ናይ ርእሰማል ምስጢር (The Mystery of Capital)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

18/12/2020 23:26 PM

ናይ ርእሰማል ምስጢር

(The Mystery of Capital,
By Hernando De Soto)

"ስለምንታይ እዩ ርእሰማልነት ኣብ ምዕራብ ሃገራት ተዓዊቱ፣ ኣብ ካልእ ኩሉ ቦታ ግን ፈሺሉ"
Black Swan edition 2001

ብ'ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ(ጆርጅ)
by Mr. Fessahaye Gebregiorgis,
London December 2020.

ናይ ርእሰማል ምስጢር

ብጣዕሚ ኣገዳሲን መሃርን መጽሓፍ፣

ናይ ርእሰማል ምስጢር (The Mystery of Capital,
By Hernando De Soto)

"ስለምንታይ እዩ ርእሰማልነት ኣብ ምዕራብ ሃገራት ተዓዊቱ፣ ኣብ ካልእ ኩሉ ቦታ ግን ፈሺሉ"
Black Swan edition 2001

እዚ መጽሓፍ`ዚ ኣገደስቲ ነጥብታት ዝሓዘለ ኮይኑ፣ እቲ ወዲ ፐሩ ጸሓፋይ ምስ ካልኦት ተመራመርቲ ኮይኑ ንይ ዝገበሮ መጽናዕቲ ውጽኢት ኣዩ።

ኣነ ቀንዲ ዝሰሓበኒ ምኽንያት፡ ብዛዕባ ዋንነት መሬትን ገዛን ብርቱዕ ተገዳስነት ስለዘሎኒ እሞ ኸኣ ስለምንታይ ኢና ካብ ሓሳርን ጥሜትን ክንገላገል ዘይከኣልና (ዓይነት ስርዓት ገዲፍካ ማለት እዩ) ፡ እዚ መጽሓፍ`ዚ መፍትሒ ዝረኸብኩሉ ይመስል።

እዚ ጸሓፋይ ቀንዲ ነጥቡ፡ ንብረት( ገዛ ይኹን መሬት ወይ ትካል) ብሒጊ ዋንነቱ እንተዘይተረጋጊጹ ርእሰማል ምድላብ ይኹን ልቓሕ ረኺብካ ክትምዕብል የጸግም ይብል።

እቲ መጽሓፍ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስትታት ይኽፈል፥

1. ምስጢር ዝጎድል ሓብሬታ፥

ከምቲ ብዙሓት ገበርቲ ሰናይ ዝምዝግብዎ፡ድኻታት ዓለም ዝጽግሞም ብግቡእ ዝተሰነድ ንብረት ስለዘየል እዩ። ብዙሕ ዕቑር ን ዝተዋህለለን ሃብቲ ዋላ እንተለዎም ከም ምዉት ርእሰማል እዩ ዝቑጸር።

2. ምስጢር ርእሰማል፥

እዚ ቀንዲ ማእከል ወይ ትሕዝቶ ናይዚ መጽሓፍ እዩ።
ርእሰማል እንታይ ማለት እዩ? ርእሰማል ብኸመይ ይርከብ? ርእሰማል ምስ ገንዘብ ብኸመይ ይተኣሳሰር? ዝብሉ ሕቶታት ክምልሽ ይፍትን።

3. ምስጢር ፖሊቲካዊ ኣፍልጦ፥

እቲ ኣብ ኢድ ድኻታት ዘሎ ምዉት ርእሰማል ስለምንታይ እየን መንግስታት ክጥቀማሉ ዘከኣላ? ዝብል ሕቶ ክምልሽ ይፍትን።

4. ታሪኽ ሕቡራት ኣመሪካ ዘምምርማር፥

እዚ ኣብ ስሉስ ዓለምን ኮሚኒስት-ነበር ሃገራትን ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣቐዲሙ ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ኣጋጢሙ ነይሩ እዩ። ብኸመይ ተዓዊቱ ግን ግቡእ መጽናዕቲ ኣይተኻየደን። ታሪኽ ሰሜን ኣመሪካ ምስ ዝፍተሽ ግን ጠቓሚ ኣብነት ይርከብ።

5. ምስጢር ውድቀት ሕጋውነት፡ ስለምንታይ ሕጊ ንብረት ወጻኢ ካብ ምዕራብ ሃገራት ክሰርሕ ዘይከኣለ?

ብዙሓት ሃገራት ሕግታት ምዕራባውያን እናቐድሓ ክጥቀማሉኳ እንተፈተና፡ ዜጋታተን ሃብቲ ወይ ርእሰማል ክድልቡ ኣይከኣሉን። እቲ መስርሕ`ውን ፍረ ኣየፍረየን። ብዙሓት ዜጋታት ንዕቑር ሃብቶም ብሕጋዊ መገዲ ናብ ርእሰማል ክቕይርዎ ኣይከኣሉን። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ ወይ እቲ ሕጊ ከገልግል ዘይተገብረ ምስጢር እንታይ እዩ?

ምዉት ርእሰማል ኣብ ዝምዕብላን ኮሙኒስት-ነበር ሃገራትን ክንደይ ከምዝግመት ጸሓፋይን መሳርሕቱን ብዝገበርዎ መጽናዕቲ ብዘገርም ስታቲስቲክ ከምዚ ይገልጽዎ፣-

1. ኣብ ፊሊፒን፡ 57% ተቐማጦ ከተማን 67% ተቐማጦ ገጠርን ኣብ ርእሰማሉ ዝሞተ ገዛውቲ ይነብሩ።

2. ኣብ ፐሩ ድማ 53% ተቐማጦ ከተማን 81% ተቐማጦ ገጠርን ኣብ ዘይሕጋዊ(extralegal) ገዛውቲ ይነብሩ።

3. ኣብ ሃይቲ 68% ነበርቲ ከተማን 97% ነበርቲ ገጠርን ኣብ ዘይሕጋዊ ገዛውቲ ይቕመጡ።

4. ኣብ ግብጺ`ውን 92% ነበርቲ ከተማን 83% ነበርቲ ገጠርን ኣብ ከምኡ ዓይነት ይነብሩ።

ኣብ ፐሩ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝውነን ንብረት $74ቢልዮን ክግመት ከሎ ኣብ ፊሊፒን ከኣ $133ቢልዮን ይግመት።

ከምቲ ጸብጻብ ዝሕብሮ፡ ጠቕላላ ዋጋ ብድኻታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝውነን ንብረት ኣብ ስሉስ ዓለምን ኮሙኒስት-ነበር ሃገራትን ደሚርካ ብውሕዱ $9.3ትሪልዮን ይኸውን። እዚ ኣሓዝ`ዚ 2 ዕጽፊ ምሉእ ዝንቀሳቐስ ገንዘብ ኣመሪካ ምዃኑ እዩ።

ከምቲ ጸሓፋይ ዝብሎ፡ ዝምዕብላን ኮሙኒስት-ነበር ሃገራትን ናብ ርእሰማልነት ምእንቲ ክሰጋገራ ተመክሮ ኣመሪካ ምርኣይ ኣገዳሲ ይገብሮ። ንዘይሕጋዊ መሰል ንድረት ኣፍልጦ ሂብካ ምስ`ቲ ዘሎ ሕጋዊ ንብረት ምውህሃድ ካብቲ ቀንዲ ረቛሒ ምዕባለ ርእሰማል ኣመሪካ ኮይኑ ይርከብ። እዚ ንምትግባር ቀሊል ቃልሲ ከምዘይነበረ ጸሓፊ ይገልጽ። ጎንጺ ዝሕወሶ ጊዜ`ውን ነይሩ እዩ ይብል። እቲ ቀደም ንኣመሪካ ዘጋጥማ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ስሉስ ዓለምን ኮሙኒስት-ነበር ሃገራትን ይድገም ኣሎ። ማለት እቲ ወግዓዊ ናይ ንብረት ሕግን ናይ ህዝቢ ኣካይዳን ተበግሶን ክመጣጠን ስለዘይከኣለ መንግስቲ ምቑጽጻር ይስእን።

ኣብቲ መጽሓፍ ኣገዳሲ ዝጥቀስ ነጥቢ ከኣ፡ ሓደ ድኻ ንብረቱ ናብ ሕጋዊ ዋንነት ከስጋግሮ ምስ ዝፍትን ዝወስደሉ ጊዜን ዝሓልፎ ቢሮክራሲን ኣገራሚ እዩ። ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ ኣብ ፐሩ ሕጋውነት ንብረትካ ንምርካብ ልዕሊ 300 መዓልታት ይወስድ። ዝኽፈል ዋጋ ድማ 32 ዕጽፊ ወርሓዊ ደሞዝ ይግመት። ሓደ ዘይሕጋዊ ገዛ ናብ ሕጋዊ ዋንነት ንምቕያር ኣብ ፐሩ 728 ደረጃታት ቢሮክራሲ ክትሓልፍ ትግደድ። እዚ ኣብቲ መጽሓፍ ብዝርዝር ቀሪቡ ይርከብ(ገጽ 203)።

ካብዚ ብምቕጻል ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ነዚ ጉዳይ`ዚ ዝምልከት ምርኣይ ምስ እንፍትን፥

1. መንግስቲ ህግደፍ ብ1994 ናይ መሬት ኣዋጅ ምስ ኣወጀ፡መሬት ናይ መንግስቲ እዩ ከምዝበለ ብዙሕ ሰብ ዝዝክሮ እዩ። እዚ ኣዋጅ`ዚ ኣብ ብዙሕ ሰብ ስኽፍታ ኣሕዲሩ እዩ። ናይ ተቓውሞ ዕድል ስለዘይነብረ(ሕጂ`ውን ስለዘየሎ) ዋላ ሓንቲ ክግበር ኣይተኽእለን። እዚ ኣዋጅ`ዚ ግን መስረቒ ሜላ፡ ንዝደለኻዎ ደጋፊኻ መሬት ምዕዳልን ንምዝማትን ክጥዕም ዝተገብረ ከምዝነበረ ድሒሩ ተጋሂዱ። ንኣብነት ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ ቦታታት ዋና የብሉን እናበልካ ንሰበስልጣን ህግደፍ ብምዕዳል፡ ነጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጠቒምካ ብዙሕ እቶት ይኻዕበት ነሩን ኣሎን። እዚ ኸኣ ንሓዋሩ ዝፍንጀር ቦምብ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ ምኽንያቱ ዋና ዘይብሉ መሬት የለን።

ካልእ ኣብነት ድማ ካብ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዋ ዓድታት ብዘይካሕሳ ዝተወሰደ መሬት ዝምልከት እዩ።

2. ካልእ ዘገርም ነገር ኣብ ኤርትራ ሓደ ዜጋ ሓድሽ ገዛ ምስዘስርሕ ናይ ዋንነት ሕጋዊ ዶኩመንት(ቀደም ሊብረቶ ዝበሃል) ኣይወሃብን። ስለምንታይ ንዝብል ሓታቲ መልሲ የለን፡ ከም ድላይካ ንምዝማት ክጥዕም እንተዘይኮይኑ።

3. ኣብ ኢትዮጵያ`ውን እንተኾነ መለስ ቅድሚ ምሕላፉ ንብረት ብዝምልከት ዝገለጾ ነገር ምዝካር ይከኣል። ሽዑ ዝበሎ `` ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ገዛውትን መሬትን ንምምዝጋብ ምስ ሓንቲ ናይ ወጻኢ ኩባንያ ተረዳዲእና ኣለና``። እዚ እንታይ ይእምት እንተ ተባሂሉ ብዙሕ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ንብረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሎ ማለት እዩ። ዋላ ነዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ`ውን ዘሸግሮ ነገር ከምዝኾነ ይፍለጥ። ኣብ ቀረባ ጊዜ ካብ ቤት/ጽ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተገልጸ ብዙሕ ዋንኡ ዘይተፈልጠ ፓላሶታት፡ ገዛውቲ፡ መሬት ከምዝረኸቡ እዩ። እቲ ምሻጥን ምግዛእን ናይዚ ንብረታት መንግስቲ ብዘይፈልጦ ኣገባብ ካብ ባንክ ወጻኢ ዝንቀሳቀስ ባጤራ ከምዝካየድ ምግማት ኣየጸግምን። ብተወሳኺ ብዕለት 9/11/2020 ምክትል ከንቲባ ኣዲስኣበባ 1000 ሀክታር መሬት ብዘይሕጊ ተወሲዱ ከምእተረኽበ ገሊጻ ነይሩ። ስፍሓቱ ንምርዳእ ገለ ኣሃዛት ምስ ዝቐርብ፡ ንሓደ ቪላ መስርሒ 250 መትሮ ትርብዒት እንተወሲድና፡ እዚ ዝተባህለ መሬት 40,000 ቪላታት ከስርሕ ምኸኣለ ማለት እዩ። ኣብ ኣዲስኣበባ ብዝተሓተ ንሓደ ቪላ ዋግኡ 1ሚልዮን ብር ምስ እንግምት፡ በቲ ጊዜያዊ ሸርፊ ገርካ $800 ሚልዮን ይኸውን። ምስርሒ ቪላታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ እዚ ቁጽሪ`ዚ ቁሩብ እዩ ዝትሕት። ካልእ ዘይተፈለጠ ብዘይሕጊ ዝተዘመተ መሬት ኣብ ኣዲስኣበባ ይኹን ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ብሰፊሑ ክህሉ ከምዝኽእል ንምግማት ኣየጸግምን። ምውት ርእሰማል ዝበሃል ድማ ንሱ እዩ። ነዚ ንምስትኽኻል ቆራጽ ፖለቲካዊ ስጉምቲ የድሊ። ወዘተ፣

4. ብጊዜ ውግእ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብቲ ጽዩፍ ዝተኻየደ ስራሕ ልዕሊ 70,000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ምስጓግ እዩ። ገለ ካብዚኣቶም ገዛውቶም 3 ወይ 4 ጊዜ ይሽየጥን ይመሓላለፍን ነይሩ። ጠንቂ ናይዚ ጉቡእ ሕጋዊ ዋንነት ንብረት ዘይምንባሩ እዩ። እቲ መንግስቲ`ውን ብፍላጥ ሸለል ይብሎ ነይሩ።

5. ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ መሬት ናይ ህዝብን መንግስትን እዩ ይብል። ትርጉሙ ግን ንጹር ኣይኮነን። ንብልሽውና ድማ ክፉት ይመስል።

ትሕዝቶ መጽሓፍ ብክኢላታት አኮኖሚ ብዝሰፍሐን ዝነጸረን ክቐርብ ከምዝከኣል ተኣሚኑሉ፡ እዚ ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ ከም ኣፈናዊ መግለጺ ክውሰድ ይከኣል።

መደምደምታ፡

ጸሓፋይ ከም ዝብሎ፣ ርእሰማልነት ኣብ ዝምዕብላን ኮሙኒስት-ነበር ሃገራትን መገዲ ጠፊእዎ ይርከብ። ምስቶም ክጥቀሙ ዝግብኦም ብዙሓት ሰባት ርክብ ይብሉን። እንታይ ደኣ ኣገልጋሊ ሃብታማትን ተክኖክራትን ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ንምእራሙ ቀሊል እዩ፡ ግን እቶም መንግስታት ነዚ ዝስዕብ ክቕበሉን ክኣምኑን ይግባእ።

1. ኩነታትን ዕቑር ዓቕምን ድኻታት ብዝሓሸ ኣገባብ ክስነድ፡
2. ኩሉ ሰብ፡ ሃብቲ ክዓቁር ክእለት ከምዘለዎ፡
3. ድኻታት ዝጎድሎም ነገር እንተ ሃለወ፡ ሕጋውነት ዝለበሰ ናይ ንብረት ኣገባብ ኮይኑ፡ ዕዮኦምን ዘዋህለልዎ ሃብትን ናብ ርእሰማል ምልዋጥ ዘይምኽኣልን፡
4. ናይ ህዝቢ ኣብያ ይኹን፡ ምህላው ማፍያ ጉጅለታት መርኣያ ናይቲ ዘሎ ኩነታት ምዃኖም፡
5. ድኻታት ሽግር ዘይኮኑስ፡ ኣካል ፍታሕ ምዃኖም ምእማን፡
6. ኣገባብ ኣተሓሕዛ ንብረት ንምትርጓም ፖሊቲካዊ ብድሆ ምዃኑ፡ ምኽንያቱ ምስ ህዝቢ ተራኺብካ፡ ማሕበራዊ ኮንትራት ኣለሊኻ ነቲ ዘሎ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ምስ ተመሓይሾ እዩ።

ኣብ መጨረሽታ ጸሓፋይ፡ ኣንባቢ ብጌጋ ንከርድኦ ብምባል ኣኽራሪ ርእሰማላዊ ኣተሓሳስባ ከምዘብሉ ይጥቅስ። ንሱ ዝያዳ ዘገድሶን ዛምነሉን፡ ሓርነት፡ ምድንጋጽ ምስ ድኻታት፡ንማሕበራዊ ኮንትራት ክብሪ ምሃብ፡ ናይ ዕድል ማዕርነት ምርግጋጽ እዩ። ኣብዚ ጊዜ`ዚ ነዚኦም ንምትግባር ዘዐውተና ርእሰማልነት እዩ ይብል። ገዚፍ ናይ ርእሰማል ውህለላ ድማ የስዕብ።

እቲ መጽሓፍ ብዙሕ መጻሕፍቲ ንውከሳ ኣብ መወዳእታ ዘርዚሩ ስለዘሎ፡፣ሓሳባቱን መረዳእትኡን ከስፍሕ ንዝደሊ ሰብ ኣገዳሲ ሓበሬታ እዩ።

ገብረጊዮርጊስ ፍስሃየ(ጆርጅ)
ለንደን-2020

Share with friends:

Other articles by Mr. Fessahaye Gebregiorgis ካልእ ጽሑፋት ብ`ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ (ጆርጅ)


Eritrea: The Universal Declaration of Human Rights in Tigrinya

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: