መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንምዝካር

ذكري يوم المحاربين الإريتريين القدامى

Eritrean Veterans Day



Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LiveJournal Share via e-mail Print


Design: Yohannes Berhe

Powered by: snitna.com

1

The Martyr has spoken ስዉእ ተዛሪቡ

SEMINARS ሰሚናራት


15/08/2019 02:46 AM


ዕድመ

ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2019

ኣብ ሎንዶን (ዓባይ ብሪጣንያ)

مرحباً بكم الى يوم القدماء المحاربين الارتريين في لندن - المملكة المتحدة

Invitation for:

ERITREAN VETERANS DAY’ 2019 EVENT,

London UK

Saturday, 17 August 2019 (1 - 6 pm)

Address: Initiatives of change,

24 Greencoat Place, London SW1P 1RD

Read more






12/08/2018 21:31 PM

Eritrean Veterans Day 2018

Celebration UK Report

ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2018

ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ

ትማሊ ዕለት፡ 11 August 2018፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እንርከብ ኤርትራውያን፡ "መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2018" ብክብ ዝበለ ኣገባብ ጸምቢልናዮ ውዒልና። እቲ ጽምብል፡ ኣብ ኣዳራሽ Initiatives of Change ዝተኻየደ ኾይኑ፡ ሰዓት 2 ድሕሪ-ቀትሪ ጀሚሩ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ድማ ከምቲ ዝተመደበሉ ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብዚ ጽምብል'ዚ ካብ ሎንዶንን ካልኦት ከተማታትን ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽኡ ሓርበኛታትን ግዱሳት ኤርትራውያንን ከምኡ'ውን መንእሰያትን ተሳቲፎሞ። Read more





09/08/2017 19:20 PM

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ከተማ ከተማ ለንደን ዝርከቡ ኤርትራውያን

መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ኣኽቢሮም።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ከተማ ለንደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብ 5 ነሓሰ፣ ኣብ ለንደን ኣዳራሽ Initiatives for Change ብክብ ዝበለ ወግዒ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ኣኽቢሮም። ኣብቲ ንቓልሲ ናጽነት ኤርትራ ብኣካል ዘርከቡሉን ዝወዓሉዎ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ሓደሽቲ ወለዶን...Read more

See also Related ምስዚ ዝዛመድ፡-

 



09/08/2017 19:20 PM

ብዓል ንዝኽሪ ጀጋኑ ሓርበኛታት አርትራ

ንሓሰ 05, 2017 ዓ.ም.

ብ'ዳዊት ኣስገዶም

ንሓሰ 05, 2017 ዓ.ም. ብዓል ንዝኽሪ ጀጋኑ ሓርበኛታት አርትራ

ብ 1962 ዓ.ም. ኣቢሉ ይኸውን ወርሓቱ ድማ ወርሒ 8/ ንሓሰ ምንባሩ ረግጸኛ እየ ምኽንያቱ ቤተ-ክርስቲያን ዓድና እንዳ ኣቦይ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት ዓመታዊ ንግደቱ ኣብ ወርሒ ንሓሰ ምዃኑ ስለዝፈልጥ፡፡ ኣብዚ ንግደት’ዚ ኣቦይ ተኽለሃይማኖት ብጣዕሚ ሰማዕ እዩ ኩሉ ዝለመንካዮ ዘማልእ እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣብ ህዝቢ ስለዝሓደረ ካብ ኩሉ ሸነኻት ማለት ካብ ውሽጢ ኤሪትራ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ብዓል ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ስዑዲያ፡ ወዘተ ከይተረፈ ዝውሕዝ ዝነበረ ህዝቢ ማእለያ ኣይነበሮን፡ ብሕልፊ ካብ ከተማ ባጽዕ ዳርጋ ብኹሎም ...Read more



08/08/2017 11:09 AM

ዕላል ምስ ሓርበኛ ዑቕባይ ተስፋይ

[ TV-Sened-Eritra ]

ሓርበኛ ዑቕባይ ተስፋይ፡ ሓደ ካብቶም ‘መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ (Eritrean Veterans Day)’ ንክትህልወና ዘጓሳጉሱ ዘለዉ ገዳይም ተጋደልቲን ግዱሳት ኤርትራውያንን ኢዩ። ኣብ መኽፈቲ ዕላሉ፡ ሎሚ ዓመት እውን ከም ዓሚ፡ ንቀዳም ዕለት 05 ነሓሰ 2017፡ ንካልኣይ ጊዜ ‘መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ’ በብዘሎናዮ ብኽብሪ ከነብዕላ ጸዊዑ ኣሎ። ኣብቲ ዝተረፈ ዕላሉ፡ ካብ ተመኩሮ ገድሊ ሰፊሕ ታሪኽ ኣካፊሉና ኣሎ።

  1ይ ክፋል (19-Jul-2017)፡   2ይ ክፋል (30-Jul-2017)

  3ይ ክፋል (05-Aug-2017)4ይ ክፋል (12-Aug-2017)፡   

See related ምስዚ ዝዛመድ ኣርእስትታት፡-




06/08/2017 23:46 PM

አሕዋትኩም ካብ

ምድረ-ታሪኽን ክብርን ኤርትራ!!

ፍቱዋት አሕዋት ተለምቲ መዓልቲ ሓርበኛታት!

ቀዳመይቲ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ፡ እታ ጀጋኑ ተባዓት ወለድና ኣብ ማእከል ኩናት ሓድሕድ ደቆም ኣትዮም: ዕርቀ ሰላም ክነግስ ዝተማሕጸኑላ፡ ትእምርተ ዕርቅን ሰላምን ኩናት ሓድሕድ ወከ-ዛግር: ንክብረትን ናጽነትን ኤርትራና ንእተቓለሱ ሓርበኛታት ኣበዋትና፡ አሕዋትናን ኣሓትናን ከምዝወፈኹሙዋን፡ ዓሚ ከምዚ እዋን ፈላሚ ዝኽሪ ብምጽንባልኩምን፡ ኣነን ዝኸማይን ኣብ ውሽጢ ሃገር እንርከብ ብጾትኩም ብልቢ ከምእተሓጎስና ክሕብረኩም እፈቱ።

     እቲ ሓሳብ ኣብ ልቢ ብዙሓት መሰልትኹም ግዲ ጸኒሑስ፡ ነቲ ቕዱስ ተበግሶ ናብ ህዝቢ ኽትዝርግሑ ኣብ ዝተፈላለያ ማእከናት ዜና፡ ቃለ መሕትትን ሓባራዊ ዘተን ከተካይዱ እንከለኹም ኣትሒዝና ኢና ተኸታቲልናዮ። እዚ ሰናይ ተበግሶ’ዚ ከም ካልእ ብዙሕ ጀሚሩ ዘይቀጸለ ቅዱስ ትልምታት፡ ከይዓምበበ ከይሓርር ብዙሕ ስክፍታን ስግኣትን ከምዝነበረና እውን ክንሓብኣልኩም ኣይንደልን።

 Read more.




06/08/2017 23:46 PM

ድምጺ ኤርትራ (Voice of Eritrea) - ናዝ የማነ

ናይ Sunday 06 August Show መደብ

2ይ ዓመት፡ በዓል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ኣብ ስደት።

Eritrean Veterans Day,

Second year celebration, in Diaspora.

ኩልኹም ሓርበኛታትን ግዱሳትን፡ ነዚ መዓልቲ ዘንጸባርቕ ግጥምታት (ካብ 5-7 ደቒቕ ዘይሓልፍ) ከተቕርቡ ብክብሪ ትዕደሙ። All veterans are invited to deliver their poems to commemorate the day, up-to the length 5-7 minutes.  




Interview with Founding members

ቃለ-መሕትት ምስ መስረትቲ ኣባላት

11 September 2016




Interview with Founding members

ቃለ-መሕትት ምስ መስረትቲ ኣባላት

12 June 2016


14/08/2016 16:36 PM

Eritrean Veterans Day 2016 London Celebration

ኤርትራውያን ነበርቲ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ቀዳም 13 ነሓሰ ፈላሚት ሃገራዊ በዓል ሓርበኛታቶም  ጸምቢሎም።

PART-1


14/08/2016 16:36 PM

Eritrean Veterans Day 2016 London Celebration

ኤርትራውያን ነበርቲ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ቀዳም 13 ነሓሰ ፈላሚት ሃገራዊ በዓል ሓርበኛታቶም  ጸምቢሎም።

PART-2