Placeholder Picture
Placeholder Picture
Reflections on 30th Eritrea independence day

24/05/2021 14:52 PM Updated

ርሑስ መበል 30 በዓል ናጽነት ኤርትራ
Happy 30th Eritrea Independence Day!
بمناسبة الذكرى ال30 للاستقلال عيد استقلال سعيد ارتريا

Reflections on 30th Eritrea independence day

Reflections and memories on the occasion of 30th Eritrea independence day. ዝኽርታት፡ ገምጋማትን ትንታነታትን፡ ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመተ-ናጽነትና!
بمناسبة الذكرى ال30 للاستقلال عيد استقلال سعيد ارتريا

ዮሃና ህዝቢ ኤርትራ! ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመተ-ናጽነትና!

ኣብዚ ገጽ`ዚ፡ ነዚ ክቡር ዕለት`ዚን ንዝሓለፈ ረዚን ታሪኽናን፡ ንመጻኢናን ዘንጸባርቑን ዝእንፍቱን፡ ዝተፋላለዩ ዝኽርታት፡ ገምጋማትን ትንታነታትን፡ ካብ ዝተፋላለዩ ምንጪታት እናመረጽና፡ ኣቕሪብናልኩም ኣሎና። በብዕለቱ፡ ትሕዝቶ ናይዚ ገጽ`ዚ እናተወሰኾ ክኸይድ ስለዝኾነ፡ ተማላሊስኩም ክትከታተሉዎን፡ ንምህብታሙ ዝሕግዝ ሓበሬታን ለበዋን እንተሎኩም`ውን ኣብዚ ጠዊቕኩም፡ መልእኽቲ ክትሰዱልና ከምእትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ።

ሰናይ ቅንያት ናጽነት ይግበረልና!

ትማሊ ንናጽነትና፡ ሎሚ`ውን ንሓርነትናን መሰልናን፡ ሓቢርና ደው ምባል እዋኑ ይሓተና`ሎ።

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና

في هذه الصفحة نقدم لكم مختطفات من التاملات والذكريات والتحليلات التي تعكس صفحات من تاريخنا المجيد وكذالك المستقبل.

نرجو المتابعة لاننا سوف نقوم باضافات يومية لكتابات تاتينا من مصادر متعددة. كما ننتظر ارائكم ومعلومات اضافية وعليه نرجو منكم ان تتركو لنا رسائلكم عبر هذا الرابط.

عيد استقلال سعيد

اليوم كما بالامس تتطلب المرحلة ان نعمل سوياً من اجل حقوقنا وحريتنا.


ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS
By Senior Government Ministers and Members of Eritrean Parliament,
24 March 2001.


24 ግንቦት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ
ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ኢያ።

ረዘነ ተስፋጽዮን

ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ኢያ። ንዓና ኤርትራውያን ካብ ኲለን መዓልታት ልዑል ክብሪ ኣለዋ። ንዂሉ መግዛእቲ ኣብ ጎሓፍ ደርብያ። ስዒበን ዝመጻ መዓልታት: ሰሙናት: ዓመታትን ዘመናትን ታሪኽ ክብርን ሓበንን ምዕባለን ከስምዓ ደገ ዝኸፈተት: ብርሃን ዘጓነጸፈት ክነሳ: ብሰንኪ ጠላማት መራሕቲ ህግደፍ ስውኣትና ዘይሓለምዎ: ብህይወት ዘለና ዘይተጸበናዮ ከሰል ኣምሲሎም ንውቃበኣ ኣደዊኖማ ኣለው። Read more
See also ዕላል ምስ ደራሲ መጽሓፍ ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን


ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዮሃና ንመበል 30 ዓመት ልዕላውነት ሃገርካ!!
ገብረየሱስ ወልደሚካኤል ካብ ሕ . መ. ኣ. (USA)

ገምጋም ውጽኢት ወይ ፍርያት ስራሓካ ምግባር ናይ ስነ -ልቦና ዘለዎም ብልህታትን ህርኩታትን ተግባር እዩ። ምዓልታዊ ሰሙናዊ ወርሓዊ፡ ርብዒ-ዓመታዊን፡ ዓመታዊን፡ ካብኡ ንላዕሊ 'ውን ከም ኣድላይነቱ ዝግበሩ ጸብጻባትን ገምጋማታትን ኩልና ንገብሮ ዝነበርናን፡ ኩሉ ዝገብሮ ዘሎን ሓቂ እዩ። ኣብ ምድሪ ዘየለዉ፡ ኣልዕል ኣቢልካ ውጹእ ሓሶት ጸብጻባት ግን ካብ ዝግበሩ እንተዘይግበሩ እዩ ዝምረጽ። ሓሶት ዝኣመሉ፡ ጃህራ ዝድራሩ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ናይ 30-ዓመት ጽምብል ናጽነት ተሰሪሑን ትዓንቂፉን ተወንዚፉን ዝብል ዘስምዖ መደረ ምረትን ውንጀላን፡ "ቀሚስ ኣደይ ሓንኲሉኒ " ከምዝብሃል ክስታትን፡ ጠቐነታትን ዓሎቓትን ተጻብኦታትን ሸርሕታትን ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ክኣ ሳላ ዓቕልና ሳላ ጽንዓትና፡ ሳላ ነቕ ዘይበልና ብዝብሉ ሃለውለውን ዓጀውጆውን ካብ ኣርእስቲ ወይ ቴማ ወጺኡ ከደንቁረና ዝክኣሎ ፈቲኑ። ብርግጽ ንዓያሹ ስዓብቱ ደርጒሕሎም ንዝይኣንዎ ለባማት ክኣ ኣሚትሎም፡ እዩ። ስለምታይሲ፡ "ንዓሻ ደርጉሓሎ ክንደይ ከይፈልጦ፡ ንለባም ኣምተሉ ክንዳይ ከይስሕቶ " እንድዩ ዝብሃል። ንዘስተውዕል ሰብ፡ እቲ ዝተዋህበ መደረ፡ ጭብጢታትን መርትዖታትን ዘይርከበሉ ጭው ዝበለ ሓሶት ምዃኑ ኣይስሕቶን እዩ። Read more


ነጻነት ሓድጊ ስዉኣት
ግጥሚ ብ`ተሸመ ወልደሚካኤል

ራህዋ ኢኺ፡ ንጽንኩር ኩነታት፡
ጽላል ኢኺ፡ ናይ ኩልና ኩርዓት፡
ውላድ ኢኺ፡ ናይ ኩለን ብሄራት፡
ሓድጊ ኢኺ፡ ናይ ኩሎም ስዉኣት።
Read more


Global Yiakl: እዋናዊ መልእኽቲ ግሎባል ይኣክል፡ ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ! #ይኣክል #Yiakl #eritrea


Adal Tv: መልእኽቲ አቶ/ ነጋሽ ዑስማን ብአጋጣሚ ዝኽሪ 30 ዓመት ነጻነት ኤርትራ


Adal Tv: Speech of the National Council on the occasion of The Feast of Independence from the Head of the Executive Office Mr. Niqash Osman


ERi-TV፡ መግለጺ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ወግዓዊ ጽምብል መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ።
President Isaias Afewerki's speech on 30th Independence Anniversary Celebration.

Eri-TV: ወግዓዊ ጽምብል መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ - 30th Independence Anniversary Celebration,
ERi-TV, Part 1/2


Part-1/2:   Part-2/2:  

ERi-TV፡ ቅንየት ናጽነት - 2ይ ክፋል | Poems in celebration of Eritrea's 30th Independence Day - Part 2 - ERi-TV

ERi-TV፡ ዕላል ምስ መ/ር ኣስመሮም ሃብተማርያምን ጽምብል ናጽነት ዘንጸባርቁ ዘተፈላላለዩ መሰጥቲ መደባትን - Eri-TV, Independence Day Special


Global Yiakl: ንጥፈታትን ርኢቶታትን ኣባላት ሃገራት ዓለምለኻዊ ይኣክል፡ ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት!
ንጥፈታትን ርኢቶታትን ኣባላት ሃገራት ዓለምለኻዊ ይኣክል፡ ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት! #Eritrea #Yiakl #IndependenceDay


Globall Yiakl: ኤርትራዊት ግንቦት፥ ብዓይነታ ምሕረተኣብ


ERISAT: መልእኽቲ ተጋዳልይ መስፍን ሓጎስ ብምኽንያት መበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነት


Adal Tv: መልእኽቲ ዶር/ዩሱፍ ብርሃኑ አቦ/ወንበር ፈጻሚ ቤ/ጽ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብአጋጣሚ ዝኽሪ 30 ዓመት ነጻነት ኤርትራ


ERISAT: መልእኽቲ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ኣቦ መንበር ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ብምኽንያት መበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ


ERISAT: መልእኽቲ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት መበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነት


Eritrean People's Sovereignty: 24 ግንቦት 1991፦ ታሪኻዊት መዓልቲ ሓበን ህዝቢ ኤርትራ - መልእኽቲ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ።


Wede Tedros: ሰሚናር ብርጋዴር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ ምስ ህዝባዊ ምንቅስቃሳት ጀርመን
ብምኽንያት 24 ግንቦት 2021፡ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ልዕላውነት ሃገርና።


Radio Saeyob راديو سأيوب ራድዮ ሰእዮብ Friday, 28 May 2021
ረአይ መተንስየት እብ መናሰበት ዒድ ሕርየት



SBS Tigrinya: "ኤርትራ ኣብ ጸገም ወዲቓትሉ ኣብ ዘላ እዋን ኢና ዝያዳ ነጻነትና ከነብዕሎ ዘለና።"
ብምኽንያት መበል 30 ዓመት በዓል ነጻነት ኤርትራ፡ ምስቲ በዓል ዝለዓሉ ሕቶታት
ምስ ዶ/ር ሳላሕ ጂምዕን ምስ ኣቶ መርሃዊ ወልደሚካኤል ዝተገብረ ዘተ።



Falfasa فلفسة: ካብ ናጽነት ናብ ባርነት ጉዑዞ 30 ዓመት


Adal Tv: ብደሙ ነጻነቱ ኣረጋጊጹ ሓርነት ዝሓረሞ ህዝቢ


AAN MEDIA NETWORK: ጽንብል ልዕላውነት ሃገረ ኤርትራ።


Radio Erena: Saturday 22 May 2021. Open mic Interview with Amb. Hibret Berhe. ቃ/መ ምስ ኣምባ.ሕብረት በርሀ 2ይን መወዳእታን ክፋል

Part-1:   Part-2:   


ERISAT: መልእኽቲ ካብ ተጋዳላይ ዳዊት ፍስሃየ (ወዲ መምህር) ብመኽንያት በዓል ናጽነት


AAN MEDIA NETWORK: ቃልሲ ኤርትራ ካብ 1941-1991፡ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ ቦሃሽም።


AAN MEDIA NETWORK: ተራ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ ወ/ሮ ለምለም ጽሃየ።


ATV: ኤርትራ፡ 30 ዓመት ናጽነት ዶ ባርነት? - ወርቃዊ ሕድሪ ጅግና ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ!


Gobal Yiakl: ልኡላውነትና ንምውሓስ፡ ፍትሒ ንምንጋስ፡ ኣብ ናይ ሓባር ገስጋስ!
ዕላል ምስ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ



ATV: ብመሪር ቃልሲ 30 ዓመት ዝተረጋገጸ ልኡላወነት ኤርትራ፡ ኪኖ `ዚ 30 ዓመት፡ ባርነት ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ክይቅጽል፡ ሓደራ!- Amanuel Eyasu


EriCan Yiakl Canada: ኣስተምህሮታትን ገምጋማትን፡ ዝኽርታትን።


BAYTO YIAKL UK: ቅንያቱ መበል 30 ዓመት ናጽነት ሃገርና ንዝክረሉ ኢዩ። ጉእዞ 30 ዓመት፣ ሃገርና ኢርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልኪ ዝኣተወትሉ፣ ሃገርናን ህዝብና ኣብ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝተሸመሙሉ፣ ህዝባ ንስደት፣ ድኽነትን ድንቁርና ዝተቓልዓሉ፣ ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ ትርከበሉ ዘላ እዎን ኢዩ ዝጽምበል ዘሎ።
ን 30 ዓመት ኣብ ዝተገብረ መሪርን ከቢድ ቃልሲን መስዋዕቲ፣ ንናጽነት ኣብ ዝተገብረ ጅግንነት፣ ዝተጋደላን ዝተውፈያ፣ ሕጂውን ንሓርነት ኣብ ቃልሲ ዝርከባ ገዳይም ተጋደልቲ ደቅንስትዮ ሃገርና ፣ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ናጽነት ዘለውን ትዕዝብቲ ከካፍላና ኢየን። ምስ ዘለውን ተሞክሮን ተዘክሮታትን ኣሰንየን ዳህሳስ ኣብ ድሕሪ-ናጽነት ኤርትራ ብምግባር ሃገራዊ ጻውዒትን ለበዎ፣ ንህዚቢን ሰራዊት ሃገርና ከማሓላልፋ ኢየን።
ክብርና ክምላስ፣ ንቡር ክመለስ፣ ብሓባር ንቃለስ!!!



Eritrean National Dialogue Forum: Topic:
كيف تحول الاستقلال الي دكتاتورية مستبدة ؟
السفير/ عبدالله آدم
الدكتور/ أمانئيل محرتآب
ናጻነት ከመይ ብሕሉፍ መላኺ ስርዓት ተተኪኡ?
ኣጋይሽ፦ (1) ኣማባሳደር ዓብደላ ኣደም (2) ዶክቶር ኣማኑኤል ምሕረተኣብ



Goba Yiakl: ዶ/ር መብራህቱ ኣቶብራሃን


Eritrea Hdri Jeganuna: ፍሉይ መደብ ብኣጋጣሚ 30 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፡ ዕላል ምስ ሓርበኛታት ህ.ግ.ሓ.ኤ. (ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ)። Special program: On the occasion of Eritrea 30th Independence Day, Discussion with Veterans of E.P.L.F. (Eritrean Peoples Liberation Front).


Eritrea Hdri Jeganuna: ፍሉይ መደብ ብኣጋጣሚ 30 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፡ ዕላል ምስ ሓርበኛታት ተ.ሓ.ኤ. (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ)። Special program: On the occasion of Eritrea 30th Independence Day, Discussion with Veterans of E.L.F. (Eritrean Liberation Front).


History of Project Freedom - ታሪኽ ወፍሪ ሓርነት:
Political activities of the Eritrean youth in the 60s.
Keynote speakers: Gerezgiher Tewelde and Girmai Tebeqa
ፓለቲካዊ ጉዕዞ ናይ ሽግ መዓልቲ ናጽነት ዝወልዑ ጀጋኑ ኤርትራዊያን መንእሰያት 60ታት: በዓል ስዩም ሐረስታይ: ሙሴ ተ/ሚካኤል: ወልደዳዊት ተመስገን: ሃይለ ወ/ትንሳኤ (ድሩዕ)ን ካልኦትን: መማህርቶምን መቃልስቶምን ዝነበሩ ኣያታትና ከዘንትውልና ብህይወት ምህላዎም ዕድለኛታት ኢና። "ዝወዓለ ይንገርካ"ይብሉ ኣቦታት:



History of Project Freedom - ታሪኽ ወፍሪ ሓርነት:
Introducing Eritrean Political Prisoners of the 60s and 70s
History of courage, hope, and tenacity
ፓለቲካዊ ጉዕዞ ናይ ሽግ መዓልቲ ናጽነት ዝወልዑ ጀጋኑ ኤርትራዊያን መንእሰያት 60ታት: በዓል ስዩም ሐረስታይ: ሙሴ ተ/ሚካኤል: ወልደዳዊት ተመስገን: ሃይለ ወ/ትንሳኤ (ድሩዕ)ን ካልኦትን: መማህርቶምን መቃልስቶምን ዝነበሩ ኣያታትና ከዘንትውልና ብህይወት ምህላዎም ዕድለኛታት ኢና። "ዝወዓለ ይንገርካ"ይብሉ ኣቦታት:



ATV: `ዓወት ንሓፋሽ እናበልና ተጋዲልና፡ ህዝብና ኣብ ባርነት ይነበር ኣሎ` - ዝኽሪ ገድልን ገምጋም ናጽነትን ብተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ - 1ይ ክፋል


Eri-Patform: ዝኽርን ውዕሎ ጀጋኑን 24/5/1991
ምስ ተጋደልቲ ሃብቶም መሓሪ (ፐርኔንተ)፡ ጋዜጠኛ ኣሕመድ መሓመድ ዑመር፡ ሱለይማን ሑሰን፡ ኤፍረም ገብረልኡል።



መበል 60 ዓመት ኢዮቤሊ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1961 / ተጋዳላይ ሃብተጊዮርጊስ ኣብርሃ / ተ.ሓ.ኤ.ELF / 1ይ ክፋል

Part-1:   Part-2:   


ውጽኢት ሳላሳ (30) ዓመት ናጽነት ኤርትራ / Outcomes of the 30-Year Independence of Eritrea.
Participants: (1) Mr Yohannes Asmelash (2) Mr Abdulkadir Afaa (3) Mr Paulos Tesfagiorgis (4) Mr Mohammed Saleh Abubakar
DCA (Dialogue for Common Awareness) ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት።



Radio Saeyob راديو سأيوب ራድዮ ሰእዮብ Friday, 21 May 2021
"እተያ ለህሌት ሕርየት ታ?!! ለእበ ነአሕተፍል!!" ረአይ ኢርትርይን ናሽጢን።



EPSM Live: Eritrean People's Contribution In the 30 years Struggle for Independence from Ethiopia


ESMNS: RADIO SIMRET፣ ዓስቢ ገድልናን መስዋእትናን ኣብ ምንታይ ኣተወ፧




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: