ምሕደራ ባጤራ ናቕፋን ማሕበረ-ቁጠባዊ ስምብራቱን

20/10/2017 03:57 AM

ምሕደራ ባጤራ ናቕፋን ማሕበረ-ቁጠባዊ ስምብራቱን

Eritrean currency, Nacfa, its Administration and socioeconomic impacts

ብ'ዶር ገብረመስቀል ገብረማሪያም
by Dr. Gebre Gebremariam,
VirginiaTeck University, Department of Economics.


SAN GIORGIO SCHOOL

ምሕደራ ባጤራ ናቕፋን ማሕበረ-ቁጠባዊ ስምብራቱን

መቸስ፡ ባጤራ እንታይ ኢዩ ኢለ እንተዝሓተኩም፡ “ምስራኣናዮ ንፈልጦ”፡ ኣርእና’ሞ ክንነግረካ ከምትብሉን ኣይጠራጠርን ኢየ። ባጤራ ዳኣ፡ እዚ “ናቕፋ፣ ዶላር፣ ዩሮ፤ የን፣ ቅርሺ፣ ሪያል፣ ዲናር፣ ፐሶ፣ ራንዲ፣ ፓውንድ ኢስተርሊንግ፣ ክሮና፣ ወ.ዘ.ተ.” ዝባሃል ‘ወረቐት ወይ’ውን ሓጻውን’ ዶ ኸ ኣይኮነን’ውን ትብሉ ትኾኑ። እወ፡ ኣይተጋገኹምን፡ እዚኦም ኩሎም ኣስማት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ባጤራታት ኢዮም። ባጤራ ግን እቲ ‘ወረቐት ወይ’ውን ሓጻውን’ ዘይኮነስ፡ እቲ ብድሕሪኦም ዘሎ ሳይንሳዊ ሓሳብ/ጥበብ ኢዩ። ወዲ-ሰብ ንኣሻሓት ዓመታት ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ዘሎን ጥበብ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ-ሰብ እቲ ዝበልጸ ሳይንሳዊ ምህዞ (the greatest invention ever) ኢዩ እንዳተባህለ ኢዩ ዝግለጽ። ኣብዚ ነዊሕ ታሪኻዊ ጉዕዞ፡ ዓይነት ናይቶም ከም ባጤራ ዘገልግሉ ነገራት ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳተለወጡ መጺኦም፡ ሕጂ ናይ ‘ነገራዊ-ዘይኮነ ባጤራ ወይ’ውን ኤለክትሮኒካዊ ባጤራ’ ምጥቃም ተበጺሑ ኣሎ። እቲ ብድሕሪ ባጤራ ዘሎ መሰረታዊ ሳይንሳዊ ሓሳብ/ጥበብ ግን ኣይተለወጠን።

ባጤራ፡ ነንሕዶም ዝመላልኡ፡ ግን ካኣ ዝተፈላለዩ፡ ሰለስተ መሰረታውያን ዕዮታት ይዓዪ - (1) ከም መተዓዳደጊ (መገዛዝኢ) (medium of exchange)፣ (2) ከም መኻዕበቲ/መዋህለሊ ሃብቲ (store of value)፣ (3) ከም መገለጺ ዋጋታት/ሒሳብ (unit of account)። እዞም ዕዮታት እዚ’ም፡ ንምዕባለን ሃገርን ንማዓልታዊ ሂወት ሓደ ሕብረተ-ሰብን ደረክቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ብግቡእ ክዓሞም ዝኽእል ጥዕንኡ ዝሓለወ ባጤራ ኣብታ ሃገር ክህሉ ኣለዎ። ምቑጽጻርን ምምሕዳርን ባጤራ ሓላፍነት ናይ ‘ማእከላይ ባንኪ’ እታ ሃገር ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ማእከላይ ባንክታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስታት እተን ሃገራት ስለዝኾና፡ እቲ ምቑጽጻርን ምምሕዳርን ባጤራ’ውን መንግስቲ ኢዩ ዝገብሮ። ኣብ ኤርትራ፡ ከም ማእከላይ ባንኪ ኮይና ተገልግል፡ ‘ሃገራዊ ባንኪ ኤርትራ’ እያ። ንሳ ካኣ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ/ስርዓት ኤርትራ ስለዝኾነት፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ኢያ ናቕፋ ትሓትም። ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት (ከም ባዓል ኣመሪካ፣ ናይ ምዕራብ ኣውሮጳ ሃገራት፣ ወ.ዘ.ተ.)፡ እቲ ማእከላይ ባንኪ፡ ‘ነጻ ወይ ሓውሲ ነጻ’ ትካል ኮይኑ፡ ካብ ናይ መንግሲቲ ጸቕጢ ዝተላቐቐ ስለዝኸውን፡ ብናይ መንግስቲ ትእዛዝ ባጤራ ኣይሓትምን ኢዩ።

ዓቐንን ዑደትን ሓደ ባጤራ ምስቲ ዓቕምን ኣፍራይነትን ቁጠባ እታ ሃገር ከሳኒ ኣለዎ። እንተዘይኮነ፡ ብብዝሒ ባጤራ ሓቲምካ ኣብ ዑደት ምውዓል፡ ኣብታ ሃገር ‘ዝቕባበ’ (Inflation) ኢዩ ዘስዕብ። ‘ዝቕባበ’ ካኣ ካብቶም ንዓቕምን ጥዕናን ባጤራ ናይ ሓደ ሃገር ዝሃስዩ ኩነታት ሓደን እቲ ቀንድን ኢዩ። መንግስታት፡ ካብ ብቀረጽ ግብሪ/ፈሰስ ካብ ህዝቢ ብዝእክብዎ ገንዘብ ዓመታዊ ባጀቶም እንድሕርዳኣ ዘይሽፍኑ ኮይኖም፡ ነቲ ሃጓፍ፡ ባጤራ ብምሕታም ኢዮም ዝሽፍንዎ (monetizing the debt)። ከም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፡ ኣፍራይነት ትሑት እንተኾይኑ፡ እቲ ናይታ ሃገር ቁጠባ ብዙሕ ስለዘየፍሪ፡ መንግስቲ ካብ ቀረጽ ግብሪ/ፈሰስ እኹል ገንዘብ ክእክብ ኣይክእልን ኢዩ። ካብ ናይ ዓለም ናይ ገንዘብ ዕዳጋ’ውን ገንዘብ ክልቃሕ ስለዘይክእል፡ እቲ እንኮ ምርጫ፡ ባጤራ ሓቲምካ መንገስታዊ ወጻኢታትካ ምሽፋን ኢዩ ዝኸውን። እዚ ካኣ፡ ብሰንኪ እቲ ዝስዕብ ዝቕባበ፡ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ እቲ ባጤራ ምንቁልቋል የኸትል። ኣብ ብንቡር ዝዓዪ ቁጠባታት፡ ደሞዝ ብመንጽር ኣፍራይነት ኢዩ ዝተመን። ኣፍራይነት እንተዓብዩ፡ ደሞዝ ይዓቢ፤ ኣይፍራይነት እንተጎዲሉ ካኣ ደሞዝ ይጎድል። እቲ ንሓደ ደሞዝተኛ ዘገድሶ፡ ብደሞዘይ ከንደይ ክገዝእ ይኽእል ስለዝኾነ፡ ኣብ ጊዜ ዝቕባበ፡ ደሞዙ ብመጠን እቲ ዝቕባበ እንተዘይዓብዩ፡ ሓቃዊ ደሞዙ (ናይ ምግዛእ ዓቕሙ) ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንደንቆልቆለ ኢዩ ዝኸይድ። ብናቕፋ ንዝኽፈል ደሞዝ ኣብ ኤርትራ ኣመለኪቱ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ “ደሞዝ ኣይተቐየረን። ንዓሰርተ ወይ ዕስራ ዓመት ወይ እውን ልዕሊኡ ይኸውን ደሞዝ ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ።” ኢሉ’ውን ነይሩ። ዝለዚ፡ ኣብ ኤርትራ ነዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ናብራ “ካብ ለዘበንሲ፡ ዓሚ ይሓይሽ” እንዳተባህለ ኢዩ ክሕለፍ ተጸኒሑን ዘሎን። ስለምንታይ?

ከም ኣባሃህላ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንተኮይኑ፡ ምንጪ ናይቲ ጸገም “ናይ ዋጋታት ምውቕቓዓትን (speculations) ናይ ደገ ሽርሒን” ኢዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ “ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብዘይምቍጽጻር ክጋልብ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ኣካይዳታት፡ ብቐንዱ ናይ ደገ ሸርሒ እዩ። እዚ ኹሉ ምዝባዕ (Distortion) ዘተኣታቱ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ደገ ዝለኣኽ ሓዋላ እዩ። ” ቀጽሉ፡ “እዚ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓሰርተ ገለ ዓመታት ክግበር ዝጸንሐ፡ ውዱብ ገበን እዩ። እታ ሃገር ከይትቐስን ምእንቲ፡ ሓዋላ ምእንቲ ከይትጥቀመሉ፡ ‘ክዕገት – ክሕነቕ ኣለዎ’ ተባሂሉ ስለ ዝተሰርሓሉ፡ ነቲ ናብ ውሽጢ ቍጠባ ሃገር ክኣቱ ዘለዎ ሓዋላታት ዝሓንቕ መርበባት ተዋዲዱ። ነዚ ናይ ስለያ ትካላት እየን ዝመርሓኦ። ብደገ ደገ ካልእ ክረኣየካ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ውሽጢ፡ መን የካይዶ? – መን ይመርሖ? እንተ ኢልካ ግን፡ ኣብ ደገ ዘሎ እዩ ዝመርሖ።” እውን ይብል። እስከ፡ እዚ ኣባሃህላ እዚ ማዕረ ክንደይ ኢዩ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ኣባይታ ዘሎ ኩነታት ዝሳነ ንርአ። ቅድሚ ናብቲ ናይ ባሓቂ “ሓዋላ” ድዩ ቀንዲ ምንጪ ናቲ ዝባሃል ዘሎ ምዝንባዕ ዝብል ሕቶ ምፍታሽና፡ መጀመሪያ፡ “ስለምንታይ ኢዮም ኣብ ደገ ዘለዉ ኤርትራውያን ሓዋላ ዝሕውሉ (ገንዘብ ናብ ኤርትራ ዝሰዱ) ዝብል ሕቶ ብውድዕነት ምምላስ ኣገዳሲ ኢዩ እብል።

ዋላኳ ንብዙሕ ምኽንያታት ክኸውን እንተኻኣለ፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ ግን፡ ንኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ንዝተጸገሙ ቤተ-ሰቡ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝገብሮ ሓዋላ ኢዩ። እቲ ንዝተጸገመ ቤት-ሰብ፣ ዘምድ ኣዝማድ፣ ጎሬበት፣ ወዲ-ዓዲ፣ ወ.ዘ.ተ. ምሕጋዝ ሰናይ ስነ-ምግባርን ሓደ ካብቶም ዘኽርዑ ባህልና ዋላኳ እንተኮነ፡ ስለምንታይ ኢየን ኣብዚ ጊዜ እዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራ-ቤታት ነብሰን ዘይካኣላን ተጸበይቲ ዝኾና ዘለዋን፡ ዝብል ሕቶ ምፍታሹ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ ዝብል ገድፍካ፡ እቲ መልሱ ትንታነ ዘድልዮ ኣይኮነን - ስራሕ ዘምህላውን (ሽቕለት-ኣልቦነትን) ዋላ እቶም ስራሕ ኣለዎም ዝባሃሉውን እኩል እቶት ዘይረኽቡ ምዃኖምን ኢዩ። መብዛሕትኡ፡ እቲ ዝሕውል’ውን ትርፊ ረኺቡ ዘይኮነስ፡ እዚ ኩነታት እዚ ኣገዲድዎ፡ ገለ ክልተ ሰለስተ ስራሕ እንዳሰርሐ፣ ገለ ካብ ኣፍ ደቂ ኣንዳ ኣሕደገ፣ ገለ እንዳተለቀሐ፣ ገለ ናይ ጥረትኡ ገንዘብ እንዳሽረፈ፣ ወ.ዘ.ተ. ኢዩ ንዝተጸገመ ቤተ-ሰቡ ገንዘብ ዝሰድድ። ቤተ-ሰቡ ነብሶም ዝኸልሉ ኩነታት እንተዝነብር፡ እቲ ዝሕወል ገንዘብ’ውን ብኡ መጠን ንጎደለ። ስለዚ፡ እንድሕርዳኣ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ናይ ብሓቂ፡ “ሓዋላ” ኢቲ ምንጪ ናይቲ ጸገም ኢዩ ኢሉ ዝኣምን ኮይኑ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢዱ ኢዩ ዘሎ - ሽቕለትን ኣፍራይነትን ዝፈጥር ኩነታት ኣብ ኤርትራ ብምፋጣር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሰሪሑ ከነባብሮን ቤተ-ሰቡ ክኣልየሉን ዘኽእል እኩል ኣታዊታት (ደሞዝ) ከምዝረክብ ምግባር ኢዩ። ብዛዕባ ከመይን ብኸመይን ዝብሉ ዛዕባታት ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ስለዝበልኩን ስለዝጽሓፍኩን፡ ሕጂ ምድጋም ከይከውን፡ ናብቲ ቀንዲ ዛዕባ ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ “ሓዋላ ዲዩ ከ እቲ ናይ ባሓቂ ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ጸገም?” ዝብል ሕቶ ብምምላስ ሳይንሳዊ ፈተሻ/ትንታነ እንተተገብረሉ ጽቡቕ ኢዩ እብል።

ናይ ሓደ ባጤራ ዋጋ ብኻልእ ባጤራ ክትመን ከሎ “ሸርፊ” (Exchange Rate) ይባሃል። ሸርፊ ካኣ፡ ጥቅልል ብዝበለ ክረአ ከሎ፡ (1) ብሕጊ ‘ጠለብን’ ‘ቀረብን’ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ወይ ካኣ (2) መንግስቲ ብዝድንግጎ መጠን ኢዩ ዝውሰን። ኤርትራ: እዚ ኣብ ካላኣይ (2) ዘሎ ኣገባብ ኢያ ትጥቀም። ኣብነት ንምጥቃስ፡ ‘ሓደ ዶላር ብ 15 ናቕፋ’ ክሽረፍ ኣለዎ ኢሉ መንግስቲ ኤርትራ ብዝደንገጎ መሰረት፡ ኣብ ወግዓውያን ናይ መሽረፊ ትካላት ይሽረፍ። በዚ መሰረት ካኣ፡ ሸርፊ ሓንቲ ናይ ኣመሪካ ዶላር ኣብ 15 ናቕፋ ተሸኺላ ንነዊሕ እዋን ጸኒሕ ምልውት ኢዩ። ይኩን’ምበር፡ ‘ሓደ ዶላር ብ 15 ናቕፋ’ ዝብል ዋጋ፡ ምስቲ ብሕጊ ‘ጠለብን ቀረብን’ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ክውሰን ዝኽእል ዝነበረ ዋጋ ክነጻጸር ከሎ፡ ኣዝዩ ዝተሓተ ስለዝኾነ፡ ውሕዳት ኣቕረብትን (ሸየጥትን) ብዙሓት ጠለብትን (ገዛእትን) ዶላር ብምፍጣር፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዕዳጋ ምዝንባዕን ሃጓፋትን ኢዩ ከኸትል ጸኒሑ። ኣብ ከምዚ ዓይነት መጠን ሸርፊ፡ ነቲ መንግስቲ ዝገብሮ ቀዋሚ መጠን ሸርፊ ንምክልኻል፡ ባንኪ ኤርትራ ናይ ወጻእ ሸርፊ ብምግዛእን ብምሻጥን ኣብ ናይ ወጻእ ሸርፊ ዕዳጋ ጣልቃ ክትኣቱ እዩ ዝግባኣ ዝነበረ። ኮይኑ ግን፡ ባንኪ ኤርትራ ንተንቀሳቓሲ ሕሳብ ዘለዎም ግብረ ዋኒናት (ኣምጻእትን ለኣኽትን) ናይ ወጻእ ሸርፊ ኣገልግሎት ኣይትህብን እያ’ውን። ጣልቃ ብምእታው ነቲ ዕዳጋ ከረጋግእዎ ስለዘይካኣሉ ካኣ፡ ጎኒ ጎኒ ዝኸይድ ናይ ወጻእ ሸርፊ ጸሊም ዕዳጋ ከም ዝህሉ ገይሩ። ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ መጠን ሸርፊ ምስቲ ብዕሊ ዝግበር መጠን ሸርፊ ክወዳደር ከሎ ኣዝዩ ላዕሊ እዩ። እተን ፕረዚደንት ኢሳያስ “ናይ ከትሪ ባንክታት” ኢሉ ዝኸሰን ዘሎ “ሓዋላ ዘሽርፋ ትካላት”፡ ኣካል ናይዚ ብኸምዚ ዓይነት ዝተፈጥረ “ጸሊም ዕዳጋ” ኢየን። እዚ’ተን ካኣ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም (እንኮላይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ) ዝዝርጋሕ መርበባት ኣለወን። ብዝሓት’ውን ምስ ትካላት ህግደፍ ዝተኣሳሰራ (እንተስ ብትኩል (Vertical) እንተስ ብጎድኒ (Horizontal) ዝተኣሳሰረ ዝምድና) ምዃነን ይእመን። ንምዃኑ፡ ብኸመይ እየን ዝሰርሓ?

ሓደ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ኤርትራዊ: ገንዘብ ናብ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ስድራ-ቤቱ ክሰድድ እንተድልዩ፡ ናይ ወጻኢ ብጤራ ናብዘን “ሓዋላ መሽረፍቲ” ዝበልናየን ትካላት (ኣብቲ ዝነብሮ ዓዲ ዘለዋ ይኹና ኣብ ካልእ ከባቢ) ይሰድድ፤ ንሳተን ካኣ ነቲ ዝተሰደለን ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ኢደን ምስበጽሐ፡ በቲ ዝተሰማምዕሉ ሸርፊ መጠን፡ ብናቕፋ ሕሳብ ንስድራ-ቤቱ ይህባሉ። እታ ተሽርፍ ዘላ ትካል፡ ወይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ መሻርክቲ ትካል/ውልቀ-ሰብ ክሕልዋ ኣለዎ፡ ወይ ካኣ ካብ ደገ፡ ናብን ካብን ኤርትራ ናቕፋ ተሰኪሙ ዘባጻጽሕ መርበብ ክህልዋ ኣለዎ። እቲ ቀንዲ ክማላእ ዘለዎ ግን፡ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ “ናቕፋ” ምንጪ ክህልዋ ኣለዎ። እዚ ብኸመይ ይማላእ ዝብል ሕቶ ምምላስ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ መሽረፊት ትካል፡ ብዝኾነ ዓቐን ናቕፋ ትጀምር ንበል። ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝርሓ፡ ነተን ዘለዋኣ ናቕፋ ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጥቕሰ ኣገባብ፡ ናብ ናይ ወጻኢ ባጤራ ትልውጠን እሞ ንበል። ኣብ ካልኣይ ዙር ዝርሓ፡ መጀመሪያ ነተን ናይ ወጻኢ ባጤራ ናብ ናቕፋ ክትልውጠን ኣለዋ። ነዚ ንምግባር ክልተ ተኽእሎታት ኣሎ - (1) ነቲ ዝኣከበቶ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ብናቕፋ ምሻጥ (ናቕፋ ሂቡ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዝገዝእ ትካል ክትረኽብ ኣለዋ)፣ ወይ ካኣ (2) ነቲ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ናብ ኣቑሑት ብልዋጥ (ኣቑሑት ብምግዛእ)፡ ነቲ ኣቑሑት ናብ ኤርትራ ኣእቲኻ ብናቕፋ ሸጥካ ናቕፋ ምእካብ። ብኸምዚ ዓይነት ኣገባባት ዝተኣከበ ናቕፋ፡ ኣብ ካላኣይ ዙር ስራሓ፡ መሽረፊ ሓዋላ ትጥቀመሉ’ሞ፡ እቲ ስራሕ ብከምዚ ዓይነት “ዕንኪላሎ (cycle)” ቀጻልነት ይረኽብ። ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቻርት ዘመልክቶ፡ እተን ናቕፋ ሂበን ናይ ወጻኢ ባጤራታት ክገዝኣ ዝኽእላ ትካላት፡ ብመዛሕትኡ፡ ናይ ህግደፍ ትካላት ኢየን። እቲ ናቕፋ ===> ናይ ወጻኢ ባጤራታት ===> ኣቑሑት ===> ናቕፋ ዝልውጥ መስርሕ ብመርበብ “ኮንትሮባንዳ” ዝግበር ኢዩ። ኤርትራውያን፡ ኣብ ዓዶም ዘድልዮም ኣቑሕት ከፍርዩን፡ እቶም ከፍሪይዎም ዘይክእሉ ኣቑሑት ካኣ ብወግዓዊ “ምምጻእን ምልኣኽን (import export) ኣብሎም ካብ ደገ ከምጽእሉ ዝኽእሉሉ ኩነታት ብምፍጣር፡ ናይ ኮንትሮባንዳ ንግዲ ክትቖጻጸሮ ይካኣል ኢዩ። እዚ ካኣ ኣብ ኢዲ መንግስቲ ኤርትራ ዘሎ ኢዩ።

Eritrean-currency-Nacfa-Administration

ይኩን’ምበር፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ እቲ ጸገም ናይ ወጻኢ ሽርሒ ኢዩ ብምባል ኢዩ ንኻለኦት ሓላፍንተ ከሰክም ፈቲኑ። ከምዚ’ውን ይብል፡ “---ኣብ ደገ እንድሕሪ ዝሽረፍ ኰይኑ፡ ሓደ ድኳን ዝኸፈተ ሰብ፡ ዶላር ወይ ዩሮ፡ ወይ ርያል ተቐቢሉ፡ ከመይ ገይሩ ናቕፋ ከቕርብ ይኽእል? እቲ ብማዕረ ማዕሪኡ ዝኸይድ ጥበብ፡ ካብ’ዚ ናቕፋ ተዘቚቝ፡ ክሻታት ተመሊኡ ናብ’ተን ባንክታት ይኸይድ።” ከምዝፍለጥ፡ ኣብ ኤርትራ ናቕፋ ዝሓትም ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካኣ ኣብ ማዓላ የውዕሎ (ንዑዳት ይዝግርሖ)። ስለዚ፡ ዝኾነ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ወጻኢ ዝኾነ ትካል/ሰብ፡ ናቕፋ ሰሪሑ ወይ ገለ ሸይጡ ጥራሕ ኢዩ ክረኽቦ ዝኽእል። እሞ ዳኣ እቲ ናቕፋ እዳዛቖቐ ብክሻታት መሊኡ ብቀጻሊ ናብተን ባንክታት ዝሰድድ ዝባሃል ዘሎ መን ኢዩ? ከመይ ገይሩ ኸ ነቲ ናቕፋ ብቐጻሊ ይረኽቦ? ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ነዘን ሕቶታት ብውድዕነትን ብግቡእ እንተዝምልሰን፡ እቲ ጸገም ኣብ ደገ ዘይኮነስ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምዃኑን፡ እቲ መፍትሒ’ውን ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ንተገንዘበ ነይሩ። ብግደ ሓቂ ኸ፡ ከምኡ ምዃኑ ስለዘተገንዘቦ ዲዩ? መልሲ፡ ንኣንበብቲ እሓድጎ።

እቲ ካልእ ጉዳይ፡ ብዛዕባ ናይ ዕድጊ ኣቕሚ ሃገራዊ ባጤራ (ናቕፋ) ዝምልከት ዝተባህለ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ሓደ ናቕፋ (Purchasing Power)፡ ብኩነታት ኣፍራይነት ዜጋትትን (Labor Productivity) ብቕዓትን ኩነታት ገንዘባዊ ምሕደራ መንትግስትን (Monetary Policy and Money Management) ኢዩ ዝጽሎ። ንናይ ናቕፋ ናይ ምዕዳግ ኣቕሚ ዝቐትሎ ዘሎ፡ ብሰንኪ ምስ ኣፍራይነት ዘይማጣጠን ብብዝሒ ናቕፋ ምሕታም ዝሳዓበ ዝቕባበ (Inflation) ኢዩ:: ዝቕባበ ናይ ምቑጽጻር ሓልፍነት ካኣ ናይ መንግስቲ ኢዩ። እንተ እቲ፡ ዕድጊ ዓቕሚ ሃገራዊ ባጤራ፡ ብመንጽር ናይ ወጻኢ ባጤራ፡ ኣብ ሚዛን እንታይ ኤርትራ ኣፍርያ ንደገ ትሸይጥን (Export) እንታይ ከ ካብ ደገ ትገዝእን (Import) ኢዩ ዝምርኮስ። ብመንጽር እዚ ከረአ ከሎ፡ ሓያል ሃገራዊ ባጤራ ንቑጠባዊ ምዕባለ ሃገር ጽቡቕ ኢዩ ማለት ግን ኣይኮነን።

በቲ ካልእ መልክዑ ክጥመት እንከሎ፡ ኩነታት ሸርፊ ንኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ብቐጥታ ኢዩ ዝጸልዎ። ብኽልተ ነገራት ካኣ ይትንከፍ - ኩነታት ዋጋታት ኣቑሑ ብናቕፋ ኣብ ኤርትራን ኩነታት ሸሪፍን (ሓደ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከንደይ ናቕፋ ይሽረፍ)። ኣብ ኤርትራ ዋጋታት ኣቑሑ ኣይጎደለን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንዳወሰኸ ኢዩ ክኸይድ ጸኒሑ። ብሰንኪ ዝተገብረ ምቕያር ናቕፋ ዝሰዓበ ኣርጎጽጎጽ፡ ዋለ እቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝግበር ሸሪፊ ጎድሉ ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን። ስለዝኾነ ካኣ፡ ዝኾነ ሓዋላ ዝሰድድ ኤርትራዊ፡ ካብቲ ቅድም ኢሉ ዝሕውሎ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ባጤራ፡ ኣኻዕቢቱ እንተዘይ ሓዊሉ (ሰዲዱ)፡ ነቶም ዝሕውለሎም ዝነበረ ስድራ-ቤቱ፡ እኩል ናቅፋ ክሰደሎም ኣይክእልን ኢዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ኤርትራዊ፡ ንቤተ-ሰቡ ወርሒ ወርሒ $100.00 (ሚኢቲ ናይ ኣመሪካ ዶላር) ይሕውለሎም እንተነይሩ፡ ሕጂ ዕጽፊ ወይ’ውን ካብኡ ንላዕሊ እንተዘይ ሰዲድሎም፡ ናይ ወርሒ ወርሒ ወጻኢታቶም ክሽፍነሎም ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ፡ ካብ ዘምጸአ ኣምጺኡ ወሲኹ ክሰድድ ኢዩ ዝግደድ።

Read in PDF (PDF ንምንባብ) ኣብዚ ጠውቑ

Listen Audio (ብድምጺ ንምስማዕ) ኣብዚ ጠውቑ

------------

¹ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ኩነታት “ባጤራ ናቕፋ” ኣመልኪቱ ብዕለት 10 ጥቅምቲ 2017 ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ስነ-ቁጠባዊ ትንታነን ሚዛንን ንምግባርን ንምቕማጥን ዝተጻሕፈ ኢዩ። ማሕበረ-ፖለቲካዊ ትንታነ፡ ኣብ ካልእ ጊዜ ክስዕብ ኢዩ።

ዶር ገብረመስቀል ገብረማሪያም,
VirginiaTeck University, U.S.A.


Share with friends:


See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-

Video: Eritrea President Isaias Afwerki Interview (October 7, 2017) | Eritrean ERi-TV


See also:

past Seminars and Interviews with Dr. Gebre. Gebremariam:
ምስ ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም ዝተገብረ ዕላላትን፡ ዝተዋህበ ኣስተምህሮኣዊ ሰሚናራትን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡-

See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን