ከም ህዝቢ ዚምባብወ!

23/11/2017 22:35 PM

ከም ህዝቢ ዚምባብወ!

ግጥሚ ብ'መሲናስ


Celebrating Thanksgiving Day

ከም ህዝቢ ዚምባብወ!

ኣቦ ናይ መለኽቲ ሮበርት ሙጋበ
ከም ጡብ ወላዲቱ ስልጣን ዘይጸገበ
ንህዝቡን ዓለምን ፍጹም ዘረብረበ
ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ዘርኡ ዘዐንበበ
ኣየናይ ተዂላ’ዩ ብድሕሬኻ ዚድበ
እስከ ኣበስረና ተናዘዝ ተነበ?

ናትካስ ተወዲኡ መዓልቱ ኣኺሉ
ብሕሰም መከራ ንህዝቦም ዚቐትሉ
ብዙሓት ግን ኣለዉ ከማኻ ዚበሉ
ተባዕ ዚጽበዩ ዘይዳነ ሓይሉ
ካብ ዝፋን ዘውርዶም መንበሮም መንጢሉ!

ወረ ገሊኦምስ ካባኻ ይገዱ
ወዲ ሰብ ብኻራ ከም በጊዕ ዚሓርዱ
ብዘይሕግን ዳኛን ንሕልፈት ዚፈርዱ
ከም ቊርዲድ ክረምቲ ደምና ዚለመዱ
ሬሳ ከይተቐብረ ኣብ ጓይላ ዘኹድዱ
ብእግሩን ብኣፉን ህዝቢ ዚቐፈዱ
ኣብ ኤርትራ እኳ’ሎ ኢሳያስ ብኢዱ!

መዓልቱ ዚጽበ ኪጓሓፍ ከማኻ
ብዕድመ ወድኻ ብጭካነ ኣቦኻ
ብስሰዐ ስልጣን ዘይንእስ ካባኻ
በሊዑ ዘይጸግብ መጅሪጡ ስጋኻ
ብዙሕ ከይደንጐየ ዚስዕብ ድሕሬኻ
ኢሳያስ ከም ዘሎ ኣራዊት በረኻ
ሮበርት ሙጋበ ኣይትረስዕ ኢኻ!

መጋረጃ ምልኪ ኪቕንጠጥ ሕሰምና
መሰልና ክሕሎ ከም ሰብ ተቘጺርና
ባልዋን ኮራኩሩን ወጺኦም ካብ ቤትና
ከም ህዝቢ ዚምባብወ ክንገልጽ ሓጐስና
መዓስኮን ይኸውን ኣምላኽ ዝረድኣና?

እልበት (ሓሳረ መከራ) ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ዕርበት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 23/11/2017

Share with friends:


ካልኦት ስሑፋት ብ'መሲናስ፡-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Asmera dimsi bayto 14th session 2.2002 Tigrina audio. መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ (ለካቲት 2002)። (YouTube Channel: Aida Kidane):