Placeholder Picture
Placeholder Picture
Eritrea Martyrs day, 20 June 2023: Reflections and Press Releases.

20/06/2023 00:32 AM

Eritrea Martyrs day,
20 June 2023:
Reflections and Press Releases.
መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ 20 ሰነ 2023
ዝኽርታትን መግለጺታትን፡
يوم شهداء إريتريا 20 يونيو 2023: تأملات وبيانات صحفية

Eritrea Martyrs day, 20 June 2023: Reflections and Press Releases.

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን!

እነሆ እምበኣር፡ ነቲ ሃገርና ዝኸፈለቶ ኣዝዩ ረዚን መስዋእቲ ሓርበኛታት ንምዝካር ዝቖመት መዓልቲ፡ 20 ሰነ፡ ኣቲናያ ንርከብ ኣሎና።
ኣብዛ ወርሒ`ዚኣ፡ ነቶም ምሳና እናተቓለሱ ዝሓለፉ ሰማእታት እንዝክረላ፡ ንሶም ዝሓደጉልና ሕድሪን ለበዋን ገምጊምና፡ ነቲ ዘይተመልአ ዕማም፡ ምርግጋጽ ሓርነትን ራህዋን ህዝብና፡ ንምፍጻም፡ ኩሉ ዝድለ መስዋእቲ ንምኽፋል መብጽዓና እነሓድሰላን ዕለት ኢያ።

ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ናይ መዋእል ቃልሲ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ 1940ታት ኣትሒዙ፡ ደምን ኣዕጽምትን ስዉኣትና እተኸፍለላ ኢያ ክሳብ ግንቦት 1991 በጺሓ። ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ እንተኾነ'ውን፡ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣየቋረጸን። ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ሃገርና ኤርትራ ተሰጒጉ ከብቅዕ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ 32 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ሃገርና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣይቀሰነን፡ ካብኡ ዝበኣሰ መስዋእቲ ምእንቲ ሓርነቱ ክኸፍል ይርከብ ኣሎ። እዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ሃገርና መስዋእቲ፡ ህዝብና ካብታ ሲኦል ኮይናቶ ዘላ ሃገሩ፡ ነብሱ ንምግልጋል፡ ወናኒ ህይወቱን ዕድሉን ንምዃን፡ ንቡር ንምድላይን ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘጋጥሞ መጭወይቲን ምስዋርን፡ ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ዘጋጥሞ ሓደጋ ናይ ምጥሓል ኣብ ውቅያኖሳትን ሞት ኣሰቃቒ ሞት ኣብ ምድረበዳን፡ ወዘተ የጠቓልል። እቲ መስዋእቲ ኣብዚ ጥራይ ኣይተሓጽረን፡ መንእሰያትና ካብ ልዑላዊ መሬቶም ሰጊሮም ብግዲ፡ ኣብ መሬት እንዳማቶም ክዋግኡን ህይወቶም ክኸፍሉን ምርኣይ፡ ናይዘን ቀረባ 2-3 ዓመታት ተሞኩሮ፡ ምትእትታው ናብ ኢትዮጵያ ጥራይ ምጥቃስ ይኣክል። ክሳብ ሕጂ፡ ናይዚ ተገዲዱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣብ ውግእ ህይወቱ ዝሓለፈ ኤርትራዊ፡ ንኹለን ስድራቤታት ኤርትራ ኣውያትን መርድእን ይጽበየን ኣሎ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከብዱ ሓቚፉ ብጭንቀት፡ መርድእ ክሰምዕ ከኣ ይጽበ ኣሎ።
መዓስ ኢና፡ ካብ ውግእን ወረ ውግእን ከነዕርፍ?

ዕላማ መስዋእቲ ጀጋኑና፡ ንምርግጋጽ ሓርነትን ራህዋን ህዝብና ኢዩ ነይሩ። መላእ ህዝብና፡ ከይተሾቑረረ ብሙሉእ ኣእጋሩ መሬቱ ክረግጽ፡ ዝመሰሎ ክዛረብ፡ ጎይታ ሃገሩ ክኸውን፡ ደቅናን ደቂ-ደቅናን ብቕሳነት ክነብሩን ክዕምብቡን፡ ኣብ ሃገርና ሙሉእ ራህዋ ክሰፍንን ኢዮም፡ ጀጋኑና ሓሊፎም።
ሎሚ፡ ደቂ ስዉኣትን ስድራቤታት ስዉኣትን፡ ኣበይ ኣለዉ? ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከቡ?
እቲ ንቡር፡ ኣበይ ኣሎ? እቲ ራህዋ፡ ኣበይ ኣሎ? ሞትን ስደትን፡ ኣብቂዑ'ዶ? ፍትሒ፡ ኣበይ ኣሎ?

ኣብዘን ዝሓለፋ 32 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ሃገርና፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝገደደ፡ ስርዓተ ራዕዲን ምልኪን ኢዩ ነጊሱ ዘሎ። እዚ ኸኣ፡ ርኡይ ጥልመት ንሕድሪ ሰማእታትና ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ጨካን ምልካዊ ስርዓተ-ምሕደራ፡ እናተሾቑረረን ኣብ ትሕቲ ራዕዲን ኢዩ ዝነብር ዘሎ። እልቢ ዘይብሎም ኣርካናትና፡ መንእሰያትና፡ ምእመናንናንን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ብቓጻ ምስተጨውዩ፡ ብዘይ ፍትሒ፡ ኣብ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ቦታ፡ ተሸሪቦም ኣለዉ። ንልዕሊ 25 ዓመታት፡ መንእሰያትና ብስም "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጊልያነት ተቖሪኖም ይርከቡ። ብሰንኩ፡ ካብ ትምህርቶምን ሓዳሮምን ተዛናቢሎም፡ ሕልሞም ተጎናዲቡን፡ ኣብ ትሕቲ ጊልያነት ክነብሩ ተገዲዶም ኣለዉ። ዘየቋርጽ ውግእን ወረ-ውግእን፡ ኣእላፋት ህይወት መንእሰያትና ካብ ዝበልዕ፡ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ኣብ ዘይምልከተና ኲናት ናይ ጎረባብትና እናኣተዉ ዝቕዘፉ ዘለዉ መንእሰያትና፡ ጽባሕ መርድእ ክሳብ ዝበጽሓና፡ ህዝብና ከብዱ ሓቚፉ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኹሉ፡ ካብ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ንላዕሊ፡ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ መንእሰያትና፡ ናብ እግሮም ዝመርሖም ክነፍጹ ተገዲዶም፡ ብቐጻሊ ኸኣ ኣደዳ ህልቂት ምድረበዳን ባሕሪን ይኾኑ ኣለዉ።

ሕድሪ ሰማእታትና መሊኡ ዝረጋገጽ፡ ሃገርና፡ ዓዲ ቅዋም፡ ዓዲ ሕጊን ፍትሒን ምስ እትኸውን ጥራይ ኢዩ።
ስለዚ ኩልና ኤርትራውያን፡ መብጽዓ ሰማእታትና ናይ ምትግባር ጾር፡ ኣብ ዝባንና ኢዩ ዘሎ።
ዕለተ-ሰነ መጽአት ሽምዓ ብምውላዕ ጥራይ ክንሓዝን ካብ እንነብር፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ነቲ ንሕድሪ ሰማእታትና ከይፍጸም ዓጊቱ፡ ኣብዚ ኩሉ ሕሰም ኣውዲቑና ዘሎ ናይ ሃገርና ጨካን ምልካዊ ስርዓት፡ ሓግሒግና ክንድርብዮ ኣሎና።
ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት (UN Universal declaration of hman rights) ከምዝድግፎ፡ ንሕና ከም ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና መሰልና ንምርግጋጽ እነካይዶ ቃልሲ፡ ፍትሓዊን ድጉፍን ኢዩ። እዚ መሰል`ዚ፡ ስዉኣትና ዝኸፈልናሉ ዕላማ ስለዝኾነ፡ ነቲ ሕድሪ ዝያዳ ዕዙዝ ይገብሮ። ነዚ ጉዕዞ`ዚ ከነዐውቶ ከኣ፡ ተሳኒናን፡ ተሓባቢርናን ክንከዶ፡ ናይ ስዉኣትና ረዚን ሕድሪ ኣብ ዝባንና ኣሎ።

ሰማእታትና ወትሩ ክንዝክረኩም ኢና!

ሕድርኹም ንምትግባር ኣይክንሕለልን ኢና!

ስኒትና.ኮም 20 ሰነ 2023


ብምቕጻል ኣምበአኣር፡ ኣብዚ ገጽ`ዚ፡ ብኣጋጣሚ ቅንያት 20 ሰነ 2023፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ዝኽርታት፡ ገምጋማትን መግለጺታትን ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ዝኣከብናዮ ከነቕርበልኩም ኢና። ትሕዝቶ ናይዚ ገጽ ዚ፡ ብቕንያቱ፡ ክውሰኾን ክህብትምን ስለዝኾነ፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ኸኣ ንላቦ።
ነዚ ዕለት`ዚ ዝምልከት ኣገዳሲ መግለጺ ወይ ገምጋም እንተሎኩም፡ ናብ snitna.com ክትሰዱልና ንላቦ።

Dear visitors, on this page, we will compile various memories, reflectins and press-releases, highlightig the Eritrea's Martyrs Day, 20 June 2023. We will update this page continuously, by adding more contents.
Please send us such information to snitna.com.


ካብ ሰነዳት፡-
ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተነበበ፡ ኣስማት ስዉኣት
(ካብ 1ይ ክፋል - 3ይ ክፋል)
Documentary: Martyrs names from Nakfa 1994
(Part 1 - Part 3)

1ይ ክፋል፡   2ይ ክፋል፡   3ይ ክፋል፡  


መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)
ELF Martyrs Archive.
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነሓሰ 1996

OR:
መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)
ELF Martyrs Archive.
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነሓሰ 1996

ELF Martyrs Register - መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ምልክታ
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ህይወት ወዲ ሰብ ክቡር ምዃኑ ካብ ዘለዋ ተረድኦን፡ ንስድራ ቤት ተጋደልቲ ካብ ኰለልን ድኻምን ሻቕሎትን ንምንጋፍ ካብ ዘለዋ ሓልዮት ተበጊሳ፡ ተጋዳላይ ኣብ እተሰውኣሉ እዋን ንስድራ ቤቱ ብኡ ንብኡ ምሕባር ከም ባህላ ገይራ ክትሰርሓሉ ጸኒሓ`ያ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ዓቕሚ ናይ ህዝብና ድኹም ምዃኑ ስለእትርዳእ`ውን፡ ንስድራ ቤት ስዉኣት ነጋይሽ መቐበሊ ክኸውን ብማለት ቁሩብ ደገፋት ከተበርክተሎም ምጽናሓ ዝዝከር`ዩ። ስለ`ዚ፡ መብዛሕትኦም ኣብዚ መዝገብ ናይ ስዉኣት ተጠቒሶም ዝርከቡ ተጋደልቲ ስድራቤቶም ብዕሊ መስዋእቶም ኣብ ግዚኡ ዝተሓበሮም ክዀኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ፡ እቲ ንተሓኤ ተጋጠመ ጽንኩር ኩነታት ስለዘየፍቀደ፡ መስዋእቲ ደቆም ብዕሊ በዚ መዝገብዚ ኣቢሎም ንመጀመርያ ግዜ ብዕሊ ይሕበሩ ምህላዎም ንግንዘብ ኢና። ካብዚ ብምብጋስ ድማ` ንስድራ ቤት ስዉኣት ጽንዓት ይሃብኩም እናበልና፡ ብመስዋእቲ ውላድኩም ኰርዓትን ሓበንን ክስምዓኩም ነማሕጽን። Read more


Eritrean Martyrs Day
መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ።


Eternal Glory be to our Martyrs!
ሃገርና፡ ዓዲ ቅዋም፡ ሕጊን ፍትሒን ብምግባር፡ ሕድርኹም ክንፍጽም ኢና!
We will fulfill your promise, by making our country a land of constitution, law and justice!
سنفي بوعدكم بجعل بلدنا أرض الدستور والقانون والعدالة!
(Snitna: 20th June 2022)


𝐄ri-TV: ዝኽሪ ሰማእታት 20 ሰነ 2023 | Eritrean Martyrs Day 2023
20 June 2023


𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓: መልእኽቲ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ።
20 June 2023


Tv Meley: መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ 20 ሰነ
20 June 2023


ሕድሪ ሰማእታት፡ ዕዳ ህሉዋት እዩ።
መግለጺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP)
20 June 2023

Sinit Symposium 2023
ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ደቃን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካልእ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ ንሰማእታት ኤርትራ፡ “ብሳላኹም ልኡላዊ ሃገር ኮይንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዘልኣለም ይኹንኩም፡ ኣብ ዘለኹምዎ ቅሰኑ፡ ሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ኢና” ምባሎም፡ እንተዘይውሒድዎም ኣይበዝሖምን እዩ። Read more:


Eri-Platform:
መልእኽቲ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ 2023።
20 June 2023


ዝኽሪ ቃልሲ ሰማእታት ንናጽነት።
ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
20 June 2023

ንሃገራዊ ዕርቂ ንበገስ - ብዶር ተስፋይ ገብረመድህን


ዝኽረ ሰማእታት፡ ይኣክል ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት።
25 June 2022


  ቅዋማውነት፡
ራኢ ሰማእታት።
19 June 2022

ቅዋማውነት ራኢ ሰማእታት፡

ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠውቑ።


ሳላሳን ሓደን ዓመታት ናጽነት'ዶ፡
ሳላሳን ሓደን ዓመታት ባርነት!
(1ይ ክፋል)

1ይ ክፋል፡   2ይ ክፋል፡   3ይ ክፋል፡   4ይ ክፋል፡   5ይ ክፋል፡  


ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ 20 ሰነ 2022 ኣብ ለንደን።
Martyrs Day 20th June 2022, London UK.
(Part-1)


ባህግና፡ Bahgna 67፡ ዜናታት፡ ሕድሮም ዝተጠልመ ስዉኣት፡


ERISAT: መግለጺ ትንሳኤ ተጋደልቲ ንቅዋማዊ ስርዓት


Eri-Platform: ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!


TV-Meley: 20 ሰነ 2022
ዝኽሪ 20 ሰነ 2022 ብውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ዞባ እስራኤል ዝተዳለወ፡
"ሰማእታትና ወትሩ እናተዘከሩ ክነብሩ 'ዮም"


ERISAT: ፊቃዶ ዲማ እግል ሹውሃዳነ !!


Shama Baytona: ሰማእታትና ወትሩ ብግብርና ይደበሱ?


Hdri-Jeganuna: 20 ሰነ 2022
ፍሉይ መደብ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ስዉኣት 20 ሰነ 2022።
برنامج خاص بمناسبة يوم شهداء إريتريا 20 يونيو 2022.
Special program on the occasion of Eritrea's Martyrs Day 20th June 2022.
Guest speaker: Artist Zeresenay Ghirmay (Tezareb)
ጋሻና፦ ስነ-ጥበባዊ መንእሰይ ዘርእሰናይ ግርማይ (ተዛረብ)


Eritrean new clip 2019 Yirgalem Fisseha ከይደ'ለኹ!


ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ
Martyr's Day Official wreath-laying ceremony
ERi-TV


ዝናር ጥበባት ማእከል 20 ሰነ 2022
zinar tibebat maekel Martyr's Day 2022 Special -
ERi-TV


ATV: ሕድሪ ስውኣት ጠሊምካ፡ ብስውኣትን ስድራቤቶምን ምዝራብ ዝኸፍአ ሓጥያት’ዩ -
ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ




ERITV Program 20 June 2020

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: