ቅዋም ክትግበር

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

21/09/2018 15:30 PM

ቅዋም ክትግበር

ብ'ደስበለ መሓሪ

ቅዋም ክትግበር፡ Introduction to
				Eritrean Political parties and Civic movements.

ቅዋም ክትግበር
ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም ኤርትራ፡ ቅዋም ኤርትራ ናይ ህዝቢ'ምበር ናይ ኢሳያስ ኣይኮነን፡ ንሕና'ውን ንወንኖ
ደስበለ መሓሪ

መእተዊ –

እዛ ንቅዋም ትምልከት ጽሕፍቲ'ዚኣ ከዳሉ ዝደፋፋኣኒ ምኽንያት፣ኣብዚ እዋንዚ ተቓውሞና ገጢምዎ ዘሎ በዳሂ ኩነታት ንክስገር ናይ ሓባር ባይታ ምፍጣር ቀዳማይ ረቛሒ ቀጻልነትን ዓወትን ናይዚ ቃልሲ ምዃኑ ኩሉ ዝኣምነሉ ይመስለኒ። እዚ ሽቶ'ዚ ንምውቃዕ ትምኒት ጥራይ እኹል ክኸውን ከምዘይክእል ብሩህ ኢዩ። ነብሲ ወከፍ ውድብ፣ጉጅለ፣ውልቀስብ. . . . ወዘተ ዓሚቕ ገምጋም ናይ ሕሉፍ ቃልሱ ከካይድን ኣብ ኣረዳድኣን ኣናብባን ናይ ቀረባን ርሑቕን ናይ ቃልሲ ጉዕዞና ክቕየር እንተዘይክኢሉ ብኩነታትን ብግዜን ተቐዲምና ኣብ ደውታ ክነብር ንግደድ ምኳና ምርዳእ የድሊ። እዛ ጽሕፍቲ'ዚኣ ብዝርዝር ከቕርባ ዝተገደድኩሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ከም ሰነድ መጠን ናይ ሓባር ቃልሲ ከነካይድ ከም መበገሲ ክጠቅም ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝኣምን ናይ ዘተ ባይታ ከፊትና ኣዎንታውን ኣሉታውን መዳያቱ መሚና ክንሪኦ ብማለት ምዃኑ የዘኻኽር።

ቅዋም መስረታዊ ሕጊ ናይ ሓደ ሕብረተ ኮይኑ፣ ዕማማትን ቅርጽን መንግስታዊ ትካላት ዝሕንጽጽን ዝቐርጽን፣ መሰላትን ግቡኣትን ዜጋታት ብምዝርዛር ምስ መንግስቲ ክህልዎም ዝግባእ ዝምድና ዘነጽር ዝለዓለ ሕጊ ናይ ሓደ ሃገር ኢዩ። ቅዋም ናይ ኩሎም እቶም ኣብቲ ሃገር ዝጸድቁ (ዝሕንጸጹ) ንዝተፈላለየ ሂወት (መዳያት) ናይቲ ሕብረተስብ ዘመሓድሩን ዝገዝኡን ሕግታት ምንጪ ኮይኑ ስለዘገልግል ኩሎም ዜጋታት ክፈልጥዎ፣ክቕበልዎን ክምእዘዝዎን ዝግባእ መሰረታዊ ሕጊ ኢዩ ። ናይ ሓንቲ ሃገር መጻኢ ኣተሃላልዋን፣ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊን ቁጠባዊ ሂወት ናይታ ሃገር ኣብ ምምራሕ ወሳኒ እጃም ስለዘለዎ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ዝኾነ ሕጋዊ ሰነድ ኮይኑ ይርከብ።

ቅዋም ካብ ሃገር ናብ ሃገር ብግዜን ብኩነታትን ዝውሰን፣ ኣብ ኣገባብ ምንዳፍን ምጽዳቕን፣ ኣብ ምብዛሕን ምውሓድን ዓንቀጻት ክፈላለ ይኽኣል'ምበር ኣብ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ግን ዝመሳሰል ኢዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ናይ ገለ ሃገራት ቅዋም ብዙሕ ዓንቀጻት ዝሓዘ ዝርዝርን (ንኩሉ ሕቶታት ክምልስ ስለዝድለ) ነዊሕን ክኸውን ከሎ፣ ናይ ካልኦት ሃገራት ድማ ውሑዳት ዓንቀጻት ዝሓዘ ሓጺርን ፍኹስ ዝበለን ኮይኑ እቲ ዝርዝራት ብካልእ ተወሳኺ ሕግታት ክሕንጸጽ ይግደፍ። ብናይ ሕጊ ሙያውያን መሰረታዊ ፍልልይ ኮይኑ ዝርአ ኣብ መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕን ዝዝውተር ኣገባብ ኢዩ፡፡ ኣብ ነብሲ ወከፎም ንኡስ ፍልልያት ክህልዎም ዝኽእሉ ክልተ ሞደላት ይጥቀሱ።

1. ካብ ናይ ወጻኢ ሕጋዊ ስርዓት ቀዲሕካ ምስ ኩነታትካ ከም ዝሰማማዕ ምግባር ሞደል፡-

እዚ ሞደል'ዚ ብሕጽር ዝበለ፣ ወጻእተኛታትን ደቂ ሃገርን ዝካፈልዎ ክኢላታት ብምምዛዝ ነታ ሃገር ዝሰማማዕ መሲሉ ዝርአ ንድፊ ቅዋም ምድላው ምስ ተኸናወነ ናብቲ ከከም ኣድላይነቱ ዝቐውም ኣካል ቀሪቡ ይጸድቕን ኣብ ግብሪ ክወዕል ይውሰንን፡ትሕዝቶን ኣቃውማን ናይ ምምዛዝ ክኢላታትን፣ ቅድሚ ምጽዳቑ ዝሰግሮ መድርኻትን ክፈላለ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፣ እቲ ኣገዳሲ ሓባራዊ ረቛሒ ናይ ህዝቢ ቀጥታዊ ተዋሳእነትን ተሳታፍነትን ኣብ ግምት ዘየእቱ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝወርድ ናይ ምንዳፍ ሞደል ምዃኑ ኢዩ። ኣብ መብዛሕቲአን ሃገራት ኣፍሪቃ ቅዋም ካብቲ መግዛእታዊ ስርዓት ተወሲዱ ውሑዳት ምሩጻት ደቂ ሃገር ዝተሓወስዎ ኮሚሽን ብምምስራት ዝተሓንጸጸ ቅዋማት ምዃኑ ብዙሕ መረዳእታት ኣሎ። ርሑቕ ከይከድና ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ሃገራት ምዃና ምጥቃስ ይከኣል።ብፍላይ'ውን ናይ ኣሜሪካ ቅዋም ክጥቀስ ይከኣል።"Lancaster House" method of constitution-making, which involves foreign drafting and imposition of a constitution.'

2. ብህዝባዊ ተሳታፍነትን ተዋሳእነትን ዝነደፍ ቅዋም ሞደል፡–

እዚ ሞዴል'ዚ ኣብ ገለ ካብ ፍሉይ ፖለቲካዊ፣ ማሕበረ-ቁጠባዊን ባህላዊን ድሕረ ባይታን ተሞክሮን ናይታ ሃገር ዝምንጭዉ ፍልልያት'ኳ እንተለዎ ብፈሽኡ ግን ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም ህዝባዊ ተሳታፍነትን ተዋሳእነትን ዝርኣየሉ መስርሕ ዘንጸባርቕ ሞዴል ኢዩ፡ ኣብዚ ሞዴል'ዚ ካብ ኣፍሪቃ ሃገራት ከም ኣብነት ዝጥቀሳ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ኤርትራን ፑንትላድን (ምብራቓዊ ሶማሊያ) ኢየን። (ንተወሳኺ ሓበሬታ – Patterns of African Constitution in the Making , by Ugo Mattei ተመልከት፡)

1. ኩነታት ኤርትራ ኣብ እዋን መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም (1991- 1997)

- መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም ኣብ ሓደ ሃገር፣ ምምስራት ምምሕዳራዊ ስርዓት፣ምህናጽ ቅርጺ መንግስቲን ትካላት መንግስትን፣ መሰላትን ግቡኣትን ዜጋታት ዝምልከት ዓቢ ዕማም ብምዃኑ፣ ካብ ደረጃ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባሌ፣ ባህላዊ ድሕረ ባይታን ታሪኻዊ ጉዕዞን ናይቲ ሕብረተ ሰብ ተነጺሉ ዝርአ መስርሕ ስለ ዘይኮነ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኣተሃላልዋ ስእሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምርኣይ ኣገዳሲ ይኸውን።

ድሕሪ 30 ዓመታት መሪር ኩናት ኣብ 1991ብወተሃደራዊ ስዕረት ኢትዮጵያ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዝተጋሃደሉ እዋን፣ ቁጠባዊን ትሕተ ቅርጻዊ ትካላትን ሃገር ኩሉ ዓንዩ፥ማህበራዊን ባህላውን ዝምድናታት ሕብረተሰብና ተበታቲኹ፥ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሂወቱ ተመዛቢሉ፥ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ ከቢድ መስዋእትን ምስንካልን ዓሰርታት ኣሽሓት ዜጋታት ምኽንያት፡ ሰባዊ ዓቕሚ ብዙሕ ተዳኺሙ ዝተራእየሉ፥ ካብ ናይ ብዙሕ ዓመታት መግዛእቲ ዝተበገሰ፣ ንምህናጽ ሃገር ዝሕግዙ ፖሊቲካዊን ሕጋዊን ትካላት ይኹን ቅዋማዊ ልምዲ ዘይተወርሰሉ ኩነታት ምንባሩ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ምህናጽ ሃገር ብኩሉ መዳያቱ ካብ ባዶ ክጅምር ስለዝነበሮ እቲ ብደሆታት ብዙሕን ከቢድን ምምባሩ ምግንዛብ ዘይከኣል ኣይኮነን። እምበኣርከስ ቅድሚ ኣብቲ ቀንዲ ናይ ምንዳፍ ቅዋም ሕቶ ምእታው፥ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ነቲ መስርሕ ክጸልዉ ዝኽእሉ ዝተወስዱ ስጉምትታት (ዝጸደቑ ኣዋጃትን ሰነዳትን) ምጥቃስ ነቲ ኩነታት ንምርዳእ ሓጋዚ ይኸውን።እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋሁ'ውን ኣግሊልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን፡

ሀ. ኣብ ካልኣይ ሓድነታዊ ጉባኤ(መጋቢት 1987) ህ.ግ.ሓ.ኤን ተ.ሓ.ኤ-ማእከላይ መሪሕነትን ዝጸደቐ ሰነድን ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ (ለካቲት 1994) ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተሓንጸጸ ሃገራዊ ቻርተርን ካብኡ ስዒቡ ዝተሓንጸጸ ማክሮ ኤኮኖሚ ፖሊሲን (ሕዳር 1994)

ለ. ኣብ 1993 ብተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራት ዝተካየደ መስርሕ ረፈረንደምን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝተራእየ ተሳታፍነት ናይ ህዝብን፣ (99.8 ንናጽነት ምድማጹ)

ሐ. ካብ 1991 ክሳብ 1994 ብመንግስቲ ዝወጸ ንዝተፈላለየ ሕቶታት ዝምልከት ኣዋጃት፣ ብፍላይ ድማ ኣዋጅ ቁ.23/1992 ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝሕንጽጽ ኣዋጅ፥ ቁ. 37/1993ን ቁ.52/1994 ንቅርጺ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዘመሓይሽ ሰነድ፡ -

መ. ኣዋጅ ቁ.55/1994 ምምስራት ቅዋም ኮሚሽንን ዕማማቱን ዘነጽር ሕጋዊ ሰነድ።

ሰ. ናይ"ውድባት ሓሸውየ ኣይክህሉን" ዝብል ውልቃዊ ውሳኔ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ምቛም ፍሉይ ቤት ፍርዲ፣ ብኣድማ ተጋደልቲ ምኽንያት ዝሰዓበ ማእሰርትን፣ኣብ ማይሓባር ዝተፈጸመ ገበናዊ መቕተልቲ ስንኩላን ብረታዊ ቃልሲ፣

እዚ ኣዋጃትን ሰንዳትን'ዚ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ሕጋዊን ተበግሶታት ዘጠቓለለ ምንባሩ ምግንዛብ ይከኣል። ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ይኹን ካብተን ቅድሚኡ ንኤርትራ ዝገዝኣ ሃገራት ዝተወርሰ፣ ንኤርትራ ዝሰማማዕ ቅዋማዊን ሕጋዊ ተሞክሮን ሰነዳትን ኣይጸንሐን፡ እቲ ዝጸንሐ ናይ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሕግታት ድማ ቅቡል ኮይኑ ኣይተረኽበን።ስለዚ ምጽዳቕ ናይዚ ሰነዳት'ዚ እምበኣር ነቲ ዝነበረ ባዶነት ንምፍዋስን፣ ቅዋማዊ ትካላትን ደምክራስያዊ ስርዓትን ንምእትታው ዝተኻየደ ጻዕርታት(ፈተነታት) ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ይግባእ።

እዚ መድርኽ'ዚ ብካልእ ወገኑ ክርአ ከሎ ድማ ነቲ ወግዓዊ ፖለቲካዊ ውሳኔ ጉባኤታት ውድብን፣ ነቲ ብግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝጸድቕ ዝነበረ ሕጋዊ ኣዋጃትን ዝጻረር፣ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተወስደ ውልቃዊ ውሳኔታት ዝተራእየሉ ህሞት ምዃኑ ምግንዛብ ይከኣል። ናይ ውድባት ህላዌ ምጽራርን(ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይክህሉን)፣ምቛም ፍሉይ ቤት ፍርዲ፣ ምምሕያሽ መነባብሮ ዝሓተተ ኣድማ ተጋደልቲ መሪሕኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩን ዝተሰወሩን ተጋደልቲን፣ ኣብ ማይ ሓባር ዝተረሸኑ ኣካለ ስንኩላንን፣ መርኣያ ናይቲ ዘይርጉእን ምልካውን ባህሪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ዘይከሓድ ኢዩ።

እዚ ክልተ ተጻራሪ ተርእዮ'ዚ ኣብ መንጎ እቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ዘይዲሞክራስያዊ መስመርን ብካልኦት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዲሞክራስያዊ መስመር ንምርግጋጽ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲን ኣጉሊሑ ዘርኢ ኢዩ። ብዝያዳ ድማ እቲ ቅዋም ምስ ጸደቐ ኢሳያስ ክፍርሞ ዘይምድላዩን ፣"ንድፊ ኣዋጅ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን" “ንድፊ ኣዋጅ ምርጫ ኤርትራ" ን ተዳልዩ ኣብ ዝቀረበሉ እዋን ዘርኣዮ ምሕንጋድን ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዝወሰዶ ናይ ካብ ሓላፍነት ምግላልን ምእሳርን ስጉምትታት ነቲ ጎድኒ ንጎድኒ ዝካየድ ዝካየድ ዝነበረ ናይ መስመር ቃልሲ ዝያዳ ዘብርህ ሓቅታት ኢዩ። ኣብቲ እዋንቲ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ብጽሞና ክንበብ ዘለዎ፣ ብጃምላዊ ኣመዛዝናን ዕምቆት ዘይብሉ ገምጋምን ኮይኑ ክሕለፍ ዘይግበኦ ታሪኻዊ መድርኽ ኢዩ።

2. ምምስራት ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ፡–

ብመሰረት ኣዋጅ 37/1993 መሰረትን፣ ኣቃውማኣን ዕማማታን ዘነጽር ኣዋጅ 55/1994ድሕሪ ምጽዳቕ ኣብ ሚያዝያ 1994 ብወግዒ ስራሓ ጀመረት።ብዶክተር በርኸት ሃብተስላሴ ትምራሕ ኮይና ብ50 ኣባላትን ብዓሰርተ ፈጻሚት ሽማግለን ዝቖመት፣ ህዝቢ ገጠርን ከተማን፣ ዝተፈላለያ ብሄራት፣ ሃይማኖታትን ማሕበራዊ ጉጅለታትን፣ተጋደልቲ ነበርን ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታትን ዝተሳተፍዋ ነበረት። 21 ካብ ኣባላታ ድማ ደቂኣንስትዮ ክኾና ከለዋ፣ካብ 34 ክሳብ 82 ዕድመ ዘለዎም ዜጋታት ዝቖመት ምንባራ ይዝከር።ብተወሳኺ 14 ሙያውያን ኣህጉራዊ ኣማኸርቲ ኮሚተ(ቦርድ) ካብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳ፣ኤስያ፣ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ፣ 45 ኣማኸርቲ ዓበይቲ ዓዲ ካብ ኩለን ብሄራት ፣መራሕቲ ሃይማኖትን ፈላጣት ልምዳዊን ባህላውን ሕግ እንዳባ ኤርትራ ብምቛም ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተሞክሮ ምስ ሕጊ እንዳባ ንምውህሃድ ዝሕግዝ ባይታ ምንጻፋ ምዝካር የድሊ። ካብዚ ስእሊ'ዚ ብምብጋስ እምበኣር ኮሚሽን ቅዋም እቲ ኩሉ "ባህርያዊ" ኣተሃላልዋ (ብዙሕነት) ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ዘማልኤት፣ነጻ ዝኾኑ ብብቕዓትን ተሞክሮን ዓቢ ሚዛን ዝወሃቦም ዜጋታትን ኣማኸርትን ዝሓዘት ኮይና ናብ ስራሓ ከምዝተበገሰት ምርግጋጽ ይከኣል።

ኣብ ኮሚተታት ተኸፋፊላ ዝተፈላለየ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ብምድላው ነዊሕ ክትዕን ሰፊሕ ዘተን ድሕሪ ምክያድ ኣብ ጥሪ 1995 ናይ መጀመርታ ንድፊ ቅዋም ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ንክትዕ ኣቕረበት። ድሕሪ ሰፊሕን ዓሚቕን ምርድዳእ ድማ ናብ ህዝቢ ንክትዕ ዝወርድ ንድፊ ቅዋም መልክዑ ሓዘ። ናብ ህዝቢ ወሪድካ እቲ ዕምማት ንምስላጥ ዘድሊ ቁጠባዊ ዓቕሚ ድሕሪ ምርግጋጽ ፡ 7 ዞባዊ ቤትጽሕፈታት ቅዋም ኮሚሽን ብምኽፋት፣73 ንኡስ ኮሚተታት ብምቛምን፡ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ኤርትራ ዝዛረቡ400 ዝኣኽሉ ዜጋታት ብምስልጣን ነቲ መስርሕ ንምክንዋን ውድባዊ ቅርጽታት ሓንጸጸት፡ ዕማም ኮሚሽንን መሰረታዊ መትከላት ቅዋምን ዘብርህ ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ጽሑፋትን ስእላዊ መግለጺታትን ናብ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ኤርትራ ብምትርጓም ተዳለወ። ካብኡ ሰጊሩ ኣህጉራዊ ሕጋዊ ሰንዳትን ውዕላትን ከይተረፉ ናብ ትግሪኛን ዓረብን ተተርጉሞም ዝተዘርግሑ ከም “ሓፈሻዊ ሰብኣዊ መስል ወዲሰብ”ን "ውዑል መሰል ህጻናት"ን ምጥቃስ ይከኣል።

በዚ መሰረት እቲ ኣፈናዊ ምቅርራብ ተወዲኡ ናብ ህዝቢ ወሪድካ ኣብ ፈቖዶ ገጠርን ከተማታትን ብትምህርቲን ብሰሚናርን መልክዕ ዕማማት ኮሚሽን እንታይ ምዃኑ ምግላጽን ሓፈሻዊን መባእታዊን መትከላት ቅዋም ንህዝቢ ምምሃርን መስርሕ ይጅመር። ቀጺሉ ድማ ኣብ ዝርዝር ንድፊ ቅዋም ብምእታው ብሬድዮ፣ ተለቪጂንን ብጋዜጣን ዝተሰነየ፣ ናይ ህዝቢ ርእይቶታት ምስማዕን ምእካብን ዝዕላምኡ ሰፊሕ ዘመተ ድሕሪ ምክያድ ገለ ምምሕያሻት ተገይርሉ ብሃገራዊ ባይቶ ንኽጸድቕ ፋልማዊ ንድፊ ይዳሎ። ኣብ ሓምለ 1996 ድማ ናብ ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ቀሪቡ ገለ ውሑድ ምምሕያሻት ድሕሪ ምክያድ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ ንዘተ ይወርድ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ መጋቢት 1997 መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ተዛዚሙ ንምጽዳቕ ዘድሊ ምቅርራብ ይጅመር። ኣብ ወርሒ ግንቦት 1997 ፣75 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፥398 ወከልቲ 6 ዞባታት ኤርትራ ፥ 75 ወከልቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብድምር 548(12 ካብ ሱዳን ክውክሉ ዝነበሮም ኣይተሳተፉን) ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ቅዋማዊ ጉባኤ ጸደቐ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክፍርሞ ስለዘይደለየ ድማ እነሆ ክሳብ ሎሚ ኣብ ከብሒ ተሰቒሉ ክበሊ ይርከብ።

መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም ኤርትራ በብመድርኹ ክዝርዘር ዘድለየሉ ምክንያት፣ ኣብ 80% መሃይምነት ዘይጥፈአ ህዝቢ ዝነብረሉ፣ድሕሪ ናይ 30 ዓመት መሪርን ከቢድን ኩናት፣ ኩሉ መዳያት ሂወት ሕብረተሰብና ጨሪሱ ዓንዩ ኣብ ዝነበረሉን ኩነታት፣ነቲ ዕማም ንምዕዋት ዝተኻየደ ጻዕርን ፈተነን ክሳብ ክንደይ በዳሂን ከቢድን ከምዝነበረ ምግንዛብ መታን ክከኣል ዝዓለመ ኢዩ።እቲ ኩሉ ብደሆታት ተሰጊሩ ዝተረኽበ ውጽኢት'ከ እንታይ ይመስል?

ሓደ ቅዋም ክምዘን ዝግበኦ ብትሕዝቶኡ(ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ) ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ኣብ ምጽዳቕ ንምብጻሕ ዝተካየደ ናይ ምንዳፍ መስርሕ'ውን ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብቲ ናይ ምንዳፍ መስርሕ ዝርአ ብዙሕነት ናይ ፖለቲካ ተዋሳእትን ተሳታፍነትን ህዝቢን ካብቶም ኣገደስቲ ረቛሒታት ኮይኖም ዝውሰዱ ኢዮም።

ኣብ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራ ህላዌ ብዙሓት ፖለቲካውያን ውድባት ኣይጸንሐን፡ እቲ ከም ፖለቲካዊ ህላዌ ክቑጸር ዝኽእል እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበረ ናይ ተጋደሎ ሓርነት ኤርትራ (ሰውራዊ ባይቶ) ሓደ ክፋል ኢዩ። እዚ ክፋል'ዚ ኣብቲ ዝተኻየደ ፖለቲካዊ መስርሕ ክካፈልኳ ሓቲቱ እንተነበረ ዕድል ኣይተከፍተሉን፡ ኣብ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ግን ምስቲ ኣብ ወጻኢ ዝከየድ ዝነበረ ንጥፈታት ዝተሳተፉ ውልቀ ኣባላት ምንባሮም ይፍለጥ።ከም ውዱብ ኣካል መጠን ግን ተሳታፍነት ኣይነበሮን።

ብኣንጻር እዚ ብኩራት'ዚ እቲ ኣብ ኣተሃላልዋ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝርአ ዝተፈላለየ ብዙሕነት ግን ንጡፍ ተሳታፍነት ከምዘርኣየ ብዙሓት ወጻእተኛታት'ውን ዝምስክርዎ ሓቂ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ትሕዝቶ እቲ ዝጸደቐ ቅዋም'ውን ጎሊሑ ይረአ ኢዩ።ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን ኩሉ ብዘይ ጉድለትን ሕጽረትን ተካይዱ ዘስምዕ ክኸውን የብሉን።ኩሉ መዳያት ኣተሃላልዋን፣ ማሕበረ ቁጠባውን ባህላዊን ኩነታት ሕብረተስብ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፣ኣብ ምንዳፍ ቅዋም ንጡፍ ተሳታፍነት ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስ ኩሉ ክግበር ዝከኣል ጻዕሪ ከምዝተካየደ ግን በዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ሓቅታት ምርግጋጽ ይከኣል።

እቲ ናይ ምንዳፍ መስርሕ ሓሊፉ ዝጸደቐ ቅዋም ትሕዝቶኡ ብሓጺሩ ኣብ ኤርትራ ንሕጊ ዝምእዘዝ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንኽትከል ዘፍቅድ፣ መሰረታዊ መሰልን ነጻነትን ዜጋታት ዘርጋግጽ፣ ቅርጺ፣ ስልጣንን ዝምድናን ኩሎም መንግስታዊ ትካላት ብንጹር ዝሕንጽጽን ዝፈላልን፣ኮይኑ ንመትከላት ሰላም፣ሃገራዊ ሓድነት፣ቁጠባዊ ምዕባሌ፣ደሞክራሲ፣ማሕበራዊ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ዘንጸባርቕ ኢዩ። ሓጺርን ኣብ ኣገደስቲ መትከላትን ዘተኮረን ኮይኑ ዝተረፉ ካልኦት ጉዳያት ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸድቁ ሕግታት ክድንገግ ይሕብር። ክማሓየሽ ንዝድለ ናይ ዓንቀጻት ኣገባብ'ውን ኣነጺሩ የስፍር።

ብሓፈሻ ብኤርትራውያን ንኤርትራውያን ዝተነድፈን ዝጸደቐን ታሪኻዊ ሰነድ ኢዩ። ብዙሕ ቁጠባዊ ሃብቲ ኤርትራ ዝተኸፍለሉን ሞያዊን፣ ጉልበታዊን ዓቕሚ ኤርትራውያን ዝሃለኸሉን ዕማም ኢዩ።ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ቅድምን ድሕርን ምጽዳቑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዝሰንከልሉን ዝተሰውእሉን ዝተኣሰሩሉን ውርሻ ምኳኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ህልው ቃልስና ካብ ሕሉፍ ቃልስና ነጻጺልና ክንሪኦ ኣይግባእን፣መቐጸልታ ናይቲ ሕሉፍ ቃልስናን ታሪኽናን ምዃኑ ከነስተውዕለሉ ይግባእ።ኣዎንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ታሪኽ ኩሉ ናትና ኢዩ። ኣሉታዊ ወገኑ ኣሊና እቲ ኣዎንታዊ ወገን ኣሪምናን ኣመሓይሽናን እንተዘይ ተጓዒዝና ታሪኽና ተበታቲኹ መኣዝን ክንስሕት ንኽእለሉ መገዲ ከይንወስድ ዘፍርሕ ኢዩ።

እቲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክወቅዖ ዝደሊ ሽቶታት ምስቲ ኣብዚ ቅዋም'ዚ ሰፊሩ ዘሎ መትከላት ጨሪሹ ዝፈላለ ኣይኮነን። ስለዚ ካብ ቅርሕንትን ፖለቲካዊ ድርቅናን ርሒቕና ዳግመ ግምት ክንገብርን ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና ብኣተሳስባ ክንራኸብን እቲ መድርኽ ዝጠልቦ ሕቶ ኮይኑ ይስመዓኒ።

References

1. The Eritrean Constitution-Making Process and Its Philosophy Eritrean Experience. By Richard A. Rosen.

2. Constitution Making in Eritrea A Process – Driven Approach. By Dr. Bereket Habte selassie.

3. Democracy and the Role of Parliament under the Eritrean Constitution. By Dr. Bereket Habte Selassie.

4. Patterns of African Constitution in the Making- Ugo Mattei

5. Eritrea at a Crossroads. By Andebrhan Welde Giogis

6.Legal Literature of Eritrea: A Bibliographic Essay. Thomas R. Frencht

7. Forms of Constitution Making and Theories of Democracy- Andrew Arato

8. ሰነዳት ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ - ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ግባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤን ተ.ሓ.ኤ ማእከላይ መሪሕነትን ዝጸደቐ 19/03/87.

9. ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ – ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ናቕፋ ዝጸደቐ – ለካቲት 16/1994

10. ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ - ኣስመራ ግንቦት 1997።

11. ንድፊ ኣዋጅ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ፖለቲካዊ ውድባትን – ብሸሪፎ ዝምራሕ ኮሚሽን ዝተነድፈ

12. ንድፊ ኣዋጅ ምርጫ ኤርትራ – ብኣስካሉ መንቀርዮስ ትምራሕ ኮሚሽን ዝተነድፈ



ብ'ደስበለ መሓሪ
21/09/2018

Read in PDF (ብ'PDF ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።)


Share with friends:


Recent Articles by Desbele Mehari ኣቐዲሞም ብደስበለ መሓሪ ዝወጹ ጽሑፋት፡-



ቅዋም ኤርትራ ብድምጺ الدستور الإريتري - في الصوت.


Share with Friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-