ኣገዳሲ መግለጺ ግዝያዊት ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

04/01/2019 23:27 PM

ኣገዳሲ መግለጺ ግዝያዊት ሽማግለ

ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ

28 December 2018


ግዝያዊት ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ


ኣገዳሲ መግለጺ ግዝያዊት ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተቃሊሱን ጸሪጉን፣ ስርዓተ-ሕጊ ዝሰፈና፣ ሰብኣዊ መሰል ዝኸብረላ፣ ሂወት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ብትካላት ተሰርዑ፣ ንህዝቡ ኣገልግሎት ዝህብ መንግስቲ ተመስሪቱ፣ ብምዕብልና እትስጉም: ዶባ ዝተኸለለን ልዑላዊት: ዘበናዊት: ሲቭካዊት ኤርትራ ንምምስራት እዩ ነይሩ´ቲ ዕላማ። ግን ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ እቲ ንሃገራዊ ነጻነት ንሰባዊ ክብርን ዘካየዶ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ፣ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ተዓዊትሉዓ´ኳ እንተኾነ ጌና ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ውልቃዊ ምልኪ ተቆሪኑን ባርነታዊ ሂወት የሕልፍ ምህላዉ ንተቃላሳይ ፍትሒ ዘካትዕ ኣይኮነን።

እቲ ህልዊ ኩነታት ሃገረን ህዝብን ኤርትራ ግን ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ። ምድሓን ሃገርን ሃለዋት መንነት ኤርትራውነትን ምርግ ጋጽን ፣ ቀዳምነት ዝዋሃቦ ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ። ተቃላሳይ ንፍትሒ ብሓባር ናይዚ መንነትና ዝፈታተን ዘሎ ጸላኢና መን´ዩ ብምምልላይ፣ ናይ ከመይ ንቃለሶ መዓዝን ከነነጽር ይግባአ።

እንተዀነ ግን ኣብ ናይ ውድባዊ ጸቢብነትን በርገሳዊ ማሕበር ዴሴትነት ሃለዋት ተቃለስቲ ፍትሒ ኤርትራ፣ ነቲ ዝጥለብ ምምላእ በዓልቤታዊ ረቛሒ ብኲራት ኮይኑ ይርከብ። እቲ ወድዓዊ ኩነታት ንናይ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ናይ ፍትሒ ተቃለስቲ ብሱል ከምዝኾነ ብመጽናዕታት እንተረጋገጸ ከይዱ እዩ። ተቃላሳይ ንፍትሒ ኣብ ዲያስፖራ ብዓቀን ይኩን ብዓይነት ሰሲኑ ይርከብ።

እቲ ምልክታት ብስለት ቃልሲ ንፍትሒ፣ ብተግበግሶታት ውልቀሰባት ይኹን ብማሕበራት ብምጥርናፍን ብምትእስ ሳርን ኣብ ኩሉ ከተማታት ክፍለ ዓለማት ውደባታት ናይ ሰብኣዊ መሰል ተቃለስቲ፣ ኤርትራዊ ባህሊ ንምዕቃቡን ንምምሕልላፉን፡ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ንምትሕግጋዝን። ነቲ ብሰንኪ ጸረ ሃገር እሰያስ ሕሱም ጭኮና፡ ኣደዳ ስቓይ መጭወይቲን፣ ማእሰርትን ዕስክርናን ዝኾነ መንእሰይ ከም ዝተሓተ ደረጃ ናይ እምብይታን ቃልስን ስደት ዝመረጸ፣ እዚ ስቓይን ባርነትን በርቲዕዎ እግሩ ናብ ዝመርሖ ፋሕ ዝብል ዘሎ ሕዝቢ ሪኣኻ፣ እዛ ሃገር ጥርሓ እንዳ ተረፈት ከም ሰብ ሰብኣዊ ሕልናካ ንምርዋይ፣ ከም ኤርትራዊ ድማ ሃገርካን ህዝብኻን ኣብ ናይ መወዳእታ ንሃሉዶ ኣይንሃሉን ሕቶ ወዲቑ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እንዳሬአኻ፣ ነቲ ኩላትና ንፈርሖን ከይመጸና ንስከፈሉን ዘሎና ዳግማይ ሃገረኣልቦ ከይንኸውን ሕልናኻ ዝብርብርን፣ ክትቓለስ ዘገድድን እዋን ኢና ዘሎና። ኣብቲ ዝስደደሉ ሃገራት ናይ ቋንቋን ናብቲ ሕብረሰብ ዝኣትወሉ ዝላለየሉን መንገድታት ኣብ ምጽራግ ዝተሓጋገዙ መስርሓት ዘሳላስላ ዑቊባት (Associations) ፍሩያት ኮይነን ንላዕሊ ምውጽኣን ንወንኻን ሕልናኻን ኣለዓዒሉ፣ ኣነኸ እንታይ ይገብር ኣለኹ፧ ዝብል ሕቶታት ክተልዕልን ክትሳተፍን ዝገብር ጥጡሕ ባይታ ተፈጢሩ ኣሎ ። ብዝያድ ከኣ ተደላይነት ብሓባር ምቅላስ ዘበስርን ዘነጽርን ኣብ ኩሉ ጽፍሒ መስኖታት ተቃለስቲ ፍትሒ ማለት ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ፡ፓል ቶክ፣ ፈይስ ቡክ፣ ትዊተር፣ ዩቱብ፣ መርበባት ሓበረታታት ኤርትራውያን (ወብ ስይትስ): ናይ ረድዮ መደባትን ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታትን ናዕብታትን ዝለዓል እዋናውን ህጹጽነት ዘለዎን ሕቶ ስለምንታይ ብከተማ፣ ብሃገር፣ ብዞባ: ብዓለም ተጥርኒፍና ቁምነገር ዘይንገብር ዝብል ናህሪ ይርአ ኣሎ።እዚ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ምስ ናህሩ ዝኸይድ ዘሎ ተበግሶታት ንምሕያሉን፣ ብንቅሓት ክድንፍዕ ንምውዳቡን ከኣዩ: ኣብ ፈቀዶ ከተማታት ኣመሪካን ኤውሮጳን እስራ ኤልን ፈስቲቫላት፣ ሰሚናራት፣ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ናይ ተለፎን ኮንፈረንሳት፣ ብረድዮታትን ብምኩራትን ምሁራትን ኣስተምህሮታት ዝካየድ ዘሎ። እዚ ነቲ ጸረ ሃገርን ህዝብን ዝኮነ ውልቀ ስርዓት ከም ራቦት ከደምቱን ኣርዒድዎም ከምዘሎ ክዝረበሉን ክጸሓፈሉን ይግባእ። ተቃላሳይ ንፍትሒ ከኣ ከም ውጺኢት ቃልሱ ክሕበነሉ ኣለዎ።

ኣብቲ ነዚ መግለጺ ከነውጻእናሉ ዝመረጽናዮ ጉዳይ ንምእታው፡ ኣብቲ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሃንደበታዊ ዝተፈጥረ ስቱር ርክክባት ንህዝቢ ኤርትራ ጎስዩ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ተዓዛቢ ክኸውን ብምግባር: ጸረ ሃገርን ህዝብን ኢሰያስ - ከምቲ ወትሩ ሕጂ´ውን ንህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ስቱር ውዕላት ሃገሩ ኣዋሲኑ ካብ ዝኾነ ሓቤሬታ ዓፊኑ: ዕድል መጻኢ ኤርትራ ንበይኑ ክውስን ላዕልን ትሕትን ኣብ ዝብለሉን፣ ስጥመት ሓድነታዊ ዕግበታቱ ብስሚዒት ዝገልጸሉን፣ ንህዝቢ ኤሪትራ መራሒኡ ኣብ ዝመርጸሉን፡ ታሪኽ ትፈሊጥ እንተኮንካ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈልየካ ስለዘየለ ምድማርካ ዘኽስረካ የልቦን፣ ብማለት ሕቡእ ውዕላት ኣብ ኣስመራ፥ ኣዲስ ኣበባ፥ ርያድ ኣብ ዝኽትመሉ ዘሎ ኵውን ነት ሓላፍነትና ወሲድና ካብ ንብገስ ድሮ ሓሙሽተ ወርሒ ኣሕሊፍና ኣሎና።

እዚ ብ14 ሓምለ ዝተበገሰ ናይ በርገሳውያን (ሲቭክ) ማሕበራት ምንቅስቃስ፣ ብፍላይ ኣብዚ ኣሻቃሊን ተኣፋፍን፣ ህልውነት ሃገርን፡ መንነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታተን ኩነታት ኩሉ ኤርትራዊ ተቃላሳይ ንፍትሒ ብሓባር ናይ ምቅላሱ መኣዲ ምፍጣር: ወሳኒ መሰረታዊ ዕላማኡ ብምግባር እዩ። ኩሉ ተቃላሳይ ንፍትሒ ነዚ ተረድ ኦ ´ዚ ተግባራዊ ንምግባርን ኣብ ባይታ ንምትግባሩን ሓንቲ ግዝያዊት ሽማግለ መሪጹን፣ ዕማማታ ኣነጺሩን። ካብተን ዕማማት እተን ናይ መጀመርታ ክልተ ድሮ መግለጺ ብምውጻእን: ደብዳበ ብቛንቋታት ትግሪኛን፣ ዓረብኛ፣ እንግሊዘኛን ንናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር: 30 ዝኮና በርገሳዊ ማሕበራት ዝፈረማሉ ብምርካብን: ኣብ እዋኑ ፈጺማቶ። እቲ ዝተረፈ ዕማማት ጽዑቅ ጎስጓስ ንህዝባዊ ናዕቢ ንምክያድን፣ ነቲ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቅ ብዝሑነት ንምርግጋጽ፣ ምስ ካልኦት ምንቅስቃሳት ሓባራዊ ስርሓት ምስልሳልን፣ ድልየትን ርእይቶታትን ህዝቢና ዘኽብር ኣገባብ ኣሰራርሓ ምህንዳስን፣ ንነዊሕ ቅድሚት ዝጠመተ ብሃገር ደርጃ ዘድምዕ ውጺኢት ንምምዝጋብ ዝሕግዝ ወከሳታትን መጽናዕትታትን ንምክያድ እታ ግዝያዊት ሽማግለ ናተይ ኢላ ተተሓሓዘቶ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናሃሎና ከኣዩ ነቲ ናይ ጸረ ሃገርን ህዝብን ኢሰያስ ዘካይዶ ውዕላት እምብይታን፣ ኣይውክለናን እዩ ዘስምዕ ኣብ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተኻየደ።

ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ብዕለት 31 ነሃሰ ብዓወት ተዛዚሙን፡ ብዕለት ባሕቲ መስከረም (መዓልቲ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ) ከአ ኣኼባ ብምክያድ ሓንቲ ሓይሊ ዕማም መሪጹ። እዚ ሓቤሬታ´ዚ ከኣ በቶም ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተረኽቡ ኣባላት ግዝያዊ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ተበሰረ። ግዝያዊት ሽማግለ ኣኼባኣ ብምክያድ ነቲ ዝተረኽበ ሓበረታትን፣ ዘካየደቶ ስርሓትን ጸብጻባ ንምቅራብ ተዳለወት። ብዕለት 17 ሕዳር ከኣ ነቲ ዝመረጸ ህዝባዊ ምንቅስቃስትን: ነቲ ካብ ጀነቫ ዝተመርጸ ሓይሊ ዕማምን ኣኼባ ጸወዐት። ቀንዲ ትሕዝቶ ኣኼባ ጸብጻብ ግዝያዊ ሽማግለ ምስማዕን ዘተ ምክያድን፣ ምስ ሓይሊ ዕማም ጀነቫ ከመይ ዓይነት ርክክባትን ምውህሃድን ይካየድ መደባት ምስራዕ ፣ ግዝያዊት ሽማግለ እቲ ዝተዋህባ ናይ ሓላፍነት ግዜ 3 ወርሒ ኣብቂዑ ስለዝነበረ፣ብዛዕባ ቀጻልነት ሽማግለ ከመይ ይኹን ዝብል ይርከቦ። ኣኼባ ዘድሊ ምምይያጣት ድሕሪ ምግባር፣ ምስታ ሓይሊ ዕማም ጀነቫ ርክክባትን ምውህሃድ ክጅምርን፣ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቃስት ኣስማት ሓቤሬታት ኣኪብካ ዳታ በይዝ (Data Base) ክትሓዝ፣ እታ ግዝያዊት ሽማግለ ከኣ ንክልተ ወርሒ ክትቅጽል ወሲኑ።

ግዝያዊት ሽማግለ ብቀጥታ ምስታ ሓይሊ ዕማም ጀነቫ ርክክብ ጀመረት። ብዕለት 5 ታሕሳስ ከኣ ፈላሚ ኣኬበአን ኣካየዳ። ኣብዚ ኣኼባዚ ክልቲኣን ኣካላት ሓድሕደን ተላለያን፣ ዕማማተን ተሓባበራን፣ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ዝዓሰሎ ኣኼባ ኮይኑ፣ እንደገና ክራኸባ ወሲነን ተፈላለያ። ካላኣይ ኣኼበኤን ዕለት 28 ታሕሳስ 2018 ብምክያድ ናይ ሓድሕድ ምትሕግጋዝ መደባት ሰርዐ።

መተሓሳሰቢ

ግዝያዊት ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ዝተዋህባ እዋናዊ ዕማም ምእካብ ኣስማት ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኣብ ኩሉ ክፍሊ ዓለማት: ብዘይ ምትሕብባር ኣብ ፈቀድኡ ቦታታት ዘሎ ተቃላሳይ ንፍትሒ: ክትግበር ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ ኩሉ ኣብዚ ናህሪ ወሲኹ ዘሎ ቃልሲ ንፍትሒ ዝዋስእን ንኽዋሳእ ድልዊ ዘሎን ባእታ፣ ጉጂለ፣ ማሕበር፣ ምትእስሳር ፣ ምጥርናፋት፣ ኣስማት ናይ ዝነጥፈሉ ዘሎ ይኹን ናይ ዝፈልጦ ምንቅስቃስ ክሰደልና ብትሕትና ንሓትት።

መልእኽትኹም በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ልኣኹ። ericivichzbawiaction@gmail.com

መልእኽትኹም ኣብ ትሰዱሉ ናይ ማሕበርኩም ስም፡ ኣድራሻኹም፣ ናይ ርክክብ ሓልፊ ክትሰዱልና ብኽብሪ ንሓትት።

ግዝያዊ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ

● Read in PDF ብ PDF ንምንባብ፡- here ኣብዚ ጠውቑ።


Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Music Selection ዜማታት ደለይቲ ፍትሒ



Share with friends: