Placeholder Picture
Placeholder Picture
ኣባታዊ ምኽሪ ን ብርጌድ ን’ሓመዱ (BNH)

04/06/2024 20:19 PM

ኣባታዊ ምኽሪ
ን ብርጌድ ን’ሓመዱ (BNH)

ብ ፕሮፌሰር ኣርኣያ ደበሳይ፡ 20 ግንቦት 2024

ኣባታዊ ምኽሪ ን ብርጌድ ን’ሓመዱ (BNH)፡ ብ ፕሮፌሰር ኣርኣያ ደበሳይ፡ 20 ግንቦት 2024

ኣባታዊ ምኽሪ፡ ን ብርጌድ ን’ሓመዱ (BNH)፡
ብ ፕሮፌሰር ኣርኣያ ደበሳይ፡ 20 ግንቦት 2024

መእተዊ: ብ 2022 ኣብ ከለን ጀርመን ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ን መንእሰያትን ብዕድመ ዝደፍኡን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምትብባዕ ሰዓብቱን ደገፍቱን ክኾኑ ዘእመነ፡ ንስርዓት ህግደፍ ከኣ ዘሰንበደን ምዕባለ እዩ። እቲ "ካብ ዲያስፖራ ናብ ኣስማራ" ዝብል ጭርሖ ናይ'ዚ ምንቅስቓስ፡ ንኹሎም እቶም ኣብ ኤርትራ ስርዓት ክቕየር ዝደልዩ ሓድሽ ተስፋን እስትንፋስን ሂብዎም'ዩ። እዚ ኣብ ሓያሎ ክፍልታት ዓለም ከም ባርዕ ዘስፋሕፍሐ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ (grassroots movement) ኣብ ኣውሮጳ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ እስራኤል፡ ኣውስትራልያ፡ ከምኡውን ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እቶም ደገፍቲ ስርዓት ውልቀምልኪ ዝገብርዎ ዝነበሩ ገንዘብ ናይ ምእካብን ብክብርታት ህዝቢ ምሽክዕላልን ዕንደራ ኣብ ምፍሻል ዘደንቕ ዓወት ኣንጸባሪቑ'ዩ። መንእሰያት ኣብቲ ቀንዲ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ "ምስ ብርጌድ ንሓመዱ ደው ንብል!" ዝብሉን ካለኦት መልእኽቲ ብርጌድ ንሓመዱ ዝሓዙ ኣሳእልን ጽሑፋትን ብምዝርጋሕ፡ ህላወ ብርጌድ ንሓመዱ "ነቲ ኣራዊት፡ ኣብ ውሽጢ ከርሱ" ከምዝስወጦ ጌሮም'ዮም።

ብዓቢኡ፡ ንጥፈታት ብርጌድ ንሓመዱ፡ ንሓቀኛ ባህሪ ናይዚ ጫካን ስርዓት ኩሉ ዓለም ክርእዮ ኣቃሊዑዎ'ዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝምወሉ ፈስቲቫላት፡ ናይ ጽልኢ መደረታትን ናይ ሓንጎል ምሕጻብ ፕሮፖጋንዳን ንምዝርጋሕ ዝተዳለዉ ፈስቲቫላት ክእግዳ ወሲነን። ብተመሳሳሊ፡ ውሑዳት ዘይኮና ሃገራት'ውን እቲ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ነቲ ኣብ ልዕሊ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ክገብሮ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ምእካብ 2% ግብሪ ከምዘሸግሮ ገይረንኦ ኣለዋ።

ብርጌድ ንሓመዱ፡ ብንጥፈታቱ ከምዘረጋገጾ፡ "ቀጥታዊ ናይ ተግባር ሰውራ" እዩ፡ ዕላምኡ ናይ ስርዓት ለውጢ ስለዝኾነ፡ ኣድያልይነት ናይ ንኹሉ ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ ኣካል፡ ብርጌድ ንሓመዱ ባዕሉ ኣለልዩዎ ዘሎ ኣገዳሲ ኣካል'ዩ። ብርድኢተይ፡ ነዚ ትስፉው ናይ ተግባር ሰውራ ወፍሪ ብርጌድ ንሓመዱ ሕጋዊ ምኽሪን ምዕዶን ክህቦም ዝኽእል ፖለቲካዊ ኣካል የድልዮ ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ እዚ ፖለቲካዊ ኣካል ሕጋዊ ተወካሊ ናይ ብርጌድ ንሓመዱን ኩሎም ንፍትሒ ዝቃለሱ ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያንን ክኸውን ይጸበዮ።

እቲ ናይ ለንቅነ ዝሕጉስ ዜና፡ ብ 18 ግንቦት 2024 "ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ጥቓ ዓዱ" ዝተሰምየ፡ ኢትዮጵያ በረኾት ዝሃበቶ ክኸውን ዝግመት፡ ብተቓላሲ ኪሮስ ኣስፋሃ ዝተማእከለ ዋዕላ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ከምኡ'ውን ቃለ-መሕትት ኪሮስ ምስ ናይ ብራኸ ሾውጋዜጠኛ፡ መድህን ገብረስላሰ ወሲኽካ፡ ብርጌድ ንሓመዱ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ብስለት ኣዝዩ ዘተባብዕን ተስፋ ዝህብን ምዃኑ ጭቡጥ ኣብነት እዩ።

ኣድላይነት ምቛም ፖለቲካዊ ኣካል

ሓደ ካብቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ጉጅለታት ጎሊሖም ዝረኣዩ ድኽመታት፡ ነቶም ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝቃወሙ ወኪሉ ክዛረብ ስልጣን ዘለዎ ሕጋዊ ኣካል ዘይምህላዉ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ እቲ እንጽበዮ ውጽኢት ከምዘየርኣዩ ዝምስከረሎም ብዝተበታተነ ኣገባብ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ንህዝቢ ኤርትራ ወኪሉ፡ ምስተን ብሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ዝደናገጻ ሃገራት ክዛረብን ክዋሳእን ዝኽእል ወኪል ጉጅለ የድሊ።

ነዚ ንምትግባር ድማ፡ ንኹሎም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ፈተውቲ ዲሞክራስን ተቓለስቲ ን ፍትሒን ኤርትራውያን ወኪሉ ክዛረብ ዝኽእልን ንብርጌድ ንሓመዱ ሕጋገዊ፡ ዘባዊ ከምኡ'ውን ካልእ ሞያዊ ደገፍን ክህብን ከማእዝንን ዝኽእል ኣካል ምቛም ዘንጊዑ ዘሎ ዕዮ ገዛና እዩ። ብዝያዳ ድማ ነቲ “ሰማያዊ ሰውራ፡ ክሳብ ኣስመራ” ዝብል ጭርሖ ክውን ንምግባር ናይ ዲፕሎማስያውን ኣማለድቲን ጻዕሪ ብዙሕ ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ። እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ህዝቢ ድጋፍ ኣብ ልዕሊ ብርጌድ ንሓመዱ'ውን ን ኣድላይነትን ህጹጽነትን ናይዚ ብስም ብርጌድ ንሓመዱን ኩሎም ኣብ ስደት ዘለዉ ተቓለስቲን ክዛረብን ክውክሎምን ዝኽእል ኣካል ብዘይ ወዓል ሕደር ክምስረት ከምዘድሊ የመልክት።

በርጌድ ንሓመዱ ደርማስ ሓይሊ ክኸውን

ንመራሕቲ ናይ ብርጌድ ንሓመዱ ቀዳማይ ምኽረይ፡ ብጽዑቕ ናይ ምዝገባ ወፍሪ ን ብርጌድ ንሓመዱ ደርማስ ሓይሊ ምግባር እዩ። እዚ ንምግባር፡ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ነዘን ክልተ ገዚፍ ዓቕሚ ዘለወን ትካላት፡ ማለት፡ ኣተኩሮ ኤርትራ (Eritrea Focus) ከምኡ'ውን ትካል ፖሊሲታትን ስትራተጂን ኤርትራ (ERIPS) ብወግዒ ሓገዘን ክሓትት ሓሳብ እህብን ይላቦን። እዘን ብኤርትረያውያን ምሁራትን ክኢላታትን ዝቘማ ኽልተ ትካላት፡ ነቲ ናይ ምዝገባን ምርጫን መስርሕ ብሓላፍነት ዚቈጻጸራ ብቑዓትን፡ ኣድልዎ ዘይብለንን ትካላት እየን። እዘን ትካላት እዚኣተን ምስ ኩሎም ካለኦት ናይ ተቓውሞ ትካላት፡ ከምኡውን ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምምይያጥ ንዅሎም እቶም ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል፡ ንኤርትራ ናብ ብቅዋም እትመሓደር ዲሞክራስያዊት ሃገር ንክትሰጋገር ዝጽዕቱ ኤርትራውያን ኩሎም ኣባላት ናይ ሰማያዊ ማዕበል (ብርጌድ ንሓመዱ) ንክኾኑ በዚ ጽዑቕ ናይ ምዝገባ መስርሕ እዚ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ እተመዝገቡ ኣባላት ዘለዉዎ ብርቱዕ ሓይሊ ክኸውን ይከኣል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ሓይሊ ድሕሪ ሓጺር እዋን ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ኣቓልቦ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከም ዝስሕብ ዘጠራጥር የብሉን።
“ሓጺን ውዑይ እናሃለወ ውቕዓዮ” ከምዝበሃል፡ ናህሪ ኣይነጥፍእ! እቶም ንብርጌድ ንሓመዱ ዝድግፉን ነቲ ስርዓት ንምቕያር ተራ ክጻወቱ ህንጡያት ዝኾኑን፡ ተመዝጊቦም ኣካል ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ክኾኑን ደጊመ ይላቦ። እተን ናይ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ ማዕከናት ዜና'ውን ኣብ ወፍሪ ምዝገባ ንጡፍ ተራ ክጻወታ ደጊመ የዘኻኽር።

Eritrea Focus ከምኡ'ውን ERIPS ብሓገዝ ናይ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ (IT)፡ ምስጢራዊነት ተመዝገብቲ ዘረጋግጽ መስርሕ ምዝገባ ብኢንተርነት ብምሕንጻጽ ነቲ ምዝገባ መስርሕ ኣብ ሓጺር እዋን ክዕመም ከምዝከኣል ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ዓቕሚ ዘለዎም ደገፍቲ ናይዚ ማዕበል፡ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ክኽፍሉ ይግባእ። ንብርጌድ ንሓመዱ ክኣትዉ ዝፍትኑ መጋበርያታት ናይቲ ስርዓት ንምእላይ ዝሕግዝ ናይ ምቁጽጻር ኣገባብ ክፍጠር ይግባእ፡ እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ዝተመዝገቡ ሓቅነቶም ዘረጋግጽን ዝከታተልን ሓይሊ ዕማም ብርጌድ ንሓመዱ ብምቛም ብቐሊሉ ክግበር ይከኣል። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ መስርሕ ምዝገባ ሱልካ ደገፍቲ ህግደፍ ከይህሉ ዝብሉ ስክፍታታት ነቲ ጽዑቕ መስርሕ ምዝገባ ዕንቅፋት ክኾኑ ኣይክእሉን'ዮም፡ ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ነቶም ኣብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ዘለዉ ኤርትራውያን ዓቕሞምን ቅንዕነኦምን ይፈልጦም እዩ።

ሕጋዊ ወኪል ኣካል ምምራጽ

መስርሕ ምዝገባ ምስተወድአ፡ ርትዓዊ ኣብ ዝኾነ ናይ ግዜ ገደብ፡ ነቲ መረጻ ዘካይድ ሽማግለ ምርጫ (ኮሚቴ መረጻ) ክቐውም ይግባእ። እቲ ናይ ምርጫ ሽማግለ፡ ንሕጹያት ዝምልከት መዐቀኒታት ከቐምጥን እቶም ዝተመዝገቡ ኣባላት ከም ወኪል ኣካል ኮይኖም ከገልግሉ ዝኽእሉ ብቕዓት፡ ተመኩሮን ቅንዕናን ዘለዎም ውልቀሰባት ክሓጽዩ ከተባብዕ ይግባእ። ናይ ምርጫ ሽማግለ ኣባላት ናይቲ ተወካሊ ጉጅለ ኮይኖም ንኸገልግሉ ብቕዓትን ኒሕን ዘለዎም ሰባት እውን ባዕሎም ንኽሕጸዩ ከተባብዕ ይግባእ። ዝርዝር ናይቲ ክምረጽ ዘለዎ ቁጽሪ፡ ካብ ምዝጉባት ኣባላት ሓሳብ ብምእካብ፡ ብናይ ምርጫ ሽማግለ ክውሰን ኣለዎ።

ርትዓዊ ዝኾነ ግዜ ኣብ ጎስጓስን ምርቋሕ ሕጹያትን ድሕሪ ምውሳድ፡ መረጻ ብኢንተርነት፡ ብዲሞክራስያውን ግሉጽን ኣገባብ፡ ብ ሓደ ሰብ-ሓደ ድምጺ ኣገባብ ክካየድ ይግባእ። ኮሚቴ ምርጫ ነቶም ኢንተርነት ዘይብሎም ኣማራጺ ኣገባብ ክምህዝ ይግባእ (ንኣብነት፡ ናይ ዙም ኣኼባ ብምጽዋዕ ኣብ እተቐድሐ ኣኼባ ድምጾም ምውሳድ፡ ብናይ ርሌፎን ቴክስት ወይ ኢመይል ብጽሑፍ ድምጾም ምሃብ፡ ወይ ካልእ ካብ ህዝቢ ወይ ካብ ናይ ምርጫ ሽማግለ ብዝመሃዝ ተግባራዊ ሓሳብ)። ሽማግለ ምርጫ፡ እቲ ዝተመርጸ ኣካል ከም ኣድላይነቱ ኣወንታዊ ዝእመን ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ስልጣን ስለዝህልዎ (ብቕዓት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወ) ብዝተኻእለ መጠን ኣኣብ ብቃልሲ ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ብዙሕነት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ።

ክዝከር ዘለዎ፡ ካልኦት ጉጅለታት ኣብ ዲያስፖራ ንዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብሕጋዊ መንገዲ ክውክል ዝኽእል ጉጅለ ምቛም ከምዘድሊ ንምጉስጓስ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት መግለጺታት ክገብሩ ዝጸንሑ ጉጅለታት ኣለዉ፡ ምስኦም ምምኻር ሓጋዚ እዩ ኢለ ይኣምን። እዚ ተወካሊ ጉጅለ ክጻወቶ ዝሕሰብ ተራ ምስቲ ኣብ ታሕቲ ዘርዚረዮ ዘለኹ ዝመሳሰል እዩ። ካብዚ ብምብጋስ፡ ነዞም ተመሳሳሊ እማመ ዘለዎም ሰባት ኣብ ኣገባባት ምምራጽ ፖለቲካዊ ኣካል ክተሓባበሩ ስለዝኽእሉ፡ ብርጌድ ንሓመዱ እንተዝውከሶም ጽቡቕ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ተራ ፖለቲካዊ ኣካል እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ቀንዲ ዕላማ ፖለቲካዊ ኣካል ክኸውን ዘለዎ፤

(ሀ) ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸረ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ካብ ሱሩ ተማሕዩ፡ ኤርትራ ደሞክራስያዊት ሃገር ንክትኸውን ለውጢ ዘቀላጥፍ ኣድማዒ ስትራተጂ ኣብ ምስኣል ምሕጋዝ።

(ለ) ንብርጌድ ንሓመዱን ንኹሎም ተቓለስቲ ንፍትሒ፡ እፍቀርቲ ዲሞክራሲ ዲያስፖራ ኤርትራውያን - ኣብ ዝኾነ ሃገራዊ፡ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ መድረኽ - ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢጋድ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሊግ ዓረብ ወዘተ ምውካል።

(ሐ) ብስም ህዝቢ ኤርትራ ንማሕበረሰብ ዓለም ብሓደ ድምጺ ምዝራብ።

(መ) ንህዝቢ ኤርትራ ንምድጋፍ ብፍላይ ምስ ከም ኣሜሪካ ዝኣመሰላ መንግስታትን ኣብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን፡ ብፍላይ ከኣ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማልያን ጅቡቲን ዝኣመሰላ ጎረባብትናን ዝተፈላለዩ መንግስታት ዲፕሎማስያዊ ጻዕርን ጎስጓስን ምክያድ።

(ሰ) ፖለቲካዊ ኣካል ብናይ ምዝገባ ክፍሊት ገንዘብ ክእክብ፡ ካብ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ፡ ከምኡ’ውን ሰብ ጸጋ ነጋዶ ገንዘባዊ ሓገዝ ብምሕታት ናይ ፖለቲካዊ ኣካል፡ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘድልዮም ወጻኢታት ስርሒት ምሽፋን። ብተወሳኺ ፖለቲካዊ ኣካል፡ ዲሞክራሲ ንምድንፋዕ ምወላ ዝህቡ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ክራኸብ ይግባእ። ብፍላይ ፖለቲካዊ ኣካል ብዛዕባ ክመጽእ ዝኽእል ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘሻቕለን ሃገራት ክረኽበን ይግባእ።

(ረ) ካልእ ኣገዳሲ ተራ ፖለቲካዊ ኣካል ምስ UNHCRን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ብምትሕብባር ኣብ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ንምግላጹ ዘሸግር ከቢድ ጸገም ዘጋጥሞም ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምሕጋዝን ኣብ ክንደኦም ምጥባቕን እዩ።

(ሸ) ሓደ ተወሳኺ ኣገዳሲ ሓላፍነት ፖለቲካዊ ኣካል እውን ናብ ነፍሲ ወከፍ ተቓላሲ ንፍትሒ ኤርትራዊ ምብጻሕን ናብ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ክጽንበሩ ምትብባዕን ክኸውን ይግባእ።

(ቀ) ንዝቕጽሉ ቅዋማዊ ኣካላት ዝምልከት ረቂቕ ሕጊ ብምንዳፍን ብምድላውን ቅዋማዊ መንግስቲ ንምቛም ክሰርሕ።

(በ) ድሕሪ ለውጢ ስርዓት ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ንምስግጋር ዘድሊ መሰረት ንምድላው ምሕጋዝ። እቲ ወኪል ኣካል ስሉጥ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ንምርግጋጽ ናይ ምስግጋር ቻርተር ኣብ ምድላው ክሕግዝ ትጽቢት ክግበረሉ እዩ። እቶም ድሮ ብ Eritrea Focusን ERIPSን ድሮ ተዳልዮም ዘለዉ ሰነዳት፡ ድሕሪ ምውዳቕ ናይዚ ኣብ ዓድና ዘሎ ኣጽናቲ ስርዓት ብዘይ ሓርጎጽጎጽ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዓቢይ ተራ ክህልዎም እዩ።

መደምደምታ

ኣብ መደምደምታ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ምስ ኩሎም ተቓለኣቲ ንፍትሒ ብምትሕብባር፡ ንኣፍቀርቲ ተግባራዊ ዲሞክራሲ ደለይቲ ፍትሒ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ክውክል ስልጣን ዘለዎ ሕጋዊ ኣካል ሰዓቱ ዝሓለፈ እኳ እንተኾነን፡ ሓጂ'ውን ብቕጽበት እንተዓዪና ክኸውን እዩ። እዚ ውሁድ ኣካል እዚ ብርጌድ ንሓመዱን ካልኦት ትተቓለኣሪ ን ፍትሒ ኤርትራውያንን ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምርግጋጽ እቲ ቀንዲ ዲናሞ እዩ። ከምቲ ምስላ ኣበዋት ዝብሎ "እንተሓበርና'ዶ ደው ንብል፡ ተፈላለና'ኸ? ንወድቕ!"

ናይ መወዳእታ ምኽረይ፡ ንሓድሕድኩም ዘየረዳድእ እንተተረኽበ፡ ናይ ግድን ከኣ ክርከብ እዩ፡ ሓደራኹም ኣብ ውሽጥኹም ደኣ ተረዳድኡ እምበር ብ መግለጺታትን ብ ዘይምእኩል ቃለ-መሕትታትን ናብ ግዳም ምውጻእ ኣይተቐልጥፉ። ኣብዚ ኣባታዊ ምኽሪ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ መስርሕ ሓባራዊ ሕልምና፡ ማለት፡ ንኤርትራ ናብ ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምቕያር፡ ተራ ክህልዎን ነዊሕ መንገዲ ከሳልየናን ተስፋ እገብርን እኣምንን።

ሰማያዊ ሰውራ ክሳብ ኣስመራ!
ጸሓፊ፡ ፕሮፌሰር ኣርኣያ ደበሳይ
ተርጓሚ፥ ተወልደ ስእለ



ERIPM |ኢሰያስ ኣገናዕ ምባሉ ተቃተሉ ማለት እዩ| ብርጌድ ንሓመዱ ክዕወት፡ ሓደ ንኩልና ዝወክል ሓይሊ ክፍጠር ኣለዎ |ፕሮፊሰር ኣርኣያ ደበሳይ



See also more articles by Prof. Araya Debessay
ካልኦት ብ'ፕሮፈሶር ኣርኣያ ደበሳይ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: