Placeholder Picture
Placeholder Picture
ጋዜጣዊ መግለጺ - ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል - ክፍሊ ጽምዶ፡ 11ታሕሳስ2022

11/12/2022 18:32 PM

ጋዜጣዊ መግለጺ፡
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል - ክፍሊ ጽምዶ፡

11 ታሕሳስ 2022

ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል - ክፍሊ ጽምዶ፡ 11 ታሕሳስ 2022።

ጋዜጣዊ መግለጺ - ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል - ክፍሊ ጽምዶ፡ 11 ታሕሳስ 2022።

ጋዜጣዊ መግለጺ

ብክፍሊ ጽምዶ ዓለምለኻዊ ይኣክል ዝተዓደመ፡ ኩሎም ሃገራውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ስቪካዊ ማሕበራትን ናይ ሜድያ ትካላትን ዘካተተ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ምምኽካር ዋዕላ ትማሊ ቀዳም ዕለት 10 ታሕሳስ 2022 ተዛዚሙ። ኣብዚ ክልተ ናይ ዘተ መዓልታት፡ ልዕሊ 50 ውድባት፡ ምንቅስቓሳት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ልዕሊ 25 ናይ ሜድያ ትካላትን ተዓዲመን። እዚ ብዓርቢ ዕለት 9 ታሕሳስ፡ ብዝክረ ሰማእታት ዝጀመረ ናይ ሓባር ዋዕላ፡ ተጋባእቲ፡ ነቲ ብክፍሊ ጽምዶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዝቐረበ፡ ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ናይ ምፍጣር ተበግሶ ብሰፊሕ ሰሚዑ። ተጋባእቲ፡ ነቲ ብክፍሊ ጽምዶ ዝተጸወዐ ናይ ምምብህሃል መድረኽ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

ኣብ መእተዊ ዋዕላ፡ ምክትል ኣቦ መንበር ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣቶ ገዛኢ ሓጎስ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ሃገርን ህዝብን ቀዳምነት ጌርና ክንሓስብ፡ ብብቕዓትን ራኢን ዝምራሕ ሃገራዊ ሓይሊ ፈጢርና ስቓይ ህዝብና እነሕጽረሉ መንገዲ ክንፈጥር፡ መድረኹ፡ ሃገር ካብ ሓደጋ ንምድሓን እምበር፡ ስልጣን እነቛምተሉ እዋን ኣይኮነን። ስለዚ፡ ኩልና ሕድገታት ክንገብርን ንቕድሚት ከነማዕዱን ካልኣይ ዘይብሉ ሕጂ ክውሰድ ዘለዎ እንኮ ኣማራጺ ኢዩ።” ክብል ሓጺር መደረ ኣስሚዑ።

ፓስተር ዑቅባስላሴ ሃይለ ተቐማጢ በልጅም ንፍሕን ሰላምን፡ ንክብርን መሰልን ወዲ ሰብ ዝጽውዕ ልቢ ኩሉ ዝተንከፈ መደረ ኣስሚዑ። ፓስተር ዑቕባስላሴ፡ “ካብ መን ከምዝውለድ ኣይመረጽኩን፡ ኣበይ ከም ዝውለድ እውን ኣይመረጽኩን፡ ስመይ እውን ባዕለይ ኣይመረጽኩን፡ እንታይ ስለ ዝገበርኩ ደኣ ኢየ በዚኦም ዝምካሕ፡” ክብል፡ ነቲ ኣብ ኤርትራውያን ዘሎ ሓድሕድ ምትፍናን ሕጂ ከብቅዕ ብትሪ ተማሕጺኑ።

ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብራሃም፡ ኣባል ክፍሊ ጽምዶ፡ ኣድላይነት ሓባራዊ ቃልሲ ኤርትራውያን፡ መሻርኽቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ስግግርን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንኣገዳስነት ሓቢርካ ምስራሕን ምሽራኽን፡ ኣብ ቃልሲ ዘለዎ ኣበርክቶን ኣተኲሩ ለበዋዊ መደረ ኣቕሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ተመክሮና፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ናይ ቃልሲ፡ እንተላይ እተን ኣብ ሲቪካዊ ማሕበራትን ናይ ሜድያ ትካላትን ነጢፈን ዝሰርሓ ትካላት፡ ሓቢርካ ወይ ተሻሪኽካ ካብ ምስራሕ ቦኺረን ኢየን ጸኒሐን። እዚ ብኩራት እዚ ከኣ፡ ነቲ ጽባሕ እንምነዮ ሰላም ሓደጋ ከይከውን ካብ ሕጂ ክሕሰበሉ ዘለዎ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ዓለም ሰማዒ ክንረክብ ዘይምኽኣልና ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን። እዚ ተረኽቦ`ዚ፡ ውጽኢት ናይቲ ንዓመታት ክንፈናጨል ምጽናሕና ኢዩ፡ ነዚ ሕማቕ ተረኽቦ ክንቅይሮ እንተዘይክኢልና ከኣ፡ ካብቲ ዝጸናሕናዮ ኣካይዳ ክንወጽእ ዘይሕሰብ ኢዩ። ስለዚ፡ እዚ ናይ ምምኽኻር መድረኽ ነዚ ሃጓፍ እዚ ክመልእ ምንቅስቓስ ይኣክል ተስፍኡ ልዑል ኢዩ ክብል መደርኡ ዛዚሙ።

ተጋባእቲ ኣብቲ ዝቐረበ መደረ ምርኩስ ብምግባር፡ ሕቶታትን ለበዋታትን ኣሕሊፎም። ተመክሮና ብዙሓት ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዋዕላታት ርእዩ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ሓይሊ ክንፈጥር ኣይከኣልናን። ስለዚ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ክምርመር ዝግበኦ ምዃኑን፡ እቶም ዝነበሩ ዕንቅፋታት ከኣ፡ ዳግም ከይዕንቅፉና፡ ከሎ ገና ክእለዩን ከም ዝግባእ ምሕጽንትኦም ኣቕሪቦም።

ኩሎም ዝቐረቡ ሕቶታት ነቲ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ህሉው ጸገማት ዘተኮሩ፡ ገሊኦም ጠንቂ ናይ ምፍልላይ ኢዮም ክበሃሉ ዝኽእሉ፡ ገሊኦም ድማ፡ ኣብ ሓንጎል ጥራይ ዝተቐርጹ ኣብ ባይታ ከኣ ክርኣዩ ዘይክእሉ ኢዮም ኔሮም። ይኹን እምበር፡ ኣካየድቲ እቲ መደብ፡ ንዝሓለፈ ተመሊስካ ሽግራት ካብ ምጽብጻብ፡ ካብኣቶም ተማሂርና ንቕድሚት እንጥምተሉ መንገዲ ክንቅይስ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ምዃኑ ኢዮም ኣዘኻኺሮም።

ናይ መንእሰያት ሕቶ ሸለል ክበሃል ዝከኣል ዘይምዃኑን፡ ኣብዚ ሓድሽ መድረኽ፡ ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝኾኑሉ መድረኽ ኣብ ምፍጣር እዚ ዋዕላን ናይ ሜድያ ትካላትን ክጽዕሩ፡ መንእሰያት ከኣ ብወገኖም፡ ካብ ትርኪ ምርኪ ወጺኦም፡ ወሳኒ ፖለቲካዊ ተራ ክጻወቱ ከም ዝግባእ ዋዕላ ገምጊሙ። ክፍሊ ጽምዶ ዓለምለኻዊ ይኣክል፡ እዚ መድረኽ እዚ ሃገራዊ ምዃኑን፡ ኩሉ ሃገራዊ ከኣ ብውልቁ ይኹን ብማሕበር ኣብዚ ቃልሲ ኣበርክቶ ክገብር ዝኾነ ይኹን ዝኽልክል ሕግን ዶብን ከምዘየለ ደጋጊሙ ኣብሪሁ።

ተጋባእቲ፡ እቲ ዕዮ ከቢድ፡ እቲ እዋን ከኣ ህጹጽ ብምዃኑ፡ ምፍጣር ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ክውንዘፍ ዝኽእል ዕማም ዘይምዃኑ ተሰማሚዖም። ኣብ ስራሕ ዘተኮረ ጽምዶ ጌርካ ክኸየድ ዝኽእል ምቛም ሃገራዊ ሓይሊ፡ ምስ ኩሉ ብድሆታቱ፡ ሓጋዚ እምበር ጎታቲ ዘይምዃኑ ከኣ ኩሎም ኣስሚረምሉ። ኣብዚ ናይ ዓርቢ ዝተጋብአ መደብ፡ ንህጹጽነት ናይቲ ጉዳይ ዝርኢ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝድህስስ፡ ልዑል ተስፋ ዘስነቐ ኢዩ ኔሩ።

ኣብ ናይ ቀዳም ዕለት 10 ታሕሳስ 2022፡ መድረኽ ናብቲ ክፍሊ ጽምዶ ዘዳለዎ ቀንዲ ወረቐት ኢዩ ተሓሊፉ። እዚ ብተኣምራት ስዩም፡ ኣካያዲ ክፍሊ ጽምዶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ዝቐረበ ናይ ምምኽኻር ሰፊሕ ወረቐት፡ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኲነተህላወ ተቓውሞ ኤርትራ ኢዩ ጀሚሩ። ምቛም ሃገራዊ ሓይሊ፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ጽምዶ ዝበሃል ትካል ካብ ዘተኣታቱ ጀሚሩ ክገብሮ ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ፡ ይኣክል ዝጀመሮ ሓድሽ ቅዲ ግን ኣይኮነን። ነዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ክበጽሕ ከኣ፡ ኣብ መንገዲ፡ ብዙሓት ብድሆታት ገጢሞሞ ኢዮም። ብግለ-ሰብ ይኹን ብውድብ ደረጃ ነናቱ ብድሆ ኔርዎ ኢዩ። ቀዳምነትካ ዘይምስራዕ፡ ታሪኽን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ገለ ካብቶም ዓበይቲ ብድሆታት ኢዮም ኔሮም። ብፍላይ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ተቋውሞ ኤርትራ ኣብ ክልተ ጫፋት ተገዚዑ ብምጽንሑ፡ ናብ ሓደ ከተምጽኦ ዘለዎ ብድሆ ቀሊል ከምዘይኮነ ፍሉጥ ኢዩ። ጉዳይ ውክልና እውን እንተኾነ ሓደ ካብ ዓበይቲ ጸገማት ኣብቲ እንኸዶ ዝነበርና ጉዕዞ ኢዩ ኔሩ። ስለዚ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ዋዕላን ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ ወረቐትን፡ ሕሉፋት ጌጋታትን ብድሆታትን ምጽብጻብ ዘይኮነ፡ ንቕድሚት ዝጠመተ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ባይታ ምንጻፍ ኢዩ።

ብመሰረት ወረቐት ክፍሊ ጽምዶ፡ እዚ ኣብ ስራሕ ዘተኮረ ናይ ጽምዶ መስርሕ፡ ክልተ መድረኻት ክህልዎ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ መድረኽ፡ ኣብ ስራሕ ዘተኮረ ቅርጺ ሃልይዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ብኣቦ መንበራት ኩሎም ተላፈንቲ ዝቐውም፡ ሃገራዊ ሽማግለ ኮይነን ዝሰርሓ ኣድለይቲ ዝኾና ትካላት ምቛም ኢዩ። እዘን ትካላት እዚኣተን ንስራሕ ዝዓለመ መደባት ኣውጺአን ኣብ ስራሕ ክዋፈራ ምእንቲ ከኣ ንዐአን ዘመሓድሩ፡ ምሁራትን ሰብ ሞያን ዝሓዘ፡ ሓደ ናይ ምትሕብባር ሃገራዊ ኮሚተ ክህሉ ኢዩ። በቲ ግብራዊ ስራሕ ዝመጽእ ጥምረትን ምትእምማንን ምስ ተፈጥረ ከኣ ናብ ፍጹም ውህደት ዝመጻሉ መንገዲ ምፍጣር ኢዩ። እቲ ካልኣይ መድረኽ፡ ብዓለም ደረጃ ዝተወደበ፡ ብሓደ መሪሕነት ወይ ባይቶ ዝምራሕ ናብ ፍጹም ውህደት ዝበቐዐ ትካል ምፍጣር ኢዩ። እዚ ኣብዚ መድረኽ ዝበጸሐ ናይ ሓባር ሓይሊ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ቻርተር፡ መርሓ ጎደናን ውሽጣዊ ሕግታት ዝሰኣለ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ድምጺ ክኸውን ዝኽእል ሃገራዊ ሓይሊ ምፍጣር ኢዩ። ኣብ መንጎ እዚ ክልተ መድረኻት፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዝቐውም ልፍንቲ እንታይ ስርሓት ከካይድ ኢዩ?

1. ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልኦት እውን ነዚ ተበግሶ እዚ ዝወሰዱን ብሕጂ እውን ክወስዱ ዝኽእሉ ኣለዉ። ስለዚ፡ ናብ ፍጹም ውህደት ቅድሚ ምብጻሕ፡ ብካልኦት ኤርትራውያን ዝቐርቡ ዝተፈላላዩ እማመታት ክካታዓሎምን ሓባራዊ ዘተ ከካይደሎምን ኢዩ።

2. እዚ ኣብ ሰራሕ ዘተኮረ ልፍንቲ ዘካይዶም ኩሎም ስርሓት፡ ነቲ መስርሕን ነቲ ውጽኢቱን ክግምግምን ክቆጻጸርን ኢዩ።

3. ኣብ ዝተፈላለዩ ፈተንቲ ዝኾኑ ዘይተፈተሑ ፖለቲካውያን ጉዳያት፡ ከም ውክልና ዝኣመሰሉ፡ ክመያየጥን ምስ ካልኦት ክመኻኸርን ኢዩ።

4. ከከም ኣድላይነቱ፡ ኣድለይቲ ዝበሃሉ፡ ንመንግስታዊ ምሕደራ ዝምልከቱ ሰነዳት ከዳሉ፡ ክመያየጥን ከጽድቕን ኢዩ።

5. ክፍሊ ጽምዶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቕስ ይኣክል፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ኣርባዕተ ነጥብታት ኣብ ምስላጥ ተራ ክጻወት ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ተጋባእቲ ሓገዝቲ ዝበሃሉ ዝተፈላለየ ሓሳባት ኣቕሪቦም። እዚ ተበግሶ እዚ ክነኣድ ዝግበኦ ምዃኑን ግብራዊ ኣብ ምግባሩ ከኣ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ክጽዕረሉን ከሀብትሞን ከምዘለዎ ተላብዮም። ይኹን እምበር፡ ምፍጣር ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ቀሊል ብድሆ ዘይምዃኑን፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ዝተሓልፉ ከይድገሙ ምስትብሃል ከም ዘድልን ብዙሓት ተጋባእቲ ስክፍትኦም ገሊጾም።

ኣብዚ ዓርብን ቀዳምን ዝተኻየደ ናይ ጽምዶ ዋዕላ፡ ኣቦታትናን ኣያታትናን ዝኾኑ ገዳይም ተቓለስቲ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ ኣቶ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ መሓመድ ኣል ቀይስን ካልኦት ኣዝዩ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ተመክሮ ዘለዎም ኤርትራውያንን ተሳቲፎምን ኣባታዊ ምኽሮም ለጊሶምን።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል - ክፍሊ ጽምዶ
11/12/2022

See also related:
ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-

ሓደ መሪሕነት ዘለዎ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ
ኣብ ለካቲት 2023 ንሙቛም ንሰርሕ ኣለና
Mr. Tamrat Seyoum and Mr. Halefe Hadish [Erisat]




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: