ምዃን ኤርትራ ብኸመይ 1ይ ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

20/09/2018 23:16 PM

ምዃን ኤርትራ ብኸመይ

1ይ ክፋል

ብ'ይኣክል 2018


ምዃን ኤርትራ ብኸመይ

 

ምዃን ኤርትራ ብኸመይ - ቀዳማይ ክፋል

ቅድሚ 1 ጥሪ 1890 ሃገርና፡ ንዝመናት ብዝተፈላለዩ ኣስማት ክትጽዋዕ ዝጸንሐት ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኣፍሪቃ እትረከብ፡ ብምብራቕ ምስ ዝዓበየ ክፋል ናይ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ትዳወብ፡ ጥንታውያን ወደባትን ምስናይ ደሴታቱ ትውንን፡ ብወዝቢ ዝተኣኻኸቡ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ዓሌታትን ፡ ምስናይ ዝተፈላለየ እምነታትን፡ ባህልታትን ዝነበሮም ጥንታውያን ኣህዛብ ብሓባር ዝቕመ ጡዋ (ትርጉም ናይ ሓበሻ፡ መጸውዒኦምን ስም ሃገሮምን ) ሃገር ኢያ ኔራ ። (1)

ብዘየማትእ መርትዖታት፡ ቅድሚ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነማእታት ዓመታት ናይ ሓባር መነባብሮ ዝነበሮም ተቐማጦ ከም ዝነበሩ ኣብ ማእከል ከተም ኣስመራ- ሰምበል ዝተረኽበ ናይ 9ይ ክፍለ ዘመን ቅ.ል.ክ. ቅርስታት ይሕብር። ናይቲ እዋን ተቐማጦ፡ ካብ ሃምን ሴምን ዝፈረዩ፡ ስሞ ሃምን ሲመን ብምድብላቕ መጸውዒ ስሞምን ሃገሮምን ሓማሴን ከም ዝነበረ ኣብ ጥንታዊ ጽሑፋት ሳባውያን ኣብ ናይ ንጉስ ኤዛና ንግስነት ኣኽሱም፡ ከምኡውን ቅድም ኣቢሉ ኣብ ናይ ጥንታዊ መዘክራት ዘመነ ፈርዖናት ግብጺ ተወቒሩ ይርከብ። (ዊኪፐዲያ-Aksumite Kingdom)

ካብ ራብዓይ ክፍለዘመን ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ይኸውን ኣክሱማዊ ዘመነ ሓጺን ክሳብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ድ.ል.ክ. ዝጸንሐ፡ ተፈላጥነት ድሕሪ ምርካብ ድማ፡ ንግስነት ኣኽሱም ክሳብ 940 ድ.ል.ክ. ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ዝበዝሐ ክፋል መሬት ኣብ መነባብሮ ጥንታዊት ሓማሴን፡ ወደብ ኣዱሊስን ፡ ቆሓይቶን መጠራን ዝርከባኦ፡ (ናይ ሎሚ ኤርትራ) ምስ ገለ ክፋል ናይ ሎሚ ሰሜናዊ ትግራይ፡ይሓን ሓወልቲ-መላሶን ምስ ኣኽሱም ከም መደበር ምዕባሌን መንበር ንግስነትን ኮይና ዝቖመት ሃገር ነበረት። ተቐማጦ ናይዚ መሬት ብፊደላት ዝጸሓፍ ቋንቋ፡ግዕዝ፡ ቅድሚ ንግስነት ኣኽሱም ከም ዘማዕበሉን፡ ናይቲ ንግስነት ወግዓዊ ልሳን ከም ዝነበረን ይንገር። (ዊኪፐዲያ-Aksumite Kingdom)

ብድሕሪኡ ግዝኣታ ኣስፋሕፊሓ ንገለ ክፋል ናይ ሎሚ ሱዳን ብምዕራብን ሰሜንን ክሳዕ ዶብ ግብጺ፡ ናይ ሎሚ ዎሎን ላስታን ጎንደርን ብደቡብ ክሳዕ ሶማልን፡ ከምኡውን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ምዕራባዊ የመንን፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሎሚ ስዑዲ ዓረብን ብቐጥታን ብምጽላውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ከም ዘእተወተን ይትረኽ። ኣብ እዋኑ ዝነበረ ነቢይ ማኒ ዝተባህለ ንግስነት ኣኽሱም፡ ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ዝዓበያ ሓይልታት ናይ ሽዑ ዓለም ክም ዝኾነት ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ። እተን ሰለስተ ፋርስን፡ ሮምን ቺናን ኢየን። (ዊኪፐዲያ-Aksumite Kingdom)

ክሳብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኢትዮጵያ ዝበሃል ሃገርን ስምን ኣይነበረን፡ ንጉስ ኤዛና ክርስትና ምስ ተቐበለ ነታ ግዝኣቱ ካብ ናይ ግሪኽ ቃላት ኢትዮፒስ (ዝነደደ ገጽ) ዝወጸ ብስም ናይቲ መስራቲ ንግስነት ኣኽሱም ዝበሃል ኢትዮጲስ፡ ንመጀመርያ ኢትዮጵያ ዝተሰየመት። (ዊኪፐዲያ-Aksumite Kingdom)

እምበኣር ኢትዮጵያ ዝብል መጸውዒ ስም ታሪኻዊ ወነንቱ፡ ናይ እክሱም ንግስነት ኣህዛብ: ማለት ናይ ሎሚ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ምዃኖም ርዱእ ክከውን ይግባእ። ገለ ኣዘንተውቲ ከም ዝብሉዎ፡ ድሕሪ ምትእትታው ኣስልምና ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ እቲ ንግስነት ናይ ንግዳዊ ተኽእሎኡ እናተዳኸመ ምስ ከደ፡ ኣይሁዳዊት ንግስቲ ዮዲት፡ ነቲ ንግስነት ኣኽሱም ስዒራ ሓወልትታት ቤት መቕደሳትን ኣዕንያ፡ ብናይ ዛግወ ሥርወ መንግስቲ ንኽትካእ ጠንቂ ምስ ኾነት፡ ዝነኣሰ ክፋሉ ኣብ ናይ ሎሚ ደቡብ ኤርትራ፡ ዝበዝሐ ክፋሉ ናይ ሎሚ ትግራይ፡ ንደቡብ ብምቕጻል ላስታን ገለ ክፋል ናይ ሎሚ በገምድርን ዎሎን ዘጠቓለለ፡ ኢዩ ንግስነታ ዝነበረ። (ዊኪፐዲያ-Zagwe Dynasty)

ድሕሪ ምውዳቕ ንግስነት ኣኽሱም፡ ዝተረፈ ሰሜናዊ ክፋል ምድሪ ሓማሴንን ሽረን ከባቢኣን ሓዊስካ ብስም ማእከል ባሕሪ (ኣብ መንጎ ባሕሪ ኤርትራን መረብን) ትፍለጥ ነብሳ ዝኸኣለት ምምሕዳር ኮነት። ኣብ እዋን ማእከላይ ዘመን ኣብ ዘመን ሃጸይ ዘርኣ ያቆብ ንምድሪ ባሕሪ ብባሕረ ነጋሲ ከምትመሓደር ኣብ መዝገብ ፍጻሚታቱ ኣስፊሩዎ ይርከብ።

ክሳዕ መበል 16 ክፍለ ዘመን ግዝኣ ባሕረ ነጋሲ ክሳብ ሰዋኪን ኣብ ናይ ሎሚ ሱዳን ትርከብ የገብሩ ከም ዝነበሩ ይንገር። (ዊኪፐዲያ-Medri Bahri) ድሕሪ ምውዳቕ ንግስነት ዛግወ፡ ብ1270 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቦታኡ ሓድሽ ንግስነት ብይኩኖ ኣምላክ ዝተባህለ ንጉስ ተተኪኡ፡ ንደቡብን ምዕራብን እናኣስፋፍሐ ነቲ ብንጉስ ኤዛና ዝተሰየመ ኢትዮጵያ ዝብል መጸውዒ ንደቡብ እናለሓዀ፡ ከም መቐጸልታ ንግስነቶምን መጻኢ ወለዶ ተካእቶምን፡ ሓቂ ብዘይብሉ ካብ 900 ዓመት ቅ.ል.ክ ናይ ሃጸያዊ ኢትዮጵያ ግዝኣት ከም ዝተመስረተ ክብሉ ጸኒሖምን ኣሎዉን።

ድሕሪኡ ዝመጸ ብዘመነ መሳፍንቲ ዝፍለጥ እዋን፡ ምድሪ ባሕሪ በቲ ሓደ ድማ ግዝኣት ባሕረ ነጋሲ ተሰይማ፡ በብግዚኡ ብደቡብ ካብ ትግራይ፡ ብሰሜንን ምብራቕን ካብ ቱርኪን ግብጺን ዝመጻ ዝነበረ ወራራትን ጎብጣታትን እናተኸላኸለት፡ መብዛሕትኡ ብናይ ሓባር ምሕደራ፡ ሕጊ እንዳባ፡ ብናይ ዓድታት ሽማግለታትን ክትመሓደር ከም ነጻ መሬት ኮይና ክሳብ 1770 ዓ.ም.ፈ. መንበር ምምሕዳራ ኣብ ድባርዋ ጸንሐ። ብድሕሪኡ ብራእስታትን ካልኦት ሰበስልጣንን መምበር ምሕደራ ግዝኣታ፡ ኣብ ሃዘጋን ጸዓዘጋን በብእብረ፡ ክትመሓደር ክሳብ ራእሲ ወልደሚካአል ሰሎሙን ብራእሲ ኣሉላ ብዓል ተምቤን ዝጥለም(1879) ጸንሐት። (ዊኪፐዲያ-Medri Bahri)

ካብ መበል 15 ክፍለ ዘመን እዋን ወራራት ናይ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ባሕሪን ጐረባብታን ዘምጽኦ ናይ ዝምድናታት ምቅይያራትን ዘስዓቦ ለውጥታትን ዝሓለፈ ፍጻሜታት ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣተኵሮ ጽሑፈይ ካብ ዘመን ግዛኣት ሃጸይ ቴድሮስ ንጉሰ ነገስት ናይ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1818 ዓ.ም.ፈ ተወሊዱ ንናይ እዋኑ ኢትዮጵያ ካብ ማእከልነት ኣልቦ ዘመነ መሳፍንቲ ኣውጺኡ ናብ ሃጸያዊት ሃገር ከሕብራ ዝፈተነሉ እዋን (1855- 1868 ዓ.ም.ፈ.)፡ ግዝኣት ንግስነቱ ቅልውላው ዝመልኦ ሽዋ፡ ጎጃም፡ ዎሎ፡ ትግራይ፡ በገምድርን ስሜንን ጥራይ ዝሓቘፈት ኢትዮጵያ ኢያ ዝነበረት። ሕልሙ ከይተዓወተ ከኣ ብሰራዊት እንግሊዝ ተሳዒሩ ብነበሰ ቅትለት ሞተ። (2)

ብጥልመትን ክሕደትን ውዲትን ናይ ነገስታትን፡ ራእሲታትን ሹማምንትን፡ ሽዋን ትግራይን በቲ ሓደ ወገን፡ ወረርቲ ጥልያንን መሻርኽቶም እንግሊዝን ፈረንሳን: ብሓባር ንቀርኒ ኣፍሪቃ ክማስሕዋ ዝዓለመ ውጥን በቲ ካልእይ ወገን፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ብዘካየዱዎ ሽርሒን ጐነጽን፡ ኣብ ልዕሊ ዘይመሬቶም፡ ናይ ወቕቱ "ምድሪ ባሕሪ" ዝነበረ መጸውዒኣ፡ ብደቡብ ብዘይተነጸረ መዳውብቲ ናይ ሽዑ ትግራይ፡ ብምዕራብን ሰሜንን ምስ ናይ ሎሚ ሱዳን፡ ብምብራቕ ምስ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ እትዳወብ፡ ክወሩዋን ክሻመዉላን፡ ምስናይ ህዝባ'ውን ክዋገዩላ ተጓይይም። ግዛኣት ሃጸይ ተዎድሮስ ብኣባ በዝብዝ ካሳ፡ ተምቤናይ (ሃጸይ ዮሃንስ 4ይ) ክሕደት፡ ምእንቲ ገንዘብን ኣጽዋርን ምስ እንግሊዝ ብምሽራኽ፡ ንወታደራት እንግሊዝ ብግዝኣቱ ከሕልፎም ምስምምዑ ንጠንቂ ውድቀትን ሞትን ሃጸይ ተዎድሮስ ኣብ ዝኾነሉ እዋን(1867)፡- (3)

ብሃገራት ኤውሮጳ ዘይመሬቶምን ህዝቦምን ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ-ግዛኣት ንምቚራን ኣብ ዝሸባሸቡሉ ዝነበሩሉ እውን፡-

ዝዓበየ ክፋል ናይ ክልቲኡ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን ኣብኡ ዝርከባ ወደባትን ደሴታትን ብቱርኪን ወከልቶም ግብጻውያን ይውነን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡- 1554-1885 (ዊኪፐዲያ-Massawa) መትረብ ሱወዝ መሰርሕ ተውዲኡ ኣብ ዝተኸፈተሉ እዋን (1869)፡- (ዊኪፐዲያ-Suez Canal)

ቅድሚ መላእ ሃገር ጥልያን ምስማራ (1870) ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ንመራኽብ መጸግዒ ዝከውን ወሽመጥ ዓሰብን ዙርያኣ ዘሎ መሬትን ከምኡውን ንእሽቶ ደሴትን ብሕሳብ 47,000 ሊረ ብሽም ሩባቲኖ ዝተባህለ ናይ መራኽብ ኩባኒያ ካብ ሱልጣን ብርሃን ብዓል ራሃይታ ኣብ ዝዓደገትሉ፡ ብሰበቡ ድማ መንግስታት ግብጺን ቱርኪን ወነንቲ ኢና ብምባል ኣብ ዝተቓወማሉ እዋን፡- 1869 (4)

ይቕጽል ናብ 2ይ ክፋል

ብ'ይኣክል 2018
20/09/2018


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (20/09/2018)፡   2ይ ክፋል (20/09/2018)፡   3ይ - 5ይ ክፋል (27/09/2018)፡  


Share with friends:



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ምዃን ኤርትራ ብኸመይ - (1ይን 2ይን ክፋል - ብድምጺ፡ ካብ 46:30 ደቒቕ ይጅምር):

Share with Friends: