ምዃን ኤርትራ ብኸመይ 2ይ ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

20/09/2018 23:16 PM

ምዃን ኤርትራ ብኸመይ

2ይ ክፋል

ብ'ይኣክል 2018


ምዃን ኤርትራ ብኸመይ

 

ምዃን ኤርትራ ብኸመይ - ካልኣይ ክፋል

እምበርኣከስ ንኹሉ ውጽኢት፡ ጠንቂን መንቀሊን ኣሎዎ ከምዝበሃል፡ ሰንሰላታዊ ሳዕበናት ዘኸተሎ ውጽኢት ናይ " ምዃን ኤርትራ " ብኸምዚ ዝስዕብ እገልጾ፡-

"ምድሪ ባሕሪ" ወይ ብኻልእ ኣጸዋውዓ "መረብ ምላሽ"፡

ደጃዝማች ካሳ ምራጭ ወዲ ሹም ተምቤን ምራጭ፡ ንጉሰ ነገስት ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ተሰይሙ ኣብ ኣኽሱም ዝተቐብኣሉ፡ ኣብትሕቲ ግዛኣቱ ዘይተመልካ ካልኦት ንግስነታት፡ ካብ ሓማሴን ብሰሜን ክሳብ ሽዋ ብደቡብ ክኒኡን ከምበርክኽ ኣብ ዝዓለመሉ እዋን፡-21 ጥሪ 1872 (5)

ምዕራባዊ ቆላ ምስ ምድሪ ቦጎስ (ቢለን) ምስ ምብራቓዊ ጐላጒል ስጋብ ባጽዕን ኪኒኡ ዘሎዋ ደሴታትን ባሕሪ ኤርትራ ብግብጻውያን ኣብ ትሕቲ ቱርኪ ይውነን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡- 1879 (ዊኪፐዲያ-Medri Bahri)

ዝተረፈ ምስ ትግራይ ዝዳወብ መሬት ምድሪ ባሕሪ ብራእሲ ወልደሚካአል ሰሎሞን ይግዛእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡-1879 (ዊኪፐዲያ-Medri Bahri)

ሃጸይ ዮሃንስ ንራእሲ ወልደሚካኤል ናይ ምድሪ ባሕሪ ክወግእ ንራእሲ ኣሉላ እንግዳ ብዓል ተምቤን ኣዘዞ፡ ኣሉላ ብውግእ ከም ዘይስዕር ምስ ተረድኦ፡ ውዕል ሰላም ምስ ሃጸይ ዮሃንስ ክትፍጽም ባዕለይ ክሕግዘከ ኢሉ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒዑ፡ ምሒሉ ንትግራይ ወሰዶ፡ ዕርቂ ተፈጸሙ፡ ንክልቲኦም (መረብ ምላሽ) ከተምሓድሩ ቢሉ ድማ ሰየሞም። (6)

ራእሲ ኣሉላ ነቲ ዝመሓሎ ከምዘይጠለመ ከምስል፡ ምስ ዘመድ ራእሲ ወልደንኬል ብተንኵል ተማሻጢሩ ብክድዓት ከሲሱ ንትግራይ ወሲዱ፡ እምባ ሰላማ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝኣሰሮ እዋን። ብድሕሪኡ ሃጸይ ዮሃንስ ንተምቤናይ ራእሲ ኣሉላ ናይ መጠረሽታ ኣንኮ ገዛኢ ናይ ምድሪ ባሕሪ (መረብ ምላሽ) ኣብ ዝሸመሉ እዋን፡- መስከረም 1880 (7)

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ንመሬት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንመሬት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምውናን ብስምምዕ በርሊን መሰረት(1884) ምንፍሓዅ ኣብ ዘካይዱሉ ዝነበረ እዋን

መንግስቲ ጥልያን ነታ ኣቐድም ኣቢላ ዝዓደገታ ዓሰብን ከባቢኣን፡ ድሕሪ ምስ ሱልጣን ብርሃን ብዛዕባ ከባቢ ዓሰብን ኩላ መሬት ራሃይታ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይ ጥልያን ዳግመ ስምምዕ ብምፍርራም ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽራ ምእታዋ ናይ መጀመርያ ኢጣልያዊ ግዝኣት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን፡- (5 ሓምለ 1882) (8)

መንግስቲ ፈረንሳ ብደቡብ ምስ ዓሰብን ከባቢኣን ትዳወብ ወሽመጥ ታጁራ ( ጂቡቲ) ግዛኣታ ከም ዝኾነት ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን:- (1885)፡ (9)

ኣብ ትሕቲ እታ፡ ካብ ጽላል ግዝኣት-ኦቶማን ዝወጸት ጸኒሓ ድማ ጽግዕተኛ መንግስቲ እንግሊዝ ዝኾነት ግብጺ ትግዛእ ዝነበረት ሱዳን፡ ኣንጻር ግዝኣታ ዝተላዕለ ሓይሊ ማህዲ በርቲዕዋ፡ ኣብ ከሰላ ዝተኸርደኑ ወታደራታ መውጽኢ ምስ ሰኣኑ፡ ሓይልታት ኢጣልያን ኢትዮጵያን ንከሰላ ሓራ ንምውጻእን ምቁጽጻርን ብዝገበሩዎ ሓገዝ፡ ከምኡ'ውን ኣብ እዋኑ እንግሊዝ ኣብ ጉዳይ ምስጋር ግብጻውያን ካብ ከሰላ ንባጽዕ ፡ ሃጸይ ዮሃንስ ክተሓጋገዝ ምእንቲ ፡ ኣብ መንጎ እንግሊዝን ግብጺን ኢትዮጵያን ብውዕል ዓድዋ(ሄዊት) ዝፍለጥ ኣብ ኣስመራ ተሰማሚዖም ኣብ ዓድዋ ድማ 7 ዓንቀጽ ዝሓዘለ ውዕል ኣብ ዝተፍረመሉ እዋን። 3 ሰነ 1884 (10)

ኣብዚ ቀዳማይ ንመሬት ምድሪ ባሕሪ ዝምልከት ውዕል ዘገድሹ ኣንቀጻት፡-

ኣንቀጽ 1- ኢትዮጵያ ብወደብ ባጽዕ ናይ ነጻ ትራንሲት ንኹሉ ዝኣቱ ንብረት ኣንተላይ ወታደራዊ ኣጽዋር ንክትግልገል መንግስቲ እንግሊዝ ተውሕስ፡

ኣንቀጽ 2- ግብጺ ትገዝኦ ዝነበረት ካብ ከሰላ ኣትሒዙ ብቦጎስ(ቢለን) ኣቢሉ ክሳዕ ምብራቓዊ ጐላጒል ንሃጸይ ዮሃንስ ከተረክቦ፡( ኣብዚ እዋን'ዚ ሃጸይ ዮሃንስ ምስናይ ባጽዕ ዝብል ትጽቢት ኔሩዎ)

ኣንቀጽ 3- ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ምውጻእ ወታደራት ግብጺ ካብ ከሰላን ኣመዲብን ቦጎስን ሰንሒትን ብዝተረከቦ ሓድሽ ግዝኣቱ ኣቢሉ ንባጽዕ ከብጽሖም ግዴታ ይህልዎ።

መንግስቲ እንግሊዝ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘይተደልየ መንግስቲ፡ ኤውሮጳዊ ይኹን ካልእ ጐቢጡ ከይሕዝ (ብዝያዳ ንኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምኽላእ) ዝዓለመ በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ከኣ፡ መንግስቲ ጥልያን ኣብ ሓራ ምውጻእ ከሰላን ምክልኻላን ኣንጻር ማህዲ ውግእ ዝተደጋገፈቶ ዓስባ፡ ነታ ብግብጺ/ቱርኪ ትመሓደር ወደብ ባጽዕ ክትሕዛ ፈቐደትላ። መንግስቲ ጥልያን ብዘይ ገለ ወታደራዊ ስርሒትን ክሳራ ገንዘብን: ህይወት ሰብን፡ ንወደብ ባጽዕ ብዕለት 5 የካቲት 1885 ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ኣእተወታ፡ (11)

ቀጺላውን ሰራዊታ በብቑሩብ ንውሽጢ ሃገር ብምንፍሓዅ ኣብ ዶጋሊ ምስበጽሑ ብሰራዊት ራእሲ ኣሉላ ተጠቒዖም ኣብ ዝተሳዕሩሉ እዋን። ጥሪ 24-26, 1887 (12)

ብድሕሪዚ መንግስቲ ጥልያን መርገጺ ሃጸይ ዮሃንስ ፍጹም ናይ ባዕዲ ሓይሊ ናብ መሬት መርብ ምላሽ ክኣቱ ዘይፈቅድ ምዃኑ ምስ በርሃሎም፡ ምስቲ ኣቐድም ኣቢሉ ክጸሓሓፍ ጀሚሩ ዝጸንሐ፡ንጉስ ሳህለ ማርያም(ሃጸይ ምንሊክ 2ይ) ናይ ሽዋ ብዕቱብ ክሻረኹ ጀመሩ፡ ብመንገዲ ኣብ ሽዋ ዝርከብ ወኪሎም ምስ ንጉስ ውዕል ምሕዝነት ተፈራሪሞም 5000 ጠብመንጃ ኣብ ዝለገሱሉ እዋን። 20 ጥቅምቲ 1887 (13)

ይቕጽል ናብ 3ይ ክፋል

ብ'ይኣክል 2018
20/09/2018


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (20/09/2018)፡   2ይ ክፋል (20/09/2018)፡   3ይ - 5ይ ክፋል (27/09/2018)፡  


Share with friends:



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡
ብድምጺ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፡-

ምዃን ኤርትራ ብኸመይ - (1ይን 2ይን ክፋል - ብድምጺ፡ ካብ 46:30 ደቒቕ ይጅምር):

Share with Friends: