ይኣክል’ዶ መወዳእታ ኣለዎ እዩ ?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

12/07/2019 23:17 PM

ይኣክል’ዶ መወዳእታ ኣለዎ እዩ ?

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ይኣክል’ዶ መወዳእታ ኣለዎ እዩ ?

ይኣክል’ዶ መወዳእታ ኣለዎ እዩ ? ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳት፣ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ከልዕል ዝደረኸኒ ነቲ ብሓደ ትጉህ ኤርትራዊ ተጀሚሩ፤ ካብ ምቛም እዚ እናገበለ ዝመጸ፣ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ዘስዓቦ፣ ኣብ ጥርዙ ምስ በጽሐ ዘርኣዮ ባህርያት፣ ክድዓት ዝነቐለ፤ የብቅዕ ስርዓተ ውልቀ-መላኺ፣ ይኣክል ምፍልላይ፣ ንፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ንምምጻእ ሓቢርና ንቃለስ፡ ልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ቅድሚት ሰሪዕና፣ ኣብ ሓደ ንኹላትና ዘጽልል ደምበ ፍትሒ ተጠርኒፍና፣ ቡዙሕነት ኣብ ሓድነት ዝብል ውርሻ ኣቦታትና ነዘውትር።

እዚ ቁኑዕ ጭርሖ፣ ምስ ምምስራት ስርዓተ ኢሳያስን ጉጅሉኡን፣ኣትሒዘን ተቛምአን ወይ ኣንጻሩ ተጠርኒፈን ክንቃሳቓሳ ዝጸንሓ፣ ውድባት፣ምንቅስቃሳት፣ሲቪካዊ ማሕበራት፣ውልቀ ዜጋታት፣ ብሓድሽ መንፈስ ክቕበልኦ ከለዋ፡እቲ ኣውራ ከም ፈውሲ መበራበሪ ዝኾነ ነቶም ስጋብ ብዓይኖም ዝርኣይዎን ብእዝኖም ዝሰምዕዎን፣ “ድሕሪ ሕጂ ክልተ ህዝቢ ኢሉ ዝዛረብ ታሪኽ ዘይፈልጥ’’፡ ነቲ ደምናን ዓጽምናን ዝኸፈልናሉ ልእላውነትና፣ንጹር ዶብ ንኽህልወና ዳግመ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ከም ሕጫጨ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትሪ ኢትዮጱያ ኣብይ ኣሕመድ፡’’ዶብ ወድሰብ ዝገበሮ እዩ” ክብሉ ከለዉ፣ ነቲ 30 ዓመት ናጽነታዊ ቃልስና፣ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲን፣ ንድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ዶባዊ ውግእን ዝተኸፍለ መስዋእትን ከም ዓሽካዕላል እቲ despot ድስቡጣ ኢሳያስ ልቡ እናሃረመ፣’’ኣብ ሂወተይ ንመጀመርያ እዋን ሙሉእ ሓጎስ ተሰሚዑኒ” ‘’ንሓድነት ኢትዮጵያ ክዘርግ ዝመጽእ ሂወተይ ከሕልፍ ድልው እየ “ እዚን ካልእ ሸናዕናዕ ክዕዘብ ከሎ፡ ኩሉ በዓል ሕልና ዋላ’ቲ ምስኡ ክዳናገጽ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሕጅስ ክስገር ዘይቡሉ ቀይሕ ዶብ ሰጊሩ፡ ይኣክል፣ የብቅዕ ስርዓተ ውልቀ መላኽን ጉጁሉኡን፡ ስልጣን ንህዝቢ ይስረከብ፣ ቅዋም ይተርጎም፣ፖለቲካውያን፣ሰብ-ሕልና መንፈሳውያን፣ጋዘጠኛታት እሱራት ይፈትሑ፡ቅድሚ ኩል ግን ዶብና ብመሰረት ውዑል ኣልጀሪ ይትሓንጸጽ፣ዝብል ሓያል ነጎዳ ይኣክል ከንጎድጉን ብ-ዓውታ ፍትሒ ክሓትትን፣በቢዘለዎ ክጥርነፍን፡ሓቢርና ንቃለስ ብሓደ ድምጺ ክንዛረብ ንብቃዕ፣ ዝብል ንፍትሒ ዝጽውዕ ጡዑም መዝሙር/ሙዚቃ ተሰሚዑን ይቕጽል’ውን ኣሎ። ንውልቀ መላኺ ክኣ ፍርዲ ሞቱ ክቃላቐል ክትሪኢ ከለኻ፣ ዝስማዓካ ሓጎስን ተስፋን እዋንን/መድረኽን ምዃኑ፡ኩላትና እነብሮን እንርእዮን እንሰምዖን ዘሎና ህሞት እዩ፡፡

ካብዚ ዝነቐለ በቢ ዓይነቱ ህዝባዊ ምልዓል፣ክውደብን ክጣራነፍን፣ ሕብረ-ብሄራዊ ተበግሶታት፡ጌና መእሰሪ ዘይረኸበን ፋሕ ዝበለን፣ኣብ ነንሕድሕዱ ዘይተዋሃሃደ፣ኣብ ክንዲ ዝቃራረብ ዝርሓሓቕ፣ክንዲ ምድግጋፍን ምትኽኻእን ምውድዳር፣ ናተይ ተበግሶ እዩ ዝሓሸ ንዑኡ ከዐውት ዝብል ህርፋን፡exhibitionism ቁብዘርዘርነት/ረኣዩኒ-ረኣዩኒ ዝመስል ኣጋባብ ብምክያድ፣ እቲ መሰረታውን ክብጻሕ ዝነበሮ ሓድነት፣ንኹሉ ንፍትሒ ዘቃልስ ዘጽልል ባይታ ንምብጻሕ ክበቅዕ ኣይካኣለን።እቲ ይኣክል ናይ ፍልልይ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝብል ሕልሚ ናይ ኩሉ ዜጋ ኤርትራዊ ጉዑዝኡ ጀሚሩ’ምበር ሽቱኡስ ኣይተወቕዐን።

እዚ ምስክሩ ኩሉ ድሮ ተኣኪቡ ዋዕልኡ ዘካየዳ ውድባት፣ምንቅስቓሳት ነናቱ ጉባኤ’ምበር ናይ ሓባር ዝካናወሉ ጠርናፍን ምምስራት ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ጽላል ጊዚኡ ገይና ዘይበጽሐን ቡዙሕ ጻዕሪን፣ ካብዚ ልሙድን ዝሓለፈ ኣረጊት ኣጋባብ ስርርዕና/ምጥርናፍና ከይወጻእና ሓዲሽ መገዲ ሓድነት ከይረኸብና ክንበጽሖ ከምዘይንኽእል ክኣ ብሩሁን ጉሉሑን እዩ።

እቲ ዝርአ ጉድለታት ኣብ እነካይዶ ሓድነታዊ ተበግሶታት፣ ቅድም ታህዋኽ ዝበዝሖ፡ኣብ ክንዲ ምጥርናፍ ምግላል ምንጻል፣ ንሰውነትካ ናጻ ኣውጺእካ ንናይ ካልኦት ስርሓት ህየሳ/ነቐፈታ ካብኡ ዝገደደ ምንእኣስ፣ ማለትሲ ንሰውነትካ ላዕሊ ሰቒልካ ንኻልኦት ኣትሒትካ ምጥማት ባህርያት ዘጥረና ኮይና፣ ‘’ለውጢ ካብ ሰውነትካ እያ ትጅምር” ትብል ናይ ኩሉ ለውጥታት መሰራዊት ስነ-/ሓሳብ/ሓረግ ስለ ንስሕታ እዩ ይመስለና።

ሰባት ንመሰረታዊ ለውጢ ክሓቱ እንተደኣ ተበጊሶም፣ንሳቶም ኣብነት ክኮኑን ኣበገስቲ ደኣምበር ወነንቲ ናይ ጉዕዞ ደምበ ፍትሒ ኮይኖም ክስምዖም ዘይግባእ ክነሱ፤ እቲ ኣንነት ምስ ቁብዘርዘርነት ተሓዊሱ፣ ዕንቅፋት ሓድነት ይኸዉን፡፡

ካብ ተዓዘብናዮ ኣብ ክንዲ ዝሓለፈ መስርሕ ሓድነት ተመርኲስና ሓድሽ ስትራተጂ/ስልቲ እንምህዝ፣ሓድሽ ሽም ሓድሽ ዓይነት ምጥርናፋት ዝመስል ተበግሶታት፣ ነቲ ምፍንጣሕን ምጭጭሓትን ባህሊ ውድባትና፣ እንደገና ንጣራነፍ ኣሎናዶ ንታኣኻኸብ ኣለናዶ እናተባህለ፡ እቲ ከም ኣመል ተወስደ ኣጋባብ መስርሕ ስልቲ ብምጥቓም፣ስጋብ እዛ እዋን እዚኣ ብዘይካ ተስፋን ድልየትን እንተዘይኮይኑ፤ ነቲ ኩሉ ዝሓልሞን ድልየት ህዝብና ዝብህጎን፣ ዘየርዉን ዘይወቅዕን ምዃኑ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እቲ ዘሕስብን ዘስተርንክርን ግን ካብ ተሞክሮታት ተማሂርካ፣ ሓድሽን ንኹሉ ዘሳትፍ ኣጋባብ ክርከብ ዘይምኽኣሉ እዩ። ነዚ አውራን ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ገደብ፡ ንኹሉ ተበግሶታት ብዓይኒ ጠርጠራ ስለ እንርዮ፣ ኣብ ክንዲ ከነጽንዖ ክንማራመርሉን ክማሓየሽ ዘለዎ ከነማሓይሾ እንፍትን ፣ በዓል መን እዮም ቀሪበሞ? ንምንታይ? መሳልል ስልጣኖም ክኾኖም እዮም ሓንጺጾሞ? እዚን ካልእን ዘይሃናጺ ወኸሳታትን፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ሰውነትካ እትሓስቦ ንኻልኦት ምጥቃን፡ እንጥቀመሉ ስነ-ሞጎት ብሓቂ ሃሳይን ንቅድሚት ዘየኽይድ ዓቢ ጎቦ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ዝተጠርየ ባህሪ ይመስለና፡፡

እቲ ከም ምብጋሱ/ምንቃሉ ቁኑዕ ኮይኑ ዝርአ፣ ድምጺ ይኣክል፡ ነቲ መሰርታዊ ሓድነት ዘተንበሀ፣ ኣብ መገዲ ጉዕዝኡ ዝተጠምዘዘን ዝተሳሕተን ኮይኑ፤ ነቶም ዘልዓሎም ህዝባዊ ጽዊዒት ዘይመለሰን ኮይኑ ክትርእዮ ከለኻ ዘሕስብ እኳ እንተኾነ፡እቲ ጩራ ብርሃን ፍትሒን፣ሓቢርካ ምቅላስን መሰረት ዓወት ስለ ዝኾነ ዝሓሸን ዘየማትእ መገዲ ሃሰስ ካብ ምባል ግን ክቋረጽ ዘይቡሉን ኣብ ዝነውሐ-ድህሰሳ ቁኑዕ መስርሕ ሓድነት ከም ዝርከብ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡

ጽዊዒት ይኣክልን ማዕበል-ህዝብን ቀጻልን ተዓዋትን ምዃኑ’ዉን ዘይሳሓት እዩ፡፡

ኩነታት ተበግሶታት ህዝባውያን ጥርናፈታት ይኹን፣ናይ ዝተፋላለያ ውድባት ዝተኻየደን ንክካየድ ዝቃራረብ ዘሎ ዋላኳ እቲ ዝድለ ውጺኢት ወይ ክወቅዖ ዘለዎ ህዝባዊ ሕልሚ ሓድነት ክበጽሕ ኣይኽኣል’ምበር፣ንገዛእ ርእሱ ተጠርኒፉ፡መስርሕ ሓድነት ምድህሳሱን ጉዕዝኡ ቀጻሊ ምዃኑ፤በቲ ዘውጽእዎ ወግዓዊ መግለጺ፡ነዚ ህዝባዊ ምልዓል ብቐረባ ብምክትታል ድልየቱ ንምርዋይ ክጽዕሩ ምዃኖም ቃል ምሃብን፣መሪሕነቱ መሪጹ፣ንህዝቢ ምእዋጁ፡ ኣወንታዉን ንስራሕ ሓድነት ዝሕግዝ ምዃኑ ግን፣ ክንኣምነሉን ኣትክሮ ክንህቦን ይግባእ ጥራይ ዘይኮነ፣ ቁኑዕ መገድን፣ሓቢርካ ምስራሕ ክህሉ ምምሕጻንን፣ይጠቅም ዝብሃል ሓበረታ ምሃብን፣ኣድልይ ምዃኑ ይርኣየና።

ብወገን ዝተፋላለያ ኤርትራዊ ህዝባዊ ማሕበራት(ውድባት)፣ ምንቅስቃሳት፣ ፖለቲካኛታት፣ ብሩሑቅ ኣብ ፖለቲካ ህይወት ኤርትራ ዝካታተሉ ዝጸንሑ ዜጋታት፣ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ፖሊሲ ውልቀ-መላኺ፣ ኤርትራ፣ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ስር-ዓተ ኢትዮጱያ ክጸምዳ፤ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን፡ ሪሕቖም ዝጸንሑ፣ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝተሓወሱ ኤርትራውያን፣ ብሓደ ኮይኖም ነቲ ሕሉፍ ተምክሮ ሓድነት ሰጊሮም፣ ሓደ ሃገራዉን ዲሞክራስያዊ ጥርናፈ፣ ብመስራቲ ጉባኤ ኣቢልካ ንፍጹም ሓድነትን፣ ኣብ ሓደ ውድብን ብሓደ መሪሕነት ንምምእካል ቆሪጹ ምጓዓዝ ዘሎ፡ ሓድሽ መስርሕ ሓድነት ብምኽታል፡ ፍሉይ ኣጋባብ ምጥርናፍ ከብሎ ይኽእል፡፡

ስጋብ ሕጂ ከካይድዎ ዝጸንሑ ትካላዊ ኣሳራርሓ፣ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ውልቃዊ ፖለትካዊ ቃልስ፣ ንስርዓተ ውልቀ መላኺ ራሕሪሖም ናብ ደምበ ፍትሒ ብምምጻእ፣ኣብዚ ዝቖውም መስራቲ ጉባኤ፡ከም ሓደ ኣሃዱ entity ብምውሳእ ዝፍጠር ውድብ ምዃኑ ምስክርነት ሓድሽ ኣጋባብ ኣሳራርዓ ከብሎ ይኽእል፡፡

ካብ ሰነድታቶም ንምጥቃስ፡ ዕላማ፦ ኣብ ፖለቲካዊ ዕላማታት ብዚያዳ ከም ዝበርህ፣ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ውደባኡ ንምሕያልን፣ኣድማዕነቱ ንምርግጋጽን፣ውልቀ-ዜጋ ሰረት ዝገበረ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ብምምስራት፣ርጉኡን ኣሳታፍን ፖለቲካዊ ምስግጋር ብምውሓስ፣ብቕዋም ትግዛእ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክዉንቲ ንምግባር እዩ።

ቀንዲ ደራኪ ኣምር ናይ’ዚ ውደባ ክኣ ኤርትራዊ ህዝባዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ውልቀ ፖለቲክኛታት፣ብርሑቕ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራን፣ ብቐረባ ድማ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምውዳቕ ንጡፍ ግደ መታን ክህልዎም’ዩ።

ምእንት’ዚ ኤርትራውያን ሎሚ ኣብ ግዚኡ ዝሓለፎ ፖለቲካዊ’ባ በርገሳዊ’ባ ብዝብል ውዳባታት ከይተፈላለና ከም ሃገራውያን ዲሞክራስያውያን መጠን ኣብዚ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንኽንዓስል እዩ። ዝብል ጹሑፍ ይርከቦ።

ከም ትዕዝብቶና እተን ሰለስተ ዓንድታት ግዝኣተ ዲሞክራሲ፡ሓጋጊ-ኣካል፣ፈጻሚ ኣካል፣ተኻታተልትን ግርጭታት እትፈትሕን ኮሚሽን(ከም ፈራዲ ከብሎ ዝኽእል) መስርሕ ዝሓዘለ፣ናጽነት ወድሰብ ልዕሊ ኩሉ ዝሕብር፣ድልየትን ባህግን መሰልን ህዝቢ ዘውሕስ፣ማእከሉ ህዝቢ ዝገበረ መርሕ ዝኽተል ይመስል።

ከምዚ ኣጋባብ ዝኽተል፣ ልእላውነትን ሓድነት ህዝብን ዝዕላምኡ፣ ፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ዝራኢኡ፣ካብ ኮነ፣ ከካይዶ ዘለዎ ጻዕርን፣ ክጓዓዞ ዘለዎ ነዊሕ ዕዮን፣ ካብ ቅድሚ ዓይኑ ከይከወለ፣ እቲ መደበ ስርሓቱን ንምክያድ፣ ሓላፍነት-ዝስከሙ፣ ብኽእለቶም፣ ብብቕዓቶም-ዝተመስከረን፣ ሲኒትን-ውህደትን፣ ምክብባር፣ ምጽውዋር ባህርያት ዘጥረዩ፣ ኣብ ናቶም ሓጹር ጥራይ ዘይክለሉ/ዘይዕጸዉ፣ ነቲ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሕብረተሰብን፣ በቢ-ዓይነቱ ዘሎ ኣዋዳድባ ጡሉቕ መጽናዕቲን፣ ዕለት ብ-ዕለት ዝምዕብል ምስ ግዜን ኩነታት ዝተዓጻጸፍ፣ እንካን ሃባን መሰረት ፖለቲካ ዝኽተል ንምዃን፡ ክፍሊ መጽናዕቲ ምህላዉ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ።

እዚ ጥራይ ግን ኣኻሊ ኣይኮነን፣ ሰብ ተሞክሮን፣ ሕጊ-ዘጽንዑን፣ ፖለትካል-ሳይንስ ዘጽንዑ፣ ኣካላት ዝሓዘት ኣቃራራቢ ሽማግለ ምስ ትህሉ፣ ጸራጊት ናይ ኩሉ ድንኩላትን ንምርሕሓቕ ፍታሕ እተናዲ፡ ክትህልው ዘሎና ትምኒትን ኣገዳስነቱን ብምስትብሃል ጽዊዕትና ለበዋና ኣብ ርእሲ ምቕራብ፣ ነቲ ነጥቢ መቐይሮ ሓጋዝን ኣድማዕን ክኸዉን ከም ዝኽእልን ስለ ንሓስብ፡ ገይና ብግልጺ ዘይተፈተነ ምዃኑ ርዲኢትና ምዃኑ ንሕብር።

ነቲ መንቀሊ ሓሳብና ይኣክል መወዳእታ የብሉን፣ ምስ ግዜን ኩነታትን መልክዑ ብምልውዋጥ፣ መሰል ደቂ ሰባት ንምጭባጥ፣ ዝጠቅም ኣወንታዊ መስርሕ ምዃኑ፣ ነቕ ዘይብል እምነትና ደጊምና ንሕብር። ብወገን ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት’ከ እንታይ ትብሉ?

ሕጂ’ውን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራርበር!

ኣቕረብቲ፡-
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን
ብዙ ቡቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


All Eritrean of North America untied in Washington, DC

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: