ገምጋማት፡ ትምንኒታትን መልእኽትታትን፡ ኣብ ኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2022

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

01/01/2022 22:55 PM

ገምጋማት፡ ትምንኒታትን መልእኽትታትን፡
ኣብ ኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2022

Assessments, New year wishes and Analyses, on the occasion of New year 2022

ገምጋማት፡ ትምንኒታትን መልእኽትታትን፡ ኣብ ኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2022

ገምጋማት፡ ትምንኒታትን መልእኽትታትን፡ ኣብ ኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2022
Assessments, New year wishes and Analyses, on the ocasion of New year 2022

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ! ዝኸበርኩም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትናን!
ርሑስ ቅንያት ሓድሽ ዓመት 2022`ን ርሑስ በዓለ ልደትን ይግበረልና!
እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣሰጋገረና!

ዓመተ-2022፡ መኸተምታ ናይ ኩሉ ሕሰምን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ክትከውን፡ ባና ሰላምን ፍትሒን ኣብ ሃገርና ቀደድ ክብልን ከኣ ልዑል ተስፋ ኣሎና። እቲ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ናይ 1997 ሃገራዊ ቅዋምና ተረጊጹ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2002 ፈሪሱ፡ ካብኡ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ትሕቲ ሕሱምን ጨካንን ምልካዊ ስርዓት ኢና እንርከብ ዘሎና። ብሰንኪ`ዚ ሕሰምን መከራን ከኣ፡ ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ውሽጢ ሃገርናን፡ ተባታቲንና ንርከብ ኣሎና። እወ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ እተባታተነ ህዝቢ፡ እቲ ወላድ መኻን ኮይኑ ዝተረፈ ወላዲ ኢዩ። ንልዕሊ 25 ዓመታት፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ካብ ማህጸኑ ዝወጽኡ ደቁ ዝሰኣነ፡ ውግእን ወረ-ውግእን ተሓዊሱዎ፡ ማዓንጣኡ ሓቚፉን ተሾቑሪሩን ዝነብር ዘሎ ጠዋሪ ዝሰኣነ ወላዲ፡ ከምኡ`ውን እቲ ኣብ ፈቐዶ ዘይምልከቶ ኲናት ኢትዮጵያን ኣብ ግንባራትን ፋሕ ዝበለ መንእሰይ ኤርትራን።

እዛ ሓዳስ ዓመት 2022፡ ጠንቂ ሕሰምና ካብ ሱሩ ተማሕዩ፡ ኩልና እንተሓቛቐፈላን ሰላምን ቅሳነትን ዝሰፍነላ ዓመት ክትኮነልና፡ ትምኒትና ወሰን የብሉን።

ዞባና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ካብ ውግእን ወረ ውግእን ናጻ ኮይኑ፡ ህዝብታትና ጽሩይ ኣየር ከስተንፍስ፡ ሓርነታትን ግዝኣተ-ሕግን ክሰፍንን፡ ትምኒትና ኢዩ። ንሕና ተቓለስቲ ንፍትሒ ኸኣ፡ ዝሓለፈ ተሞኩሮና ገምጊምና፡ ብዝሓሸ ሃገራዊ ሓድነት ተጠሚርናን፡ ንሃገራዊን ህዝባዊን ረብሓና ክንሰርሕ፡ ለበዋ ዘየድልዮ ግዴታ ኣሎና። ኩልና ኤርትራውያን፡ ሕልናና ዘይቅበሎ ስጉምቲ ይኹን መርገጽ ካብ ምውሳድ ሓራ ክንከውን ይግባኣና። ሕልና ደቂ-ሰብ፡ ንጽቡቕን ሰናይን ተግባር ኢዩ ብኣምላኽ ተፈጢሩ። ንኸምኡ ኸኣ ክንጥቀመሉ ይግባእ።

እታ ብኩናት እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፡ መራሕታ ናብ ናይ ሰላም መኣዲ-ዘተ ቀሪቦም፡ ህዝቦምን ሃገሮምን ካብ ህልቂትን ሓድሕዳዊ ጽልኢን ከድሕኑ፡ ከም ኩሉ ኤርትራዊ፡ ስኒትና.ኮም ውን ሰናይ ትምኒታ ትገልጽ። ከምኡ`ውን ጎረቤትና ህዝቢ ሱዳን፡ እቲ ንሓርነቱ ዝጀመሮ ቃልሲ፡ ብሰላማዊን ዲሞክራሲያዊን ምስግጋር ናብ መዓልቦኡ ከብጽሖ፡ ስኒትና.ኮም ሰናይ ትምኒታ ትገልጽ።
ልዑላዊ መሰል ናይ ህዝብታት እንተተራጋጊጹ፡ ዞባና ናብ ናይ ሰላም ደሴት ከምዝልወጥ ጥርጥር የብሉን።

ካብ ኩሉ ሸነኻት ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ንሰላም ናይ ህዝብታት ጎረቤት ህዝብታትና ዝዘርግን ንሓድሕዶም ዘናቑትን፡ መርዛም ዝኾነ ትሕዝቶታት ክጽሓፍን ክዝረብን ክንሰምዕ ጸኒሕና ኣሎና። እዚ ግን፡ ነቲ ሰላም ዝደሊን ንሓድሕዱ ብምሕዝነት ተሓቛቚፉ ክነብር ዝደሊን ህዝብታትና፡ ዝውክል ኣይኮነን። ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2022፡ ኩልና ኣብዚ ተግባራት`ዚ እተጸመድና ኣካላት፡ ክንልብምን ናብ ልብና ክንምለስን፡ በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ስኒትና.ኮም ትምሕጸን።
ኩሎም ኣካላት፡ ብፍላይይ ከኣ ጸለውቲ ዝበሃሉ ኣካላትን ትካላትን፡ ንሰላም ክጽዕሩን ከታባብዑን፡ ስኒትና.ኮም ትጽውዕ። ኣብ ውሽጥናን ኣብ ዞባናን፡ ዕርቅን ሰላምን ሰፊኑ፡ ህዝብታትና ብሩህ መጻኢኡ ከስተማቕር፡ ዕድላት ንምፍጣር ዝለዓለ እጃምኩም ከተበርክቱ ኣበርቲዕኩም ክትጽዕሩ ስኒትና.ኮም ደጊማ ትጽውዕ።
ውግእን ወረ ውግእን ዝበሃል፡ ካብ ሃገራትና የርሕቆ። ኣምላኽ ከኣ ንምርረትና ይእከል ይበሎ፡ ምሕረቱ የውርደልና።

ብምቕጻል፡ ህዝብና ነዛ ዝተፋነናያ ዓመት 2021 ብኸመይ ተፋኒናያ? ብኸመይ ነስተንትና? ኣብዛ ኣቲናያ ዘሎና ሓዳስ ዓመት 2022 ከ እንታይ ተስፋታት ሒዝናላ ክንጓዓዝ ኢና? ኣብ ዝብል ዘተኮረ፡ ካብ ዝተፋላለዩ ምንጪታት ዝመረጽናዮም መግለጺታትን ኣጋጣሚታትን፡ ካብዚ ቀጺልና ነቕርበልኩም ኣሎና። ሓጋዚ ክኸውን ድማ ተስፋ ንገብር። ብቐጻሊ ትሕዝቶ እናወሰኽናሉ ስለእንኸይድ፡ ተማላሊስኩም ነዚ ገጽ`ዚ ክትበጽሑዎ ኸኣ ንላቦ። ነዚ ዘሀብትም ትሕዝቶ ምስዝህሉ፡ ኣብዚ ብምጥዋቕ፡ ሓበሬታ ክትሰዱልናን ክትተሓባበሩናን ብትሕትና ንሓትት።

ስኒትና.ኮም
www.snitna.com
(01 January 2022)


Interview with President Isaias Afwerki
on regional issues & domestic development programs -
ERi-TV (08 Jan. 2022)


መልእኽቲ ኣቦ ወንበር ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2022።


መልእኽቲ ወከልቲ ኣባል ሃገራት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2022።


ባህግና Bahgna 26፣ መልእኽቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት 2022


AANMEDIA January 1, 2022 መልእኽቲ ኣምባ/ዓንደብርሃን ወልደጊዮጊስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2022


ኪዳ ሓዲስ ኤመራ 2022ዓም
ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊናዂ ኤርትራ/ሆደ

ይና ዓዋዲትል ኤመራ ሓዲስ መስቐል ግን ንሺብታዂ። መስቐል ወክት ሽቕ ደኮ መሽዉል ቱናዂ ግን። መስቐሊ ሱርዲ ሸብዲ ስነዲ ሰኸርዲሲ በለል ያዂ ኣኽነዲን ራድቕር ሓግልኽር መጡ ኮፍ የናዂ ወክት ግን። ኣዳም ክድመትድማ እንሽክድ ኒ ኮልድ ሺሮ ሰጘን እና ግርጋ ኒሂትል ወንተርዶ ሳድሰኩ። ወሲዲ ኤሪ ተባብዲ በረኸዲ ጊትዲትል ውሪ ቑሾትል ሽቅረሪ መስቐል ኩንጝል ናዉክ ከሌብል ሓየብሰቲ። ኩንጝ መስቐሊ ዋዲክ ሓዲስ ኤመርል ጋእ ስትና ዩኖ ና ዓዋዲር ድርብድ ኢረር ይነኩ። መስቐሊ ግን ኤርክ እእስነኩ። ሕጨ እሲነ ክኻን ኮሸረነኩ። መሰቐል ግርጊል ሓዲስ ሰረነኩ፣ ፋልሰነኩ፣ ሓዲስ ብርፍኽሲ የመመነኩ። ሻሎትኻ ኩንኻ ሆየ የነኩ ቂርትክ ዋዓበነኩ። ይና ዓዋዲሲ ብሀር ባሕሮ ግን። Read more



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: