The Martyr has spoken ስዉእ ተዛሪቡ

1

መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንምዝካር

ﯾوم اﻟﻣﺣﺎر ﯾن اﻹر ﺗر ﯾن اﻟﻘداﻣﻰ - ن دﻋوة ﻟﻛﻞ اﻻر ﺗر ﯾ

Eritrean Veterans Day


Home መእተዊ  About us ብዛዕባና Events መደባት  Documentary ሰነዳት  Archives ከብሒ 
Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LiveJournal Share via e-mail Print


Design: Yohannes Berhe

Powered by: snitna.com

14/08/2016 16:36 PM

Eritrean Veterans Day 2016 London Celebration

ኤርትራውያን ነበርቲ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ቀዳም 13 ነሓሰ ፈላሚት ሃገራዊ በዓል ሓርበኛታቶም  ጸምቢሎም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንፈላሚት ሃገራዊ በዓል ሓርበኛታቶም፡  ትማሊ ቀዳም 13 ነሓሰ 2016 ኣብ ኣደራሽ ተበግሶ ንለውጢ (Initiative of change) ጸምቢሎምዋ ውዒሎም።  ኣብዚ፡ ገዳይም ሓርበኛታት ተቓለስቲ፡ ኣባላት ጀብሃን ሻዕቢያን ነበር፡ ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን፡ ከምኡ እውን ግዱሳት ሃገራውያን ዜጋታት ተሳቲፎም። ኣባል ናይቶም መዓልቲ ሓርበኛታት ንክትህልወና ሓሳብ ዘንቀሉን ዘሀብተሙን፡ ከምኡ እውን ነዛ ዕለት ዝወደቡን ግዱሳት ሃገራውያን፡ ተጋዳላይ ዮውሃንስ ጸጋይ፡ ንኣጀማምራን ኣመዓባብላን እቲ "መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ" ክህልወና ኣለዎ ዝብል ሓሳብን ኣገዳስነቱን፡ ብዝርዝር ኣቕሪቡ።

             ቀዳማይ ክፋል፡        2ይ ክፋል

ብድሕሪኡ፡ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ነበር እስታዝ አሕመድ መሓመድ ስዒድ (አሕምድ ኩሉ)፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣቦና ኣቶ ቀለታ ኪዳነ፡ ከምኡ እውን ገዲም ተጋዳላይ ናይ ፈለማ ሰብዓታት ኣቶ ዓብዱ ዓብደላ፡ በብወገኖም ንኣገዳስነትን ህላዌን ሃገራዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ብምድጋፍ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብታ ተመሪጻ ዘላ ዕለትን ሽዑ ዝነበረ ፍጻሜታትን ዘለዎም ተዘክሮታት ብስፍሕ ዝበለ ብምግላጽ ንተሳተፍቲ ተመኩሮኦም ኣካፊሎም።

ካብኡ ብምቕጻል፡ ተሳተፍቲ፡ ንኣገዳስነት እታ ዕለትን መጻኢ ምዕባለታትን ብዝምልከት ብዕምቆት ብምዝታይ ዝተፈላለየ ሓሳባትን ርእይቶታትን ኣፍሲሶም ለበዋታት እውን ኣቕሪቦም። ንዘይበርሃሎም ሕቶታት እውን ምላሽ ረኺቦም።

ኣብ መወዳእታ፡ ንመጻኢ ኣበዓዕላ ናይዛ ዕለት ብዝምልከት ይኹን፡ እዚ ተበግሶ ብኸመይ ኣገባብ ናብ ሲቪካዊ ማሕበር ክዓብን ክምዕብልን ከምዝኽእል፡ ነታ ነዚ ሓሳብ ዘንቀለት ጉጅለ ዝድግፍ፡ ኣብ ጭቡጥ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ኩለንትናዊ ዳህሳስን መጽናዕታዊ እማመን እተቕርብ፡ ትሽዓተ ዝኣባላታ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ኣቚሞም።

ኣብ መወዳእታ እታ ወዳቢት ሽምግለ፡ ንኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራን፡ ነዛ መዓልቲ ንኽትህልወና ደገፎም ዝገለጹን፡ እቲ ሓፈሻዊ ኣበዓዕላ ናይዛ ዕለት ከመይ ከምዝነበረ፡ ብመልክዕ ሪፖርታጅ ኣብ ቀረባ መዓልታት ከተቐርብ ምዃና ሓቢራ።


ግዝያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ንመዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ

ሎንዶን፡ ዓባይ ብሪጣንያ

14 ነሓሰ 2016

መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንምዝካር

ﯾوم اﻟﻣﺣﺎر ﯾن اﻹر ﺗر ﯾن اﻟﻘداﻣﻰ - ن دﻋوة ﻟﻛﻞ اﻻر ﺗر ﯾ

Eritrean Veterans Day


Home መእተዊ  About us ብዛዕባና Events መደባት  Documentary ሰነዳት  Archives ከብሒ 
Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LiveJournal Share via e-mail Print