Placeholder Picture
Placeholder Picture
ሰላም ኣብ ሂወትና ትንበር

03/05/2024 15:03 PM

ሰላም ኣብ ሂወትና ትንበር

ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ሰላም ኣብ ሂወትና ትንበር!

ሰላም ኣብ ሂወትና ትንበር ብ ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ብዙሕ ህዝቢ ይብሉኺ ሰላም
ብግእዝ ይብሉኺ ሰላም
ብኣራማይክ ይብሉኺ ሰላም
ብትግረ ይብሉኺ ሰላም
ብትግርኛ ይብሉኺ ሰላም
ብኣምሓርኛ ይብሉኺ ሰላም
ብዓረብ ይብሉኺ ሰላም
ብእብራይስጢ ይብሉኺ ሰላም
ካልኦት ውን ይብሉኺ ሰላም
ተደላይት ቃል ኣብ ኩሉ ዓለም።

ሰላም መፍትሕ ናይ ሂወት
ሰላም መሰረት ናይ ድሕነት
ሰላም ዋልታ ናይ ሓድነት
ሰላም ደጀን ናይ ሓርነት
ሰላም ሓወልቲ ናይ ናጽነት
ሰላም ዋሕስ ናይ ቅሳነት።
ሰላም ናይ ቃልሲ ሕላገት
ሰላም ናይ ዓማጺ ሻቑሎት
ሰላም ናይ ህዝቢ ክብረት
ሰላም መቐረት ናይ ስድራቤት
ሰላም ንግበር ንኽንረክብ ናይ ኣምላኽ ምሕረት።

ሰላም ጠፊኡና እቲ ጥዑም ደሃይኪ
ኣብ ኣደባባይ እንተኣሊኺ ከነምጽኣኪ
ኣብ ዕዳጋ እንተኣሊኺ ክንዋገየልኪ
ኣብ ቤት ፍርዲ እንተኣሊኺ ክንማጎተልኪ
ኣብ ቤተክርስያን እንተኣሊኺ ክንጽልየልኪ
ኣብ ቤት ትምህቲ እንተኣሊኺ ክንምክተልኪ
ኣብ ባሕሪ እንተኣሊኺ ሓምቢስና ከነውጽኣኪ
ኣብ መሬት እንተኣሊኺ ኲዒትና ከንኣርየኪ
ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተኣሊኺ ከነፍትሓኪ
ኣብ ኤርትራ እንተኣሊኺ ክንቃለሰልኪ
ኩሉ ሰብ'ዩ ብሃረርታ ሃንቀው ዝብለኪ።

ሰላም ኣበይ'ለኺ በጃኺ
ሰብኣይ ሰበይቲ ይምነዩኺ
ቆልዑ መንእሰይ ይሃርፉኺ
ነጋዳይ ሓረስታይ ይጽውዑኺ
ተማሃራይ ወተሃደር ይደሃዩኺ
ካህን ዲያቆን ብጸሎት ይደልዩኺ
ሊቃውንቲ መኳንንቲ የናድዩኺ
ኣምላኽ ይርዳእ ኣብ ምምላስ ንዓኺ።

ሰላም ስማ ልዙብ ዝብል ደስ ደስ
ኣብ ቅዳሰን ዝማረን ብዙሕ ግዜ ትጥቀስ
ኣብ ጸሎትን ምህልላን ብዙሕ ግዜ ትቕለስ
ኣብ ፖለቲካን ዕብለላን ብዙሕ ጊዜ ትዕበስ
ኣብ ፍትሕን ህልኽን ብዙሕ ጊዜ ትሕመስ
ኣብ ሞትን ሓዘንን ብዙሕ ግዜ ትድነስ
ኣብ መርዓን ውራይን ብዙሕ ግዜ ትውደስ
ኣብ ጭንቅን መከራን ብዙሕ ግዜ ትዕገስ
ኣብ ተንኮልን ክፍኣትን ብዙሕ ግዜ ትርመስ
ጸሎት ንግበር ኣብ ስድራቤትና ክትሕደስ
ጻዕሪ ንግበር በቶም ደቅና ክትውረስ
ተስፋ ንግበር ክብረታ ብዓንተቦ ክምለስ።

ሰላም ሰላም ንራህዋ ኣዲኣ
ሰላም ሰላም ንህድኣት መሓዝኣ
ሰላም ኣበይ ኮን ይኸውን እቲ ገዛኣ
ኣብ ገጠራት ነይራ ጠፊኣ
ኣብ ከተማታት ነይራ ተሓቢኣ
ካብ ውሽጢ ሃገር በሪራ ወጺኣ
ኣብ ስደት ትነብር ወትሩ ተጸሊኣ
ዝኾነ ኩነት የለን ንዓኣ ዝትክኣ
ኩላትና ንበገስ ክንቃለስ ኣብ ክንዳኣ
ድሕነት እዩ ንዓና ሂወት ንዓኣ።

ሰላም ብዙሕ ኢዩ እቲ ናታ ቁምነገር
ሰላም ካብ ውልቀ ሰባት ትፍጠር
ካብ ውልቀሰባት ናብ ስድራቤት ትሰጋገር
ካብ ስድራቤታት ትዝርጋሕ ኣብ ሃገር
ካብ ሃገራት ኣብዛ ዓለምና ትስወር
ንዓና ጠፊኡና ኣሎ እቲ ናታ ኣሰር
ዓይነ-ልቦናና ንኽፈት ኣብ ሂወትና ክትነብር።

እንታይ አዩ እቲ ጉድና ኣሕዋት ኣሓት
ሰላም ተሰዊራ ካብ ደቂ ሰባት
ሰላም ተሳኢና ኣብ ስድራቤት
ሰላም ኣይገበርናን ምስ ጎረቤት
ጽልኢ ሳዕሪሩ ንግበረሉ ደረት
ኣብ ቤተክርስያን የለን ዝብል ኣቤት
ናበይ ኣበለ እቲ ናይ ኣቦታት ሓልዮት
ናበይ ከደ እቲ ናይ ኣዴታት ለውሃት
ኣምላኽ ክሰምዓና ንለምን ብጸሎት
ብዘይ ምሕረት ናይ ኣምላኽና ከንቱ ኢዩ ሂወት።

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና
ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና
ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላትና
ሰላም ትንበር ኣብ ሂወትና።




See also recent Articles by Dr. Tesfa G. Gebremedhin:ካልኦት ጽሑፋት ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን፡-


You may also be interested to see a LIST OF BOOKS by Gebremedhin, Tesfa G.:

Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: