ሓድሽ ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን - ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ ስዉር ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሸርሒ (2ይ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

24/02/2019 16:20 PM

ሓድሽ ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ
ስዉር ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሸርሒ
(2ይ ክፋል)

ብ' ገ. ወልደሚካኤል - ካብ ሕ.መ.ኣ.

President Isaias in Addis Ababa, at Millenium Adarash

ሓድሽ ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን
ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ ስዉር ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሸርሒ
2ይ ክፋል
ብ' ገ. ወልደሚካኤል - ካብ ሕ.መ.ኣ.

ወታሃደራዊ ሓይልን ጸጥታዊ ድሕንነት ሃገርን፥ እዚ ስርዓት ኮነ ኢሉ ነቲ ዝተመኮረ ዝናዊ ትካል ስለያ በመደብ ከም ከም ዘፍረሶ ይዝከር። ንገለ ምኩራት ወታሃደራዊ መራሕቲ ዝነበሩ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ንኩለን ዞባታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እቶም ዝተረፉ ዝኣምኖም ወተሃደራዊ መራሕቲ ክማሓደራ ገይሩወን። መንእሰያት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብዘን ወታሃደራዊ ክፍልታት ተወዚዖም ኣብ ጁባ እቶም መራሕቲ ዝኣቱ ሕርሻዊ ማእቶታት ንኸገልግሉ ተቐሲቦም ብዘይ ረብሕ ደሞዝ ክደኽሙን ክግብሩን ተራእዮም። ስለዚ ወታሃደራዊ ሓለፍቲ ኣብ ነጋዶ ተቐይሮም ኣብ ሃብቲ ምኽዕባት ተዋፊሮም ኣብ ነንሕድሕዶም ክወዳደሩ ከለዉ፣ ሃገርዊ ረብሓ ይኹን ሃገራዊ ሓለዋ ፈጺሙ ተረሲዑ ነይሩ። ከም መርኣያ ወይ መርትዖ ክቐርብ ዝኽእል፡ እቲ ናይ ዶብ ኲናት ምስ ተወልዐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዘይ ሓደ ዓጋቲ ብገስጋስ ኣብ ሳልስቲ ዘይምልእ ግዜ ከተማ ባረንቱ ምእታዎም እዩ። ቅድሚ እቲ ኲናት ወከልቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ዕዶታቶም ደጋጊሞም፡ ኣጆኹም ቀደም ንጸላኢ ብዝመንዝዕናዮ ንይገዛእ ርእሱ ብረት ኢና ሓግሒግና ኣውጺእናዮ፣ ሕጂ ግን ከምቲ ጸላኢ ዓጢቑዎ ዘሎ ሸምትና፡ ከምቶም ኣሰሊፉዎም ዘሎ ብዝሒ ድማ ኣሰሊፍና ኢና እሞ ቅሰኑ ከም ዘይተባሃለና፡ ኲናት ጀሚሩ ኣብ ሳልስቱ ካብ ከባቢ ባረንቱ ኮይኑ ጋዜጠኛ ሲንን(CNN-ኣመሪካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና) ኣብቲ ቦታ ኣሰር ሰራዊት ኤርትራ ከም ዘይጸነሖ ዘማሓላለፎ ዘስንብድ ዜና ብእዝንና ሰሚዕና። እዚ ስርዓት ንምኩራት ወታሃደራ መራሕቲ ኣሊኻ፡ እቶም ዝነበሩ መራሕቲ ክኣ ንግዳዊ ዋኒኖም ዓጢጥዎም፡ ርጡብ ሓለዋ ዶብ ዘይብሉ፡ ዕቱብ ሃገርዊ ስለያ ዘይነበሮ፡ ወታሃደርዊ ግንባራት ከየላወበ ሓዶሽድሽ ክብል ዘገርም ኣይኮነን። ህግደፍ ንሃገርን ህዝብን ንሓደጋ ኣሳጢሑዎ እዩ። ትሓታቲ ንይዝኹሉ ድማ ኢሳያስ ምስ ኣማኸርቱ እዮም።

-  ፖሊሲ ትምህርቲ፥ መንግሲቲ ዝተኸቶሎ ትምህርታዊ ፖሊሲ፡ ምስ ዓለም ዝዛመድን ዝተኣሳሰርን ናይ ምርምርን መጽናዕትን ልዑል ትምህርታዊ ትካላት ስለዘይተደልየ፡ ነታ ብትግሃት ዘይጽዓዱ ግዱሳት ዜጋታት እግሪ ኣብ ምትካል ስራሓ ተጻፍፍ ዝነበረት ዩኒቨርሲቲ ብኣጋኡ ዓጽዩዋ። ካልኦት ኣብ ክንዲ ብምሁራት ሞያውያን ዜጋታት ዝማሓደራ፣ ብወታሃደራዊ ሓለፍቲ ዝካየዳ በቲ ስርዓት ዝደለዮ መራሓ-ትምህርቲ ተኸቲለን ዝምህራ ላዕለዋይ ደርጃ ትምህርቲ ከም ብዓል ማይ ንፍሒ፡ ሃመልማሎ ዝኣምሰላ ትካላት ተተኪአን። ይኹን እምበር፡ ንሳተን'ውን እንተኾና፡ ነጻነት ዩኒቨርስቲ ይኹን ናውቲ ትምህርቲ ዘይውንና፡ ብ'ንፍርዲ ኣይርትዑና' ዝግለጻ ኮለጃት እየን ነታ ዝነበረት እንኮ ዩኒቨርሲቲ ተኪአንኣ። ተማሃሮ ኣብ ክንዲ ናይ ትምህርቶም ዋኒን ዝገብሩ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሓት፡ ምኹዓትን ምስካም እምኒን፡ ሕርሻዊ ንጥፈታትን ተዋፊሮም ኣይንሃገር፡ ኣይንርእሶም ወይ ኣይንስድርኦም ግዜ ንእስነቶም ብኸንቱ ከባኽኑ ተቐሲቦም። ስለዚ ስርዓተ-ትምህርቲ ክምዕብል ስለ ዘይተድልየ ንቕድሚት ኣይሰጎመን።

-  ሰብኣውን ማሕበራውን ፖሊሲታት፥ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብምሁራትን ክኢላታትን ዜጋታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ሜድያታትን ብሰፊሑ ተሰኒዱ ስለዘሎ ኣብዚ ምዝርዛር ዘድልዮ ኣይመስለንን። ምስ'ዚ ኣርእስቲ ዝተኣሳሰር፡ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ሒደት ግን ኣሎ ። 'መሰጋገሪ መንግሲቲ ኤርትራ' ድሕሪ ናጽነት ዝተኸተሎ መርዛም ሜላ፡ ተጋዳላይን ገባርን ብዝብል ፈላላዪ መንገዲ ኣብ ነንሕድሕዶም ከም ዘይትኣማመኑን ከምዝጠፋነኑን ገይሩ። ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታት ኢዱ ብምምላስ ድማ ንህዝቢ እንዳተዃቶኸ ሹት ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ ሃይማኖታት ዝብሎም ከም ብዓል ናይ የሆዋ መስኻኽርን፡ ጴንጠቆስታልስን ከም ዘዕገርግሩን ከም ዝህንደድዎምን ኣንዳገብረ ምሕበራዊ ምፍልላይት ጽልእን ድሕሪ ምፍጣሩ፣ ብፖሊስ እንዳትሃድኑ ካብ ቤት ጸሎታቶም ተተጎቲቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዳጎኑ ተገይሩ። ነዊሕ ከይጸነሐ ክኣ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘራይ የብላን ኢሉ ዝደንደና ኦርቶዶክስያዊት ቤተ ክርስትያን፡ ንመንፈስያዊ መራሒኣ ብጽእ ኣቡነ ኣንጦኒዮስ ካብ ስልጣኖም ብጎነጽ ኣልዩ ብኻልእ ከም ዝትክኡ ብምግርባር ኣብ መንጎ መእመናን ኦርቶዶክስ/ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ክልተ ጉጅለ ኣብ ምፍጣር ተዓዊቱ ። ኣብ መንጎ ጉጅለ ስዓብቲ እቶም ብምትእትታው መንግስቲ ዝተመርጹ ሓዲሽ መራሒን፡ ጉጅለ እቶም ብኦርቶዶክድስያዊ መንፈሳዊ ንቡር በገባብ ዝተመርጹን ናይ ቀደም መራሒ ስዓብቲን ብርቱዕ ጽልእን ቅርሕንትን ኣኸቲሉ። ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ህዝቢ ብረቂቕ ስልቲ ናይ ኣውራጃን ሃይማኖትን ስምዒታት ኣተኣታትዩ ኣብ 'ድያስፖራ' ኣብ ውሽጢ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረ-ኮማትን ፖለቲካዊ ተቓወምትን ቅልውላው ፈጢሩ ፋሕ ጭንግራሕ ከም ዝብላ ኣብ ምግባር ተዓዊቱ እዩ።

ብካልእ ወገን ድማ፡ ጻዕቂ ተምሃሮ ኣብ ከተማታት ናይ ተቓውሞ ኣድማታት ከየስዕብ ስለ ዝሰገአ፡ መንእሰያት ካብ ወለዶምን ዝነብርሉ ከተማታት ንምርሓቕ ብስም ሃገርዊ ኣግልግሎት መዓስከር ሳዋን፡ ቤት ትምህርቲ ሳዋን፡ ከም መመልመሊ መንእሰያት ወታሃደርዊን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ህግደፍ ተመስሪተን። ኣብቲ ውሉዳት ምእላይን ምልመላን ወለዶም ዘድልዮም ግዜ፣ ወለዲ ድማ ሓገዝ ደቆም ዘድልዮም ግዜ ክፈላለዩ ተገዲዶም። እቲ ብድሕሪኡ ዝስዓበ ዝገደደ ስድራቤታዊ ምዕናውን ምፍልላያትን ዘኸተለ ክኣ፡ እቶም መንእሰያት ናይ መጻኢ ሂወቶም ብኹሉ ተስፋ ስለ ዝቖረጹ ዝፈትውዎም ስድርኦምን ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ እግሮም ዝመርሖም ክነፍጹ ተገዲዶም። ጨሚትካ ቅተል ዝብለ ፖሊሲ መንግስቲ በዲሆም፡ ናይ ኣሳገርቲ ጭካኔን ኣደራዕን ተጸሚሞም፡ ግሊኦ ኣብ ምድረ-በዳ ሳሃራን ሲናይን፡ ግሊኦም ድማ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሬስኦም ንቡር ሓምድ ኣዳም ከይለበሰ ኣብ ፍቐድኡ ረጊፉ ተሪፉ እዩ። እቶም ብትኣምራት ዝዳሓኑ ወይ ብሂወት ዝተረፉ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ማኣዝናት ክፍለ-ዓለም ከም ደቂ ዛግራ ተበታቲኖምን ተዘሪኦምን ይርከቡ። ስርዓት ህግደፍ ብስግረ-ዶብ ንስድርኦም ከም ዘየጋፍዐ፡ ጨሚትካ ቅተል ዝብል ትእዛዝ ከም ዘየማሓላለፈ፡ ኣብ ፍቕዶ መሬት ሲናይ ኮላሊቶ ክቚረጽ ዘይተገደሰሎም፡ ኣብቲ ዝበጽሕዎ ዓዲ ሰሪሖም ናብራ ክምስርቱ ከለዉ እዩ ድሃዮም ዝገበር። ህግደፍ ንኹሉ ነገር ብረብሓ ገንዘብ ስለዝጥምቶ ነዞም ውጻእ-ምዓት መንእሰያት እንዳቀረበ እዚ ቅጥዒ መሊእኩም ይቕረታ ሓቲትኩም ንዓዲ ከም ድላይኩም ክትመላለሱ ትኽእሉ ኢኹም ይብሎም። ሕጂ'ውን ሓሊሎም ዘይኮነ ኩሉ ኤርትራዊ ዓዱን ስድርኡን ከም ዝፈቱ ስለዝፈልጥ ነዚ መዝሚዙ ነተን 2% ክፍሊት ክምእርር፡ ኣብ ፍቐዶ ዝገብሮ ብስም ፈስቲቫል ጓይላን ዳንኬራ ገንዘቦም ከራግፎም ከምኡ'ውን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ሒዞም ናብ ዓዲ ተመሊሶም ወጥሪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ናይቲ ስርዓት መታን ከቃለሉ እዩ። ብዝሒ እቶም ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝሰጊሮም ናብ ስደት ዘምርሑ ኣሻሕት መንእሰያት ንኤሮጳውያን ብሕልፊ ኣዚዩ እሻቒሉዎን ኣሰንቢዱዎምን እዩ። በንጻሩ ንስርዓት ህግደፍ ግን ከም መደራደሪ ናይ ምልዮናት ነጻ ሓገዝ ንምርካብ ዋኒን(business) እዩ ከፊትሉ። እዚ ንኤርትራ ከም ሃገር ብኣሉታዊ መንገዲ ከላልያ ዝኸኣለ ፍጻሜ'ዚ፡ ቆላሕታ ምሉእ ዓለም ዝስሓበ ስለዝኾነ ብማሕበርዊ ሜድያታት'ውን ይጋዋሕ ስለዘሎ ተውሳኺ ምግለጺ ዘድልዮ ነገር ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ንዓና ዘሻቕልን ዘሰክፍን ግን ሃገርና ኣብዚ እዋንዚ ትጓሕጒሓ ብዘይ መንእሰይ ጥራያ ምትራፋ እዩ። ሸርሕን ድሌየትን ኢሳያስ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ንምብጻሕ እዩ ዝነበረ።

ኣገልግሎት ዜናን፡ ዝርጋሐ ሓበሬታን፥ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መጀመሪያ 2000 ዓም፡ ነተን ዝዕንብባ ዝነበራ ሓደስቲ ኣገልግሎት ዜና ዘቕርባ ዝነበራን ብሕታውያን ትካልት ዓጺዩ፡ ዝሕተሙ ዝነበሩ ጋዜጣታት ከልኪሉ፣ ኣዳልውተን ኣብ ቀይዲ ኣእቲዩ ሃገርና ብዘይ ብሕታዊ ማዕከናት ዜና ከም ትተርፍ ገይሩ። ብስርዓት ህግደፍ ዝውነኑ ማዕከን ዜናታት ድማ ንመራሒ ሃገር ክውድሱን ሓሶት ከራብሑን ብዙሕ ጸጋታት ሃገርና የጥፍኡ ኣለዉ። በንጻሩ ድማ ህዝብና ካብ ዓለም ተነጺሉ ጥራይ ዘኮነስ ብዛዕባ ልዑላውነት ሃገሩን መጽኢ ዕድሉን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣትዩሉ ዘሎ ህሞት'ውን እንተኾነ ሓቂ ሓበሬታ ተነፊግዎ ኣብ ጸልማት ይርከብ። ብማሕበራዊ መራኸቢ-ብዙሃን( Internet) ተጠቒሙ እቲ ሓቂ ጉዳይ ሃገሩ ከይፈልጥ ምእንቲ ድኹም ትሐተ-ቅርጺ መስመራት መራኸቢ ጥራይ ስለ ዝተፈቕደ፡ ካብ 'ኢንተርነት' ተማሂሩ እውን ኣብ ሂወቱ ብመጠኑ ጠቓሚ ለውጢ ከይገብር ትኾኒኑ ይርከብ። ህዝቢ ሓቂ ከይፍልጥን ደንቊሩ ክተርፍን ዝግበር ጻዕሪ ምስቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ስርዓት ዝዛመድ እዩ።

ሕሰም ናብራ ህዝቢ፡ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብግዜ ሃይለስላሰን ደርግን ዝረኽቦ ዝነበረ ውሑድን መባእታዊን ኣግልግሎት ከቕርበሉ ኣይካለን ጥራይ ዘኮነስ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ትጠቒሱ ዘሎ ራህዋን ቅሰነትን ህዝቢ ብመትከልን ዕላማን ስለ ዘይተደልየ ኣየቕረበሉን። ብሓፈሻ ኣግልግሎት ጽዓት ብፍላይ ክኣ ዕለታዊ መብራህቲ፡ ክምኡ'ውን ዝስተ ማይን ብዘይምቕራቡ፡ ንህዝብና ኩሉ ግዜ ኣብ ከርበትበትን ቅልውላውን ክነብር ኮኒኑዎ እዩ ጸኒሑ። ብውጥሪ መጓዓዓዚ፡ ብዋሕዲ ቀረብ ዕዳጋ፡ ብናህሪ ዋጋ መግቢ ወትሩ ከም ዝሳቐን ኣብ ናይ ቅልውላው ዓዘቕቲ ናብራ ከም ዝሽመም ተገይሩ። ባጤራ ሃገር እንዳቀያየርካ፡ ፊናስያዊ ፖሊሲ፡ ሕጊ ምውጻእ ገንዘብ ካብ ባንክ፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ባጤራ ንነጋዶ ብምኽልካል፡ ብህግደፍ ዝውነና 'ርትዓዊ ድኳንት' ዝባሃላ ንነጋዶ ዘዳኽማ ዋኒናት ወዘተ ዝኣምሰሉ ንህዝቢ ዝጎድኡ ሜላታት እንዳተጠቕመ እቶም ውሑዳት ሰብ ገንዘብ'ውን ገንዘቦም ከይሰርሑሉን ከይጥቀምሉን ገይሩ። ከምቲ ሓደ ኤርትራዊ ጽሓፊ ዝበሎ" ናይ ሻዕቢያ/ህግደፍ ፖሊሲ ቆሪጽካ ኣደላድል እዩ" ማለት ነቲ ድኻ ሓጊዝካ ምስቲ ሃብታም ተማዓራርዮ ዘኮነስ ብንጻሩ ነቲ ሃብታም ዶቚስካ ምስቲ ድኻ ተማዓራርዮ ወይ ተደላድሎ። ኣነ እኳ ናይ ሻዕብያ ፖሊሲ ኣይምበልኩዎን ናይ ህግደፍ ግን ኣማን ብኣማን ሓቂ'ዩ። ነቲ ድኻ ህዝቢ ንፍጣር ዝዓለመ ሸርሒ ናይዚ ስርዓት'ዚ ብሓጺሩ ጽቡቕ ገይሩ ዝገልጽን ዘቃልዕን ጠቕሲ ኮይኑ ረኺበዮ።

ሓድሽ ዝምድና ኤትራን ኢትዮጵያን፡ ስዓት ህግደፍ ኢትዮጵያ ካብ ልዕላወንት መሬትና ከይወጸት፡ ዶብ ከይተሓንጸጸ ምስ ወያኔ ኣብ ጠረቤዛ ኮፍ ኢልና ኣይንዘራረብን ኢና ዝብል ቅድመ-ኲነት ኣቐሚጡ ንህዝብና ንዓመታት ጅሆ ሒዝዎ ከም ዝጸነሐ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ሕጂ ግን ከምቲ ምስላ ኣቦታት ዝብሎ"ክውዐየካ ብማንካ ክዝሕለካ ቢድካ" ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ፡ ምሕንጻጽ ዶብ ኣድላይነት የብሉን ዝብሉ ጣቛ ዘይብሎም ሃልውሎዋት ኢሳያስ፡ ኣብ ልቡ ንነዊሕ ግዜ ተሓቢኡ ዝነበረ ምስጢር እዩ ተጋሂዱ። 25 ዓመት ከሲርና ኢልና ነይርና፡ ሕጂ ግን ብሓቂ ኣይከሰርናን ዝብል ከቢድ ትርጉም ዝሓዘለ ዘረባ ኢሳያስ፡ እንታይ እዩ ጉዱ? ካብ 2018-1991 ክሳዕ ብረታዊ ዓወት ቃልሲ ኤርትራ እንተቆጸርና 27 ዓመታት እዩ ገይሩ፣ ካብ 2018-1998 ክሳዕ ናይ ዶብ ዳግማይ ኲናት እንተቆጸርና ድማ20 ዓመታት እዩ ኣቚጺሩ፣ ካብ 2018-1993 ክሳዕ ረፈረዱም ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምንጻል ዘድመጸሉ እንተቆጸርና ድማ ልክዕ 25 ዓመታት እዩ ሓሊፉ። ስለዚ ኣዘራርባ ኢሳያስ ብሃንደበት ዝወጸ ዘይኮነ፡ ሓሲቡ25 ዓመታት ከሲርና ዝበሎ ትርጉሙ ነቲ ብልዕሊ 98% ድምጺ ኤርትራውያን ዝጸደቐ ወይ ዝተመረቐ ናጽነት ሃገርና ወይ ሕጋዊ ዝለበሰ ምንጻል ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ እዩ ከም ክስራን ዝነበረ ቆጺሩ ኣዳዕዲዑ ኣፉ መሊኡ ዝዳሕደሖ። ኢሳያስ ብነጻነት ኤርትራ ሕጉስ ኣይነበረን። ስለዚ ብነጻነት ሕጉስ ስለ ዝይነበረን ስለ ዘይተዋሕጠሉ እዩ ክኣ፡ ፍሽኽታ ወይ ፈገግታ ዘይብሉ ሓዘንተኛ ክመስል ኣብ ዝሓለፉ ኩሎም ሃገራውያን ጽንብላትን ብዓላትን፡ ኣብ ክንዲ ሃገርና ወይ ህዝብና ዝብል ኣጸዋውዓ፡ እዚ ሃገር'ዚ ወይ እዚ ህዝብ'ዚ ብዝብል ናይ ጓና ኣጸዋውዓ መደርኡ ዘውትር ዘስምዕ ዝነበረ። ሎሚ ግን ሓሳብ ልቡ ሰሚሩልይ ኢሉ ስለ ዝኣመነ ተሓጒሱ'ከም ስዋኣ ዝጣዓመላ መበለት' ኣፉ ክሳዕ ዝቕደድ እንዳስሐቐ፡ ከብዲ ኢዱ እንዳስዓመ ምስ ኢትዮጵያውን መራሕቲ ተሓቛቚፉ ወደኽደኽ እንዳበለ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኢድ ክነስእን ክሰግድን ንዕዘብ ዘለና። ንኢትዮጵያ ክሳዕ ደሙ ክኸፍለላ ቁሩብነቱ ክገልጽ'ውን ሰሚዕና ። እዝስ ተሓጺብካ ኣብ ጭቃዶ ኣይኮንን? ኣፋሉን መደቡ እዩ።

በንጻሩ ግና ነቶማ ንሃገሮም ነጻ ዘውጽኡ ጀጋኑ ኣብ ፍቖዶ ጎዳጉዲ ዳጒንካ፡ ንወለዲ ስዉኣትን፡ ንዕድሚኡ ምሉእ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ ህዝቢኻ ዘይተዋህቡ ሞሳን ፈገግታን ምትሕቑቛፍን ኮነ ኢልካ ነቲ ዘድመዮ ሃገርን ደመኝኡ ዝኾኑ መራሕቲ ኢትዮጵያን ምልሕሓስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጽልእን ንዕቀትን ቅርሕንትን ጥራይ እዩ ዘስምረሉ ዘሎ። ንቀዳማይ ምኒስተር ዶር ኣቢይ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ካብ ልበይ ኢየ ዝዛረብ ዘሎኹ ዝብል ብተደጋጋሚ ንመራሒ ኢትዮጵያ ክውድሶን ክሸሞን ሰሚዕና። ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ስርዓተ-ሕጊ ብዘይ ቁዋም ከም ውልቀ-ምላኺ ዝዳሃኾ ከይኣኽሎስ፣ ወለዶታት ዝወሰደ ቃልሲ ህዝቢን ሂወት ኣማት ኣሻሓት ዝተኸፍለሉ ልዕላውነት ሃገር፡ ናብ ክፈል-ሃገር ኢትዮጵያ ክትቕይሮ ክፍትን፣ ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ብቑዕ ሰብ ከም ዝተሳእነ ያኢ ንስኻ ኢኻ መራሒና ክብሎ መስኪርና። እወ እዚ ንያትን ሞራልን ኤርትራውያን ንምስባር ብመደብ ዝተገብረ ውዲት ምዃኑ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ይኹን እምበር በንጻሩ ብቚጥዓ ሰረ ዝዕጥቐና ሓቦ ዘግብረና ብድሆ እምበር ስረና ዘፍትሕ ወይ ምራልና ዝሰብር ኣይኮነን።

ነገር ግን፡ እቲ ንነዊሕ ግዜ መልሱ ከይተጋህደ ዝጸነሐ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ፡ ሎሚ ከም ጽሓይ ቀትሪ በሪሁ እዩ። ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ መን ምዃኑ ተጋሂዱ እዩ። እሞኸ ሕጂ እንታይ ይገበር ዝብል ዓቢይ ብድሆ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ይጽበየና ኣሎ። ምስላ ኣቦታትና "ድሕሪ ሰልፋ እንታይ ተረፋ" ከም ዝብሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ደጊም እንታይ እዩ ክጽበ። ከምቲ ልሙድ ኣዘራርባ ከም ዝመስለኒ ገይረ ከቕርቦ "ሓንሳእ እንተ ጸፊዕካ እቲ ዝጽፍዐ በዓለገ እዩ፡ ክልተ ግዜ እንድሕር ጸፊዕካ ግን ንስኻ ኢኻ ሕማቕ"። እወ ድሕሪ 28 ዓመተት ነጻነት፡ ሃገርና ኣብዚ ደረጃዚ ድሕሪ ምዳቓ፡ እዚ ብድሆ'ዚ ምልዓል ከም "ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ" ወይ ድማ "ድሕሪ ጥራጥ እግሪ ይእከብ" እዩ ነገሩ። ኮይኑ ግን ካብኡ ዝገደደ ንልዑላውነት ሃገር ዝፈታተን ደበና የንጸላሉ ስለዘሎ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ምጽባይ ምርጫ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን'ዚ ዝርአ ዘሎ ቀይዲን ቅጥዐን ዘይብሉ ምዕባሌታት ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኹሉ መዳያቱ ብቁጠባዊ ብፕለቲካዊ ብማሕበራዊ ብጸጥታዊ ልዕሊ ኩሉ ድማ ልዕላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስለዝኾነ፡ ይጽንሓለይ ዘይብሃል ቅሳነት ዘይህብ እቕልቦን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓትት ናይ ቀዳምነት ቀድምነት ዝስራዕ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ደጋፊ መንግስቲ ይኹን ተቓዋሚ ከምኡ'ውን ኣብ ቃልሲ ዘየለ፡ ብፕለቲካዊ ይኹን ብንዋታዊ፡ ኮታ ብዘለዎ ጸጋ ሃገሩን ህዝቡን ብሰላሕታ ናብ ኣርዑት ዳግማይ መግዝእቲ ከይምለሱ፡ ዝክኣሎ ተሳትፎን ኣበርክቶን ክገብር ሃገር ንኩሉ ዜጋ ትጽውዕ ኣላ። እዚ ሃገራዊ ግቡእን ሞራላዊ ግዴትን ሓልፍነትን ኩሉ ወዲ ሃገር ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይመስለንን።

ልዕላውነት ኤርትራ ንዘላኣም

ዝኽሪ ንሰማእታትና

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ

ገ. ወልደሚካኤል
ካብ ሕ.መ.ኣ.

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ

1ይ ክፋል ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


See also recent Articles by ገ. ወልደሚካኤል:

Berhane Abrehe Message to Eritrean People and Isias Aforki



See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS

Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን



Share with friends: