8 መጋቢት 20178፡ ኣድላይነት ዕዙዝ ተሳትፎ ደቀንስትዮን።

13/03/2017 13:45 PM

8 መጋቢት 2017

ኣድላይነት ዕዙዝ ተሳትፎ ደቀንስትዮን።

ብ'ራሄል ስዩም


8 መጋቢት 2017፡ ኣድላይነት ዕዙዝ ተሳትፎ ደቀንስትዮን ሽሞንተ መጋቢት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቕኣንስትዎ ናይዚ ዓመት 2017 ንምብዓል ዕንቛእ ኣብቓዓና እናደበልኩ መልእኽቲ ጽሑፈይ ብፍሉይ ንኤርትራዊያን ዲቒ ኣንስትዮ ዘተኮረ እዩ።

ናይ ሎሚዘበን አህጉራዊ መዓልቲ ደቅንስትዮ’ውን ከምተን ዝቐደማ ዓመታት ድሕረ ናጽነት ሃገረና ጡዑም ወረ፡ ቕሳነት፡ ሰላምን ፍትሒ አብ ዝተሓረምናሉ መዋእል ሰጢምና ንሰግሮ ስለዘለና ሓዘን ይሰዓኒ። ስጋብ መዓስ ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና፡ ሪኢና ከምዘይረኣና ንጉዳይና ሕቖና ሂብና ከነጽቕጥ ኢና ዝብል ሕቶ ወትሩ ኣብ ሓሳበይ ዝማላለስ ጉደይ እዩ። መልሲ ክረኸበሉ ህርድግ እንተበልኩ’ውን ተዓዊተ አይፈልጥን። ምኽኒያቱ እታ አብ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ንፈልጣ ጓል ኣንስተይቲ ካብቲ ሃገርና ንዕርበታ ዝደናደን ዘሎ ጸላኢ ንምድሓን ዝኣክል እጃም ተበርክት ዘይምህላዋ ኪጋግያ ጀሚረ። እታ ተቓላሲት ኣደ ምእንቲ ሃገራ ውሉድ ማሕጸና እዃ ዘይበቐቐት፡ እታ መንእስይ ዋዕሮ’ወን ማዕረ ብጾታ ሸዊት ዕድሚኣ ዝኸፈለት፡ ኣበይ ኣበለት?

ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣላሽ ምባል ኣይባህሪኣን እዩ’ሞ፡ እቲ ኩቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ቃልሲ ተጠሊሙ፡ ተዘሚቱ እንዳራኣየት ከተጽቅጥ ናይ ብሓቒ ገጊየያ። ሕጂ’ውን ብዘይባኣኺ ነቲ ተዘሚቱ ዘሎ መሰልና፡ ክብረትና፡ ናጽነትና ከምለስ ዘበት እዩ’ሞ፡ ሕልና ይሃልኪ። ኣለኹ በሊ፡ ዓመጽ፡ ግፍዒ ስቅያት፡ ሞት ዝወለድኪዮም ዕሸላት መንፈስኪ ይተንክፎ እሞ፤ ከምታ ዋዕሮ ሻምላኺ ምዘዚ። ንስኪ ምስትሕርኒ ጥራይ’እዩ ውልቀ-መላኺ ዝምሖ። ነጎዳ ድምጽኺ መቓልሕ ብርሀን፡ ሰላምን ራህዋን ናጽነትን እዩ’ሞ ሀየ ከም ቀደምኪ ንዝካይድ ዘሎ ሃገራዊ ቃልሲ በኣድማዕነት ግጠምዮ።

ልክዕ እዩ፡ ብፍላይ አብ ወጻኢ፡ አብ ስደት ዝካየድ ቃልሲ፡ ንቡር ጠፊኡዎ ናጽነትን መሰልን ዝብላ ቓላት እንዳደጋገሙ፡ ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ስነ-ስርዓት ዘይብሉ ልምዲ ምፍልላይ ይስዕርር ምህለው ብሩህ እዩ። እዚ ግን ብስቕታኪ ኣይኮንነ ዝፍታሕ። ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ሰራሒት ታሪኽ እያ። ኤርትራዊት አደ ሓቋፊት ሓብሓቢት ጠርናፊት እያ። ሎሚ ግን፡ አብዚ ሕሱም ግዜ አውያት ንጹሃን ደቕኪ እነዳሰማዕኪ ምጽቓጥ ምምራጽኪ ዘስደምም እዩ። ነታ አብ ልዕሊ መቓብር ደቓ ተቖኒና ተሓኒና ጓይላ ትተክል ኣደ ምሕረት የውርደልኪ ኢልካ ምሕላፍ ይምረጽ። ምኽኒያቱ ነቲ ሕማቕ’ውን ዓይነት ኣለዎ፡ ናይ ኤርትራና ነገር ግን መዘንተዊ’ዃ ዝተሳእኖ ሕሱም ጸልማት መዋእል ዝዳረጎ ስም ሕመቕ ክትረኽበሉ የጸግም። ብዘይካ አረምየን ሰይጣን ሎሚ ዓድና ኤርትራ ጽቡቕ ኣላ ኢልካ ደቒስካ ዝሕደረሉን ጋይላ ዝትከለሉን ግዜ አይኮነን። አደ ሃይለ ወልደትንሳአ፡ አደ ወዲ-ዓሊ ፡ አደ ጴጥሮስን ኣሕመድ ሕመድን፡ አደ ኣስቴር፡ ሚርያም... አደ መን ጸውዒ ኣደ ምን ክገድፍ። እቲ ኣስማት ናይታ ማዓንጣኣ ተጠውያ ትነብዕን ትቑዝምን ዘላ ኣደ ጅግና መወዳእታን ደረትን የብሉን። እቲ ዝገደደ ድማ ጽባሕ ጽባሕ አብዚ መስርዕ ዝጽንበራ ኣደታት፡ ደቒኪ ብድርቦም ኣሞራ ሰሃራ በሊዑዎም፡ እታ መርዓት ጓልኪ ምሰ የሕዋታን ደቓን ዓሳ ባሕሪ ውሒጡዋ፡ ተባሂላ ትርዳእ ዘላ ወላድ መካን፡ እንታይ ኢላ ትጽውዖ ትህሉ ነዚ ግዜ? ምናልባት ግዝኣት ቱርኪ ተባሂሉ ዝዝንቶ መሪር መግዛእቲ’ውን ዝንእሶ ይመስለኒ።

እቲ ኣብ ዓድና ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ዘርዚርካ ዝውዳእ አይኮነን። ወገሐ ጸብሐ እንተደጋገምናዮ ውን ፍታሕ ክኸውን ከምዘይኽእል ንማሃር ኣለና። ለውጢ ንምምጻእ እንኮ መፍትሒኡ ምቕላስ ምዃኑ ሳላ አብዚ ዘመን ምንባርና ዝተሞኮርናሉ ውዱዕ ሓቂ እዩ። እዚ ንሓርነት ዝኻየድ ቓልሲ ድማ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ብዘይ ኤርትራዊት ሓፍቲ፡ ኣደ፡ ተማሃሪት፡ ባዓልቲ ሞያ፡ ባዓልቲ ልቦና ዝዕወት ቃልሲ የለን።

አብ መልእኽተይ ብልቢ ክይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይግባእ፡ብፍሉይ ነተን ጀጋኑ ደቐኣንስትዮ፡ ነዚ ህዝብና ዘሳጺ ዘሎ ግፍዕታት ናይዚ ሕሱም ስርዓት አብ ዓለም ንክቓላዕ፡ ለይትን ማዓልትን ክይተሓለላ ኣንጻር ናይ ውሽጥን ደገን ተጻብኦታት እንዳመኸታ፡ ከምኡውን መንእሰያት ካብ ምንጋጋ ኣዛብ ዘድሕናን አብ ዑቑብ ቦታ በጽሖም፡ ሰብኣዊ መሳላቶም ክሕሎን ዘካይድኦ ዘለዋ ቓልሲ፡ ብስም እቲ ውጹዕ ህዝብና ክብርን ሞገስን ይብጻሕኽን። ንስኻትክን ኣርኣይ ኢኽን፡፡ ኩላትና ንኢሽተይ ዓቐምና እንተንሕውስ ዕድመ ጸላኢና ከምዝሓጽር ዳግማይ ኣረጋጊጽክንኦ ኢኺን።

መብዛሕትኡ ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ ዜጓ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ነቲ ሃገር ዘጥፍእ ዘሎ ውልቐ መላኺ ንምቑዋም ብብዝመስሎ ተወዲቡ ይቓለስ አሎ። እቲ ዝካየድ ጻዕሪ ዝናኣድ እዃ እንተኮነ ነቲ መሰረታዊን እዋናዊን ሕቶ ይምልስ ስለዘየለ ካኣ፡ ንጸላኢና ኣብ ዘድምዓሉ ቦታ የነናጻጽር የለን። ሓንቲን መሰረታዊትን መንገዲ ሕቖ ኣባይና ትሰብር፡ ምፍልላይ ወጊድ ምባል እዩ። አብዚ’ውን ብዘይቀልዓለም ደቐንስትዮ ብአድማዕነት እንተዘይተሳቲፍናዮ ክዕወት ኣይክእልን። መድርኽ፡ ምስታፍና ጥራይ ይሕተት የለን። እነታይ’ዳኣ ተመኽሮ ቓልሲና መዚንና ኸነድምዓሉ ዘኽእለና መገዲ ምውናን ይግባኣና። ካብ ሃብታም ተመክሮና ካኣ ብዘይኣፈላላይ ክንሓብር፡ ብሓባር ክንምርሽ ከምዘለና ተማሂርና ኢና። ነዚ ኩሉ አብ ደምበ ተቓለስቲ ንፍትሒ ፋሕ ኢሉ ዝጓዓዝ ዘሎ ጻዕርታት ንምሕያል እንሆ ህጹጽ ጻዊዒት ብኤርትራዊ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ቐሪቡ እኖሆ። እዚ ተበግሶ እዚ ንኩሊ ኤርትራዊ ዜጋ ዘሳትፍን ዝጥርንፍን፡ ነቲ ጀሚሩዎ ዘሎ ቓልሲ ዘሕይል ስለዝኮነ፡ ብኩፉት ኣእምሮ ኣብ ንነብረሉ ዘለና ከተማ፡ ከባብን ኣህጉርን፡ ተኣኪብና ሕጋዊ ወከልትና ምምራጽ እዩ። ሕጋዊ ወኪልና ብድምጽና፡ ዝሕሸና፡ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ዝውፈ ዜጋ ድሕሪ ምምራጽና፡ ነካየዶ ቓልሲ መስርዐ ሒዙ ናብ ንደልዮ ዘለና ሰላም ከብጽሓና’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኤርትራዊ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ዕዙዝ ተሳትፎ ደቒ ኣንስቲዮ ይሓትት ኣሎ። ምኽኒያቱ ታሪኽና ከምዝምስክሮ ብዘይ ምሉእ ተሳትፎና ዓወት አይርከብን። ሕጂ’ውን ንሰኺ ኢኺ እታ ኣደ ወሊድኪ ዘይለኣኽኪ፡ ንስኺ ኢኺ እታ ምእንቲ ሃገር ዝመኸንኪ፡ ንስኺ ኢኺ እታ ፍረ ማህጸንኪ ንግሆ ንግሆ ትቐብሪ ዘለኪ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ምዕራፉ ተብጽሕዮ። ንስኺ ኣቲ ጎርዞ ውጻእ ማዓት’ውን፡ እቲ ፈተነ ሪሂኺዮ ጢዒምኺዮ ዝወጻኺ፡ ክብረ ንጽህናኺ ተደፊርኪ ዓድኺ ስለዘልቐቑኪ፡ ከምይ ገርኪ ስቕ ምባል ክትመርጺ? አሕሕ ኢልና እንተዘይሓሪና፡ እታ መሰታና፡ እታ ምንኣስና፡ እታ ውላድና ናትና ዕድል እዩ ከጋጥማ። እንታይ ገደሰኒ ምባል አየምሕረልናን እዩ። ንዕነ የሕዋት ነዚ ህጹጽ ጻዊት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ንዕሰሎ እሞ ነዐውቶ። አደ፡ ጓል ኣንስተይቲ ብሓፈሻ ዓንዲ ሕቖ ቓልሲና፡ ብርሃን ገዛና እያ’ሞ ሽግ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ቓልሲ ንኹን፡፡ ንዕነ የሕዋት፡ ኣደታተይ፡ መሓዙተይ ህዝብና ነሕብር፡ ወከልቲና ተጣበቕቲ ጉዳይና ንምረጽ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና።

ዓወት ን መጋቢት 8 ማዓልቲ ደቐንስትዮ ዓለም።

ኤርትራዊ ዓለምለኻዊ ተበግሶ

ራሄል ስዩም

Share with friends:


Also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-፡-