ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ 2ይ ክፋል

21/12/2017 16:12 PM

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ

2ይ ክፋል


The hidden Party within EPLF

Through non-Partisan Eyes

Part 2


ብ'ታደሰ ኪዳነ (ቢርሚንግሃም-ዓባይ ብሪጣንያ)
by Mr. Tadese Kidane (Birmingham - UK)


ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ


ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፡ ብዛዕባ ህዝባዊ ግምባርን ኣባላቱን ተዛሪበ። ቀጺለ’ውን “ ሰልፊ ንውድብ መሪሓቶ” ንዝብል ዘይቅኑዕ ግን ከኣ ታሪኽ ክጨዊ ናይ ዝደሊ ተበላጺ ኣተሓሳስባ ከብርህ ፈቲነ። ከም ሳልሳይ ዘልዓልኩዎ ነጥቢ ድማ ብዛዕባ’ቶም ብለይቲ ተሓቢኣ ትጸናቶ ግናይ ፍጥረት ምንባራ ከይፈለጡ፡ ነቲ ሃገርን ህዝብን ሓራ ከውጽእ ዝተጸበይዎ ውድብ፡ መትከላቱን ኣሰራርሕኡን ኣተዓራርዩ ክኸይድ ብቕንዕና ዝጸዓሩ፡ ግን ከኣ ግዳይ ቅንዕናኦም ዝኾኑ ምሁራት’ውን ኣልዒለ ። ካልኣይ ክፋል ይቕጽል።

ሕጋውነት ምቕንጻል ኣባላት “መንካዕን የሚንን”

እቲ ብሓለዋ ሰውራ ዝፍለጥ፡ ባዕሉ ከሳሲ፡ ባዕሉ መርማርን ባዕሉ ቀታልን ዝነበረ፡ ብደም ንጹሃት ኣያታትና ዝጨቀወ ኣካል ናይቲ ውድብ፡ ነቶም ብ’መንካዕ’ ዝተጠመቑ ተጋደልቲ ተባሂሉ፣ ኣብ 1973 ዓ.ም ከም ዝቖመ ይስማዕ ኢዩ። ከምቲ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ፡ እቶም ዝሓሸ ኣካዳምያውን ፖለቲካውን ድሕረ-ባይታ ሒዞም ዝተሰለፉ መንእሰያት፡ “ኣሰራርሓና እናጽፈፍናን ተሓታትነት እና ኣተኣታተናን ንኺድ” ዝብል ቅኑዕን ኣብ ግዜኡ ዝተላዕለን ሕቶኦም ግዳያት ኢዩ ገይሩዎም። እቲ ብዓንተብኡ ዝተበላሸወ መሪሕነት፡ ሽማግለታትን ኮሚቴታትን ኣውጺኡ፡ ኣሰራርሕኡ ምስትኽኻል ንረብሕኡ ስለ ዘይነበረ፡ ንሕቶኦም ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበሮን። በቶም ለይቲ ለይቲ ዝእከቡ ኣባላት ሰልፊ ዝብሃሉ ሕቡኣን ገይሩ ድማ “ሹት!” ኢሉዎም። ጸልማት ከደኖ ከካብ ዝነበርዎ ድፋዕ ብለይቲ ኣኪቡ፡ ሰብ ኣብ ዘይርእዮ ስንጭሮ ኣኪቡ ኣጥፊኡዎም። ብለይቲ ኣኽላባቱ ኣኪቡ ንዘሕለፎ ውሳኔ፡ ብቕትሪ ኣብ ናይ ሓሶት ኣኼባ፡ በቲ ዝደለዮን ኣቐዲሙ ዝመደቦ መንገዲ እና ኣቕረበ፡ ፍሉይ ርእይቶ ንዘቕረበ እናኣሰረ፡ ይሰርሕ ምንባሩ ድማ ንሰምዕ ኣለና። ብሕም ዝበለ ኣብ ዝሕጎመሉ ቦታ “ሽዑ ክዛረቡ ነይሩዎም!!” ምባል ድማ ጣቋ ዘለዎ ዘረባ ኣይኮነን። ቃል ንቓሉ ድማ “ሽዑ ብሒም ኢልካ እንተ ትኸውን፡ መጥፋእናካ ነይርና!” ዘስምዕ ፈኸራ ኢዩ።

ኣብዚ ብንጹር ክንርድኦ ዝግባእ፡ ብቕትሪ ኣብ ቃልዕ ንዝቀረበ ሕቶ፡ ብለይቲ ካብ ዝበዝሑ ኣባላት ተሓቢኣ ትእከብን ትውስስን ሰልፊ ንባዕላ ሕጋውነት ከም ዘይብላ ኢዩ። ንሳቶም ካብ ኩሉ ኣባል ተነጺሎም ምስ ተኣስሩ፡ እታ ንጥፍኣቶም ዘንቀለት፡ ንባዕላ ዘይሕጋዊት ንእሽቶ ፍጥረት፡ ካብ ውሽጣ ሰባት ሓርያ ዘቖመታ ጉጅለ’ኸ ከመይ ኢላ ኢያ ሕጋዊት ወይ ዘይሻራዊት ክትከውን? ንዓኣቶም ድማ እታ ሕብእቲ ሰልፊ፡ ካብ ሓለቓኣ ብዝተዋህባ ውሳኔ ቀንጺላቶም። እቲ ዝኸፍአ ከኣ፡ ገለ ምስሉያት ተጣበቕቲ ናይቲ ቅንጸላ ኮይኖም ይከራኸሩ ምህላዎም ኢዩ።

ገለ ተጣበቕቲ ናይታ ሕብእቲ ፍትረት ክገልጹ ከለዉ “እቶም ናይ 1973 ጉዳዮም ብኮሚቴ ስለ ዝተወሰነ፡ ዝተዋህቦም ናይ ሞት ፍርዲ ሕጋዊ ኢዩ። እቶም ናይ 1976 ግን ብትእዛዝ ኢሰያስ ስለ ዝተቐትሉ፡ ፍርዶም ሕጋዊ ኣይነበረን” ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። ሎሚ ኩሉ ነገር ከም ጸሓይ ቀትሪ በጣዕጣዕ ኣብ ዝበለሉ እዋን ከምዚ ዝበለ ናይ “ቲፎዞ” ርእይቶ ምስማዕ ኣዝዩ ዝገርም ኢዩ። ናይዚ ርእይቶ’ዚ ተጣበቕቲ ድማ፡ ኣብ ከውሊ ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ተሸጒጦም፡ ኣንጻር ጸላኢ ዘይኮኑስ፡ ብጾቶም እናቀተሉ - ኣምሳይኡ ድማ ፍሉይ ሓለፋ እናተዋህቦምን ዝኣተዉ ምዃኖም ጥራይ ኢዩ ዘነጽር። ርእይቶኦም ብቐንዱ ንናይ ገዛእ ርእሶም ገበን፡ ወይ ድማ ጉንዖ ንዘሕለፉሎም ገበነኛታት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ኢዩ ዝመስል። እዚ ድማ ነቲ “ምብላዕካ ዝለመደስ፡ ክርእየካ የንባሑቕ!” ዝብል ናይ ኣቦዋት ምስላ የዘኻኽረካ። ካብ ቲፎዞነት ወጺኦም፡ ተመክሮኦም ብቕንዕና ክግምግሙን ክናስሑን ድማ ንመኽሮም።

መምዘኒታት ሕርያ ንኣባልነት ሕብእቲ ሰልፊ

ሕጂ’ውን ገለ ካብቶም ኣብታ ሕብእቲ ሰልፊ ተዓቚቦም ዝኣተው ኣባላታ ነበር፡ ብዛዕባ ናብ ኣባልነት ዘእቱ መምዘኒታት ክገልጹ ከለዉ፡ “ተወፋይነት፡ ህርኩት፡ ጻዕረኛ፡ ናይ ዕላማ ሰብ፡ ማሕበርነታዊ ኣረእእያ ዘለዎ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ከኣ ንጡፍ ዲሞክራስያዊ ዝኮነ ሰብ ኢዩ ናብ ሕብእቲ ሰልፊ ይሕረ ነይሩ” ይብሉና ኣለዉ። ነዘን ምቁራት ቃላት፡ ድሕሪ ናጽነት ዊስኪ እናጨለጥካ ከተኳማስዐን፡ ኣብ ሳሕል - ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተዃዕተ ገዛውቲ ድሙ-ድሙ እናሰተኻ፡ ቀያሕቲ እናኣማረጽካ ክትደግመን ቀለልቲ ኢየን። ኣፍልብኻ ብቐሓር እናተባሕጎጐ፡ ቆርበትካ ብቑማል እናተበልዐ፡ ካብድኻ ብጡሙዩ፡ ምስ ጀጋኑ - ናብ ጅግና ተቐይርካ ጸላእትኻ ከተንበርክኽ ከለኻ ግን፡ እዘን ክብ ኢለን ዝተጠቅሳ ቃላት፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ትንሓግካን ዘይኮናስ፡ ኣብ ሰራውር ድምካ እየን ዘለዋ። ከም ዘለዋ’ውን ኣይትፈልጠንን- ናትካ ስለዝኾና። ኣይትንየተለንን - ናይ ኩልኻ ስለ ዝኾና። ኣይትደግመንን - ንመን ክትደግመሉ - ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ኩሉ እንድዩ ዝውንነን። መን ንምን ክንየተሉ - ናይ ኩሉ እንድየን። ሎሚ ግን ሕቡኣንን ምስሉያትን ካብቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ ሰሪቖም ናቶም ክገብርወንን ክጨውዩወንን ይፍትኑ ኣለዉ።

እዘን ክብ ኢለን ዝተጠቅሳ ኣምራት እምበኣር፡ ክትዛረበለን ቀለልቲ - ግን ከኣ ኣብ ደም ኩሉ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ዝሰረጻ ሓረጋት ኢየን። እቶም ነዘን ቃላት ኣብለጭሊጮም ዝዛረቡለን ዘለዉ ሕቡኣን ዝነበሩ ሰባት፡ ተጋዳላይ ብሓንቲ ሓረግ ኣጠቓሊሉ ይዛረበን ምንባሩ ዝተሰወጦም ኣይመስሉን። እቲ “ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ! ንስኻ ብህይወት እንተ ጸኒሕካ ንሰውራን ሃገርን ዝሓሸ ከተበርክት ትኽእል ኢኻ!” ዝበለ መን ድዩ? ኩሉ ኣባል ናይቲ ግምባር ዶ’ኸ ኣይኮነን። ነዚኣቶም “ታሪኽ ኣይትስረቑ!” ክብሎም ምፈተኹ።

ዲሞክራሲ ንዝበዝሐ ክፋል ሕ/ሰብ ዝውክል ቃል ኢዩ። ዲሞክራስያዊ ስራሕ ድማ ኣብ ቃልዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ ዝስራሕን ተሓታትነት ዘለዎን ኢዩ። ተሓቢእካ፡ ብጸልማት ዝስራሕ ስራሕ ኩሉ ድማ ብመሰረቱ ጸረ-ዲሞክራሲ ኢዩ። ተጣበቕቲ ሕብእቲ ሰልፊ ድማ፡ ዝነበሮም ሓለፋ ምኽኑይ ንምግባር ክብሉ፡ እነሆ ኣብ ቃልዕ ወኢኦም የህተፍትፉ ኣለዉ። “ተሓቢአን ይጠንስኦ፡ ሰብ ኣኪበን ይሓርስኦ!” ድዮም ዝበሉ ኣቦዋት!!

ኣብ ገሊኡስ ወረ ዘገርም ዘረባ ኢኻ ትሰምዕ። “እቲ ክኣቱ ዝግበኦ፡ ነተን ክብ ኢለን ዝተጠቕሳ ነጥብታት ዘማልእ ሰብ፡ ኩሉ ኣትዩ ኢዩ! ኣባል ሰልፊ ክኸውን ዝግብኦ፡ ዘይኣተወ የለን!” ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። እቲ ዝግብኦ፡ ኣባል ሰልፊ ኮይኑ ኢዩ ማለቶም ኢዩ። ኣባል ህዝባዊ ግምባር፡ እንተላይ እቶም ተገዲዶም ዝኣተዉ ኣባላት ናይታ ሰልፊ፡ ነዘን ክብ ኢለን ዝተጠቕሳ ነጥብታት ዘየማልኡ እንተኾይኖም ድኣ፡ ናጽነት ካበይ ነጢባ። እቲ ነብሱ ከይበቐቐ፡ ብምሉእ ድሌት ዝዋጋእ ዝነበረ ተጋዳላይ’ከ፡ “ኣባላት ሰልፊ ሽጉጥ ኣብ ጉንዲ እዝኑ ኣጸጊዖም “ግባ!” ኢሎም እናኣፈራርሑ ኢዮም ኣዋጊኦሞ!!!” ድዮም ክብሉና?. .? ሕጂ’ውን ታሪኽ ኣይሰረቕ!! ናጽነት ኤርትራ ክሳዶም ኣቕኒዖም ብዝተዋግኡ ጀጋኑ እምበር፡ ብሕቡኣንን ሓመይትን ኣይመጸትን።

ሕብእቲ ሰልፊ - ትካል ውሽጢ ስልያ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር (ኢሰያስ) ጥራይ ኢያ ነይራ

ዝኾነ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ኣካል (ኣብ መንግስቲ ይሃሉ ኣብ ውድብ) ስልጣኑ ንምሕላው፡ መርበብ ስርዓተ ስለያ ክህልዎ ባህርያዊ ኢዩ። እቲ ናይ ስለያ ትካል ድማ፡ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ወይ ውልቀ-ሰብ ብዝተሓርዩ ሰባት ይቐውም። ንህላዌ ናይቲ ዘቖሞ ኣካል ድማ ይሰርሕ። ፖለቲካዊ ስልጣን ብውልቀ-ሰብ (ንጉስ ወይ ውልቀ-መላኺ) ዝተታሕዘ እንተኾይኑ፡ እቲ ዝቐውም ናይ ስለያ ኣካል ድማ፡ ንስልጣን ናይቲ ውልቀ-ሰብ - ካብ ተጻባእቲ ይሕልዎ። እቲ ስርዓት - ህዝባዊ፡ ዲሞክራስያዊ ወዘተ እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብመለኽትን ተበለጽትን ንኸይጭወ፡ በቲ ዘቖም ናይ ስለያ ኣካል ይሕሎ። እዚ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝስርሓሉ ኮይኑ፡ ስራሕ ስለያ ከኣ ኩሉ ግዜ ነቲ ዘቖሞ - ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካልን ስርዓተ ምሕደርኡን ምሕላው ኢዩ።


ስርዓተ ስለያ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን፡ ከም ሰኪዐት ዝተጠናነገን፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ቅልጡፍን ስሉጥን ስርዓተ ምሕደራ ኣለዎ። ሰለይቲ ግን ፖለቲካዊ ስልጣን የብሎምን። ፖለቲካዊ ስልጣን ብሓይሊ ብረት ይምጻእ ዋላ ብምርጫ፡ ስርሖም - መራሕትን ንሶም ዘውጽእዎ ሕግታትን ምሕላው ኢዩ። ኣብ ቅዋማዊ ስርዓተ ምሕደራ’ውን እንተኾነ፡ ሰበ-ስልጣን ጥራይ ዘይኮነ፡ ቅዋም ናይ ምሕላው ተወሳኺ ሓላፍነት’ውን ይስከሙ ኢዮም። ትካላት ስለያ ግን መጽናዕቶም ነቲ ዘቖሞም ኣካል ሪፖርት ምግባርን፡ ተወሲኑ ዝመጾም ድማ ምትግባርን እምበር፡ ካብ ነብሰ-ምክልኻል ዝሓልፍ፡ ናይ ምውሳን ስልጣን የብሎምን።

ኣባላት ትካል ስለያ ነዚ ዝተባህለ ስራሕ ኣሚኖም ከሰርሕሉን ብተወፋይነት ከገልግሉዎን እንተኾይኖም ግን ብዘእምን ዘረባ ወይ ብጉንዖ፡ ወይ’ውን ብኽልቲኡ፡ ነቲ ስርዓተ ምሕደራ ብሓፈሻ ነቶም መራሕቲ ከኣ ብፍላይ ክቕበልዎምን ከም ዝኣምንዎም ክግበርን ኣለዎ። ኣብ መርበብ ስርዓተ ስለያ፡ ሓንሳብ ብኣባልነት እንተ ተመዝጊብካ ግን፡ ካብ መንነት ሰለይቲ ዝጅምር ሚስጢራት ክትፈልጥ ስለ ትኽእል፡ ካብ ኣባልነት ምስሓብ ወይ ምስራዝ ቀሊል ኣይኮነን። ብዛዕባ’ቲ ኣካል ስለያ ኮንካ ዝፈለጥካዮ ስዉር ሚስጢራት ክትዛረብ እንተ ጀሚርካ ድማ፡ ኣብ ሕግን ፍርድን ከይቀረብካ፡ ብስዉር ክትጠፍእ ዘለካ ዕድል ዝዓበየ ኢዩ። ነቲ ኣባል ስዉር ስለይኡ ክትከውን ዝመረጸካ ስርዓት ወይ ጉጅለ ጠንጢንካ፡ ሃገር እንተ ቐየርካ’ውን፡ ንሕልፈት ክትህደን ኢኻ ትነብር። ኣብዚ መዳይ’ዚ፡ ኣባል ከይ-ጂ-ቢ (KGB) ዝነበረ ቾቭቸንኮ - ኣብ ሎንዶን ዘጋጠሞ ቅትለትን፡ ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበረ የማነ ተኽለገርግስ - ኣብ ጀርመን ዘጋጠሞ ፈተነ ቅትለትን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ኢዮም።

ህዝባዊ ግምባር ካብ ናይ ውሽጢ ጸላእቱ ዝሕልዎ፡ ብወግዒ ዝፍለጥ ውሽጣዊ ናይ ስለያ ትካል ኣይነበሮን። እቲ ኣንጻር ናይ ግዳም ጸላኢ (መግዛእትን ተሓባበርቱን) ዝግበር ወታደራዊ ስለያ ግን፡ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ብድሌት ዝሳተፎ፡ ብክፍሊ 72ን ዝፍለጥ፡ ስሉጥ መርበብ ትካል ስለያ ነይሩዎ ኢዩ። እቲ ውሽጣዊ ስለያ ግን ኩሉ - ብኣባላት ናይታ ሕብእቲ ስለፊ ኢዩ ዝካየድ ዝነበረ። ተጠቃሲት ሕብእቲ ስልፊ ድማ፡ ውድብ እትመርሕ ፖለቲካዊት ኣካል ዘይኮነትስ፡ ስልጣን ውልቀ ሰብ (ኢሰያስ) እትሕሉ፡ ናቱ ናይ ውልቁ ናይ ስለያ ትካል ኢያ ነይራ፡ ወይ ድማ በብቑሩብ ናብ ከምኡ ተለዊጣ። ኣብ ኩለን ኣሃዱታትን ሓይልታትን ናይቲ ውድብ ዝተሰኹዑ ግን’ከኣ ዘይፍለጡ፡ ብሕቡእ ዝሰርሑን ተሓቢኦም ዝራኸቡን ኣባላት ነይሮማ። ቀንዲ ስርሖም ከኣ ወታደራዊ ስራሕ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዘለዉዎ ኣሃዱ፡ ንመሪሕነት ህዝባዊ ግምባር (ኢሰያስን ንሱ ዝሓረዮም ሓለፍትን) ዝትንክፍ፡ ዝኾነ ርእይቶ፡ ሕቶ ወይ ነቐፌታ ምስ ዝለዓል ምክልኻልን ምጭፍላቕን፡ ቀልጢፍካ ናብ ላዕለዎት ኣባላት ናይታ ሰልፊ ምትሕልላፍን፡ ነቶም ዝድለዩ ሰባት ኣብ መጻወድያ ከም ዝኣትዉ ብምግባር፡ ሓሶታት ምሂዝካን ጠቂንካን፡ ናብታ - መራሒ ናይታ ሰልፊ (ኢሰያስ) ባዕሉ ዘቖማ ሓለዋ ሰውራ ምልኣኽን ኢዩ።

ንመሪሕነት ኢሰያስ ወይ ንሱ ዘቐመጦ ሰብ ዘይቅበል፡ ግን ከኣ ኣብቲ ዘለዎ ኣሃዱ ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ መራሒ ምስ ዘጋጥም ድማ፡ ኣብቲ ምስ ጸላኢ ዝግበር ውግእ ብሕቖኡ ተሃሪሙ ከም ዝእለ ይግበር። ነዚ ዘሳልጡ ፍሉያት ሰባት ድማ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ተሓርዮም ይለእኹ ነይሮም። ወታደራዊ ሓላፍን ኣባል ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ግምባርን ዝነበረ ተጋዳልይ ኢብራሂም ዓፋ በዚ ኣገባብ’ዚ ከም ዝተቐትለ ዝበዝሐ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ዝሰማማዓሉ ክኽውን ከሎ፡ ከም በዓል በርሀ ጻዕዳ፡ ወልደሚካኤል ሃይለ፡ ኢሰያስ ተወልደብርሃን፡ ዝኣመሰሉ ህቡባት ዝነበሩ ሓለፍቲ ድማ ግዳያት ናይዚ ኣቀታትላ’ዚ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም” ዝብል ወረታት ክነፍስ ንሰምዕ ኣሎና።

ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግምባር ዝነበረት ሕብእቲ ሰልፊ እምበኣር፡ ህቡባትን ሓያላትን ሃገራውያን ቀንጺላ፡ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ስርዓተ ተሓታትነትን ርእሰ-ምትእምማንን ቀቲላ፡ ክቱር ውልቀ-ምልኪ ከም ዝነግስ ዝገበረት ናይ ስለያ ትካል እምበር፡ እዚ ዝበሃል እትፍለጠሉ ፖለቲካዊ ስራሕ የብላን። ንባዕላ መጋበርያ ውልቀ-ሰብ እምበር መራሒት ኣይነበረትን። ንናይ ዕላማ ብጾትካ ብቓጻ ስለ ዝሰለኻዮምን፡ ብቓጻ ከም ዝጠፍኡ ስለ ዝገበርካን - ንነብስኻ ከም መራሒ ክትቆጽራ እንተ ፈቲንካ ግን ተመሊስካ ወኒንካዮ ንዘለኻ ስርዓተ- ኣእምሮ ምፍታሽ ከድልየካ ኢዩ።

ብጭቡጥ ንምዝራብ፡ እዛ ንዛረበላ ዘለና “ሰልፊ”፡ ከም ሰልፊ ዘቑጽራ ካብቲ ውድብ ዝተፈልየ፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኮነ እትምርሓሉ ዝኾነ ዝፍለጥ ሕግን ኣሰራርሓን ኣይነበራን። ስሩዕ ኣኼባ ይኹን ኣባላታ ዝፈልጥዎ ወይ ዝርድእዎ ፖለቲካዊ ቅርጺ ኣይነበራን። ኢሰያስ ኣብ ዝደለዮ እዋን ዝእክባ፡ እንተ ደልዩ ዝፍንጥሓ፡ ዋላ’ውን ብኻልእ ዝቕይራ ትካል ነይራ። ስሩዕ ጉባኤ’ውን ገይራ ኣይትፈልጥን። ኣብቲ ውድብ ክብድ ዝበለ ነገር ምስ ዝፍጠር፡ ወይ’ውን ጉባኤ ክግበር ኣብ ዝድለየሉ እዋን ጥራይ፡ ባዕሉ ኣኪቡ መምርሒ ዝህባ፡ ንዝተዋህባ መምርሒ ድማ ብዘይ ገለ ሕቶ እትፍጽም መጋበርያ እምበር፡ ዝኾነ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፊ መዐቀኒ ተማልእ ኣይኮነትን።

ዕማማት ስርዓተ ስለያ፡ ከም ስሙ ሕቡእን ስዉርን’ኳ እንተኾነ፡ ዳርጋ ኣብ ኩለን ውድባት ኮነ መንግስታት፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝኽተልን ተሓታትነት ዘለዎን ኢዩ። እታ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግምባር ዝነበረት፡ ብሕብእቲ ሰልፊ እትፍለጥ፡ ትካል ስለያ ኢሰያስ ግን፡ ትእዛዛት መራሒኣ ካብ ምፍጻም ዝሓልፍ፡ ትካላዊ ተሓታትነት ኣይነበራን። ንሳ ዝፈጸመቶ ገበን - ከም ዘይተፈጸመ ተረሲዑ ክተርፍ ኣለዎ። ከም ገለ እንተ ተወዓዊዑ ድማ ግዳይ ዝኾኑ ሰባት ተደልዮም፡ ተሰከምቲ ናይ ዘይፈጽመዎ ገበን ይኾኑ። ንሳ ዝቐተለቶም ሰባት - ከምዛ ዘይተፈጥሩ ተረሲዖም ክተርፉ ኣለዎም። ፍሉጣት እንተ ነይሮም ድማ ተዓዛቢ ነብሶም ከም ዝቐተሉ ክኣምን ኣለዎ። ኩሉ ዘይከኣል እንተ ኾይኑ ድማ፡ ንሳቶም ክምልሱ ኣብ ዘይክእልሉ ቦታ ምስ ተደርበዩ፡ ብድሕሪኦም፡ ተሓተትቲ ናይ ብዙሕ ዘይፈጸሙዎ ገበና ገይራ ትኸሶም። ‘እዚ ሓሶት ኢዩ’ ዝብል ወይ ‘ሰላዪ ኣይነበርኩን’ ዝብል ኣባል ናይታ ሰልፊ እንተልዩ፡ ስመይን ኣድራሻይን ኣብ ላዕሊ ኣሎ፡ ሃየ ኣፉ ይኽፈት!!

—ኣብ ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል የራኽበና

ታደሰ ኪዳነ
ቢርሚንግሃም (ዓባይ ብሪጣንያ)
21 December 2017


Share with friends:


See also recent Articles by Tadese Kidane: