ዝኽሪ ቅያ ስርሒት ፈንቅል መበል 27 ዓመት

10/02/2017 04:30 AM

ዝኽሪ ቅያ ስርሒት ፈንቅል

መበል 27 ዓመት

ካብ 9-10 ለካቲት 1990

ክሳብ 9-10 ለካቲት 2017

Operation Fenkil

ሎሚ 10 ለካቲት 2017፡ መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ቅያ ስርሒት ፈንቅል ኢዩ። እዚ ስርሒት'ዚ፡ ውሕሉልን ደቂቕን መጽናዕቲ ተገይሩሉ፡ ምዑት ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ድማ ንክትኣምኖ ዘጸግም ቅያ ጅግንነት ዝፈጸመሉን ስርሒት ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ስርሒት'ዚ፡ እቲ ስርዓት ደርግ ዝምካሓሉ ዝነበረ ናይ ኣጋር፡ መካናይዝድን ሓይሊ ባሕሪን ሰራዊቱ ፍጹም ዝተሓምሸሸሉን ብኣሽሓት ምርኮኛታትን ኮይኖም። እዚ ስርሒት'ዚ፡ ናይ መወዳእታ ግብኣተ-መሬት መግዛእታዊ ስርዓት ቀረባ ምዃኑ ዘግሃደ፡ ፍናን ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣዝዮ ዝበረኸሉን ዓወት ኢዩ ነይሩ።

እቲ ሽዕኡ ዝተፈጸመ ቅያ፡ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ክውንነትን ክዛመድ ከሎ ግን፡ ሕቖን ከብድን ብምዃን፡ ንሓድሕዱ ፈጺሙ ዘይራኸብ፡ ህዝብን ሓርበኛታትን ኤርትራ ፈጺሙ ኣብ ሕልሞም ዘይነበረን ኢዩ። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ናጽነት ቀረባ ምዃና ብርእሰ-ተኣማንነት ተጸብዩ፡ ኣይደንጎየን ድማ ክሳብ ናጽነት እውን በጺሑ። እቲ እግሩ መሊኡ፡ ካብ መግዛእታዊ ሹቕረራ ናጻን ሓራን ኮይኑ እፎይ ኢሉ ኣብ ማሙቕ ዓዱን ቤቱን ክነብር ዝነበሮ ሕልሚ ግን፡ ነዊሕ ከይከደ በቢኒኑ ተሪፉ። ሃገርና ብስርዓተ-ምልኪን ራዕዲን ተጎቢኣ። ኤርትራዊ፡ ከም ሕሱም ካብ ሃገሩ ነፊጹ። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ልዕሊ ርብዒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ኣሎ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ናህሪ ስደት እውን ከም ዘይነጽፍ ውሕጅ ኣብ ምቕጻል ይርከብ። ናይ ስደት'ሲ ድሓን ምኾነ ነይሩ፡ እቲ ዝኽፍአ ግን፡ እቲ ኣብ ሃገረ ስደት ክሳብ እትበጽሕ ዘጋጥም ዘሎ መዓልታዊ መቕዘፍቲ ኤርትራውያን ኢዩ። እዚ መቕዘፍቲ'ዚ፡ ዶብ ሃገርካ ክትሰግር ከሎኻ፡ ብጥይት ኣሕዋትካ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሃገረ ስደት ትኣቱ ይስዕበካ። ሕጅስ! ተለሚዱ'ስ ንቡር እናኾነ እውን መጺኡ። እወ፡ እቲ ንቡር ዝበሃል ህይወት ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዘዳናግሮ ኾይኑ። ኣብ ኲናት ዝሰንከሉ ሓርበኛታትና ብሞራኩስን ብዓረብያን ከይተረፈ፡ ካብ ሃገር ነፊጾም ንስደት ኣምሪሖም፡ ኣብ ፈቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሎም ኣብ ከርፋሕ ህይወትን ጭንቀትን ክነብሩ ተገዲዶም።

ደቂ ስዉኣት ጀጋኑ ከይተረፉ ግዳያት ስደት ክኾኑ ምርኣይ ድማ ማዕረ ክንደይ ጥልመት ከምዘጋጠመ መርኣያ ኢዩ። ኤርትራ ኣብዚ ሰዓት'ዚ፡ እቶም ብጅግንነት ዝተጋደሉ ደቃ፡ ብዘይ ሓደ ፍትሒ፡ ንልዕሊ ንልዕሊ 15 ዓመታት፡ አረ ንልዕሊ 25 ዓመታት፡ ኣብ ማሕዩር ዝበልዩላ ዘለዉ ሃገር ኢያ። እቶም ነዚ ሎሚ ንዝክሮን ንጽምብሎን ዘሎና ቅያ ስርሒት ፈንቅል፡ ብውሕልነትን ጽፈት ብዝመልኦን ወተሃደራዊን ስለያዊን መጽናዕቲን፡ ዕዉት ንክኸውን ልዑል ናይ መሪሕነት ተራ ዝነበሮም ጀጋኑ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ውዑይን ውዕዉዕ ስርሒትን ምስ ካሜራታቶም ኣብ ማእከል ዓውደ ውግእ ዝተሳተፉ ሓርበኛታት ጋዜጠኛታትን፡ ኣበይ ኣለዉ? ብዘይ ፍትሒ፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮን ካልእን ይበልዩ ምህላዎም ብናይ ሕልና ጸሎት ከነስተንትን ናይ ኩልና ኤርትራውያን ግዴታ ኢዩ።

እምበኣር፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ዝኽሪ ክቡር ዕለት ስርሒት-ፈንቅል፡ ነቶም ኣብዚ ሓያል ጥምጥም ብጅግንነት ብመስዋእቲ ዝሓለፉን ዝሰንከሉን ተጋደልቲን ሓፋሽ ህዝቢን፡ ብሓበን እናዘከርና፡ መብጽዓኦም ንምትግባር፡ ሓላፍነትና መሊስና እነሐድሰላን እነሓይለላን መዓልቲ ክትከውን ይግባእ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ኩሎም'ቶም ብዘይ ሓደ ፍትሒ ተሓይሮም ዘከዉ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራትና ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክፍትሑ፡ ኣብ ሃገርና ግዝኣተ-ሕጊ ዝነግሰሉ ቅዋማዊ መንግስቲ ክቐውምን፡ ብዓውታ ከነድምጽን ክንሰርሕን ኣሎና።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

ከም ትማሊ ንናጽነት፡ ሎሚ'ውን ንሓርነት፡ መዓንጣና ሸጥ!

ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን) 10/02/2017


Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: