Placeholder Picture
Placeholder Picture
Eritrean Political parties and Civic movements.

04/02/2024 17:20 PM Updated

Introduction to
Eritrean Political parties and Civic movements.

ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية

ሌላ ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡ Introduction to
				Eritrean Political parties and Civic movements.

ሰላም ክቡራት በጻሕቲ ናይዚ ገጽ፡

ዕላማ ናይዚ ገጽ፡ ህዝብና ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ ንኽላለ፡ ከምኡ`ውን ፖለቲካዊ ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ምስ ህዝበን ንክላለያን ዕላማ ፖለቲካዊ መደባተን ንህዝቢ ዝሕብራሉ ባይታ ንምፍጣር ኢዩ።

ኣብቲ ንቡር ኣካይዳ ሃገራት ዓለምና፡ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ከምኡ`ውን ካልኦት ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፡ ቅዋም ብዝእዝዞ መሰረት፡ ሕጊ ተኸቲለን፡ ቅጥዕታት ብምምላእ ኢየን ዝቖማ። እዘን ሕጋዊ ሰብነት ዝለበሳ ትካላት፡ ንመደባተን ዝገልጽን ዘላሊን ወግዓዊ ፕሮግራማት ይሰርዓ። በዚ ኣገባብ፡ ዝምርሓሉ መትከላትን ንህዝቢ ዝኣትዋሉ መብጽዓን ይጉስጉሳን ሓሳባተን ይሸጣን። ብመጠን ኣብ ህዝበን ዝረኽብኦ ተቐባልነት ከኣ ብዝሒ ሰዓብተን ወይ ኣባላተን ይንጸባረቕ። ብኸምዚ፡ እተን ፖለቲካዊያን ሰልፍታት፡ ንባይቶኣዊ ወይ መንግስታዊ ስልጣን ተወዳዲረን መንግስቲ ይመርሓ። እተን በርጌሳዊያን ምንቅስቓሳት ከኣ፡ ንጽፈት ወይ ድኻማት መንግስታዊ ምሕደራ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝህሉ ጸገማት ይዕዘባ፡ ከምኡ`ውን ንህዝቢ ይሕብራ። መፍትሒ ይኸውን`ዩ ዝበልኦ ድሌትን ረብሓን ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ኣማራጺታት፡ ኣብ መጽናዕቲ ተሞርኲሰን እማመታት የቕርባን ንዝምልከቶ ኣካላት ይሕብራን። ብኸምዚ ኸኣ፡ ጥዕና ዘለዎ ሕብረተሰብን መንግስታዊ ምሕደራን ንክህሉ፡ ኣገዳሲ ተራ ይጻወታ።

ኤርትራ ሃገርና ዘላቶ ዘይንቡር ኩነታት ንኹልና ብሩህ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ብቅዋምን ባይቶን ዘይትምራሕ፡ ሰልፍታት ይኹን ማሕበራት ንምቛም ዘይተፍቅድ፡ ናይ ምጽሓፍ፡ ምዝራብን እምነትን ናጽነት ዘይብላ፡ ብእንኮ ውድብ (ሰልፊ) ህግደፍ ዝውክሎ ምልካዊ ጉጅለ እትምራሕ ዘላ ሃገር ኢያ። ብሰንኩ፡ ሓደ ሲሶ (1/3) ካብ ህዝብና ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዓለም ተሰዲዱ ክነብር ተገዲዱ ይርከብ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ወሪዱዎ ዘሎ ኣደራዕ ኣልዩ መሰሉ ንምርግጋጽ፡ ቃልሲ ከካይድ ግድን ስለዝኾነ፡ ብዝተወደበን ዘይተወደበን ቃልሲ ከካይድ ጸኒሑን ኣሎን። እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ብዝሒ ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡ ከምኡ`ውን ኣዝዩ ንሓድሕዱ ዝመሳሰልን ንምፍላዩ ዘጸግም ኣስማትን፡ ህዝብና ዘለዎ ኣፍልጦ ኣዝዩ ድሩትን ድንጉርን ከምዝኸውን ገይሩዎ ይርከብ። እተን ውድባትን ማሕበራትን እውን እንተኾነ፡ ነዚ ክውንነት`ዚ ንምምሕያሽ፡ ምስ ህዝበን ዝገብርኦ ሌላ፡ ኣዝዩ ድሩት ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል። ዓወት ናይ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ኣብ ህላወ ብቑዕ ውደባን ህዝባዊ ሰዓብነትን ኢዩ ዝምርኮስ። ስለዝኾነ፡ ህዝብና ምስ ውድባቱን ምንቅስቓሳቱን ክላለን ክፋለጥን፡ መትከላተን ኣለልዩ ክድግፈንን ክጽምበረንን፡ ኣገዳሲ ይኸውን። ዕላማ ናይዚ ገጽ ከኣ፡ ነዚ ዳሕረዋይ ጠለብ`ዚ ንምትብባዕ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ኩልኹም ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡ ንውድብኩም ወይ ማሕበርኩም ዘላሊ ሓበሬታ ክትልእኩልናን በዚ ኣቢልኩም ዕላማ ውድብኩምን ምንቅስቓስኩምን ንህዝብና ክትሕብሩ ንጽውዕ።

ሓበሬታ ንምስዳድ፦ ኣብዚ ጠውቑ

እቲ ዘድሊ ሓበሬታ ነዚ ዝስዕብ ከጠቓልል ይኽእል፦
•  Name of Political Party (Organization),
•  Organizational Structure (or Profile),
•  Political Programme Document or መደብ ዕዮ፡
•  Website link,
•  Facebook Link,
•  YouTube Link,

www.snitna.com
(23 March 2022)

Introduction to Eritrean Political parties and Civic movements.

Dear visitors to this page,
The purpose of this page is to make sure that our people are acquainted with Eritrea's political and civic movements, and to create an opportunity for political organizations and public movements to be able to meet their people and to inform them about the purpose of their political plans.

In the normal world order of countries, political parties, other organizations and movements are established by fulfiling formalities dictated by the country’s Constitution and according to legal procedures. These legal entities, draw their organizations’ programmes and guiding principles, and accordingly sell to the public with the aim of recruiting members and followers. The success of their organisation is reflected by the number of their recruited members. Accordingly, political parties compete for parliamentary seats and governmental authority. Civic organizations movements play a role in observing the quality or frailty of government, watch-out of any issues within society, and accordingly informing or alerting the public and relevant bodies. They raise public awareness by providing researched alternative solutions based on the needs and interests of the people. That way, they play an important role in ensuring a healthy society and public service exists in the country.

It is well known all that our country Eritrea has been in abnormal situation. For the past 30 years, it has been ruled by an authoritarian one-party (PFDJ) dictatorship, without a Pariament and Constitution. Other political parties are not allowed in the country, there is no freedom of organisation, press, speech and religion. Subsequently, almost a-Third of Eritreans are fled their country and are forced to live as refugees in diaspora.

The Eritrean people have had to fight for their right and accordingly have been active in organised and an orgaised manners. The abundance of Eritrean political organizations and movements, and the similarity in names, has posed difficulty within the Eritrean population, in their recognition. It can be said that the political organizations and movements have been very limited in their efforts to improve this reality. The purpose of this page is to encourage the later demand. We call on organizations and civic-movements to send us information relating to your organization so that our people will learn of your mission or objectives.

Please use the link to send us any information here:

The required information could cover the following:
• Name of Political Party (Organization),
• Organizational Structure (or Profile),
• Political Programme Document or መደብ ዕዮ፡
• Website link,
• Facebook Link,
• YouTube Link,

www.snitna.com
(23 March 2022)


ሃገራዊ ሰልፊ
ሃገራዊ ሰልፊ Website
ሃገራዊ ሰልፊ - ኣርማ

ERISAT 4 JUSTICE | ምምስራት ሓድሽ ሃገራዊ ሰልፊ / ፍሉይነት ሃገራዊ ሰልፊ / ኣቶ ተስፋሂወት ኪዳነን ፣ መርሃዊ ወልደሚካኤልን

ERISAT 4 JUSTICE | ምምስራት ሓድሽ ሃገራዊ ሰልፊ / ፍሉይነት ሃገራዊ ሰልፊ / ኣቶ ተስፋሂወት ኪዳነን ፣ መርሃዊ ወልደሚካኤልን

ሃገራዊ ሰልፊ - ማኒፌስቶ


ምንቅስቓስ ኣዳል ንለውጢ፡
Adal Movement for Change
حـــــــراك أدال للتغيير
البيان الختامي للمؤتمر التأسيس ي لحراك ادال

Adal Movement Website

ADAL INAUGURATION /تدشين

ተጋዳላይ ኤርትራዊ ህዝብና፤
ቅድሚ ስሳን ክልተን ዓመት ብመሪሕነት ጅግና ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ጀጋኑ ብጾቱን ካብ ታሪኻዊ ጎቦ ኣዳል ሰውራና ንዘበሰረ ምውኣጅ ሃገራዊ ተጋድሎና ተወፋይነትና መሰረት ብምግባርን፡ ሽግ ሓርነትን ተቓውሞን ኣትሪርና ብምሓዝ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ናብቲ ህዝብና ዘማዕድዎ ዕላማ ንምብጻሕ ሕኑን ቃልሲ ንምክያድ ካብ ዘሎና ድልየት ብምብጋስን፣ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዕዙዝ ተራ ክህልውና ከም ዝግባእ ብምግንዛብን፣ እነሆ ኣብ ትሕቲ “ሃገራዊ ጻውዒት ንህዝብና” ዝብል ኣርእስቲ ደምዳሚ መግለጺ መስራቲ ጉባኤ ምንቅስቓስ ኣዳል ነቕርብ። Read more

البيان الختامي للمؤتمر التأسيس ي لحراك ادال
(نداء وطني لشعبنا)

شعبنا اإلرتري املناضل:
منطلقين من وفائنا لجيل التضحيات والفداء الذين اعلنوا وثبة ثورتنا الخالدة من قمة أدال
الشموخ بقيادة الشهيد البطل حامد إدريس عواتي ورفاقه البواسل Read more


ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ
ሓጺር መላለዪ
A Brief Profile of the Eritrean Congress Party

እስከ ንድሕረ ባይታ ሰልፊ ጉባኤ ተመሊስና ንርኣዮ፣ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ንፕሮግርማትን ስትራተጊ ዓወትን ተ.ሓ.ኤ ንምትግባርን፡ ንጌጋታት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምእራምን ዝተበገሰ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ነበረ። እዚ ሓይሊ እዚ ብ1990 ምስ ህዝባዊ ግንባር ብወግዒ ተጸንበረ። ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ዋና ጸሓፊ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንዓወት ስውራ ኤርትራ ብኸምዚ ዝስዕብ ጽምዋቕ ደምደመ፥ Read more

ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ
2008-10-26
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ዕድመና ኣኽቢርኩም ስለ ዝመጻእኩም ነመስግን፤ እንቋዕ ከኣ ብደሓን መጻእኩም! ኣብዞም ሰሪዕናዮም ዘሎና ኣርእስታት ብሕቶታት መልክዕ ይኹን ብፈሳስ-ርእይቶ ክትሳተፉ ድማ ብኣኽብሮት ንዕድም፣
Read more:

ካልኣይ (ጉባኤ) ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ
2008-10-(25-26)
1. ዓለምለኻዊ ኩነታትን ጽልውኡን ኣብ ዞባና
ብሶቭየትን ኣመሪካን ይምርሑ ዝነበሩ ሙዓስከራት ምስ ፈረሱ ዝተፈጥረ ዓለምለኸዊ ሃጓፍ ብስርዓት እንኮ ጽብሉል ሓይሊ ኣመሪካ ንሓደ ዝተወሰነ ግዜ ተተኪኡ ነበረ። ወራር ዒራቕ ከም መዐቀኒ ጸብለልትነት ኣመሪካ ክውሰድ ይክኣል። ይኹን እምበር ዓቕምታት ሩስያን ቺናን ህንድውን ከይተረፈ ኣብ ዓለምለኻዊ ፖለቲካ ኣዝዩ ስለ ዝጐልሐ እንኮ ዓብላልነት ኣመሪካ ድሮ ተበዲሁ እዩ። ህልዊ ዓለምለኸዊ ፖለቲካ ብሚዛን ሓይሊ ሃያላን መንግስትታት (balance of power) ክግለጽ ይኽእል።
 Read more:


المجلس الوطني الارترى التغيير الديمقراطي بين الرفض والقبول
المناضل/ عبد الرحمن طه النور
ኤርትራ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ መንጎ ምንጻግን ምቕባልን
ተጋ/ ዓብዱራሕማን ጣሃ ኑር

Seminar: Jul 15, 2022
Time: 08:00 PM Amsterdam, Berlin, Rome, Stockholm, Vienna

Join Zoom Meeting:
https://us02web.zoom.us/j/89281135489
Meeting ID: 892 8113 5489
Live on Facebook:


المسألة الاريترية فى ظل المتغيرات الاقليمية والدولية - المناضل/ ابراهيم حامد كبوشى
ጉዳይ ኤርትራ አብ ህሉው ዞባውን ኣህጉራውን ምቅይያራት - ተጋ/ ኢብራሂም ሓምድ ከቡሺ

Seminar: Jul 8, 2022


The necessity and urgency of one joint leadership
ضرورة ملحة لقيادة مشتركة واحدة – الأستاذ زرؤو يعبيو
ኣድላይነትን ህጹጽነትን ሓደ ናይ ሓባር መሪሕነት - መምህር/ ዘርኡ የዕቢዮ (Ngabae - ንጋባእ)

Seminar: Jul 1, 2022

See also Related: About Ngabae - ብዛዕባ ንጋባእ


Recent Developments: Evaluation on Current Affairs.
التطورات الراهنة
تقييم التقييمات المتعلقة بالأوضاع الجارية
ህልዊ ምዕባለታት፡ ገምጋም አብ ህሉው ኩነታት
አቶ/ ረድኢ ክፍለ ባሻይ
الأستاذ/ ردئي كفلي باشاي

Seminar: June 24, 2022


መርገጽ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር አብ መድረኻዊ ኩነታት - ተጋ/ ዮሃንስ አስመላሽ
موقف الجبهة الوطنية المتحدة الإرترية في القضايا الراهنة - الماضل / يوهانس اسملاش

Seminar: June 10, 2022


The necessity and urgency of one joint leadership
ضرورة ملحة لقيادة مشتركة واحدة - المناضل / تخلى ملكين
ኣድላይነትን ህጹጽነትን ሓደ ናይ ሓባር መሪሕነት - ተጋ/ ተኽለ መለኪን

Seminar: June 03, 2022


ምንቅስቃስ ንዳግመ ትንሳኤ ህዝባዊ ግንባር

ምንቅስቃስ ንዳግመ ትንሳኤ ህዝባዊ ግንባር
حراك من اجل احياء الجبهة الشعبية
አቶ/ አሕመድ ሳልሕ ቀይሲ الأستاذ / أحمد صالح القيسي

Seminar: May 20, 2022


ገምጋም ንኣረኣእያ ውድባት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን አንጸላሊዩ ዘሎ ምዕባለታት ብዝብል አርእስቲ ዘቅረብናዮ ሰሚናራት
تقييم لكل الندوات التي اقمناها تحت عنوان رؤية التنظيمات في التطورات الراهنة في القرن الأفريقي وارتريا

Seminar: May 13, 2022


ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ኣረኣእያ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን አንጸላሊዩ ዘሎ ምዕባለታት
አቶ/ ኢብራሂም ፋር - ሰክረተር ፈጻሚ ቤ/ጽሕፈት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
رؤية جبهة التحرير الإرتري في التطورات الراهنة في القرن الأفريقي وارتريا
الأستاذ / إبراهيم فار سكرتير اللجنة التنفيذية لجبهة التحرير الإرترية

Seminar: May 6, 2022

•  Name of Political Party (Organization),
•  Organizational Structure (or Profile),
•  Political Programme Document or መደብ ዕዮ፡
•  Website link,
•  Facebook Link,
•  YouTube Link,


ማሕበር ደቂ መታሕት ኤርትራ

ኣረኣእያ ማሕበር ደቂ መታሕት ኤርትራ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን አንጸላሊዩ ዘሎ ምዕባለታት
አቶ/ ሓምድ ሰልማን - አባል መሪሕነት ባይቶ ማሕበር ደቂ መታሕት ኤርትራ
رؤية رابطة أبناء المنخفضات الإرترية في التطورات الراهنة في القرن الأفريقي وارتريا
الاستاذ حامد سلمان عضو قياده مجلس رابطة أبناء المنخفضات الارترية

Seminar: April 29, 2022

•  Name of Political Party (Organization),
•  Organizational Structure (or Profile),
•  Political Programme Document or መደብ ዕዮ፡
•   ማሕበር ደቂ መታሕት ኤርትራ፡ Eritrean Lowlanders League (ELL) Website.
•  Facebook Link,
•  YouTube Link,


እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ

ኣረኣእያ እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን አንጸላሊዩ ዘሎ ምዕባለታት
አቶ/ ዓብዱልቃድር ሓምድ - ሓልፊ ወጻኢ ጉዳያት እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ
رؤية المؤتمر الإسلامي الارترى في التطورات الراهنة في القرن الأفريقي وارتريا
الأستاذ/ عبدالقادر حامد مسؤول العلاقات الخارجية فى المؤتمر الإسلامي الارترى

Seminar: April 22, 2022

•  Name of Political Party (Organization),
•  Organizational Structure (or Profile),
•  Political Programme Document or መደብ ዕዮ፡
•  Website link,
•   እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ፡ Eritrean Islamic Conference (EIC) Website.
•  Facebook Link,
•  YouTube Link,


ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ኣረኣእያ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡
ብዛዕባ እዋናዊ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን አንጸላሊዩ ዘሎ ምዕባለታት -
አቶ/ ሓሰን ዓሊ አሰድ - ምክትል አቦወንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
رؤية جبهة التحرير الإرتري في التطورات الراهنة في القرن الأفريقي وارتريا
الأستاذ حسن علي أسد / نائب رئيس جبهة التحرير الارترية

Seminar: April 15, 2022

•  Name of Political Party (Organization),
•  Organizational Structure (or Profile),
•  Political Programme Document or መደብ ዕዮ፡
•  Website link,
•  Facebook Link,
•  YouTube Link,


ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡

ኣረኣእያ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ EPDP.
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን አንጸላሊዩ ዘሎ ምዕባለታት፡
ኣቶ/ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)

Seminar: April 08, 2022

•  Name: Eritrean People's Democratic Party (EPDP) - ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ (ሰዲህኤ)፡
•  Organizational Structure (or Profile),
EPDP Profile: English  —
EPDP Profile: Tigrinya  —
EPDP Profile: Arabic 
•  EPDP Political Programme Document or መደብ ዕዮ፡
EPDP Political Programme: English  —
EPDP Political Programme: Tigrinya  —
EPDP Political Programme: Tigrinya, Adopted at EPDP 4th Congress, 26 August 2023 (ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ: ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ)፡ ኣብ ራብዓይ ጉባኤ ዝጸደቐ 26 ነሓሰ 2023)   —
EPDP Political Programme: Arabic 
•   Q & A About EPDP.
ሕቶን መልስን ብዛዕባ ሰዲህኤ።

•   ወብሳይት ሰዲህኤ፡ EPDP Website.
•   ሰዲህኤ፡ EPDP Facebook Link
•   ሰዲህኤ፡ EPDP Youtube channel:


ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡

ኣረኣእያ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን አንጸላሊዩ ዘሎ ምዕባለታት፡
አቶ/ ወሰንሰገድ ሓጎስ ኣቦ-መንበር ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡
رؤية حركة كفاية العالمية للإرتريين
في التطورات الراهنة في القرن الأفريقي وارتريا
الأستاذ/ وسن سجد حاقوس رئيس حركة كفاية العالمية للإرترين

Seminar: April 01, 2022

•  Name of Political Party (Organization),
•  Organizational Structure (or Profile),
•  Political Programme Document or መደብ ዕዮ፡
•   Q & A About Eritrean Global Yiakl Movement.
ሕቶን መልስን ብዛዕባ ይኣክል - እንታይነት ምንቅስቓስ። መንነት ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን።

•   Global Yiakl Website ወብሳይት ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን።
•   Facebook Link
•   Global Yiakl Youtube channel
ዩቱብ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡


ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ኣረኣእያ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን አንጸላሊዩ ዘሎ ምዕባለታት
አቶ/ ኣለም ስዩም ኣባል መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
رؤية جبهة الإنقاذ الوطني الإرتري في التطورات الراهنة في القرن الأفريقي وارتريا
الأستاذ/ الم سيوم عضو قيادة جبهة الإنقاذ الوطني الإرتري

Seminar: Mar. 25, 2022

•  Name of Political Party (Organization),
•  Organizational Structure (or Profile),
•  Political Programme Document or መደብ ዕዮ፡
•  Website link,
•  Facebook Link,
•  YouTube Link,


ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ኣረኣእያ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡
ብዛዕባ እዋናዊ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን አንጸላሊዩ ዘሎ ምዕባለታት -
አቶ/ እድሪስ ሁመድ ወጻኢ ዝምድናታት ሓላፊ ተሓኤ
رؤية جبهة التحرير الارترية في التطورات الراهنة في القرن الأفريقي وارتريا
الاستاذ/ إدريس همد - مسؤول العلاقات الخارجية لجبهة التحرير الارترية

•  Name of Political Party (Organization): Eritrean Liberation Front - ተጋድሎ ሓርት ኤርትራ - جلبهة التحرير اإلرترية .
•  Organizational Structure (or Profile)   —
•  ELF Political Programme Document or መደብ ዕዮ፡
The Political program of The Eritrean Liberation Front: English
ፖለቲካዊ ፕሮግራም ተጋድሎ ሓርት ኤርትራ፡ ኣብ መበል ዓስራይ ጉባኤ ዝጸደቐ። Tigrinya
البرنامج السياسي لجبهة التحرير الإرترية : Arabic
•   ወብሳይት ተሓኤ፡ ELF Website.
•   ተሓኤ፡ ELF Facebook Link
•  ተሓኤ፡ ELF Youtube channel:


ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን

ኣረኣእያ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን፡
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን አንጸላሊዩ ዘሎ ምዕባለታት -
አቶ/ ዑቅባዝጊ ደቡስ - ወጻኢ ዝምድናታት ሓላፊ

•  Name of Political Party (Organization): ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን፡ Organization of Eritrean Unity.
•  Organizational Structure (or Profile),
•  Political Programme Organization of Eritrean Unity. ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ውሓኤ (ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን)፡ Tigrinya.
•   ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን፡ Organization of Eritrean Unity. Website link
•   ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን፡ Organization of Eritrean Unity. Facebook Link
•   YouTube Link.


ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ

ኣረኣእያ ሰልፊ ሕዳሴ ኤርትራ ንፍትሒ፡
ብዛዕባ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን አንጸላሊዩ ዘሎ ምዕባለታት -
ዶር/ መሓመድ ብርሃን እድሪስ አ/ወንበር ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ
رؤية حزب النهضة في التطورات الراهنة في القرن الأفريقي وارتريا
الدكتور محمد برهان ادريس رئيس حزب النهضة الارتري للعدالة


Part 1 of 3:   Part 2 of 3:   Part 3 of 3:   

•  Name of Political Party (Organization),
•  Organizational Structure (or Profile),
•  Political Programme Document or መደብ ዕዮ፡
•  Website link,
•   ሰልፊ ሕዳሴ ኤርትራ ንፍትሒ፡ Eritrean Renaissance Party for Justice (ERPJ): Facebook Link,
•   YouTube Link.


ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - المجلس الوطني
Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC)

Output of the regular meeting of Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC) Central Leadership
አቶ/ ተኽላይ አብራሃ الأستاذ / تخلاي ابرها
ፖለቲካዊ ሰሚናር ኣብ፦ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት (Seminar at፡ Dialogue for Common Awareness)
ندوة سياسية في مجموعة حوار لوعي المشترك

•   Organizational Structure (or Profile),
•   Political Charter of the National Council for Democratic Change ፡
•   ፖለቲካዊ ቻርተር – ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡
•   الميثاق السياس ي للمجلس الوطني للتغيير الديمقراطي
•   Constitution of the Eritrean National Council for Democratic Change፡
•   ሕገ ህንጻ – ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
•   النظام الأساس ي
للمجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي

•   ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - المجلس الوطني
Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC)፡ Website link,

•   ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - المجلس الوطني
Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC): Facebook Link,

•   ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - المجلس الوطني
Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC)፡ YouTube Link.


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: