ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 1ይ ክፋል

01/01/2018 22:38 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

1ይ ክፋል

ዛንታ ዑፈይ

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


1ይ ክፋል - ዛንታ ዑፈይ

ከም መብጻዓይ ቐዳማይ ትሕዝቶይ ሒዘልኩም ደበክ ኢለ እነኹ እሞ ኣይተስተዋሓድዎ፣ ንሃናጺ መኤረምታ ይኹን ነቐፊታ ክቅበል ድልው እየ።

ነዛ ዓሙቅ ትሕዝቶ ድርሰት ሙሉጌታ ተስፍዬ፣ ብኣበበ ተካ ዝተደርፈት ብርግጽ ሞያ ወላዲት ከተስተንትን፣ ብሓሳብ ናብ ቑልዕነት ዕድመካ ሃው ኣቢላ ክትግስግስ ትቕስብ ደርፊ ኾይና እየ ረኺበያ።

ውፍቱ ንዓይ ኣደይ ውላዲተይ፣ ኩለን ኣዴታት፣ ኣዋልድ የሕዋተይ እትውክል ሙኾነን ይኣምን። እታ ጎጆ ኢልዎ ዘሎ ድማ ኽብረት ጎል-ኣንሰተይቲ ኾይኑ ይስማዓኒ።

ኣብ ስደት ጉዑዘይ ገና ኣእጋረይ ከይደልደለ ኣብ ሰንከልከል እንከለኩ፣ ኣነ እዋን ከም-ሰበይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣደይ ምስ ተረዳእኩ፣ ሓዘን ወላዲት ኸቢዱኒ። ጹሙዋ፣ ናፍቆት፣ ጭንቐት ተሓዋዊሱ ኣሰኒፎሙኒስ መስተንተኒ ኾነ ዶ ተሪፈ ክብል።

ዝያዳ ድማ ህዝበይ ዝሓልፎ ዘሎ ሓሳረ መኸራ፣ ብፍላይ እቶም ወካርያ ዘይትሰፍሮ ማሓዪር ሰፊሮም ዘለው የዕሩኹተይ፣ ቡጾተይ፣ መዘኖይ፣ ጀጋኑ ኣያታተይ ናይ ፓሎቲካ እሱራት እንዳዘከርኩ፣ መስኖ ንብዓት ንብዓት ጀርብረብ ክብል ጊዜ ኣይወሰደሉን። ብርግጽ ጥቓ ትኪ ዘሎ ዓይኒ ኣይተብኪ ኾይኑ ነገሩ።

ኤርትራዊ ክንድዚ ሕሰም ክሓልፍ ይግብኦ ዶ ይከውን? እቲ መልሲ ኣይፋሉን ሙኾኑ ፍልጥ እዩ። ሓቂ ይሓይሽ ብፍላይ እቶም ህጻውንቲ ኸለው ኣዴታቶም ዝሰኣኑ እንደገና ኣቦታቶም ዝተኣሰርዎም ብርግጽ ከብድካ ዶ ኣይበልዑኩምን፣ ምህሰይቶም ድማ ይረዝነካ። ቆልዑ ኤርትራ ድማ ኣላይ ዘይብሎም ዘክታምት የብለካ። ኣንታ እቶም ኦርፍን ዝኣተው ቆልዑ ሓዛኒ ወይ ጠዋሪ ዶ ኾን ይረክቡ እልካ ትሓስብ፣ ችላ ኩሉ ሓደ ። ኣብ ምድሪ ዓለም እሱር ዘይብጻሓላ፣ እሱር ሕክምና ዘይረኽበላ፣ መሰረታዊ ንእሱር ዘዝልዮ (ከም ጉቡእ ሽንቲ ቤት፣ ዝተመጣጠነ መግቢ) ዘይረኽበላ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ክብል ዶ ክደፍር።

ኣብ”ዛ “ውፍቱ” ትብል ደርፊ እዘን ዝስዕብ ሕጥቦ ጽሑፍ ካብተን ኣዝየን ዝስሕባኒ ፈረ ነገረን ከስተንትን ዝቐሰባኒ እየን፣ ብርግጽ ድማ ነዘን መከራ ዝጽግባ ዘለዋ ኣዴታት ኤርትራ ትገልጽ ኾይና እያ ረኺበያ።

ጻሕታራ፣ጻሕታራ፣ እትምእርር ድራር (2) ፣
ቅደመይ ጎጆኣ/ቤታ ወጺኣ ኣብነት ዝኾነት ፣
ንዓይ እውን ቤተይ ክወጽእ ዝማሃረት።
ፈጣሪኣ ኣሚና ናይ ኣፍ ጥረ (ፈረ) ንውላዳ ዘዔንገለት፣
ንምንታይ ኮን ይኽውን ሃዳንይ ዝሃደና
ተእውይ እናሃለት ፍርድን ፍትሕን ስኢና
ወሊድካ ምዕባይ ቡዙሕ ሰብ እኮ እንተፈለጦ፣
መን ኾን ይህልው ካብ ኣፉ ዝምግብ ከይዓጠጦ

ክብል እዩ ደራሲ ሙሉጌታ ተስፍዬ ሞያ ኣደ ግርም ጌሩ ዝገለጻ፣ ነዛ ደርፊ ከምቲ ዝግባእ ትሕቱኣን፣ትርጉመያ ኣይብልን በቲ ግጥሚ ቃል ብቃሉ ክትርጎም ኣይኽእልን እዩ። ኣብዛ ደርፊ ጥረ (ፈረ) ማለቱ መግቢ ጥራይ ዘይኾነ ሓልዮት፣ ፍቅሪ፣ ልግሲ፣ልውሃት ኣደ። ክትኣቱ ክትወጽእ ክትምረቅ ዘይትጸግበካ ኣደ፣ ሰብኣይ ኾንካ ክንስካ ኣንታ ቆልዓ ክትብል ከም ህጻን ክትርኤካ እንከላ፣ ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ ከምዝብሃል ቆልዓ ስለዝበለትኒ/ካ ክትሓርቅ ዶ ይዝከረካ ወይ ድማ ትስሕቅ ዶ ኔርካ ከምዚ ከማይ። ኣየወ! ምርቓ ወላዲት “ዝረግጽካዮ ለምለም፣ ዝተዛረብካዮ ቀለም ይግበረልካ” እንዳበለት ክትምርቐፍካ/ኪ ይዝከረካ/ኪ?፣ እየ ኣነ እሞ ብሓጎስ ፍንጭሕ እየ ዝብል ዝነበርኩ።

ይቕጽል ናብ 2ይ ክፍል

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:



ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-

Abebe Teka Wefitu አበበ ተካ ወፊቱ