ዝኽሪ ቅያ ስርሒት ፈንቅል መበል 28 ዓመት

09/02/2018 08:25 AM

ዝኽሪ ቅያ ስርሒት ፈንቅል

መበል 28 ዓመት

ካብ 9-10 ለካቲት 1990

ክሳብ

ክሳብ 9-10 ለካቲት 2018

Operation Fenkil 28th


ጽባሕ 10 ለካቲት 2018፡ መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ቅያ ስርሒት ፈንቅል ኢዩ። ኣብዛ ዕለት'ዚኣ፡ ወደባዊት ከተማና ምጽዋዕ (ባጽዕ)ን መላእ ከባቢኣን ካብ መግዛእቲ ሓራ ኮይና። እዚ ብስርሒት ፈንቅል ዝተሰምየ ስርሒት'ዚ፡ ውሕሉልን ደቂቕን መጽናዕቲ ተገይሩሉ፡ ምዑት ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ድማ ንክትኣምኖ ዘጸግም ቅያ ጅግንነት ዝፈጸመሉን ስርሒት ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ስርሒት'ዚ፡ እቲ ስርዓት ደርግ ዝምካሓሉ ዝነበረ ናይ ኣጋር፡ መካናይዝድን ናይ ሓይሊ-ባሕሪን ሰራዊቱ፡ ፍጹም ተሓምሺሹ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት መግዛእቲ ድማ ተማሪኾም። እቲ መግዛእታዊ ስርዓት ንዓሰርተታት ዓመታት ዝሃነጾን ዝዓለሞን ከምኡ'ውን ዝምካሓኣሉን ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ፡ ፍጹም ተሳዒሩ። እዚ ስርሒት'ዚ፡ ግብኣተ-መሬት መግዛእታዊ ስርዓት ቀረባ ምዃኑ ዘግሃደ፡ ፍናን ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣዝዮ ዘበረኸን ዓወት ኢዩ ነይሩ። ሓይሊ መግዛእቲ ሞራሉን ፍናኑን ባይታ ዘቢጡ፡ ዕረ እናጠዓሞ፡ ስዕረቱ ክእመን ተገዲዱ። ህዝባዊ ሰራዊት (ተጋዳላይ) ግን መረሸ ደኣ። እታ ኣብ ባጽዕ ዝተበሰረት ጽምብል፡ ኣብ ዓመታ፡ ኩሉ ዝተኸፍለ ጅግንነትን መስዋእቲን በሊዓ ሽግ ናጽነት ኣዕቲራትና ኢያ።

ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ተጋዳላዩን፡ ነዚ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ እናጨደረ ክውፈየሉ ኸሎ፡ ኣብ ሕልሙ ሓንቲ ተስፋ ስለዝነበረቶ ኢያ። ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ክውንቲ ንምግባር። ድሕሪ ናጽነትና ድሮ 27 ዓመታት ሓሊፈን። ኩሉ መብጽዓ ናይ ሰማእታት ተጠሊሙ፡ ቅዋምና ተቐቢሩ፡ ሃገርና ብስርዓተ ምልኪን ራዕዲን ትግዛእ ኣላ። ባዕዳዊ ገዛኢ ደኣ ሰጒግና'ምበር፡ መግዛእቲ ወዲ-ዓዲ ኢዩ ተተኪኡና። ኤርትራዊ፡ ከም ሕሱም ካብ ሃገሩ ነፊጹ። ዳርጋ ልዕሊ ርብዒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ኣሎ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ናህሪ ስደት ኤርትራውያን፡ ከም ዘይነጽፍ ውሕጅ ኣብ ምቕጻል ይርከብ። እቲ ዝኽፍአ ድማ፡ ኣብ ሃገረ ስደት ክሳብ እትበጽሕ ዘጋጥም ዘሎ መዓልታዊ መቕዘፍቲ ኤርትራውያን ኢዩ። እዚ መቕዘፍቲ'ዚ፡ ዶብ ሃገርካ ክትሰግር ከሎኻ፡ ብጥይት ኣሕዋትካ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሃገረ ስደት ትኣቱ ይስዕበካ። ደቅናን ኣዋልድናን ብራሻይዳን በደዊንን ተደፊረን፡ ህዝብና ሓሲሩ! ኩሉ ሓሳረ-መከራ ዘይንቡር ክንሱ ህዝብና ክለምዶ ተገዲዱ። እወ፡ እቲ ንቡር ዝበሃል ህይወት ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዘዳናግሮ ኾይኑ። ኣብ ኲናት ዝሰንከሉ ሓርበኛታትና ብሞራኩስን ብዓረብያን ከይተረፈ፡ ካብ ሃገር ነፊጾም ንስደት ኣምሪሖም፡ ኣብ ፈቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሎም ኣብ ከርፋሕ ህይወትን ጭንቀትን ክነብሩ ተገዲዶም። ደቂ ስዉኣት ጀጋኑ ከይተረፉ ግዳያት ስደት ክኾኑ ምርኣይ ድማ ማዕረ ክንደይ ጥልመት ከምዘጋጠመ መርኣያ ኢዩ። ኤርትራ ኣብዚ ሰዓት'ዚ፡ እቶም ብጅግንነት ዝተጋደሉ ደቃ፡ ብዘይ ሓደ ፍትሒ፡ ንልዕሊ ንልዕሊ 16 ዓመታት፡ አረ ንልዕሊ 26 ዓመታት፡ ኣብ ማሕዩር ዝበልዩላ ዘለዉ ሃገር ኢያ። እቶም ነዚ ሎሚ ንዝክሮን ንጽምብሎን ዘሎና ቅያ ስርሒት ፈንቅል፡ ብውሕልነትን ጽፈት ብዝመልኦን ወተሃደራዊን ስለያዊን መጽናዕቲን፡ ዕዉት ንክኸውን ልዑል ናይ መሪሕነት ተራ ዝነበሮም ጀጋኑ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ውዑይን ውዕዉዕ ስርሒትን ምስ ካሜራታቶም ኣብ ማእከል ዓውደ ውግእ ዝተሳተፉ ሓርበኛታት ጋዜጠኛታትን፡ ኣበይ ኣለዉ? ብዘይ ፍትሒ፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዒላዒሮን ካልእን ዘይፍሉጥ ኣብያተ-ማእሰርቲን ይበልዩ ኣለዉ። ሃለዋቶም እውን ኣይፍለጥን።

እምበኣር፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ዝኽሪ ክቡር ዕለት ስርሒት-ፈንቅል፡ ነቶም ኣብዚ ሓያል ጥምጥም ብጅግንነት ብመስዋእቲ ዝሓለፉን ዝሰንከሉን ተጋደልቲን ሓፋሽ ህዝቢን፡ ብሓበን እናዘከርና፡ መብጽዓኦም ንምትግባር፡ ሓላፍነትና መሊስና እነሐድሰላን እነሓይለላን መዓልቲ ክትከውን ይግባእ። ከመይሲ፡ ነፍሲወከፍ ትርብዒት ሜትሮ መሬት ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ጀጋኑና ዝተዓደገን ዘውሓስናዮን ስለዝኾነ። ነዚ ብሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝተረኽብናዮ ናጽነት፡ ብጉጅለ ምልኪ እናዓነወ ከሎ፡ ኣእዳውና ኣጣሚርና ሱቕ ክንብል ገበን ኢዩ። ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶን ሓይልታት ምክልኻልን፡ ፍሉይ ሓላፍነት ኣሎኩም። ንኹሎም'ቶም ብዘይ ሓደ ፍትሒ ተሓይሮም ዘከዉ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራትና ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክፍትሑ፡ ኣብ ሃገርና ግዝኣተ-ሕጊ ዝነግሰሉ ቅዋማዊ መንግስቲ ክቐውምን፡ ኩልና ብዓውታ ከነድምጽን ብሓድነት ክንሰርሕን ኣሎና።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

ከም ትማሊ ንናጽነት፡ ሎሚ'ውን ንሓርነት፡ መዓንጣና ሸጥ!

ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን) 09/02/2018


Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: