Placeholder Picture
Placeholder Picture
ምስጋና፡ ንሚድያ ኤሪሳት

25/06/2022 16:15 PM

ምስጋና፡ ንሚድያ ኤሪሳት፡
Thanks to ERISAT Media

ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ባዓታይ
by Abeba Tesfagiorgis Baatai

ምስጋና ንሚድያ ኤሪሳት Thanks to ERISAT Media.

ምስጋና፡ ንሚድያ ኤሪሳት (ERISAT) / Thanks to ERISAT Media.
ካብ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ባዓታይ፡ June 22, 2022።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ! ክቡራት ኣሓተይ! ኣሕዋተይ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ!

እዛ ትስዕብ መልእኽተይ ብ15 ሰነ ጀሚረ ዳርጋ ወዲኤያ ከብቅዕ፡ ብገለ ገለ ምኽንያያት ኣተማላኣትለይን። ሕጂ ከም ዝነበረታ የቕርባ’ሎኹ።

ሎሚ መዓልቲ ንሚድያ ERISAT ከመስግንን፡ ክላቦን’የ ተበጊሰ። ብዕለት 11 ሰነ, 2022 “ነጻ ፕረስ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲ ዘለዎ ዓቢ ተራ” ዘርእስቱ ብ`ERISAT ዝተኻየደ ዋዕላ (ERISAT Symposium) ኮይኑ፡ ነቲ ብፕሮፓጋንዳ ህግደፍ ኣእዝኑ ጸሚሙ ፍጊዕ ኢልዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓቂ ሓበሬታት ክረክብን፡ ሓሳቡ ብነጻ ክገልጽን፡ ካብ ካብቲ ምውሳኣት’ቲ ክምሃርን፡ ክመራመረን፡ ክውስንን ዝሕግዝ ዓለማ’ዩ ዝብል ነይሩ። ኣማራርሓ ናይቲ ዋዕላ ጽፉፍ ኮይኑ፡ ብናይተን ዝተፋላለያ ብሄራት ኤርትራ ቋንቋ ምንባሩን፡ እቶም ኣባላት ናይተን ዝተፋላለያ ኮሚቴታት፡ ተገዳስነትን፡ ተመክሮን ናይ መድያን፡ መድያ ጠቀስን ብምህላዎም፡ እዚ ማሕበር’ዚ ንኽዕወት ዓቢ ተስፋ ዝህብ’ዩ ነይሩ።

ላዕላዋይ ኣማሓዳሪ - Executive Director - ሄኖክ፡ ብልዙብ ኣዛራርባ፡ ነቶም ኹሉም ኣብ ምድላው ዋዕላ ተራ ዝነበሮም ሰባት ኣመስጊኑ፡ እቲ መዳልያ (Award) ንነብሰሄር ጋዘጠኛ ምልክያስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሎም ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ዘለዉን ዝሓለፉን ከም ዝኾነ ገሊጹ።

ኩላትና ከም ንፈልጦ፡ ኣዝማሪኖ እታ ፈላሚት ናይ ህዝቢ ልሳን’ያ። ምስ ተስፋልደት ኣለም ምሓረና፡ ብስራሕ ሓበርና ነዊሕ ግዜ ስለተጓዓዝና ብቐረባ ኢና ንፋለጥ፡ “ኤርትራውያን መናእሰይ ተማሂሮም ካባይ ንላዕሊ ኮይኖም ንሃገርና ከገልግሉ’ዩ ሕልመይን ትምኒተይን” ይብለኒ ነይሩ። ኣሰና ክትምስረት ከላ፡ ብምትሕብባሩ ብጣዕሚ ክሕጎስ እዝከረኒ። እዝከረኒ ድማ ኣሰና፡ ኣብ ኤርትራ ናይ TV ኣገልግሎት ክትህብ ምስ ጀመረት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሕሹኽሽኽ ሓጎሱ ክገልጽ።

ሄኖክ ወደይ፡ ናታትኩም ናይ ERISAT ካብቲ ኣዝዩ ዘሐጎሰኒ ድማ፡ ኣደ መንበር ጎል ኣንስተይቲ ዶክተር ሳባ ተስፋዮውሃንስ ሙኾና’ዩ። ሳባ ጓለይ እንቍዕ ሓጎሰኪ። ኮይኑ ግን ኣብተን ኮሚቴታት ደቂ-ኣንሳትዮ ከምቲ ዝድለ ኣይነበራን። ኩላትና ከም ንፈልጦ፡ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ እቲ ዝግብኤን ስራሕን ከምኡ’ዉን ዝግብኤን ክብሪ ኣይረኸባን። ደቂ-ተባዕትዮ ሓዲሽ ማሕበር ይጅምሩ’ሞ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዘይብሉም ምስ ርኣዩ፡ መመልክዒ ሐደ ሐደ ይጽዉዑ፡ ልክዕ ከምቲ ንመብልዕ ቁርሲ ክትሰፊ ምስ ጀመርካ ጻልጣ ኮይኑ ምስ ረኣኻዮ፡ ክምልክዕ ቕሔጽልሚ ተእትወሉ፡ እዚ ድማ ከምኡ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ደቂ-ኣንስትዮ እቲ ዝግብኤን ስራሕ ክሰርሓን ክብሪ ክውሃባን፡ ብዓቢኡ ንሕና ደቂ-ኣንስትዮ ክንዓጥቀሉ ዝግባእ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ምሕዳስ ማሕበርኩም እዚ ተገዳስነት`ዚ ብምርኣይኩም ምስጋና ይግበኣኩም’ዩ`ሞ፡ እንሆ የመስግነኩም።

ኣብቲ ናይ ስነ ጽሑፍ ውድድር ዝስዓረት ጎል-ኣንስተይቲ ገጣሚት ይርጋኣለም መብራህቱ፡ መዳሊያ ክትቅበል ከላ፡ ኣባላት ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግቶንን ከባቢኣን - Eritrean Women’s Association - EWO - ብብዝሒ ተረኺበን፡ ብፍሽኽታን ዕልልታን ሓጎሰን ገሊጸን። መልእኽተን ሓጎስኪ ሐጎስና፡ ዓወትኪ ድማ ዓወት ናይ ኩላትና’ዩ ነይሩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ሃገርና መቐይሮ ስርዓት/መንግስቲ፡ ባዕልና ኢና ንውስኖ። Mr. Stevensen Walker - ተጸዋዒ/ወካሊ ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ - ሐደ ካብቶም ኣርባዕተ ዕዱማት ተዛረብቲ’ዮም ኒይሮም፡፡ ዘማሓላለፍዎ መልእኽቲ ትርጉም ዝነበሮ ብሓቂ ጽቡቕ ነይሩ። ዘረብኦም ወዲኦም ናይ ሕቶን መልስን ጊዜ ምስ ኮነ፡ ሓደ ካብቶም ኣኼባኛታት “ኣመሪካ ነዚ መንግስቲ ምቕያር፡ እንታይ ክትሕግዘና ትኽእል? ኢሉ” ሐቲቱ። Mr. Walker፡ እዚ ናትና ናይ ኤርትራውያን ሓላፍነት ጥራይ’ዩ ኢሎም፡፡ ኮይኑ ግን ህዝቢ ኤርትራ ጥዑም ፈታው ስራሕ ብሙኻኑ፡ ኣመሪካ ብኹሉ ሸነኻታ ደልድልቲ ዝኾነት ኤርትራ ክትከውን፡ ድልየቶም ከም ዝኾነ ገሊጾም።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሕና ዳያስፖራ ብቀጻሊ ነዚ ስርዓት’ዚ ክንኣልዮ ዘይከኣልና ክንሳማማዕ ብዘይምኽኣልና’ዩ ንብል። ብሐፈሻ ኣዛራርባ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ብስርዓት ተሰኒዱ፡ ሓይልና ኣብ ናይ ሕጅን ጽባሕን ንገብር፡ መርፍኣ ከም ዝጎደመ ግራማፎን ናይ ቀደም በብዓይነቱ ብሕታውን፡ ሓባራውን ዛንታት ክንደጋግምን፡ ብዛዕባ’ቲ ብኣረሜናዊ ጭካኔ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዳኺሙ፡ ከም ድላዩ ምስ ድላዩ ክድምራ ዝሕልሙ ገበነኛ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ሐዲሽ ጌርና ክንዛረበሉን ግዜ በሊዕና። ንዘክር’ሞ! እንተዘይንሳማምዕ ኔርና፡ እቲ ዓለም ዘደነቐ ናጽነትና ኣይምረኸብናዮን። ብሓፈሻ ኣዛራርባ ምሕደራ/ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ መሰረቱ ኣብ ፍትሒ ዝተመርኮሰ’ዩ። ኮይኑ ግን 30 ዓመታት ኩናት ንነጻነትና፡ 30 ዓመታት ባርነታዊ መግዛእቲ ምስ ሰዓቦ፡ ነቲ ጽቡቕ ምሕደራናን/ባህልንና ኣዳኺምዎ’ዩ። ኮይኑ ግን ከምቲ ክቡር ኣቦና ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ዝበልዎ፡ 60 ዓመታት ኣብ ዕድመ ወዲ ሰብ ብዙሕ’ዩ፡ ወረ ዳርጋ ኩሉ’ዩ፡ ኣብ ሐንቲ ሃገር ግን ኣዝዩ ዉሕድ’ዩ። ሕጂ’ዉን ክምብል በለ’ምበር ኣይተደፍኤን።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ERISAT፡ ብጽቡቕ መንፈስ ብዉሕሉል ኣገባብ ተበጊስኩም ኣሎዂም’ሞ፡ ነቲ ዘይነበረ ኣብ ዳሕራይ ዓመታት ዝነገሰ ዘይሃናጺ ምውዳዳር ከይለግበኩም እናስተባሃልኩም፡ ኣብዚ ንራህዋ ህዝብን፡ ህንጻተ-ሃገርን ዝሕግዝ ስራሕ መድያ ኣሐዲስኩም ጀሚርኩሞ ዘለኹም፡ ናይ ምውድዳር ዘይኮነስ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ምስ ካልኦት መድያታት ኣማዕቢልኩም፡ ንኹለን ዘይመንግታውያን በብዓይነተን ማሕበራት ኣብነት ክትኮኑ እላበወኩም። ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም።

እግዚኣቢሄር ንህዝብናን ንኹሉ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዓለምን ሰላም ይሃበና። ኣሜን።

የቐንየልይ።

ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ባዓታይ


See also more articles by Abeba Tesfagiorgis Baatai:
ካልኦት ጽሑፋትን መልእኽትታን ብኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ባዓታይ:-



Abeba Tesfagiorgis: Message of Self Transformation (ርእሰ ለውጥ)




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: