ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 44 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

30/12/2020 23:55 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 44 ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!
መበል 44 ክፋል፥

6ይ ወራር ኣዝዩ ጽንኩርን ሓያልን ብምንባሩ፡ ንኡ ንምፍሻል ጥራይ ኣስታት 2700 ተጋደልቲ ተሰውኡ። 5000 ዝኾኑ ድማ ብኸቢድን ብፈኲስን ቆሰሉ። ካብቶም ነቲ ወራር ዝመከቱ ጠቕላላ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ድማ 5300 ዝኾኑ ተጋደልቲ ጥራይ ብዘይጉድኣት ወጹ። ቊጽሪ እቶም ንሓገዝ ዝመጹ ስውኣት ወያነ ኣብዚ ጸብጻብ ኣይኣተወን። እዚ ሰማሚ ጋዝ ዝተሓወሶ ፈታኒ ወራር’ዚ ብርግጽ ኣዝዩ ጽንኩር’ዩ ነይሩ። በዚ መሰረት ከኣ እቲ ብዕለት 22 መጋቢት 1945 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ካይሮ ግብጺ ዝተመስረተ ማሕበር ሃገራት ዓረብ እውን ብእኩብ ብዕለት 26/2/1982 ዓ.ም. ነቲ ወራር ዝኹንን መግለጺ ከም ዘውጽአ ይዝከር።

እቲ ዝኾነ ይኹን ፍረ ዘይተረኸቦ ካብ ልቢ ዘይተበገሰ ዘተ ሰላም ስርዓት ደርግን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ ድሕሪ’ቲ ብዕለት 22 መጋቢት 1978 ዓ.ም. ኣብ በርሊን (ጀርመን) ዘካየዶ ፍሹል ርክብ፡ እንደገና ብዕለት 23/9/1982 ዓ.ም. ስርዓት ደርግ ብዘቕረቦ ጠለብ መሰረት፡ ኣብ እንዳ ሓደ ተስፋሚካኤል ዚተባህለ ሃብታም ኤርትራዊ ነጋዳይ፡ ኣብ ከተማ ሮማ ኢጣልያ ርክብ ተኻየደ። ብወገን ስርዓት ደርግ፡ ኮሎኔል ተስፋዬ ወልደስላሴ፡ ኢሳያስ ውብሸትን ዝተባህሉ ክሳተፉ ከለዉ፡ ብወገን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ድማ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ፡ እስጢፋኖስ ኣፍወርቂን (ብሩኖ) እርምያስ ደበሳይን (ፓፓዮ) ተሳቲፎም ነበሩ።

እቲ ርክብ’ቲ ድሕሪ ምፍሻል 6ይ ወራር ይካየድ ስለ ዝነበረ፡ ልኡኻት ስርዓት ደርግ፡ ኣብ መንጎ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያምን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባርን ቀጥታዊ ዝርርብ ንኽካየድ ጠለብ ኣቕረቡ። ወከልቲ ህዝባዊ ግንባር እውን ነታ ብ20 ሕዳር 1980 ዓ.ም. ዘቕረቡዋ ናይ ረፈረንደም ጠለብ ዳግም ኣቕረቡሉ። ልኡኽ ስርዓት ደርግ ንጠለብ ረፈረንደም ስለ ዘይተቐበሎ ድማ እቲ ኣኼባ ብዘይፍረ ተዓጽወ።

ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ግን ልኡኻት ክልቲኡ ወገን እንደገና ብዕለት 11//12/1982 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሮማ (ኢጣልያ) ተራኸቡ። ብወገን ስርዓት ደርግ፡ ኮሎኔል ተስፋዬ ገብረስላሴ፡ ሚኒስተር ጸጥታ ስርዓት ደርግ ዶክተር ኣለሙ ኣበበ፡ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ደርግ፡ ሽዋንዳኝ በለጠን ምክትሉ በላይነህ ኢሳያስን ክርከቡ ከለዉ፣ ብወገን ህዝባዊ ግንባር ድማ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ ወልደሚካኤል ኣብርሃ፡ እስጢፋኖስ ኣፈወርቂን (ብሩኖ) እርምያስ ደበሳይን (ፓፓዮ) ተሳተፉ። ኣብዚ ርክብ ጠለብ ልኡኻት ደርግ፡ ህዝባዊ ግንባር ብሓድነት ኢትዮጵያ ኣሚኑ ዞባዊ ምምሕዳር ንኽቕበል ሕቶ ኣቕረቡሉ።

መልሲ ልኡኽ ህዝባዊ ግንባር ድማ፥ “ኤርትራ ኣብ ሓምሳታት ናይ ገዛእ ርእሳ ፓርላማ፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ናጻ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ዝነበራ ብሕግን ቅዋምን ዝምራሕ ፖለቲካዊ ህይወት ዝካየደላ ልኡላዊት ሃገር ብምንባራ ንውሽጣዊ ምምሕዳር ኣይትቕበልን እያ” ብምባል ንጠለብ ስርዓት ደርግ ብወግዒ ዝነጽግ ነበረ። “ትማሊ ኣብ ኤርትራ ዓንድታት ህዝባውን ቅዋማውን ስርዓት ነይሩ እዩ’ሞ ንሱ ክምለስ ኣለዎ” ኢሉ ትማሊ ንገዛእቲ ሓይልታት ዝማጐት ዝነበረ ጉጅለ ኢሳያስ፡ ሎሚ ንሱ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን እንታይ ዓይነት ስርዓት ተኺሉ ከም ዘሎ ህዝብን ታሪኽን ኣዒንቶም ኣፍጢጦም ይዕዘቡዎ ኣለዉ።

ካልኣይ ርክብ ልኡኻት ህዝባዊ ግንባርን ስርዓት ደርግን ከም ወትሩ ብዘይፍረ ምስ ተዛዘመ፡ ሳልሳይ ርክብውን ብዕለት 03/01/1983 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሮማ ተኻየደ። ብወገን ኢትዮጵያ መጐስ ሃብተማርያምን ግርማይ ኢሳያስን ዝብሃሉ ክልተ ሰበ-ስልጣን ደርግ ክቐርቡ ከለዉ፣ ብወገን ህዝባዊ ግንባር ድማ፡ እስጢፋኖስ ኣፈወርቂን እርምያስ ደበሳይን ተሳተፉዎ። ኣብቲ ርክብ’ቲ ልኡኽ ህዝባዊ ግንባር ነዘን ዝስዕባ ጠለባት ኣቐዲሙ ስለ ዘቕረበ ልኡኽ ስርዓት ደርግ መልሲ ንኽህበሉ ስልጣን የብለይን ብምባሉ፡ እቲ ርክብ ኣብኡ ተዓጽዩ ንራብዓይ ርክብ ቈጸራ ተታሕዘ።

ጠለብ ወከልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፥

1ይ. ርክባትና ብሰነድ ክታሓዝ፣
2ይ. ኣብ ርክባትና ተዓዛቢ ዝኸውን ምስጢራዊ 3ይ ኣካል ክህሉ፣
3ይ. እቲ ርክብ ንመሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ኣሚንካን ተቐቢልካን ክካየድ፣
4ይ. መድረኻትን ተሳተፍትን ኣኼባታት ክውሰኑ፣
5ይ. ግዜን ቦታን ርክባት ክውሰን። ዝብሉ ነበሩ።

ራብዓይ ርክብ ልኡኻት ህዝባዊ ግንባርን ስርዓት ደርግን ብዕለት 18 ለካቲት 1983 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሮማ ተኻየደ። ኣብቲ ርክብ’ቲ ካብ ወገን ስርዓት ደርግ፡ ኮሎኔል ተስፋዬ ወልደስላሴ፡ ዶክተር ኣለሙ ኣበበን ኣቶ ሽዋንዳኝ በለጠን ክሳተፉ ከለዉ፡ ብወገን ሻዕብያ ድማ ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ተጋ. እስቲፋኖስ ኣፍወርቂን ተ.ጋ ኤርምያስ ደበሳይን ተረኽቡ። እቲ ርክብ’ቲ እውን ብዘይካ ነቲ ብቕድሚኡ ዘልዓሉዎ ጉዳይ ረፈረንደምን ፈረደረሽንን ካልእ ኣጀንዳ ስለ ዘይነበሮም ቀልጢፉ ብዘይፍረ ተበተነ። እቲ ዝገርም ግን እንደገና ንሓሙሻይ ግዜ ንዕለት 26 ጥሪ 1983 ዓ.ም. ንኽራኸቡ ምቊጻሮም እዩ።

ኣብ ሓሙሻይ ርክቦምውን ኣብ ሻድሻይ ርክብ ዝዛተዩሉ ኣጀንዳ ጥራይ ኣጽዲቖም ተፈላለዩ። በዚ መሰረት ከኣ 1ይ. ንናጽነት ረፈረንደም ምክያድ፡ 2ይ. ፈደረሽን፡ 3ይ. ውሽጣዊ ምሕደራ፡ ዝብላ ሰለሰተ ነጥብታት ከም መፍትሒ ተወሲደን ብመልክዕ ረፈረንደም ናብ ህዝቢ ንኽቐርባ ወሰኑ።
ነዚ ሓሳብ’ዚ ንምብሳል ድማ ሻድሻይ ርክብ ወኪላት ስርዓት ደርግን ሻዕብያን ብ13 ሰነ 1983 ኣብ ከተማ ኣተንስ (ግሪኽ) ተኻየደ።

ኣብቲ ርክብ’ቲ ብወገን ስርዓት ደርግ፡ ኮሎኔል ተስፋዬ ወልደስላሴ፡ ዶክተር ኣለሙ ኣበበን ኣቶ ሽዋንዳኝ በለጠን ክሳተፉ ከለዉ፡ ብወገን ሻዕብያ ድማ ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ተጋ. እስቲፋኖስ ኣፍወርቂን ተ.ጋ ኤርምያስ ደበሳይን ተሳተፉ። ኣብቲ ርክብ’ቲ ስርዓት ደርግ፡ ነታ ናጽነት ትብል ቀዳመይቲ ነጥቢ (ንናጽነት ረፈረንደም ምክያድ፡) ኣልዩ፡ ኣብተን ክልተ ነጥብታት ክዛተ ከም ዝደሊ ሓበረ። ሓሳብ ስርዓት ደርግ ብወገን ህዝባዊ ግንባር ስለ ዝተነጽገ ግን ሻድሻይ ርክብውን ብዘይፍረ ተዓጽወ።

እዚ ይኹን’ምበር ክልቲኦም ንሓድሕዶም ዝተፈራርሑ ተጻባእቲ ወገናት ግን ፍረ ኣልቦ ርክብ ካብ ምክያድ ኣየቋረጹን። ምኽንያቱ፡ ክልቲኦም ወገናት ዓቕምታቶም ካብ ጠለባቶምን መልስታቶምን ይመዛዘኑ ስለ ዝነበሩ። በዚ መሰረት ከኣ ሻውዓይ ርክብ ብዕለት 19 ሓምለ 1983 ዓ.ም. እንደገና ኦሎምፒክ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ኣተንስ (ግሪኽ) ዝርከብ ሆቴል ተኻየደ። ኣብቲ ርክብ ልኡኽ ህ.ግንባር ካብታ ናይ ፈለማ ጠለቡ ፈልከት ስለ ዘይበለ፡ ልኡኽ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ዘይርጉእ ኩነታት ኢትዮጵያ ክሳዕ ዝረግእ ንኽፍሊ ሃገር ኤርትራ ውሽጣዊ ምምሕዳር ክወሃባ ሓሳብ ኣቕረበ። ኣብዚ ሓሳብ’ዚ እውን ስምምዕ ስለ ዘይተረኽበ እቲ ኣኼባ ከም ወትሩ ብዘይፍረ ተበተነ።

ሻሙናይ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ብዕለት 26 ታሕሳስ 1983 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣተንስ ተኻየደ። ኣብዚ ሻሙናይ ርክብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሰለስተ ቀወምቲ ልኡኻቱ፡ ሓደ ዶክተር ኣሻግሬ ይግለጡ ዚተባህለ ሓድሽ ሰብ ወሲኾም ቀረቡ። ልኡኽ ስርዓት ደርግ ሻቡ፡ ነዚ ዝስዕብ መፍትሕታት ኣቕረበ፥ “ሕቶ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ ሰራዊት ምክልኻል፡ ናይ ጸጥታ ኣካላት፡ ገንዘብ/ባጤራ፡ ምምሕዳር ባሕርን ወዳባትን ናይ ማእከላይ መንግስቲ ክኸውን፣ እቲ ዝተረፈ ንኤርትራ ዝምልከት ጉዳይ ግን ባዕልኻትኩም ብውሽጣዊ ምምሕዳርኩም ክትውስኑዎ ዘኽእል ጉዳይ ንሰማማዕ” በሎም። ልኡኻት ህዝባዊ ግንባር ነዚ ስለ ዝነጸጉዎ እቲ ኣኼባ ብዘይፈረ ተዓጽወ።

ታሽዓይ ርክብ ስርዓት ደርግን ህዝባዊ ግንባርን ብዕለት 2 መጋቢት 1984 ዓ.ም. ኣብ ኣቴንስ (ግሪኽ) ተኻየደ። ኣብ ታሽዓይ ርክብውን ክልቲኦም ወገናት ድሌታቶም ካብ ምግላጽ ሓሊፎም ካልእ ፍታሕ ስለ ዘየቕረቡ፡ ምንም ፍረ ከየፍረዩ ተፈላለዩ። ብድሕሪ’ዚ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ንሓደ ዓመት ኣቋረጸ። ድሕሪ ዓመት ግን መንግስቲ የመን ኣብ 1985 ዓ.ም. ንኽልቲኦም ወገናት ከዛቲ ስለ ዝደለየ፡ ጻውዒት ብዘገበረሎም መሰረት ብዕለት 31 መጋቢት 1985 ዓ.ም. ወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ከተማ ዓደን (የመን) ተራኸቡ። ኣብዚ ርክብ’ዚ እውን ስለ ዘይተሰማምዑ ዘተ ሰላም ስርዓት ደርግን ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ከም ወትሩ ብዘይፍረ ተዛዘመ።

ኣብ መበል 45 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ መጽሓፍ “ሕድገት ዘየፍቅድ መሰል” ብኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ እዩ።

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዝተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዝብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ታሪኽ ምፍላጥ ሓያል ኣጽዋር ፍልጠትን ሰረትን ምዕጣቕ ማለት ስለ ዝኾነ ናብ ኩሉ ንኽባጻሕ ምክፍፋል (Share) ኣይትረስዑ?

ካብ ሓውኹም መሲናስ 06/12/2020


Share with friends:


ህዝባዊ ግንባር ብኸመይ ከም ዝተዓወተሉ 6ይ ወራር
(ERi-TV)

ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡   18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡  33 ክፋል (04/12/2018)፡  34 ክፋል (27/01/2019)፡  35 ክፋል (10/03/2019)፡  36 ክፋል (16/04/2019)፡   37 ክፋል (28/05/2019)፡   38 ክፋል (17/12/2019)፡   39 ክፋል (01/02/2020)፡   40 ክፋል (21/03/2020)፡   41 ክፋል (22/05/2020)፡   42 ክፋል (30/07/2020)፡   43 ክፋል (15/10/2020)፡   44 ክፋል (30/12/2020)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: