10/02/2017 04:30 AM
ሎሚ 10 ለካቲት 2017፡ መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ቅያ ስርሒት ፈንቅል ኢዩ። እዚ ስርሒት'ዚ፡ ውሕሉልን ደቂቕን መጽናዕቲ ተገይሩሉ፡ ምዑት ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ድማ ንክትኣምኖ ዘጸግም ቅያ ጅግንነት ዝፈጸመሉን ስርሒት ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ስርሒት'ዚ፡ እቲ ስርዓት ደርግ ዝምካሓሉ ዝነበረ ናይ ኣጋር፡ መካናይዝድን ሓይሊ ባሕሪን ሰራዊቱ ፍጹም ዝተሓምሸሸሉን ብኣሽሓት ምርኮኛታትን ኮይኖም። እዚ ስርሒት'ዚ፡ ናይ መወዳእታ ግብኣተ-መሬት መግዛእታዊ ስርዓት ቀረባ ምዃኑ ዘግሃደ፡ ፍናን ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣዝዮ ዝበረኸሉን ዓወት ኢዩ ነይሩ።
እቲ ሽዕኡ ዝተፈጸመ ቅያ፡ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ክውንነትን ክዛመድ ከሎ ግን፡ ሕቖን ከብድን ብምዃን፡ ንሓድሕዱ ፈጺሙ ዘይራኸብ፡ ህዝብን ሓርበኛታትን ኤርትራ ፈጺሙ ኣብ ሕልሞም ዘይነበረን ኢዩ። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ናጽነት ቀረባ ምዃና ብርእሰ-ተኣማንነት ተጸብዩ፡ ኣይደንጎየን ድማ ክሳብ ናጽነት እውን በጺሑ። እቲ እግሩ መሊኡ፡ ካብ መግዛእታዊ ሹቕረራ ናጻን ሓራን ኮይኑ እፎይ ኢሉ ኣብ ማሙቕ ዓዱን ቤቱን ክነብር ዝነበሮ ሕልሚ ግን፡ ነዊሕ ከይከደ በቢኒኑ ተሪፉ። ሃገርና ብስርዓተ-ምልኪን ራዕዲን ተጎቢኣ። ኤርትራዊ፡ ከም ሕሱም ካብ ሃገሩ ነፊጹ። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ልዕሊ ርብዒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ኣሎ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ናህሪ ስደት እውን ከም ዘይነጽፍ ውሕጅ ኣብ ምቕጻል ይርከብ። ናይ ስደት'ሲ ድሓን ምኾነ ነይሩ፡ እቲ ዝኽፍአ ግን፡ እቲ ኣብ ሃገረ ስደት ክሳብ እትበጽሕ ዘጋጥም ዘሎ መዓልታዊ መቕዘፍቲ ኤርትራውያን ኢዩ። እዚ መቕዘፍቲ'ዚ፡ ዶብ ሃገርካ ክትሰግር ከሎኻ፡ ብጥይት ኣሕዋትካ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሃገረ ስደት ትኣቱ ይስዕበካ። ሕጅስ! ተለሚዱ'ስ ንቡር እናኾነ እውን መጺኡ። እወ፡ እቲ ንቡር ዝበሃል ህይወት ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዘዳናግሮ ኾይኑ። ኣብ ኲናት ዝሰንከሉ ሓርበኛታትና ብሞራኩስን ብዓረብያን ከይተረፈ፡ ካብ ሃገር ነፊጾም ንስደት ኣምሪሖም፡ ኣብ ፈቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሎም ኣብ ከርፋሕ ህይወትን ጭንቀትን ክነብሩ ተገዲዶም።
እምበኣር፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ዝኽሪ ክቡር ዕለት ስርሒት-ፈንቅል፡ ነቶም ኣብዚ ሓያል ጥምጥም ብጅግንነት ብመስዋእቲ ዝሓለፉን ዝሰንከሉን ተጋደልቲን ሓፋሽ ህዝቢን፡ ብሓበን እናዘከርና፡ መብጽዓኦም ንምትግባር፡ ሓላፍነትና መሊስና እነሐድሰላን እነሓይለላን መዓልቲ ክትከውን ይግባእ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ኩሎም'ቶም ብዘይ ሓደ ፍትሒ ተሓይሮም ዘከዉ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራትና ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክፍትሑ፡ ኣብ ሃገርና ግዝኣተ-ሕጊ ዝነግሰሉ ቅዋማዊ መንግስቲ ክቐውምን፡ ብዓውታ ከነድምጽን ክንሰርሕን ኣሎና።
ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን) 10/02/2017