ደቂ ባሕሪ ነገስታት!

30/11/2017 23:39 PM

ደቂ ባሕሪ ነገስታት!

ግጥሚ ብ'መሲናስ


ደቂ ባሕሪ ነገስታት

 

ደቂ ባሕሪ ነገስታት!

Haben Fissehaye= ሰላም ንኣኻ ክቡር ሓው መሲናስ፡ ነዚ ብሰንኪ ስእነት መንግስቲ ኣብ ሊብያ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና’ባ ገለ በለሉ ነዚ ውጹዕ ህዝቢ?

Mesinas= ሕራይ ክቡር ሓው።

Haben Fissehaye= ክጽበ ኢየ ምስ የሕዋተይ መሲ

Mesinas= ቅሰን ክቡር ሓው! ንኣውያትዶ ሓታቲ ደሊናሉ፣ መሳኪን ኣሕዋትና!

Haben Fissehaye= ኣጆኻ በል መሲ ኣጆኻ

ኤርትራውያን ካብ ዘበን ባሕሪ ነገስታት ጀሚርና ክሳዕ ለይቲ ሎሚ እሰይ ኢልና ቀሲንና ብሰላም ዝነበርናላ እዋን ዋላ ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ኣይተራእየትን! እንተኾነ ግን ከም ሎሚ ጌርና ብኸቢድ ተፈቲንና ኣይንፈልጥን ኢና! ኩሎም ቅድሚ ኢሳያስን ስርዓቱን ዝሓለፉ ገዛእትን ጨቈንትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፍርህን ክብርን ኔሩዎም’ዩ። እዚ ርጉም ደማሒ’ዚ ግን ከም ህዝቢ ኤርትራ ጌሩ ዚንዕቆን ኣቕሓ ዘይቈጽሮን ፍጡር የብሉን! ናይዚ ህያው ምስክር ከኣ ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ዚፍጠር ኣትሒዙ ከም ኣብ ግዜ ኢሳያስ ጌሩ ሓሲሩን ተዋሪዱን ከም ዘይፈልጥ ብግብሪ ንርእዮ ኣለና።

ቀደም ኣባሓጎታትና ናብ ሊብያ ከይዶም፡ ብጭካነን ዘይሰብኣውነትን ሊብያውያን ከስካሕክሑን ክግረሙን ንሰምዕ ኢና፤ እንተኾነ ሻቡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና መንግስቲ ስለ ዝነበረ፡ መን ኢኻ ዚብለካ ዘይብልካ፡ እንተደሊኻ ትሓርስ፡ እንተደሊኻ ከኣ ትነግድ ኢኻ ኔርካ፤ ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ድማ ናብ ውሽጥን ናብ ወጻእን ብዘይጸገም ትንቀሳቐስ ኔርካ።

እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ሃገር እኹል ናይ ስራሕ ዕድል ስለ ዘይነበረ ግን ኤርትራውያን ስራሕ ንምርካብ ኢሎም ብድሌቶም፡ ወረ ገሊኦምስ ጉቦ ብምሃብን ኣያበያ ብምጥቃምን’ዮም ናብ መንግስቲ ጣልያን ተዓስኪሮም ወተሃደራት ኮይኖም። ዕስክርና ጣልያን ንውግእ ናብ ትርቡሊ (ሊብያ) ምዃኑ እናፈለጡ ከኣ ብድሌቶም ተዓሲኪሮም ከይዶም፤ ሎሚ ግን ደቆም ደቂ ደቆም፡ ሃገሮም መርገጺ እግሪ ዘይብላ ሓዊ ስለ ዝኾነቶም’ዮም መውጽእን መእተውን ስኢኖም፡ ዓቕሎም ኣጽቢቦም፡ ተገዲዶም ናብ ሊብያ ከይዶም። እንታይ ደኣ ክገብሩኸ ካብ ሃልሃልታ ሓዊ ረመጽ ይሓይሽ ኢሎም ፈቲኖም መሳኪን።

ምኽንያቱ፡ ሃልሃልታ ሓዊ ኩሉ ነብስኻ ስለ ዘቃጽለካ፡ ረመጽ ግን እግርኻ ጥራይ ስለ ዘንድደካ፡ ቃንዛ ንምቕናስ’ዩ እምበር ኣብ ሊብያ እውን ሓዊ ከም ዘሎ ጠፊኡዎም ኣይኮነን። ናይዚ ኹሉ መከራን ህልቂትን ኤርትራውያን ቀንዲ ተሓተቲ ግን እቶም ሰብኣውነት ዘይብሎም እንስሳታት ሊብያውያን ጥራይ ዘይኮኑስ ቀንዲ እቶም ኣብ ሃገርና ብሰላም ምንባር ከልኪሎም ዘሰድዱና ዘለዉ ኢሳያስን ጉጅለኡን እዮም።

ደቂ ባሕሪ ነገስታት!

ናይቶም ወለድና ስቓይ ናይ ትማሊ
ሕሉፍ ዘይኣኽለኪ ሊብያ ትርቡሊ
ንግዜ ሂብናዮ እንተገበርና ዓቕሊ
ክንዲ ይቕሬታኽስ ዳግም ትብድሊ!

በደል ኣርብዓታት ስቓይ ወለድና
ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ክትደግምዮ ኣባና
ከም በጊዕ ኣሲርኪ ዕዳጋ ኣውሪድክና
ካን ዲኺ ንዒቕኪ ዘይሰብ ሓሲብክና!

ንሃልሃልታ ሓዊ ብረመጽ ዝጸፍዑ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸላእቶም ዝቐጽዑ
ኣናብስ ምዃንና ምኩሓት ዘንብዑ
ናይ ትማል ቅያና ኣሻብ ተረሲዑ!?

ሓደጋ እኮ’ዩ ድንገት ገጢሙና
ናትና ተመሲሉ ጓና ኣታሊሉና
ማዕጾና ኣርሒናሉ ኣትዩ ኣብ ውሻጠና
ሴፍና ተሓንጊጡ መኸተ ዋልታና
ብሕሰም ገጺቡ ግዳም ኣሕዲሩና!

ደቂ ባሕሪ ነገስታት ፋረ ዝኽዳንና
ንዝመጸ ምኩሕ ነምበርክኽ ገጢምና
ብሰንኪ መላኺ ግን ዚዘመተ ኣጽዋርና
ኣቱም መሳፋሕቲ ሰብኡት ኴንኩሙልና
ቀሚሽ ተኸዲንኩም ፈቲሕኩም ስረና
እንታይ’ሞ ክንገብር ግዜ ዘርዩና!

ህዝበይ'ሉ ዚጣበቕ ሓታቲ ዘይብልኩም
ኣያ ዘየብለን‘ወ ጐራዙት ረኺብኩም
ክብረት ናይ ኣሕዋትና ብንዕቀት ደፊርኩም
ኣለና ኣይትበሉ ኣይትሕደሩ ደቂስኩም!

ሕነ ናይዚ ኹሉ ብሰንኪ ሓደ ርጉም መላኺ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ድከቱ ዝሰቲ ዘሎ ለዋህ ኤርትራዊ ዝፍደየሉ ግዜ ክመጽእ’ዩ!

እልበት (ሓሳረ መከራ) ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ዕርበት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 28/11/2017

Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

“ክሳብ 50 ሽሕ ኤርትራዊያን ኣብ ሊብያ ይሳቐዩ ኣለዉ፡ ኩሉ ኣኣብ ዘለዎ ሃገር ኮይኑ ንወከልቲ መንግስታቱ ክጠርዕ ይግባእ።” ሜሮን እስቲፋኖስ

Migrant slave auctions in Libya: Talk to the CNN journalists who broke the story and ask them your questions

How to Share With Just Friends

How to share with just friends.

Posted by Facebook on Friday, December 5, 2014

See also recent articles by Mesinas. ካልእ ናይ ቀረባ እዋን ጽሑፋት ብ'መሲናስ፡-

See more ተወሳኺ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ርአ፡-