ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ COVID-19

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

28/12/2021 17:37 PM Updated

ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ
(Coronavirus COVID-19)
Staying safe from Coronavirus infection

እዋናዊ ሓበሬታ

ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ COVID-19

ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ COVID-19.
Staying safe from Coronavirus infection

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!

ኣብዚ ዓለምና ብኣዝዩ ኣስጋኢ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተለኺፋትሉ ዘላ እዋን፡ ንሃገርና ኤርትራ፡ ምስቲ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ወዲቑ ዘሎ መነባብሮ ህዝብናን፡ ኣዝዩ ትሑት ዓቕሚ ናይ ኤርትራን፡ ኩልና ሃገራዊያን ኤርትራውያን፡ ኣዚና ተሻቒልና ንርከብ ኣሎና። ንሻቕሎትና ኣዝዩ ዘጋድድ ኩነታት ድማ፡ ልዕሊ ርብዒ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ፈቐዶ ስደትን፡ መዓስከራት ስደተኛታት ጎረባብትና ሃገራትን፡ ኣብ ኣዝዩ ትሑትን ዝኸፍአን ናብራ ተጻቓቒጡ ይነብር ምህላዉ ኢዩ። ብሓፈሻ ህዝብና፡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ስደት ኣብ መዓስከራትን ዝርከብ፡ ንድራር ዕለቱ ዝጽበ፡ ንጽባሕ እንታይ ከምዝምገብ ውሕስነት ዘይብሉ፡ ኣገልግሎት ጽሩይ ዝስተ ማይ ዘይብሉ፡ ከምኡ`ውን ውሑስ ኣገልግሎት ጥዕና ዘይረክብን ኢዩ።

ካብዚ ሻቕሎት`ዚ ዝነቐለ እምበኣር፡ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣብ ሞያ ጥዕና ዝነጥፉ ብማሕበር ዝተጠርነፉ ኤርትራውያን፡ መርበብ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና (EHPN፡ ከምኡውን ብጉጅለ ዝተጠምሩ ምሁራትንኣብ መላእ ዓለም ብባይቶን ብጽላልን ዝተጠርነፉ ኤርትራውያንን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘለዉ ኤርትራውያን ከምኡ`ውን ኣብ ስደት ብፍላይ ከኣ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመንን ሊብያን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎም ዝጽውዕ መልእኽትታት ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ነዚ ዝነኣድ ተበግሶ ብግብሪ ንምስናዩ ድማ፡ ሓደ ዝተዋሃሃደ ናይ ህጹጽ ረድኤት ማዕከን ቆይሙ (ታሕቲ ርአ)፡ ህዝቢ ወፈያታቱ ክገብር ናይ ህጹጽ ረድኤት ጻውዒት ይግበር ኣሎ (ኣብዚ ጠውቑ)። ነዚ ሰናይ ሃገራዊ ናይ ህይወት ኣድሕን ተበግሶ፡ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ዓቕሙ ከበርክት በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ንጽውዕ።

ምስዚ ብምትእስሳር፡ እቲ ወረ ናይዚ ሰራም ሕማም ለበዳ`ዚ ምስተላዕለ፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ከም ኩለን ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታታት፡ ንህዝብና ከም መወከሲ የገድሱ ኢዮም ዝበልናዮም ሓበሬታታት፡ ኣብ ሓደ ጠሚርና ብምቕራብ፡ ህዝብና ብቐጻሊ ከምዝርእዮምን ከምዝሰምዖምን ንምግባር፡ ብኸምዚ ኣብታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ በብዕለቱ እናተኻታተልና፡ እዋናዊን ኣገዳሲን ሓበሬታታት፡ ኣቕሪብናልኩም ኣሎና።

እዚ ገጽ`ዚ፡ ክሳብ እዚ ናይ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝሃድእ፡ እቲ ሓበሬታታት ዕለታዊ እናተማሓየሸን እናተወሰኾን ስለዝኸይድ፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ኣድላዪ ኢዩ። ብኸምዚ ኸኣ፡ ንነብስኹምን ንፈተውትኹምን ክትሕብሩን ክትከላኸሉን ንምሕጸን። ንዘይሰምዑ፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ ከምዘለዎም ክትሕብሩዎም ድማ ንላቦ።

ኩሉኹም ግዱሳት፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ጥዕና ሰብ ሞያ፡ ነዚ ገጽ`ዚ ንምህብታም፡ ምስ ዓቕሚ ህዝብና ዝኸይድን ህዝብና ብቕልል ዝበለ ኣገባብ ክግንዘቦ ዝኽእልን ሓበሬታ እንተሎኩም ከተበርክቱ፡ ወይ ውን ክትልእኩልና፡ በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ኣጥቢቕና ንምሕጸን።

እዚ ንዓለምና ወሪዱዋ ዘሎ መዓት፡ ኣብ ሓጺር እዋን ዝሒሉን ጠፊኡን፡ ዓለምና፡ ናብ ጎደና ሰላም፡ ፍቕሪን ምትሕብባርን ክትኣቱ፡ ዘሎና ምንዮት ወሰን የብሉን።

ብፍላይ ንዓና ንኤርትራውያን፡ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን፡ ንኹሉ ፍልልያትና ኣወጊንና፡ ንድሕነት ህዝብናን ሃገርናን፡ ብሓባር ደው ክንብልን ክንሰርሕን፡ መድርኽ ይጠልበና ኣሎ። ኩሉ ኤርትራዊ ዓቕሚ (ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ በርጌሳዊ፡ ሞያዊን ምሁራዊን) ነቲ ውጹዕ ህዝብና ንምሕጋዝ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ገይሩ፡ ህዝብና ዝረብሓሉን ዝጥቀመሉን መንገዲ ውሑስ ንምግባር ክሰርሕን ጻዕርታቱ ከታሓባብርን ይግባእ።

ሰሰናዩ ንዓኹም፡ ደቂ ኤርትራ!

ሰላምን ፍቕሪን ንኤርትራውያን!

ሰላም ንሃገርና፡ ንዞባናን ዓለምናን የውርደልና።

ስኒትና.ኮም
snitna.com


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ
(Coronavirus COVID-19 and it's Prevention)


Dehay Eritrea: (13 Dec. 2021): ኣብ ጉዳይ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኦሚክሮን ምስ ዶክተር ዮውሃንስ ሃይለ ዝተገብረ ቃለመሕትት


Radio Erena: (27 Dec. 2021): New Eritrean Interview with Dr. Amanuel Yohannes.
እዋናዊ ሓበሬታ ጥዕና ብዶክተር ኣማኑኤል ዮሃንስ



ERISAT: (17 July 2021): ዘተ ሰብ ሞያ ጥዕና
ብዛዕባ ክታበት ኮሮና ቫይረስን ኣብ ሃገርና ዘሎ ሽግራት ብምክንያት ኮሮና ቫይረስን ምስ ሰብ ሞያ ጥዕና


እንተኣብዩኩም፡ ኣብዚ ጠውቑ።


Global Yiakl: (16 May 2021): ዘተ ሰብ ሞያ ጥዕና
ብኮቪድ-19 ንዝሳዓበ ኣህግራዊ ሽግር፡ ኮቫክስ መፍትሒ ይኾውን ዶ፧.


እንተኣብዩኩም፡ ናብ ዩቱብ ንምኻድ ኣብዚ ጠውቑ።


Global Yiakl: (16 Jan 2021): ዘተ ሰብ ሞያ ጥዕና
ናይ ዶክቶራትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኤርትራውያን መብርሂ፡ ብዛዕባ ኮቪድ-19. This is panel discussion of our Eritrean Health professionals, on current Covid-19 pandemic situation.


ATV: (13 Dec 2020): ዘተ ሰብ ሞያ ጥዕና
ጉዳይ ለበዳ ኮረና፡ ተስፋ ክታበትን ምኽኑይነት ውሸባ ኣብ ሃገርናን፡ ብመንጽር ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን


ERISAT (12 Nov 2020): ዘተ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮና ቫይረስን ተኽእሎታት ክታበትን
ምስ ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ፡ ዶክተር ኤልሳ ተኽለ፡ ዶክተር ዘርኣብሩኽ ገብረማርያም፡ ዶክተር ዮሃንስ ሃይለ



ERISAT (17 Oct 2020): ዘተ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮና ቫይረስን ተኽእሎታት ክታበትን
ምስ ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ፡ ዶክተር ኤልሳ ተኽለ፡ ዶክተር ዘርኣብሩኽ ገብረማርያም፡ ዶክተር ዮሃንስ ሃይለ

- ኣላዪት ዘተ፣ ዶክተር ኤልሳ ተኽለ
ክኢላ ምድንዛዝ ኣካላትን ኣደ-መንበር ምትእኽኻብ ሰብ-ሞያ ጥዕና ኤርትራውያንን
- ዶክተር ዮሃንስ ሃይለ
ተመራማሪ ኣብ ምቁጽጻር መድሃኒታትን ምውህሃድ ስነፍልጠታዊ ምርምርን ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ካናዳ
- ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ
ምኩር ሓኪምን ፕሮፈሰር ኣብ ቶሮ ዩኒቨርስቲ በርክሊን
- ዶክተር ዘርኣብሩኽ ገብረማርያም
ክኢላ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ
ለበዳ ሕማም ኮሮና ዝሒሉ ድዩ ወይስ ስለ ዝለመድናዮ ኣቃሊልና ንርእዮ ኣሎና፧
ኣብ ቀረባ እዋን ዝያዳ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ኮቪድ ብብዝሒ ዝርኣየሉ ዘሎ ጠንቂ እንታይ’ዩ፧
ብዓለም ደረጃ’ኸ ነዚ ለበዳ’ዚ ንምዕጋት እንታይ ይግበር ኣሎ፧
ተኽእሎታትን ገስጋስን ምዕባለ ክታበት ኮሮና ከመይ ይመስል ኣሎ፧



Global
ERITREAN JUSTICE SEEKERS INITIATIVE -
TO FIGHT COVID-19
ተበግሶ ዓለምለኸ ወፍሪ
ንምምካት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ
Fundraising campaign
ጻውዒት ንወፈያ

ወፈያ ንምግባር፡ ኣብዚ ታሕተዋይ ስእሊ ጠውቑ።
To make your donation, please click the image below:

ERISAT: ጻውዒት ንኩሉ ኤረትራዊ ንምምካት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ።
ካብ ዓለምለኸ ሕብረት ኤረትራውያን ንምምካት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ።

Erican Yiakl:ዓለምለኻዊ ተበግሶ ይኣክል
ንምምካት ለበዳ ኮቪድ 19

EHPN An Urgent call to save Eritrea from the COVID-19 pandemic. By Eritrean Healthcare Professionals Network (EHPN)


ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ (Coronavirus COVID-19)
(Dr Tekie T. Debrezion)


ኣገዳሲ ሓበረታ ብዛዓዕባ ኮሮና ቫይረስ
ብ ዶር ዮውሃንስ ሃይለ-

Asmara show: ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዓዕባ ኮሮና ቫይረስ (ብ ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ)
EriCan Yiakl: ኮሮና (COVID 19) ቫይረስን ኣሉታዊ ሳዕቤናቱን: (ብ ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ)


ሰሚናር ብ`ነርስ ኤደን ጸጋይ፡ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና
ዕለት 04 ሚያዝያ 2020
Part 1 - 3


Part-1:   Part-2:   Part-3:


ኣፍልጦን ኣገባብ ምክልኻልን ኮሮና-ቫይረስ
ብ`ነርስ ኤደን መንግስትኣብ Nurse and Mrs Eden Mengstiab-
Part 1 - 2

Part-1:   Part-2:


ERi-TV ዶክተራት ኣብ ስቱዲዮ፡
ዕላል ምስ ዶ/ር ጽጌሬዳ መሓሪ ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና


ኩሉ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ክትፈልጥዎ ዝግባእ፥
ዘተ ምስ ዶ/ር ዓዚዝ ኣሕመድ።


ERISAT: ንለበዳ ኮሮና ቫይፍረስ ብዝምልከት ቀጥታዊ ቃለ-መሕትት
ምስ ፋርማሲስትን ተመራማርን ተኽለ ኣፈወርቂ።



ዘተ ኣብ መንጎ ወሃብቲ ኣገልብሎት ሕክምና
ብዛዕባ #ኣእሙራዊ ጥዕና ኣብ ግዜ ምዉሻብን ኪንዩኡን:
ምስ ዶ/ር ዮሴፍ በርሀ



ስነ-ኣእምራዊ ጸቕጥን ኣተኣላልዩኡን
STRESS MANAGEMENT.
Dr. Tesfamichael Ghebrehiwet



(1) ኣብ ቀጻሊ ምክልኻል ንኮቪድ 19 (2) ተራ መንግስትን ህዝብን
(1) Covid-19 Continuous Prevention (2) The role of the people and GOE
Dr. Joseph Gebremichael



ATV: COVID-19 Awareness Raising Program -
Dr. Assefaw - ለበዋ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ
Part 1



Share with friends:



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ
(Coronavirus COVID-19 and it's Prevention)



Share with friends: