ጠበቓ ህዝቢ ኤርትራ!

05/11/2017 23:55 PM

ጠበቓ ህዝቢ ኤርትራ!

ግጥሚ ብ'መሲናስ


ጠበቓ ህዝቢ ኤርትራ

 

ጠበቓ ህዝቢ ኤርትራ!

05/11/1997 ኣስመራ-ኤርትራ

ኣንታ መምህር ህዝቢ ተስፋና ጽንዓትና
ብግዝኣት ኢሳያስ ደም እናነባዕና
ዋላ ሓንቲ ደቂቕ ሰለም ከየበልና
ዕስራ ዓመት ኮይኑ ካብ ትፍለየና!

ኣንታ ፋኑስ ሃገር ሎሚ እንተትህሉ
ነዚ ውጹዕ እተረግጸ መሰሉ
ዘለምቲ ብንዕቀት እንክጻወቱሉ
ከምቲ ናይ ቀደምካ ዓገብ ምበልካሉ!

ንጉስ ስነ ጥበብ መዘና ዘይብልካ
ዓዲ ካብ ትኣቱ ናጽነት ኮይኑ ኢልካ
ትጽቢትን ትምኒትን በበይኑ ኮይኑካ
ምልክት ናይ ሓዘን ጸሊም ተኸዲንካ
መመህር ብዘይቃላት ጓሂኻ ገሊጽካ
ሓንሳብ ንሓዋሩ ካብ ዓለም ሓሊፍካ!

ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሞራል ዝሓዘለ
እቲ ጥዑም ቃናኻ ወትሩ እናደወለ
ብመብረድ ቃላትካ ህዝቢ እናተሳሕለ
የማነ ሞይቱ ኢሉ መን ኣሎ ዘዕለለ?

ቃንዛኡን ምረቱን እናገልጽካዮ
ነቲ ዓማጺኡ እናኾነንካዮ
ኣብ ሽግር መከራ እናጸናናዕካዮ
መን ሞይቱ ክብለካ ወትሩ እናዕለልካዮ!

ዝሞቱስ ኣለዉ ብደዎም እተቐብሩ
ፍሕኛ መለኽቲ ክነፍሑ ዝነብሩ
ብጓይላን ዳንኬራን ህዝቦም ዘባርሩ
ከም ዕንባባ መሮር ዓንቢቦም ዝሓሩ
ብህዝብን ገዛእትን ፍጹም ዘይዝከሩ
ኣሳሰይቲ ምልኪ ምዃኖም ይሕፈሩ!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ነቲ ጠበቓን መምህርን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፡ ንጉስ ስነ ጥበብ ኤርትራ፡ ኮኾብ ድምጻዊ የማነ ባርያ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 05/11/2017

Share with friends:


See also recen articles by Mesinas. ካልእ ናይ ቀረባ እዋን ጽሑፋት ብ'መሲናስ፡-

•ትርጉም መንግስትን ባንዴራን፡ መበል 23 ክፋል(10/09/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


ታሪኽን ኣበርክቶን፡ ህቡብ ስነጥበባዊ የማነ ገብረሚካኤል (የማነ ባርያ)፡-

● ወግዒ ጥበባት (ብሽሻይ ገብረሃንስ) ራድዮ ኤረና (10-Nov-2017)  

● ወግዒ ጥበባት (ብሽሻይ ገብረሃንስ) ራድዮ ኤረና (17-Nov-2017)  

● ወግዒ ጥበባት (ብሽሻይ ገብረሃንስ) ራድዮ ኤረና (24-Nov-2017)