٧ يونيو ٢٠٢١
المكان: زووم
عنوان الندوة: العمل من أجل الوحدة والحرية
27 June 2021: Part-3

Topics covered:
Brief welcome note
Title: Ground Connections
Moderator: Robel Tareke
Panelist: Leul Zewde, TBA, Daniel Bokre
Endorsements & Summary in Arabic
Title: Finance & Fundraising
Moderator: Eyorus Haile
Panelist: Petros Zere, TBA, TBA
Endorsements & Summary in Arabic


GLOBAL YIAKL MOVEMENT SYMPOSIUM
June 26 - 27, 2021
“Action for Unity & Liberty”
ሲምፖዚየም ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡
ሰነ 26 – 27, 2021
“ሓድነትናን ሓርነትናን ብስራሕ ነውሕስ”
ندوة
المنظم: حركة كفاية العالمية
التاريخ: ٢٦-٢٧ يونيو ٢٠٢١
المكان: زووم
عنوان الندوة: العمل من أجل الوحدة والحرية
27 June 2021: Part-4

Topics covered:
Title: GYM Road map
Moderator: Robel Tareke
Panelist: Kuluberhan Abraham, Dr. Mogos Yakob, Romodan Shekay Bekit
Endorsements & Summary in Arabic
Concluding Remarks: Chairperson


Share with friends:


Latest Video Releases of Yiakl.
ናይ ይኣክል፡ እዋናዊ ቪድዮታት።



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: