ሓቦኛ ከልቢ ስሚ በሊዑ ይመዉት! indefatigable dog dies eating poison

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

19/02/2020 18:28 PM

ሓቦኛ ከልቢ ስሚ በሊዑ ይመዉት!

Indefatigable dog dies eating poison.

ብ`መርእድ ዘርኡ by Merid Zeru

ሓቦኛ ከልቢ ስሚ በሊዑ ይመዉት!

ሓቦኛ ከልቢ ስሚ በሊዑ ይመዉት!

Bereket Gebrekidan "Ata merid hawey ab alem eti zashew hzbi keynbhal eyu zefrh nmntay kem ztekalesnqa zeyteredana?"

ተስፋ ይገብር ኣቶ በረኸት “ስለምንታይ ከም ተጋደልኩ ትፈልጦን ትግምግሞን ክትከዉን”። ታሪኸይ ካብ ታሪኽ ተጋደልቲ ኤርትራ፡ ወለዶ 1960ታትን 1970ታትን ሕብረተሰብ ኤርትራን ዝፍለ ስለዘይኮነ፡ ኩሎም መዛኑተይ ዘዘንትዉዎ ታሪኽ፡ ኣካል ናይቲ ታሪኽን ኣብቲ ታሪኽን ስለ ዝነበርኩ መግለጺታቶም ይዉክለኒን ይገልጸኒን ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝርዝር ኣትየ: ታሪኽ ዝነግር ዘለኹ ተመሲለ፡ንዉልቃዊ ተፈላጥነት ን ዝናን (cult of personality) ዘዕቢ ሃጠዉ-ቀጠው ኣይክጽሕፍን’የ።

ኣሕጽር ኣቢለ ንክብርኻን ክብሪ ነበብተይን ክብል፡ ነቲ ሓፈሻዊ ኣቀዲሞም ካልኦት ተጋደልቲ ዘዘንተዉዎ፡ ብሓጺሩን ቁርጥዉ ዝበለ ብልሓት ክገልጾ ክፍትን እየ። ኣነ ይኹን እቶም ምሳይ ዝተጋደሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራዉያን፡ “ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኣዉጺና ብዉሽጣዊ መግዛእቲ ንምትካእ” ከምዘይተቃለስና፡ ብመጀመርታ ክንጸር ዘለዎ’ዩ። እንታይ ድኣ ናጽነታን ልዕላዉነታን ዘራጋገጸት ኤርትራ፡ ሓርነትን ሉዕላዉነት ህዝባ እተኽብር፡ ሰላም፡ ፍትሒን ራህዋን ዝሰፎኖ ሕብረተሰብን ሃገርን ንምህናጽ ዝተቃለስና ኢና።

ኮይኑ ግን፡ ዕዳጋ ኣዴኻ ከምዝላኣኸትካ ዘይኮነ፡ ሹቕ ከምዚጸንሓካ’ዩ። እቲ ቃልሲ ከምቲ ብደገ ኬና፡ ብኑጹህ- ልብና፡ ድንግል- ኣታሓሳስባና፡ ቃልቃል ዝብል ሃገራዊ ስምዒትናን ትጽቢታትናን ክትርእዮን፡ ከምቲ ብተግባር ኣብ ዉሽጢ ምስኣተናዮ ዝጸንሓና ኣይኮነን። ብሓጺሩ፡ እቲ ኩዉንነት ሰዉራ፡ ከምቲ ዝተጸበናዮን ክኾኖ ዝግብኦን ኣይጸንሓናን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ነቲ ቅድሚ ንሰዉራ ምጽንባርና፡ ከም ዜጋታት እንሕልኖ ዝነበርና ራእይን ዕላማታት፡ ብሙሉኡ ከነዕዉቶ ከምዘይኮነ፡ ካብቶም ቡዙሓት፡ ኣዝዮም ዉሑዳትተጋደልቲ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ ነይሮም እዮም።

መብዛሕትኡ ተጋዳላይ፡ ብዘይካ ንጹሁ ናይ ምቅላስ መንፈስ ፡ ብልክዕ ንገዛእ-ርእሱን መራሕቱን ብጉቡእ ይፈልጥ ኣይነበረን። እዚ ናይ ተጋደልቲ ክዉንነትን ኣሉታ ናይ መሪሕነት ባህርያት፡ ነቶም ብልክዕ ዝፈልጡ ዝነበሩ ዉሑዳን ተጋደልቲ፡ ኣዝዩ ልዑል ስክፍታታትን ስግኣታትን ኣሕዲሩሎም ነይሩ’ዩ። እቲምንታይስ ፡ ተጋደልቲ ንመራሕትና ክንፈልጥ፡ መራሕቲ ክንከዉን ነይሩና፡ የግዳስ ኩላህና መራሕቲ ክንከዉን ስለዘይንኽእልን፡ መራሕትና ካባና ዝጎርሑ ስለዝነበሩ፡ መሳርሕቲ ዝኾኑዎም ላዕሎወትን ማእኮሎት ክዋድራት ብመዕየሪታቶም ብምግምጋም፡ብሚስጢር ይመርጹዎም ስለዝነበሩ፡ ብቀሊሉ እቲ ዝበዝሔ ተጋዳላይ ባህርያት መሪሕነቱ ብልክዕ ከለልን ክፈልጥን ኣይክኣለን።

ግፍዕን ኣደራዕን ብመራሕቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋዳላይን ህዝብን ዝወርድዎ ዝነበረ፡ ካብቲ ቀንዲ ሓደገኛ ምልክታት ባህርያቶም፡ ኢሰብኣዉነቶም ፡ዘይፍትሓዉነቶም ዘንጸባርቕ ብምንባሩ፡ እንዳገበሉን መላእ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዝቃጻጸሩሉ እዋናት ዓቢ ገበናት ክፍጹሙ ድሕር ዝብሉ ከምዘይኮኑ ኑጹር እኳ እንተነበረ፡ ካባይ ጀሚርካ፡ ባህርያት እቲ መሪሕነት ሓደገኛ ሙኻኑን ንፖሎቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ክጽዕር ሙኻኑ ንግምግም እኳ እንተነበርና፡ ማዕረ ከምዚ ኣብ ዉሽጢ’ዚ 27 ዓመታት: ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራን ዝፈጸምዎ ኣዝዩ ዓሚቅን ሰፊሕን (magnitude) ዕንወትን ገበንን ይፍጹሙ እዮም ዝብል ግምታት ኣይነበረናን።

እቲምንታይስ፡ መላእ ተጋዳላይን ህዝብን ብሕጽረታት ሓቤሬታ ዝተሓንቐ ስለዝነበረ፡ ነቲ ክዉንነት፡ ብግቡእን ሙሉኡን ክርድኦ ስለዘይክእልን እቲ ምርጫታት ኣብቲ ዝነበረ ህሞት ድማ ዉሱን ብሙኻኑ፡ መታን እቲ ዝላዓለ ዕላማ ሰዉራ ኤርትራ ክዕወትን: ነቲ ቀዳማይ ግርጭት ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ባዕዳዊ ገዛኢ ዝነበረ ግርጭት ንክንፈትሕ፡ ንካልኣዊ ወይ ዉሽጣዊ ግርጭታትና፡ ኣብ መስርሕ እንዳተቃለስና ምስ ህዝብና ኬና ከነዕርዮን ክንፈትሖን ንኽእል ኢና ዝብል ተስፋን ግምታት ነይሩ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ’ዩ ድማ “ድሕሪ ናጽነት ገድሊ ኣሎ፡ መሰል ናይ ህዝብና ክሕሎ” እንዳበልና ንደርፍ ዝነበርና።

ነዚ ግምታት’ዚ ዳይነሚክስ ዝኾነ፡ ኣብቲ ዲቕ ዝበለ ጸልማት ጩራ ብርሃን ይርኣየና ስለዝነበረ’ዩ። እቲ ዝርኣየና ዝነበረ ጩራ ብርሃን ፡ ተወፋይነትን ጂግንነት ተጋዳላይን ህዝብናን መሰረት ገይሩ፡ ዝተወደበ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ነቲ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ ዝሓየለ ሰራዊት፡ ብምዕራብን ምብራቕን ሓያላት ሃገራት ክሳብ ኣስናኑ ዝዓጠቐ፡ ሓግሒጉ ካብ ትርኢት ኤርትራ ከምዝጸርጎ ሩኡይ ን ዘየጣራጥርን ብምንባር’ዩ።

እዛ ንእሽቶይ ጮራ-ብርሃን ንዉሳኔታትና ፈላልያቶ’ያ፡-

1. ንጌሌና ማይ ሓይሊ (glucose) ኮይና፡ ክሳብ መጨረስታ ኣጋዲላትና።
2. ንጌለና እታ ጮራ-ብርሃን ስለዘይተራእየትና ጭንቀት ስዒሩ፡ ተስፋ ስለዝተቆርጸ ርእሰ ቅትለት ከምትፍጽም ኮይና።
3. ገሊኣ ድማ ነቲ ቃልሲ ሓዲጉ ንሱዳን ወይ ንሰራዊት ሓይሊ መግዛእቲ ኢዳ ከምትህብ ገይርዎ።

ኣብ ተሞኩረይ ከምተማሃርክዎ፡ ንጉዕዞ ታሪኽ ዝቕይር እቲ ብቀሊሉ ትርእዮ ነገር ዘይኮነ፡ እቲ ዘይትርእዮ’ዩ። ኣብ ዉሽጥና መብዛሕትኡ ህዝብን ተጋዳላይን ዘይፈልጦ፡ ሙስጡር ሰልፊ ነይሩና’ዩ። እዚ ሰልፊ’ዚ ምስቲ ግርህና ህዝብናን ተጋዳላይን ንሓደጋ ከምንቃላዕን ብህሎ "ሳንዱቕ ፓልዶራ (pandora's bxo)" ጋህዲ ክኸዉን ኣኽኢሉ’ዩ።

ኣባላት እታ ሚስጢራዊት (E.P.R.P) ሰልፊ ዘይነበሩ፡ ኣብ ዉሽጢ እቲ ሰፊሕ ግንባር ህ.ግ.ሓ.ኤ ሰልፊ ከምዘሎ ዝፈልጡ ዉሑዳት ተጋደልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ተመዲቦም ዝቃለሱ ነይሮም እዮም። ምስቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ናይ “ጸጋም” ኣታሓሳስባ ዝተቀበሉ ብምንባሮም፡-

1. እዚ ሰልፊ’ዚ ካብ ሰልፊ ሓሊፉ ንጉጂላዊ-ኣምሉኾት (cult) ይቕየርን ንዉልቃዊ ማዓላ ይዉዕል ይኸዉን ዝብል ጥርጠራ ኣይነበሮሙን።
2. ብዘይ መሪሕ ሰልፊ ሰዉራ ክዕወት ኣይክእል’ዩ ዝብል ጸጋማያዊ ኣታሓሳስባ ስለዝነበሮም፡ ንምንባሩ ተቃዉሞ ስለዘይነበሮም’ዩ።
3. ካብ ዉልቃዊ ረብሓታቶም፡ ረብሓን ዓወትን ሰዉራ ስለዘቀደሙ። ዋላ ከም ተጋደልቲ ኣባላት እታ ሰልፊ ካይኮኑ ተዋጊኖም ከንሶም፡ “ጥራይ ሰዉራና ይታዓወት እንበር፡ ኣነ ኣባል ኮይነ ኣይኮንኩን ዘምጽኦ ፍልልይ የሎን ብምባል” ነቲ “ሚስጢር ከም ሚስጢር” ኣብ ዉሽጦም ዓቂቦም ተቃሊሶም እዮም።

ሆቺሚን መራሕ ሰዉራ ቬትናም ፡ ንሰዉራ ቬትናም ኣንጻር ፈረንሳን ኣሜርካን ኣብ ዝቃለስሉ ዝነበሩ ጊዚያት፡ ከምዚ ቢሉ ይገልጾ ነበረ “እቲ ጽንጽያ ነቲ ሓርማዝ ከዉድቆ’ዩ” (እቲ ንእሽቶ ሰዉራ ቬትናም፡ ነተን ርእሰ ሓያላን ሃገራት ክስዕረን ሙኻኑ ዝገልጽ፡ ገላጺ ኣብነት’ዩ)። እዚ ማለት እቲ ጽንጽያ ነቲ ሓርማዝ በብንእሽቶ እንዳቶኾበ የቕስሎ እሞ፡ እታ ቁስሊ መዓልታዊ ከምትዓሙቕን ከምትሰፍሕን ስግሩ ኣካላቱ ረኽሲ ከምዝወሮ ብምግባር፡ ሓርማዝ ዛዕ ኢሉ ከምዚወድቕ ይገብሮ ማለት’ዩ። ንሕና ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ (ሰራዊት ሓርነት) ንሰራዊት ሃይለስላሴን ደርግን (ሰራዊት እምባራጦር ኢትዮጵያ) ዛዕ ኣቢልና ከነዉድቆም እንኮሎና፡ እቲ ኣብ ዉሽጢ ሰፊሕ ግንባር ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ማዓንጡና ተጸፍዩ ከም ኣሜባ፡ ብምስጡር ተወዲቡ ዝነጥፍ ዝነበረ፡ ነቲ መሰልናን ነፍስናን ረሲዕና ከነዕዉቶ እንቃለሰሉ ዝነበርና ዕላማታት፡ ብብንእሽቶ እንዳቦጎለን እንዳፉሓቀን፡ ነቲ ሰፊሕ ግንባር ተሰኪምዎ ዝነበረ ዕላማ። ልክዕ ከምቲ ሓርማዝ ዛዕ ኢሉ ዝወደቀ፡ ንሕና እዉን ብተምሳሉ፡ ኣብ ኢድ ጸቢብ ገበነኛታት ጉጂለ ከምንወድቕ ገይሮሙና እዮም። ከምዚ ገይሮም ከይኣኽሎም ኣብ ስደት ተሰዲዶም እዉን ይንየትሉ ኣለዉ።

ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝኣበሶ ነገር እንተሃሊዩ፡ ነቲ ዝዓበየ ሃገራዊን ህዝባዊን ዕላማ ንምዕዋት፡ ዉልቃዊ ሓርነቱን ናጽነቱን ከም ካልኣዊ ጉዳይ ምስርዑ’ዩ። ብዓቢኡ መታካእታ ዘይብላ ሂወቱ ንክብጁ ድሉውን ዉፉይን ስለዝነበረ፡ ነቲ ዉልቃዊ ናጽነትን ሓርነትን ፋዕላ ኣይቆጽሮን ነይሩ። እዚ ድማ ካብ ግርህና፡ እምነትን ጽኑዑ ሓቤሬታ ካብዘይምህላዉ ዝነቕል ጌጋ ዉሳኔ’ዩ ዝነበረ። እዚ ጉጉይ ዉሳኔ’ዚ ነቲ መሰረታዊ ፖሎቲካዊን ሰብኣዊን ጉዳይ ስለዘስሓተ፡ ሳዕቤናቱ እዚ ንርእዮ ዘሎና ኮይኑ ኣሎ። እቲምንታይስ ናይ ገዛእ ርእሱ ናጽነትን ሓርነትን ዘይብሉ ዉልቀ-ሰብ ይኹን ጉጂለ፡ ን ካልኦት ናጽነትን ሓርነትን ከልብስ ወይ ከስፍን ዘይክእል ብሙኻኑ’ዩ። ናጽነትን ሓርነትን ዘይዉንን ተጋዳላይ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነትን ሓርነትን ክልብሶ ብፉጹም ተኣምር ኣይክእልን’ዩ።

ስለዚ ንሕና መንእሰያት 1960ታት 70ታትን 80ታትን ዓቕምና ንሱ’ዩ ነይሩ፡ ብዘይግብዝና ድማ ዓቕምና ስንና ነኺስን ሓቦ ተቀኒትና፡ ኣደራዓት ተጻዊርና....ወ.ዘ.ተ ዝግበር ጌርና ኣሎና። ኣኻሊን ትጽቢታት ዝተነብረሉ ከምዘይኮነን ንህዝብናን ሃገርናን ኣብ ሓደጋ ከምዘዉደቕናዮ ሩድኡ’ዩ። ከምቲ ዝምሰል ሓቦኛ ከልቢ ስሚ በሊዑ ይመዉት እንድዩ! እታ ንክልተ ሰለስተ ወሎዶታታት ዝተጋደልናላ ሃገር፡ እቶም ኣብ ልዕሌና ዝተዓወቱ ይነብሩላ ኣለዉ። እቶም ሱዑራት ከማይን ከማኹሙን ድማ ኣብ ስደት ንነብር ኣሎና። ተስፋ ይገብር እቲ ንሕና ዝፈጸምናዮ ኣበሳ’ዚ ሓድሽ ወለዶ ካይደግሞ።

ወድሓንኩም!
መርእድ ዘርኡ
04/02/2020


Share with friends:


See also recent Articles and Seminars by Merid Zeru:
ዝሓለፉ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ`ኣቶ መርእድ ዘርኡ

ሕቶ ዲሞክራሲ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ብ’መርእድ ዘርኡ (Issue of Democracy in Future Eritrea By Merid Zeru - 14 Sep 2014)

See also Related ምስዚ ኣተኣሳሰር:

  • EPLF History ታሪኽ ህግሓኤ
  • ELF History ታሪኽ ተሓኤ


  • Share with friends: