ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 25 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

16/11/2017 16:15 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 25 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 25 ክፋል

 

*መርማሪት ኮሚሽን ኣርባዕተ ሓያላን መንግስታት ብ12 ሕዳር 1947 ዓ.ም. ኣስመራ ኣትያ።
*መርማሪት ኮሚሽን ኣርባዕተ ሓያላን መንግስታት ብ3 ጥሪ 1948 ዓ.ም. ንኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒዓ ካብ ኤርትራ ወጺኣ።
*መርማሪት ኮምሽን ኣርባዕተ ሓያላን ሃገራት ብ15 መስከረም 1948 ዓ.ም. ንኤርትራ ዝምልከት ውሳነታት ሂባ።
*ሻድሻይ ወራር ደርጊ ብዕለት 15/02/1982 ዓ.ም. ጀሚሩ ዕለት 20/6/1982 ድማ ኣብቂዑ።
*ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ብዕለት 10/02/1994 ዓ.ም. ኣብ ናቕፋ ጸዲቑ። እዚ ቻርተር’ዚ ነቲ ድሒሩ ኣብ ዕለት 23/05/1997 ዓ.ም. ብቅዋማዊ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ መሰረት ዝኾነ’ዩ።

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 25 ክፋል፥

ንምንታይ እያ ኤርትራ ንኹልና ኤርትራውያን ዘረዳድእ ሃገራዊ ቋንቋ ዘይብላ!?

ኣብቲ ብዕለት 11 ሰነ 1952 ዓ.ም ዚተገብረ ኣኼባ ባይቶ ኤርትራ፡ ብመጀመርያ ንሃገራዊ ቋንቋ ኣብ ዝምልከት ርእይቶኦም ዝሃቡ፡ ቀኛዝማች ወልደዮውሃንስ ገብረእግዚእ እዮም ነይሮም። ከምዚ ድማ በሉ፥ ‘ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ሓደ ቋንቋ፡ ሓንቲ ባንዴራን ሓንቲ ዘውድን እያ ዘላተን፤ ኣብ ኤርትራ እውን ከምኡ ክህልወና ኢና ንደሊ። በዚ መሰረት ከኣ ንቋንቋ ትግርኛ ዘይርዳእ ኤርትራዊ ስለ ዘየለ፡ ትግርኛ ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራ ይኹን። ዓረብ ግን ናይ ሃይማኖት ቋንቋ ስለ ዚኾነ፡ ከም ናይ ባዕዲ ይርአ፣ ስለዚ፡ ኣብ ወግዓዊ ጉዳያት ኪዝውተር ኣይግባእን'ዩ' በሉ።

ኣቶ ሓድገምበስ ክፍሎም ኣባል ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ብወገኖም፡ ነዚ ዚስዕብ ርእይቶ ሃቡ፥ ‘ቋንቋ ዓረብ ምስ ሃይማኖት'ዩ መጺኡና፣ ዓረብ ዚቋንቋኡ ኤርትራዊ ከኣ የብልናን!’ ካብ ቋንቋታት ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ትግርኛ ብብዝሒ ዝዝረበሉ ቋምቋ ትግረ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ትግረን ትግርኛን ውድድርን ምርጫን ተኻይዱ ሓደኡ ሃገራዊ ቋንቋ ኤርትራ ክኸውን ይግባእ።’ በሉ። እዚ እቲ ክኸውን ዘለዎ ሓቂ’ዩ። ንምንታይ ብኽልተ ቋንቋታት ማለት ብዓረብን ብትግርኛን ኮለል ንብል ከም ዘለና ንኣይውን ኣይርደኣንን’ዩ።

‘ዓረብ ዝያዳ ትግርኛ ናይ ባዕዲ ኣይኮነን! መበቈል ክልቲኡ ቋንቋታት የመን'ዩ! ስለዚ፡ ክልቲኡ ብማዕረ ንጠቐመሉ። ከም ተወሳኺ ቋንቋታት እንግሊዝን ጣልያንን እንተተጠቐምናውን ጸገም የብሉን።' ዚበሉ ድማ ኣቶ ቃዲ ዓሊ ዑመር ኣባል ደሞክራሲ ሰልፊ ኤርትራ ካብ ኣከለጉዛይ እዮም ነይሮም። (ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ)

ዘይወግዓዊ ሃገራዊ ቋንቋ ናይዚ ስልጣኑ ጥራይ ዘገድሶ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መራሒ ምልኪ ትግርኛ’ዩ። እቶም ኣብ ቊርኣን ስለ ዘሎ ጥራይ ቋንቋኦም ዝመስሎም ንቋንቋ ኣደኦም ክብረት ዘይብሎም ውሑዳት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣሕዋትና ስለ ዝደለዩዎን ከይቃዎሙዎን ኢሉ ግን ንቋንቋ ዓረብ ስማዊ “ሃገራዊ ቋንቋ” ብምጥማቕ፡ ቋንቋ በዓላትን ቋንቋ ታቤላታትን ጥራይ ገይሩዎ ይጓዓዝ ኣሎ። እቶም ብቐደሙውን ቋንቋ ዓረብ ዘይብጽሖም ግን ከኣ ይኹነልና በሃልቲ ሰባት ከኣ ኣብ በዓላት ነቲ ብትግርኛ ዝሰምዑዎን ዝተረድኡዎን ቃላት ብዓረብ ስለ ዝድገመሎም ባህ ኢሉዎምን ዓጊቦምን ይኸዱ ኣለዉ ማለት’ዩ።

ከምቲ ቋንቋ ግእዝ ናብ ትግርኛ ተተርጒሙ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘገልገል ዘሎ፡ ቋንቋ ዓረብ እውን ናብ ትግርኛ ተተርጒሙ ኣብ ቊርኣን ዘይስርሓሉ ምኽንያት ኣይርደኣንን’ዩ። ብዙሓት ከም ቱርኪ፡ ኢራን፡ ኢንዶነጅያን ካልኦት ናይ እስላማውያን ሃገራትን’ኮ ንቊርኣን ናብ ቋንቋ ኣደአን ተርጒመን’የን ዝጥቀማሉ ዘለዋ። ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ብሄራት ኣመንቲ እስልምና ከደኣ ንምንታይ ንቋንቋ ዓረብ ነናብ ቋንቋ ኣደኦም ተርጒሞም ዘይጥቀሙ!? እንታይ ኣምጽኦ ሕሉፍ ፍቕሪ ኣብ ባዕዳዊ ቋንቋ!?

ኣብ ኣርብዓታት ብተወሳኺ እዞም ዝስዕቡ ኤርትራውያን ክኢላታት ቋንቋ፡ ንቋንቋ ትግርኛ ብዝምልከት ኣርእስቲ ሰፊሕ ክትዕ ኣካይዶም ነይሮም እዮም። እቲ ክትዕ ኣብ መንጎ እቶም ንቋንቋታት ግእዝን ኣምሓርኛን ኣኽቢሮም ንትግርኛ ዘናኣእሱን ኣብ መንጎ እቶም ነዚ ሓሳብ’ዚ ተቛዊሞም ክብሪ ቋንቋ ትግርኛ ከረጋግጹ ዝጽዕሩን’ዩ ይካየድ ነይሩ። ገለ ካብቶም ተኻታዕቲ ከኣ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣሰናዳኢ ናይታ ብምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ርእይቶታቶም ንኽገልጹላ ዝተፈቕደት ጋዜጣ “ዳሃይ ኤርትራ”፡ ደግያት ኣብርሃ ተሰማ ሓደ ካብ መስረትቲ ሰልፊ “ኤርትራ ንኤርትራውያን”፡ መምህር ይስሓቕ ተወልደመህን መስራቲ “ቤት ትምህርቲ ይስሓቕ ተወልደመድህን”፡ ከምኡውን ክኢላ ቋንቋ ትግርኛ፡ ኣቶ ባይሩ ዑቕቢት “ኣቦኦም ንደጃዝማች ተድላ ባይሩ” እዮም ነይሮም። (ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ)

ኤርትራ ሃገርና ንኹልና ዘረዳድእን ዝጠምርን ሃገራዊ ቋንቋ ስለ ዘይብላ፡ ብሄረ ትግርኛ ክሳዕ ሓሙሻይ ክፍሊ ቋንቋ ኣደኡ ተማሂሩ፡ ብድሕሪኡ ቋንቋ ኣደኡ ደርብዩ ናብ እንግሊዝኛ ክሰጋገር ይግደድ፣ ብሄረ ኩናማ እውን ከምኡ ድሕሪ ሓሙሻይ ክፍሊ ናብ እንግሊዝኛ ይሰጋገር፣ እተን ዝተረፋ ሸውዓተ ብሄራትውን ከምኡ ካብ ሓሙሻይ ክፍሊ ቋንቋ ኣደአን ደርብየን ናብ ቋንቋ እንግሊዝ ንኽኣትዋ ይግደዳ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘረዳድእ ናይ ሓባር ቋንቋ ባዕዳዊ ቋንቋ፡ ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ እዩ ማለት’ዩ። ጉጅለ ምልኪ ማዕርነት ህዝቢ ብመሰል ዘይሓለወስ ብቋንቋ ክሕሉ ያኢ ንኹሉ ሃገራዊ ቋንቋታት ደርብዩ፡ ቋንቋ ባዕዲ ናይ ሓባር ሃገራዊ ቋንቋ ገይሩዎ ኣሎ!

በዚ መሰረት ካብ ዓሰብ ዝመጸ ዓፈረታይ፡ ካብ ሰንዓፈ ዝመጸ ሳሆታይ፣ ካብ ከረን ዝመጸ ብሌነታይ፣ ካብ ዓዲ ዃላ ዚመጸ ብሄረ ትግርኛ፣ ካብ ባረንቱ ዚመጸ ብሄረ ኩናማ፣ ካብ ምጽዋዕ ዚመጸ ብሄረ ትግረ፣ ወዘተ. ኣብ መዲና ሃገር ኣብ ፈስቲቫል ኤክስፖ ምስ ተራኸቡ በየናይ ቋንቋ’ዮም ክረዳድኡ!? ምኽንያቱ፡ ኩላቶም ናይ ሕድሕድ ቋንቋ ኣይተማህሩን። ንኹሎም ዘረዳድእ ሃገራዊ ቋንቋውን የብሎምን! በዚ ምኽንያት ብተርጓሚ’ዮም ሓሳባቶም ክለዋወጡ ማለት’ዩ። እዚ ናይ ብሓቂ ጸገም’ዩ። ዕላማ ጉጅለ ህግደፍ ጸገም ምፍጣር ስለ ዝኾነ ግን እዚ ንመጻኢ መንግስትን ትውልድን’ምበር ንፋኖ ህግደፍ ምንም ጸገም የብሉን!

ከም ዝፍለጥ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም፡ ማዕረ ህዝባ ንኽብርን ሃብትን ናይዛ ሃገር’ኳ ብኸቢድ የብርስ እንተሎ፡ ብርሰትን ሃስያን ባህልና፣ ቋንቋናን እምነትናን ግን መዘና የብሉን። ብኸመይ ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ ስፍሕ ዝበለ’ኳ እንተ ኾነ፡ ብሕጽር ዝበለ ግን ከምዚ ዚስዕብ ይመስል፥ እቲ ቀዳማይ ባህልና’ዩ። ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ንኣዝዩ ውሑድ ድሑር ኣተሓሳስባታት ገዲፍካ፡ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኣዝዩ ብሉጽን ክቡርን’ዩ። ሕጂ ግን ብሰንኪ ጉጅለ ሕሰም ይብለል ኣሎ።

ምጥፍፋእ፣ ስሰዐ፡ ኣያ በያ፣ ደርሆ ጽውሪት (ጉቦ)፣ ሰበይ ሰብካ፣ ንኣይ ይጥዓመኒ፣ ዓበይትን ኣርካናትን ዘይምኽባር፣ ኣቦን ወድን ከምኡውን ሓው ንሓው ኣብ ቤት ፍርዲ ምውጣጥ፣ ፍትሕ፣ ጭካነ፣ ባህሊ እናበልካ ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ዝላ ወዘተ. ይርአ ኣሎ፤ ስርዓት ኢሳያስ እዚ ኣውሪሱ ይሓልፍ ኣሎ።

ኣብ ቋንቋ እንተ መጻእና ኸኣ እዚ ህዝቢ፡ “ቋንቋ ደኣ መንግስቲ ኣሎዎ’ንዶ” ብምባል፡ ከምቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ ካብ ምክትታሉን ምሕላውን ስለ ዝበዀረ፡ ቋንቋና ብድሕሪ ናጽነት ኣዝዩ ተሃስዩ ኣሎ። ሃስያ ቋንቋና ከኣ ካብተን ብጉጅለ ህግደፍ ዝውነና ማዕከናት ዜና’ዩ ዝፍልም።

ንኣብነት፥ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ እንተወሲድና፡ ዋና ኣሰናዳኢኣ ብፍጹም ብዛዕባ ጽሑፍን ስነ-ጥበብን ኣምር ዘይብሉ፡ ተራ ጋዜጠኛ ስፖርት ዝነበረ ሰብ’ዩ። መለክዒታት ሞያ ህግደፍ ግን ኣፍልጦ ዘይኮነስ ተማእዛዝነት ስለ ዝኾነ ንሓደ ሰብ ኣብ ዘይደረጃኡ ምስራሕ ልሙድ ተርእዮ እዩ! ረቢናት (ምሁራት) ከምቲ ቀደም ኣብ ሜዳ “ንኡስ ብርጁዋ!” እናተባህሉ ዝህደኑን ዝደሃሉን ዝነበሩ፡ ሎሚውን ፈላጣት ቋንቋን ባህልን “ዝንቡዓት!” እናተባህሉ ይጉነዩ ስለ ዘለዉ፡ ቋንቋናን ባህልናን ብኸቢድ ይህሰ ኣሎ። ኪኢላታት ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ሓንቲ ገጽ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጥራይ፡ ካብ 1000 ቃላት ብውሕዱ 100 ጌጋታት’ዮም ዘውጽኡ። ኣብ ራድዮን ተሌቪጅንንውን ከምኡ።

ኣብ መበል 26 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 15/11/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Asmera dimsi bayto 14th session 2.2002 Tigrina audio. መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ (ለካቲት 2002)። (YouTube Channel: Aida Kidane):