23/11/2017 22:35 PM
ኣቦ ናይ መለኽቲ ሮበርት ሙጋበ
ከም ጡብ ወላዲቱ ስልጣን ዘይጸገበ
ንህዝቡን ዓለምን ፍጹም ዘረብረበ
ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ዘርኡ ዘዐንበበ
ኣየናይ ተዂላ’ዩ ብድሕሬኻ ዚድበ
እስከ ኣበስረና ተናዘዝ ተነበ?
ናትካስ ተወዲኡ መዓልቱ ኣኺሉ
ብሕሰም መከራ ንህዝቦም ዚቐትሉ
ብዙሓት ግን ኣለዉ ከማኻ ዚበሉ
ተባዕ ዚጽበዩ ዘይዳነ ሓይሉ
ካብ ዝፋን ዘውርዶም መንበሮም መንጢሉ!
ወረ ገሊኦምስ ካባኻ ይገዱ
ወዲ ሰብ ብኻራ ከም በጊዕ ዚሓርዱ
ብዘይሕግን ዳኛን ንሕልፈት ዚፈርዱ
ከም ቊርዲድ ክረምቲ ደምና ዚለመዱ
ሬሳ ከይተቐብረ ኣብ ጓይላ ዘኹድዱ
ብእግሩን ብኣፉን ህዝቢ ዚቐፈዱ
ኣብ ኤርትራ እኳ’ሎ ኢሳያስ ብኢዱ!
መዓልቱ ዚጽበ ኪጓሓፍ ከማኻ
ብዕድመ ወድኻ ብጭካነ ኣቦኻ
ብስሰዐ ስልጣን ዘይንእስ ካባኻ
በሊዑ ዘይጸግብ መጅሪጡ ስጋኻ
ብዙሕ ከይደንጐየ ዚስዕብ ድሕሬኻ
ኢሳያስ ከም ዘሎ ኣራዊት በረኻ
ሮበርት ሙጋበ ኣይትረስዕ ኢኻ!
መጋረጃ ምልኪ ኪቕንጠጥ ሕሰምና
መሰልና ክሕሎ ከም ሰብ ተቘጺርና
ባልዋን ኮራኩሩን ወጺኦም ካብ ቤትና
ከም ህዝቢ ዚምባብወ ክንገልጽ ሓጐስና
መዓስኮን ይኸውን ኣምላኽ ዝረድኣና?
ካልኦት ስሑፋት ብ'መሲናስ፡-
Asmera dimsi bayto 14th session 2.2002 Tigrina audio. መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ (ለካቲት 2002)። (YouTube Channel: Aida Kidane):