ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 12 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

12/02/2017 23:25 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

መበል 12 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 12 ክፋል   ቀዳሞት ዝበልዑዎ ስኢኖም የዕበድብዱ፡ ዳሕሮወት ምስ ኮራርምቶም ይውለዱ!
ቁርዲድሲ ኣለኹ እናበለ ምስ ቈርበት ይሽየጥ!
ቁውም ነገር ስነ ጥበብ ንራኢን መንፈስን ወዲ ሰብ ናጻ ምግባርን ምዕባይን'ዩ። (ካትሪን)
ቅኑዓት መሰኻክር ሓደ መልሓሶም፡ ፍቑራት መጻምዲ ሓደ መልሶም!
ቅድሚ ከተረድእ ምፍታንካ ንባዕልኻ ኪትርዳእ ፈትን!

*እዚ ካብ 1ይ ክፋል ዚፈለመ ጽሑፍ'ዚ ንምንታይ ኢና 30 ዓመታት ኣብ ኲናት ደሚና? ንምንታይከ ድሕሪ ናጽነትና ሰላምን ርግኣትን ረኺብና፡ ኣብ ሃገርና ቀሲንና ክንነብር ዘይከኣልና? ትምኒትናን ባህግናን ረኺብና፡ እፎይ ኢልና ኣብ ቤትና ብሰላም ንኽንነብርከ እንታይ ክንገብር ኣለና? ወዘተ. ንዚብሉ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ፡ ብኹሉ መልክዕ ስነ ጽሑፍ፡ ማለት ብመሳልል ቋንቋ (ሰዋስው)፡ ብግቡእ ስርዓተ ነጥቢ ኣጠቓቕማ፡ ብምስላ፡ ብስውያን ቁንቁኛን ቋንቋ ትግርኛ ማዕሪጉ፡ ብዚተኻእለ መጠን ምሉእ ትምህርትን ኣፍልጦን ዘስንቕ ጽሑፍ ኮይኑ ንኺቐርብ፡ ብዙሕ ዚተጻዕሮ ጽሑፍ'ዩ።

መበል 12 ክፋል፥

ምምሕዳር መንግስቲ ተድላ ባይሩ ብመጠኑ ደሞክራስያዊ ከም ዚነበረ፡ እቲ ኣብ ግንቦት 1953 ዓ.ም. ዚተገብረ ኣድማ ተማሃሮን ሕቶታቶምን ህያው ናይ ታሪኽ ምስክር'ዩ! ሻቡ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዚኣደሙሉ ምኽንያት 'ኣብቲ ዚቕጽል ዓመት ልዕሊ 15 ዓመት ዚዕድሚኦም ተማሃሮ ኣብቲ ብግርማዊ ንጉሰ ነገስት ተሰሪሑ ዚውፈ ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ኣይክማሃሩን'ዮም' ዚብል ሓበሬታ ሓንቲ ሚስስ ጊራን እትብሃል እንግሊዛዊት መምህር ኣቐዲማ ስለ ዝገለጸት ነበረ።

ኣድማ ተማሃሮ ንምሕዳእ ዳይረክተራትን መምሃራንን ከምኡ ከምዘይኮነን ከምዘይግበርን'ኳ እንተገለጹን እንተተላበዉን ተማሃሮ ግን ኣብ ሓደ ሰሚሮም፡ 'ካብ መንግስቲ ናይ ጽሑፍ ውሕስነት ከይተዋህበና ትምህርቲ ኣይንቕጽልን ኢና!' ኢሎም ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ስለ ዚሓንገዱ ኣብ መወዳእታ ድሌቶም ተማሊኡሎም ትምህርቶም ከም ዚቐጸሉ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።
ከምኡውን ኣብ ናይ ዓሰብን ምጽዋዕን መፍረ ጨው (ሳሊና) ስራሕ ዘሳልጣ ሞቶረታት ክትከላ ምዃነን ምስ ተፈልጠ ሰራሕተኛ ናይ ክልቲኡ ትካላት በቲ ዚነበሮም ደሞክርያሳዊ መሰል ተጠቒሞም ሞተራት እንተተተኺለንስ ስራሕ ከውጽኡና'ዮም ብዚብል ግምት ኣድማ ጌሮም እምባጋሮ ስለ ዚተላዕለ ከባቢ 257 ሰራሕተኛታት ተኣስሩ'ሞ 30 ካብኣቶም ናብ ኣስመራ ተላኢኾም ሕጋዊ ፍርድን ብይንን ከም ዚተዋህቦም፡ በዚ መሰረት ከኣ ሓሙሽተ ካብኣቶም ንሽዱሽተ ወርሒ፡ 13 ድማ ንሰለስተ ወርሒ ኪእሰሩ ኪፍረዱ ከለዉ እቶም ዚተረፉ 12 ሰባት ድማ ብናጻ ከም ዚተለቐቑ ይፍለጥ።

ብ 22 መጋቢት 1955 ዓ.ም. ኣውን ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ጥርሙዝ መረንጊ ብምኽንያት ደሞዝ ኪውሰኸሎምን መድሕን ኪግበረሎምን ጠለብ ንምቕራብ ኣድማ ማለት ሾበሮ ጌሮም ከም ዚነበሩ ይፍለጥ፡ እቲ ብሕግን ስርዓትን ዚኸይድ ዚነበረ መንግስቲ ኤርትራ ግን ከም ምምሕዳር ህግደፍ ብዱላን ዓረርን ኣይነበረን መልሱ፡ በቶም ሻቡ ሓለቓ ቤት ጽሕፈት ዕዮ (ኦፊቾ ላቮሮ) ዚነበሩ ቀኛዝማች ፍስሃየ ተስፋስላሰ ብምርድዳእ ቀልጢፉ ብምድቃሱ ንብሁሓት ከም ዘሐጐሰን ኣብነታዊ ኣፈታትሓ ግርጭት ተባሂሉ ከም ዚተዘርበሉን ይፍለጥ። ሰራሕተኛ ኣስመራ ቢራ (መሎቲ) እውን ብዕለት 09/05/ 1955 ዓ.ም. ንኻልኣይ ግዜ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ሓቲቶም፡ ኣድማ ኣካይዶም ነበሩ።

እዚውን ጠለባት ሰራሕተኛታት ብዘማልእ ኣጋባብ ከም ዚተፈትሐ ይንገር። እዚ ኹሉ ናይ ተማሃሮ ይኹን ናይ ሰራሕተኛታት ኣድማ፡ ኣብታ ቅድሚ ኤርትራ ነዊሕ ናይ መንግስቲ ዕድመ ዝነበራ ሃገረ ኢትዮጵያ ይፍቀድ ኣይነበረን! ነዝን ወዲ ከምዝን ብምጽብጻብ ድማ ኤርትራ ሃገርና ካብቲ ሻቡ ዚነበረቶ ኩነታት፡ ማለት ኣጋባብ ደሞክራሲ ጥራይ ዘይኮነስ ብጽፈት ምሕደራውን ኣብ ዚለዓለ ደረጃ ከም ዝነበረት ንግንዘብ። በቲ ኮይኑ በቲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብ ግዜ ስርዓት ህግደፍ ጌሩ ንደሞክራስን ፍትሕን ርሒቑወን ከምዘይፈልጥ ምስ ብዙሕ ጭብጥታቱ ምዝርዛር ይከኣል'ዩ።

ኣብ መጽሓፍ "ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ" ኣብ ገጽ 652 ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ህያው ምስክርነት መንግስትነት ተድላ ባይሩን ዘይመንግስትነት ኢስያስ ኣፈወርቅን የነጽር፥ 'መንግስቲ ተድላ ስርዓት ሒዙ'ዩ ዚከይድ ዚነበረ። ብሰንኪ ምፍሕፋሕ ኣብ ውሽጢ ባይቶ'ኳ እንተተሰናኸለ፡ ባጀት መንግስቲ ብባይቶ እናጸደቐን ብሳናቲም ቊጽጽር እናተገብረሉን'ዩ ዚመቓራሕን ኣብ ግቡእ መዓላ ዚውዕልን ዝነበረ። ጸብጻባት ዋና ኦዲተርን ዋና ተቘጻጻሪ ሕሳብን ንዘዝምልከቶ ኣካል፡ ማለት ንባይቶን ንመንግስቲን ብግቡእን ብቕሉዕን ይቐርብን ይስነድን ነበረ።

ፕረዚደንት ተድላ ባዕሎም ዚመርሑዎ ናይ ሲቪል ሰርቪስ ኮምሽን፡ ጽፉፍ ዚኾነ ናይ ኣቈጻጽራ፡ ዕብየት፡ ወሰኽ ደሞዝን መቕጻዕትን ወዘተ. ግቡእ ኣጋባብ እናተኸተለ ይሰርሕ ከም ዚነበረ መዛግብቱ ይምስክሩ።' ይብል። እቲ ኣካይዳ ከምዚ ብግሉጽነትን ብተሓታትነትን ይፍጸም ስለ ዚነበረ ከኣ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ተድላ ባይሩ ብምጥፍፋእ ዚኽሰስን ዚሕመን ሰብ ኣይነበረን።
እዚ ዓይነት ጽፉፍን ግቡእን ኣጋባብ ምሕደራ'ዚ ኣብ ስርዓት ኢሳያስ ሕልሚ'ዩ። እንታይ ወጺኡ ኣበይ ውዒሉ መን ይሕተተሉ? ወዘተ. ኣይፍለጥን'ዩ። ኩሉ ነገር ብሓደ ሰብ ወይ ጉጅለ (ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት) እዩ ዚውሰን። እዚ ቤት ጽሕፈት'ዚ ከኣ ከም ዒላ ማይ ገንዘብ ብመገለል ዚቕዳሓሉን ንውልቀ ሰባት ዚዕደለሉን ባንኪ'ዩ። ናይዚ ህያው ምስክር ከኣ ኣብ ምሉእ ሃገር ተጀሚሩ ዘይተወደአን ኣብ ስራሕ ዘይወዓለን ፕሮጀክትታት ቊጽሪ የብሉን! በዚ መሰረት ከኣ እቲ ስርቅን ምጥፍፋእን ንኺነግስ ኮነ ኢሉ ዚሰርሕ ፕረዚደንት ህግደፍ፡ ብዙሕ ግዜ ምስ ስልጣኑ ንዘይሰማምዑን ንዘኾረዩዎን ውልቀ ሰባት ብምኽንያት ምጥፍፋእ ካብ ስልጣኖም ኪኣልዮምን ብዘይሕግን ፍርድን ኪቕይዶምን ይረአ እዩ። እቲ ተንኰላት ኣርዮስ ዘይፈልጥ የዋህ ሰብ ከኣ 'ርኢኻ እዞም ሰረቕቲ እዚ ኹሉ ኪሰርቁ ኣብ መወዳእታስ ፕረዚደንት ረኺቡዎም!' ኢሉ ይዛረብ!

ሰበስልጣን ባይቶ ይኹኑ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብህዝቢ ስለ ዚተመርጹ፡ ብተቓውሞ ህዝቢ ከኣ ይወርዱ ነበሩ። ኣብቲ እዋን እታ ብሓርበኛ ኣቦና ትዳሎ ዚነበረት ብሕታዊት ጋዜጣ "ሓንቲ ኤርትራ" ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ህዝቢ መራሕቱ ብምስትውዓል ንኺመርጽ መኸረት፥ 'እቶም ጽባሕ እትመርጾም ልኡኻትካስ ሓርነትን ደስታን ዚህቡኻ፡ ብገንዘብ ወይውን ብሽመት ተታሊሎም ዘይርስዑኻን ዘይጠልሙኻን ሰባት ኪኾኑ ከም ዚግብኦም ኣጸቢቕካ ፍለጥ!' ክትብል፡ ህዝቢ ልኡኽ ኳኻት ማለት (ጠላማት) ከይመርጹ ክትሕብር ከላ፡ እታ ናይ መንግስቲ ተድላ ልሳን ዝነበረት ጋዜጣ ኢትዮጵያውን ከምዚ ዚስዕብ በለት፥

'መራሒኻ ምረጽ ኪብሉኻ ከለዉ ካብኡ ዚዓቢ ናጽነት የለን! ኣብ መንጎ ኣሕዋት ፍቕርን ስምምዕን ከይርከብ፡ ምፍልላይ ሃይማኖት፡ ምፍልላይ ኣውራጃን ዓሌትን እናሰበኹ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዚሰርሑ ሰባት ከም ዘለዉ ትፈልጥ ኢኻ! እዞም ሰባት እዚኣቶም ከኣ ባህርና ክንቅየር ኢና እንተበሉውን ሓሳቦም ኪልውጡ ከም ዚኽእሉ መረድእን መረጋገጽን የብልካን'ሞ ኣምሰሉ ዘረባኦም ተቐቢልካ ከይትታለል ምጥንቃቕ ከድልየካ'ዩ።' ብምባል ክሳድ ሓምሓማት (ቀይናናት) ከይመርጽ መኸረት።

ከምቲ ኣብ ምምሕዳር ተድላ ባይሩ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዘልዓሉዎ ሸበሮ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን ኣብ 2001 ዓ.ም. ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ንኣገልግሎት ዚምልከት ሕቶ ብምቕራቦምን ግቡእ መልሲ ብምስኣኖምን ሸበሮ ጌሮም ኔሮም'ዮም። እቲ ዘይመንግስትን ዘይደሞክራስያውን ምልካዊ ጉጅለ ግን ብጀነራላቱ ጌሩ ብማእሰርትን መቕተልትን ከም ዚበታተኖምን ነታ እንኮ ዩኒቨርስቲ ሃገር ዓጽዩ፡ ካልእ 'ኮለጃት' ዝሰመየን ወተሃደራውያን መዓስከራትን ከም ዚኸፈተን ኣብ ታሪኽን ልብን ህዝቢ ኤርትራ ስኑድ ስለ ዚኾነ ብዛዕባኡ ሕጂ ዚርዝር ምሃብ ዘድልየና ኣይመስለንን።

ከምኡውን ኣብ 1994 ዓ.ም. ኣካሎምን ህይወቶምን ንህዝብን ሃገርን ወፊዮም፡ ካብ ሞት ንስክላ ዚደሓኑ ጀጋኑ ሓርበኛታት ብሰላምን ብሕግን ንዘቕረቡዎ ናይ ስምዑና ጠለብ፡ እቲ ዚተባሃልካዮ ጥራይ ኪትፍጽም እምበር ኪትሓትት ኮነ ርእይቶ ኪትህብ ዘየፍቅድ ኣውቶክራት ግብረ መልሲ ኣድማኦም ዓረር ከም ዚነበረን በዚ መሰረት ከኣ ሓያለ ስንኩላን ከም ዝቖሰሉን ከም ዚሞቱንውን ክሳዕ ሎሚ ዘይሃሰሰ በሰላኡ ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ኣሎ! ብሰንኪ'ዚ ምልካውን ጨካንን ምሕደራ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኢሳያስ ቤት ነቀል (ስደተኛ) ስለ ዚገበሮ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዘርኢ ምድሪ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ሓገራን (ትልምን) ራእን ዘይብሉ፡ ንነብያት ዘብነነ ርጉም ሳጥናኤል ግን ብኸመይ እዩ ንልዕሊ 56 ዓመታት ኣብ ኰረሻ ስልጣን ኣራጢጡ ዘሎ!? እዚ ሰብ'ዚ ነታ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ'ቲ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ዚረኸቦ ናጽነት ኪረኽቦ ዚነበሮ መስተርሆትስ ይትረፍ ዋላ እቲ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ዚነበረ ውሱን ራህዋን ቅሳነትንው ከረጋግጸሉ ኣይከኣለን! ነቲ ሻቡ ኣብ ኤርትራ ኪጥጥዕ ጀሚሩ ዚነበረ ተኽሊ ደሞክራሲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ጉንዱ ምስ ቈረጹዎ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ሰራውሩ ምሕዩ ደርብዩዎ ኣሎ!

ኣብ ክንዳኡ ሕሱም ምልኪ ኣምጺኡ፡ ንቑጠባ፡ ንትሕተ ቅርጽን ንማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኤርትራ ንምዕናው ንልዕሊ 10 ዓመታት ህንጻ ብኣዋጅ ጠጠው ኣቢሉ ኣሎ! እዚ ከኣ ንኤርትራ ካብ 20-30 ዓመታት ንድሕሪት መሊሱዋ ኣሎ! ናይዚ ሳዕቤን ብዙሕ'ዩ! ጉጅለ ምልኪ ግን ዚግድሶ ኣይኮነን! ከምቲ ምሕረት ዘይወሃባ በደል ኣብ ኤርትራ እንኮ ማለት ምቅዋም ምልኪ ጥራይ ዝኾነት፡ ብኡ መጠን ከኣ እቲ ንስርዓት ኢሳያስ ዘገድስ ስልጣን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክሳዕ ዕድመ ልክዑ ምሕላው ጥራይ እዩ!

እቲ ከም መለለይ ኤርትራዊ ባህሊ ንቘጽሮን ንኾርዓሉን ዚነበርና፡ ትግሃት፡ ቅንዕና፡ በበሞያኻ ዚበለጸ ስራሕ ንምስራሕ ምዕጣቕ፡ ሓርኮትኮት ምባል፡ መሃዝነት፡ ካብ ሰብ ዘይምጽባይ፡ ብጻዕርኻ ምንባር፡ ተዳኺሙ፡ ከም ጉቦ፡ ምጥፍፋእ፡ ጽግዕተኛነት፡ ኩሉ ነገር ኪግበረልካን ኪወሃበካን ምጽባይ ገኒኑ ይርከብ። እዚ ኩነታት'ዚ ከኣ ናይተን ካብ መግዛእቲ ምስ ተላቐቓ ኣብ ትሕቲ ዘለምቲ (ጨቆንቲ) ስርዓታት ዝወደቓ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኩነተ ህይወት'ዩ። እዚ ኩነተ ህይወት'ዚ ከኣ ተመክሮ ፍሽለት'ዩ! እዚ ተመክሮ ፍሽለ'ዚ ድማ'ዩ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ብዚኸፍአ መልክዑ ዚፍጸም ዘሎ! ንጉጅለ ህግደፍ ካብ ካልኦት ድሑራትን ግዕዙያትን መንግስታት ኣፍሪቃ እቲ ዚኸፍአ ዘብሎ ከኣ ከምቲ ናታተን ድኽነት ጥራይ ዘይኮነስ ድላይካ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰልውን ስለ ዘየፍቅድ'ዩ!

ኣብ መበል 13 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለ ክርዳድ'ዩ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 12/02/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-