ውደባ መንግስቲ ኣብ ስደት

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

27/02/2022 13:45 PM

ውደባ መንግስቲ ኣብ ስደት
Organization of the Diaspora for Government for Exile.

ውደባ መንግስቲ ኣብ ስደት

ውደባ መንግስቲ ኣብ ስደት

ስልቲ ኣወዳድባ መንግስቲ ኣብ ስደት

ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኤርትራውያን ዝርከብሉ ከተማታት ስደት ብጨንፈርን (branch) ምዕራፍን (chapter) መዝገብን (register) ይሰርዑ።

• ጨንፈር፡ እቲ ታሕተዋይን መሰረታውን ጸፍሒ እዩ
• ምዕራፍ፡ ማእከላይ ጸፍሒ ኰይኑ፡ ንጨንፈራት ብደረጃ ሃገረ-ስደት ይጥርንፍ
• መዝገብ፡ እቲ ዝለዓለ ጸፍሒ እዩ

ሕግታት ኣወዳድባ ጨናፍር መንግስቲ ኣብ ስደት ብማሕበራውን ልሙድን ሚድያ ይቃላሕ

መድረኻዊ ስትራተጂ

ወዳቢ ዓንደሕቘ ቅርጻ ዓዲ እዩ። ብቐዳማይ ደረጃ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ዓዲ እምበር ኣብ ዙርያ ቀቢላን ሃይማኖትን ዝተወደበ ኣይኰነን። ኤርትራዊ ሃገረነት ኣብ ዙርያ ሃይማኖትን ቀቢላን ወራጃን ተሰሪዑ እንተዝነብር ቃልሲ ነጻነት ኣይምተዓወተን። መሰረት ኤርትራዊ ሃገራውነት ዓዲ ምዃኑ ዘንጊዕና ናብ ሃይማኖታውን ቀቢላውን መደባት ፖልቲካ ምስ እንዝንብል ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ምሽጣብ ሃገራዊ ህልውና ክም እነንቈልቊል ካብ ሕጂ ምግንዛብ የድሊ። እዚ ሓቂ እዚ መሰረት ኤርትራውነትና እዩ።

ስርዓት ዓድን ወረዳን ወረጃን ዝተማልኤ ራእይን ፕሮግራምን ስለ ዝዀነ ነዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ፍታሕ ኣቕሪቡ ኣሎ። ብርግጽ ዕላማና ንስርዓት ዓድን ወረዳን ወረጃን ካብ ተጻባእቲ ነጠቓ (Hostile takeover) እንዳተኸላኸልና ኣብ ኣእምሮን ሕልናን ህዝቢ ምዝራእ እዩ።

1. ንስርዓት ዓድን ወረዳን ወረጃን ከም ደሞክራስያዊ ምርጻ ምጥቃም
2. ንስርዓት ዓድን ወረዳን ወረጃን ከም መተካእታ ኤትኒካዊ ፈደረሽን ምጥቃም
3. ንስርዓት ዓድን ወረዳን ወረጃን ከም መሰረት ሰለስተ ጸፍሕታት ባይቶ ምጥቃም
4. ንስርዓት ዓድን ወረዳን ወረጃን ከም መዕገቲ ውሕዘት ሰበ-ዓዲ ኣብ ከተማታት ምጥቃም
5. ንስርዓት ዓድን ወረዳን ወረጃን ከም መሰረት ቊጠባዊ ምዕብልና ምጥቃም

ኣብዚ መድረኽዚ እቲ ቅኑዕ ስትራተጂ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፥

1. ኣብ መንጎ ሓዳስ ኤርትራን ሃገረ-ኤርትራን ዘሎ ወሳኒ ቃልሲ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዙርያ ስርዓት ዓድን ወረዳን ወረጃን ምስላፍ
2. ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ሰውራ (democratic revolution) ምውፋር
3. ”ብደሞክራስያዊ ምርጻ መንግስቲ ኣብ ስደት ሕጂ” ንተግብር ዝብል ጭርሖ ስለ ምዕዋት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ጸንኩር ወፈራ ምክያድ

መትከላት ዓዲ

ሀ. ታሪኻዊ ኣቋውማ ኤርትራዊ መንነት ኣብ ዓድን ባይቶን ሕጊ እንዳባን ዝተመስረተ ምዃኑ መበገሲና እዩ። እቲ ብቛንቛታት ኤርትራ ዓዲ ወይ ብተመሳሰሊ መግለጺ ቋንቋታት ኤርትራ ዝስመ ጽንሰ-ሓሳብ ማእከላዊ ዓንዲ ህንጸት ቁጠባውን ማሕበራውን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ዓዲ ንጹር ደረት ዘሎዎ ክልል መሬት ኰይኑ መጸውዒ እቶም ብሕገንዳባ ወይ ዑርፍ ዝቘወሙ ማሕበረሰባት (communes) ኤርትራ እዩ። ውደባ መሬት ዓዲ ብመንጽር ሰበዓዲ ክርኤ ከሎ ብቅርጻ ዴሳ ዝተስርዐ ኰይኑ ዜጋታት ዓዲ ዝጥቀምሉ ምንጸ-መነባብሮ እዩ። ወነንቲ መሬት ዓዲ ስድራቤታት ምበር ውልቀ ሰባት ኣይኰኑን። ስለዚ ኸኣ እዩ ትሕዝቶ መሬት ዓዲ ንኑጉሳውን መስፍናውን ምልከ-መሬት ክዓግት ክኢሉ፣ እምብኣር መሬት ናይ ሰበዓዲ እምበር ናይ ንጉስ ወይ መንግስቲ ኣይኰነን። ህግደፍ ግን ‘መሬት ናይ መንግስቲ’ እዩ ብምባል ንመሬት ዓዲ ኣብ ኢዱ ኣእተወ። ዓዲ ኣብ ዙርያ ዘርኢ ወይ ዓሌት ዝተሰርዐ ኣይኰነን፣ብቐዳማይ ደረጃ ሓደ ሰብ ብዘርኡ ወይ ሃይማኖቱን ኣይኰነን ወዲ ዓዲ ዝዀውን፡ ብዜግነቱ እምበር። ዜግነት ድማ ብታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ዝተመዝገበ ኣባልነት ዓዲ ይረጋገጽ ነበረ። ድምር እኩባት ዓድታት ብሕጊ ምስ ዝጥርነፉ ብሕጊ እንዳባ ወይ ዑርፍ ይስመዩ። ዓዲ ደረቱ ዝተነጸረ ብባይቶኡን ሕገ-እንዳብኡን ዝመሓደር ኣሃዱ እዩ። ቁጠባዊ ስርዓት ዓዲ ካብ ዝምስረት ክሳብ ዘበነ-ህግደፍ ዋኒን ደቂ ዓዲ ነበረ፤ ብመንጽር ደቂ ዓዲ ክርኤ ከሎ ትሕዝቶ መሬት ዓዲ ማሕበራዊ እዩ። ደጊምና መሬት ናይ ዜጋታት ዓዲ እምበር ናይ መንግስቲ ኣይኰነን ንብል። ቁጠባዊ ኣሰራርዓ ዓዲ ክልተ ጠባያት ኣለዎ፡ ቀዳማይ ቁጠባ ዓዲ ኣብ መትከል ዴሳዊ ትሕዝቶ መሬት ዓዲ ዝተመስረተ እዩ፣ ንደቂ ዓዲ ብዝምልከት ግን ተጠቃምነት መሬት ውልቃዊ እዩ።

ለ. ባይቶ

ማሕበራውን ሕጋውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ህይወት ዓዲ ኣብ ዙርያ ባይቶ ዝተስርዐ ነበረ። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ማሕበራዊ ህይወት ዓዲ ኣብ ዙርያ ደሞክራስያዊ ባይቶ ዝተሰርዐ እዩ፣ ባይቶ ኣገልግሎት ፍርድን ምሕደራን የማልእ፣ ካብዚ ባህሊ ተበጊሱ ኸኣ እዩ ፓርላማ ኤርትራ ባይቶ ኤርትራ ተባሂሉ ዝተሰምየ። ብዓይኒ ታሪኽ ክርእ ከሎ ባይቶ ዓዲ ኣብ ዞባና እንኮኣዊ ትካል እዩ፣ ባይቶ ኣብ ምርጻን ምውዳቐ-ቈጽልን ዝተመስረተ እምበር ኣብ ቅብኣታውን ስዩማውን ስልጣን ነገስታት ዝተመስረተ ኣይነበረን፣ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ምሕደራ ጭቃ ዓድን ባይቶን ሕጊ-እንዳኣባን ዝተነድቀ ነበረ፣ መሰላት መንነትን ማሕረስን ኣባይትን ኣብ ኣባልነት ዓዲ ዝተመስረቱ እዮም። ቁጠባዊ ኣሰራርዓ ዓዲ ንዝርጋሐ መስፍናዊ ሰራዊትን ካልኦት መስፍናዊ ግዴታታትን ካብ ምስፍሕፋሕ ክግትእ ክኢሉ፣ ንስልጣን ሓዲስዓዲ ግን ክስብ ሕጂ ክገጥሞም ኣይከኣለን። ዓላማ መራሕቲ ህግደፍ መሬት ዓድታት ካብ ዋናታቶም ምምንጣል ስለ ዝዀነ መሬት ናይ መንግስቲ እዩ ዝብል ዘራፊ ፖሊሲ ስለ ዘተኣታተዉ ግዜ ከይሓለፈ መንእሰይ ሓይልታት ኣንጻር ሓዲስዓዳዊ ስልጣን ተጠርኒፎም ክቃለሱ ይግባእ። ንህዝቢ ኤርትራ መሬት ዓዱ ምስ ዝወስደሉ ዕለታዊ እንጌራኡ ይወሰደሉ፡ ባይቶኡ ምስ ዝሰረዝ ባህላዊ ደሞክራሲኡን ዜግነቱን ከይተረፉ ይስረዙ፡ ሕጊእንዳባኡ ምስ ዝድምሰ ድማ ግቡኣቱን መሰላቱን ይግፈፉ። ኤርትራ ኣብ መሰረት ዓድታት ስለ ዝቘወመት ስርዓተዓዲ ምስ ዝሕከኽ ኤርትራውነት ይሕከኽ። እዚ እንተ ዘይተኻኢሉ ግን መንእሰያት ኤርትራ ንስርዓት ዓዲ ተዓጢቖም ንዕምሪ ህግደፍ ከሕጽሩ ብቈራጽነት ክቃለሱ ይግባእ። መንእሰይ! ሸባብ! ዘንግኹም ትኸሉ፡ ንወራር ሓዳስ ኤርትራ ብስርዓተዓዲ ግጠሙ!

ሐ. ሕገንዳባ/ወይ ዑርፍ

ዓዲ ኣብ ክሊ ሕገንዳባ ዝተደረተ ኣሃዱ መሬትን ሃገረሰብን እዩ፡ ሃገረሰብ ማለት በዓል ዓዲ ማለት እምበር ክም ኣበሃህላ ኣዝማሪኒ ድሑር ማለት ኣይኰነን። ኣብ ዓዲ ወናን መሬት ዝዀነን ብሕግታተ እንዳባን ባይቶኡን ጭቃኡን ዝመሓደር ዜጋ ሃገረሰብ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ሃገረሰብ ከም ስሙ ጨዋ ስልጡን በዓል ንብረት ኣኽባር ሕጊ ማለት እዩ። ምስ ኮሎናልያዊ ቁጠባ ከተማነት ምስ ማዕበለ ግን ብ’ኣዝማሪኖ’ ዝፍለጡ ነባሮ ኣስመራ ንታሪኽን ስልጣኔን ጭዋነትን ሕብረተሰብ ዓድታት ንምፍዃስ ንሃገረሰብነት ምስ ድሑርነት የተሓሕዝዎ ነበሩ። ባይቶታት ዓድታት ኤርትራ ብሕጊ እንዳባኦምን ወረዳታቶምን ወረጃታቶምን ይጥርነፉ ንነፍሶም ከኣ የማሓድሩ። ደገኣውያን ገዛእትን ውሽጣውያን ደርብታትን ንነገዳትናን ቀቢላታትናን ሃይማኖታትና ኣውራጃታትናን ክምንጥሉና ኣይክእሉን እዮም፣ ክድምስሱና ዝኽእሉ ዓድታትናን ባይቶታትናን ወረጃታትናን ሕገእንዳባናን ምስ ዝምንጥሉ ጥራይ እዩ። ዜጋዊ ክብረት ብፍልጠተ-ሕግን ብቕዓተ መደረን መጐተን ኣብ ባይቶ፡ ኣብ ዓውዲ ኲናት ድማ ብጅግንነት ይዕቀን ነበረ። ንጉስ ምድረ ባሕሪ ባሕረነጋሲ/ወይ ባሕረነጋሽ/ ወይ ድማ ነጋሽ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ስልጣን ባሕሪ ነጋሲ ኣብ ሕጊ-እንዳባ ስለ ዝተመስረተ ብሕግታቱ ቅዩድ ነበረ። ብተመሳሳሊ ዜጋታት ዓድታት ኤርትራ ንሕጋውን ስነ-ምግባራውን ጽንሰ-ሓሳብ ሕጊ-እንዳባ ምእዙዛት ነበሩ። እዚ ኣብ ግዜ ሰላም ክኸውን ከሎ ኣብ ግዜ ኲናት ግን ባሕረነጋሲ ንምክልኻል ይኹን ንመጥቃዕቲ ይመርሕ ነበረ። ምክልኻል ዓዲ ኣብ ስርዓት መንደላይ ዝተመርኰሰ ነበረ። ንኹሎም ኣብ ዓቕመ-ኣዳም ዝበጽሑ ኣባጽሕ ዓዲ ብወተሃደራዊ ስልጠና መልሚልካ መንፈስ ጅግንነት ከም ዝሓደሮም ምግባር ኣገዳሲ ዕላማ ማሕበረ-ዓዲ ነበረ። ኣጓብዝ ዓዲ መንደላዊ ስልጠና ምስ ወድኡ ኣብ የማናይ እዝኖም ኩርሽ ተሰቚሮም፡ ጻዕዳ ለቢሶም ኣብ ጎደቦ ዓድታቶም እንዳ ኰለሉ ብዓበይቲ ይምረቑ ነበሩ። እቶም ኣብ ዓውዲ ኲናት ጅግንነት ዘመዝግቡ ድማ ሽራራ ክዕጠቑ ይፍቀደሎም ነበረ። ወዲ ዓዲ በዓልቤት ሕገ-እንዳባን ባይቶን መሬትን ዜግነትን ስለ ዝዀነ ኣብ ፈቐዶ ኲናት መሳፍንቲ ክዕስከር ግዴታ ኣይነበሮን። ሎሚ ግን ዐቀይታይ ህግደፍ ኰይኑ ይርከብ። ሞዴል መንደላይ ንህንጸት ወለንታዊ ህዝባዊ ሰራዊት (people’s army) ይጠቅም ይዀውን።

መ. ዓዲ ኣብ ዜግነት እምበር ኣብ ዘርኢ ወይ ዓሌት ዝቐወመ ኣሃዱ ኣይኰነን

ኣብ ታሪኻዊት ኤርትራ ዜግነት ምስ ኣባልነት ዓዲ ዝተኣሳሰረ እዩ፤ ኣብ ስርዓት ዓዲ እቱው ዘይነበረ ሰብ ከም ጋሻ ይቚጸር ነበረ። ስርዓት ዓዲ ኣዝዩ ጽኑዕ ስለ ዝነበረ ገዛእቲ ንጓናታት ኣብ ዓድታት ክስኽዑ የጸግሞ ነበረ። ዜግነት ካብ ኣባልነት ዓዲ ይምንጽው፣ ካብዚ መትከል ብምብጋስ ደቀዓድታት ኤርትራ ዜጋታት ኤርትራ ይዀኑ። ሎሚ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ዲክትቶርነት ክልተ ጸንሰ-ሓሳባት ተንጠልጢሎም ይርከቡ ንሳቶም ድማ፥ 1) ካብ ዓዲ ዝምንጸወ ታሪኻዊ ዜግነትን 2) እቲ ምስ ረፈረንዱም ዝተዛመደ ሓውሲ- ዜግነትን እዮም። ህግደፍ ንዜግነተ-ዓዲ ብናውቲ ረፈርንዱም ሰሪዝዎ ይርከብ፣ ምድማጽ ረፈረንዱም መበቈሎም ብዝየግድስ፡ ንኹሎም ነባራት ኤርትራ እወ ወይ ኣይፋል ቢሎም ከድምጹ ዝተዋህበ መሰል ነበረ፣ ሎሚ ዝትግበር ዘሎ ኤርትራዊ ዜግነት ኣይኰነን እንታይ ደኣ ብ2% ካብ እቶትና ዝዕደል ህግደፋዊ መንነት እዩ። ረቂቕ ቅዋም ክልተ ምንጽታት ዜግነት ከነጽር ነበሮ። ንሳቶም ድማ፦ 1) ኣባልነት ዓድን (derived) ተቐማጥነትን (acquired) እዮም፣ ህግደፍ ኣብ መንጎ ዜግነትን ረፈርንዱምን ዘለዉ ፍልልያት እየነጸረን፡ ስለዚ ኸኣ እዩ ህልዊ ኤርትራዊ መንነት ብክልተ ካብ ሚእቲ ካብ እቶት ኤርትራውያን ዝዕደግ ዘሎ።

ፖለቲካዊ መስመር ስርዓት ዓዲ ኤርትራ

• ኤርትራዊ ሃገርነትና ካብ ጽንሰ-ሓሳብ ዓዲ ስለ ዝመንጸወ
• ባህጊ ቅዋማዊ ደሞክራሲ ህዝብና ካብ ጽነሰ-ሓሳብ ባይቶ ስለ ዝመንጸወ
• ማሕላና ንግዝኣተ-ሕጊ ካብ ጸንሰ-ሓሳብ ሕገ-እንዳባ ስለ ዝመንጸወ
• መትክል ርእሰ ምምሕዳርና ኣብ ወረጃታት ስለ ዝተመስረተ
• ዜግነትና ካብ ጽንሰ-ሓሳብ ዓድን ከተማታትን ስለ ዝመንጸወ

ዝጽበየና ዘሎ ዕማም ንኤርትራ ኣብ ሰበዓዲ ዋናታታ መሊስካ ኣብ ሰላምን ምዕብልናን ዝተሞርኰሰት ሀገር ምህናጽ እዩ። መሬት ናይ መንግስትን ወረጃ ኣይኰነን፣ መንግስቲ ዝውንኖ መሬት ነቶም ዓድታት ዘይሰፈርዎ በረኻታት ጥራይ እዩ። መሬት ናይ መንግስቲ እዩ ዝብል ኣዝማሪኖኣዊ ኣዋጅ ብመሬት ናይ ዓዲ እዩ ዝብል መትከል ምስ ዘይትካእ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲ ክትከልን ህይወት ዘለዎ ቁጠባ ክስስንን ኤርትራዊ ባህሊ ክዕንብብን ዝኽእል’ዶ ይመስለኩም? ብተወሳኺ"መሬት ናይ መንግስቲ'ዩ" ዝብል መስመር ንዓዳዊ ዋንነት ንብረት (communal property) ደምሲሱ ናብ ምልካዊ ዋንነት ንብረት (private property ownership) ከእቱ ዝዓለመ ስትራተጊ ስለ ዝዀነ ኤርትራ ትሽየጥ እያ ዘላ።

ኣዋጅ ምድምሳስ ወረጃታት ዘይቅዋማውን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ መንፈስ ኤርትራውያን ዝተሰንዘረ ገበን እዩ። ዝተዋህበ ምስምስ ከም እዚ ዝስዕብ ነበረ፥ (ሀ) ወረጃታት ስለ ዝበዝሑ ንጽፉፍ ምሕደራ ድማ ስለ ዝዕንቅፉ (ለ) ድሑር ኣውራጃዊ ስምዒታት ስለ ዝፈጥሩ ዝብል ምስምሳት ተዃሉ ነበሩ። ስርዓት ዓዲ ኣብ ጸፍሕታት ዓድን ወረጃን ሃገርን፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝተሰርዐ ቅርጻ ስለ ዝዀነ፡ ወረጃታት ምስ ዝመታተራን ዝለቓቐባን መሰረታዊ ኤርትራውነት ኣይድምሰን’ዶ? ኣንሆ እንካ እናተደምሰሰ ይኸይድ ኣሎ። ወራጃታት ኣብ ንቡር ቅርጻዊ ቦታኦም ምስ ዝምለሱ መትከል ኢማእከልነት ክትግበር ይኽእል።

ስርዓት ዓዲ መሰረት ደሞክራስያ ጥራይ ኣይኰነን። መሰረት ቊጠባዊ ምዕብልና እውን እዩ፣ ኩሎም ዓድታት ምስ ዝምዕብሉ ኤርትራ ትምዕብል፤ ከተማታት ጥራይ ምስ ዝምዕብሉ ግን ቊጠባ ሃገር ዘይተመጣጠነ ይዀውን፣ ንኣባይቲ ብዝምለከት ኣንዊሑ ዝጥምት ፖሊሲና ንኹሉ ኤርትራዊ ስድራቤት ዝውንኖ ቤት ከም ዝህልዎ ምግባር ኮይኑ፡ ማእከላይ ጠመተና ኣብ ሓጺር ግዜ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ርእሶም ናሕሲ ከም ዝህልዎ ምግባር እዩ።

ዓድታት ምስ ሓድሕዶምን ከተማታትን ብመርበባት ጽርግያን ኰረንትን ተሌፎንን ምስ ዝተኣሳሰሩ ደቂ ዓዲ ንገዛውቶም ከክንዲ ኣብ ከተማታት ኣብ ዓዓዶም ከሰርሑ ይኽእሉ፤ ስደንተንያታት ድማ ኣብ ዓዲ እንዳማቶም ክቕመጡ ስለ ዘይክእሉ፡ ኣብ ዓዲታቶም ይምለሱ። ከተማታት ግን፡ ብፍላይ ኣስመራ፡ ካብ ዘለውዎ ከይሰፍሑ። ኣብ ዕድመ ጥሮታ ዝበጽሑ ተቐማጦ ድያስፖራ ኣብ ባይቶታት ዓዶም ክሳተፉ ይኽእሉ፤ ስርዓት ዓዲ ምስ ዝትግበር ኣካለ-ስንኩላት ኣብ ዓዓዶም ይእለዩ፤ ዝውሃብ ሓገዝ ድማ ብትካላት ዓዲ ይካየድ፣ ዓድታት ንስዉኣቶም ስለ ዝፈልጥዎም መዘከርታታትን ሓውልትታትን ክተኽሉሎም ይኽእሉ፣ ዝተመጣጠነ ምዕብልና ምእንታን ክህሉን፡ ውሕዘት ሰበ-ዓዲ ኣብ ከተማታት ምእንታን ክዕገትን፡ ምምዕባል ብሕታዊ ኣባይቲ ዓድታት ኤርትራ ሓደ ካብቶም ሰንሰለታት ዓንዲሕቘ ስትራተጂና እዩ።

ስልጣን ኣብ ዋንኡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ምእንታን ክምለስ እንታይ ይገበር? እቲ መልሲ ኣብ ኢድ ሃዝቢ ኤርትራ እዩ፦ ሀ) ኣብ ድያስፖራ ዝርከብ ህዝብና ብዓድን ወረዳን ወረጃን ይጠርነፍ ለ) ኣብ መዓስከራት ዝርከብ ህዝብና ብዓድን ወረጃን ይሰራዕ፡ ኣብ እዞም ዝተጠቕሱ ዝርከብ ህዝብና ብማሕበራት ዓዱን ወረጃታቱን ምስ ዝስራዕ እቲ እውነተንያ ሰብኣዊ ማሕበር ይቐውም ሐ) እዞም ክልተ ጸፍሕታት ምስ ዝትግበሩ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ተጠርኒፉ ከም ዝቃለስ ክብድሁ ይኽእሉ። ህግደፍ ምስ ወድቐ ሻቡ ወከልቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምዕሩያት ዓዶምን ወረዳኦምን ወረጃኦምን ይምረጹ፣ ከምኡ እውን ወከልቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ወከልቶም ይመርጹ።

ቅጺ ምዝገባ ኣባልነት ኤርትራውያን ኣብ ስደት
ንኤርትራ ነድሕን! መንግስቲ ኣብ ስደት ሕጂ!

መቕድም

ቅርጻ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ፡ ማለት ካብ ክፍሊ (branch) ጀሚሩ ብምዕራፍ (chapter) ኣቢሉ ኣብ መዝገብ (register) ይንደቕ። ብዝተሓተ ኣሃዱ ብሰለስተ ኣባላት ይስራዕ። ኣብ ሐደ ከተማ ወይ ምምሕዳር ዝርከቡ ክፍልታታት ኣብ ትሕቲ ምዕራፍ ይስርዑ። ኣብ ሓደ ሃገረስደት ዝርከቡ ምዕራፋት ኣብ ትሕቲ ሓደ መዝገብ ይስርዑ። ኩሎም ቅርጻታት ድማ ብተናጠፍቲ መንግስቲ ኣብ ስደት ይምርሑ።

ቅጺ ኣባልነት

ስም ኣባል፦ ____________________________________________

ኣስማት ኣቦን ኣቦሓጎን፦ _____________________________________________

ዕለት ትውልዲ ኣባል፦ መዓልቲ_______ ወርሒ __________ ዓ/ም _ ______

ቦታ-ትውልዲ ኣባል፦ ዓዲ_______________ ከተማ________________

መበቈል ኣባል፦ ዓዲ _______________ ___ከተማ________

ደረጃ ትምህርቲ

ከብ ቀዳማይ ክሳብ ሳምናይ ክፍሊ ____________________

ካብ ታስዓይ ክሳብ ዓሰርተው ክልተ ________________________________

ዩኒቨርስቲ _______________________________________

ልዕለ ቢ/ኤ________________________________________

ሞያ ___________________________________

ተኸሱስ______________________________________________________________

ተሞክሮ ቃልሲ

ተጋዳላይ ውድብ ካብ_________ ክሳብ__________

በርጌሳዊ/ሓፋሽ ማሕበር ካብ _________ክሳብ____________

ተወሳኺ ሓበሬታ___________________________________________________

ኣድራሻ ኣባል፦

ሃገር፦_____________ ከተማ፦ ___________ ኣውራጃ፦ __________

ተለፎን፦ ገዛ ___________ ሞባይል ___________

ኢ-መይል፦ _________________________________________________

ካልእ መራኸቢ፦ _________________________________________

ምዝገባ

ዕለት ምዝገባ፦ ዕለት__________ ወርሒ ___________ ዓ.ም.__________

ቦታ ምዝገባ፦ ከተማ፦ __________ ኣውራጃ፦_________ሃገር፦___________

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ ዝርዝር ሓበሬታ ናተይ ሓቀኛ ኦርኒክ ምዃኑ ብገዛእ ድሌተይን ብጽኑዕ ሃገራዊ ማሕላን ክታመይ የንብር ኣለኹ።

ምሉእ ስም ኣባል፦__________________________________________________

ክታም /ፌርማ/ ኣባል፦________________

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ስቶክሆልም/2022-02-16


Share with friends:

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር


Teddy Press - ዘተ ምስ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ብዛዕባ ምቓም መንግስቲ ኣብ ስደት

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: