ናብ ክቡር ሓው ኣክሊል ሃይሉ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

29/07/2019 18:15 PM

ናብ ክቡር ሓው ኣክሊል ሃይሉ

ብ' ደብረ

እታ መሕነቂት ገመድ ከ?

ናብ ክቡር ሓው ኣክሊል ሃይሉ
ጽሑፍ ብ 'ደብረ

ብዕለት 20 ሓምለ 2019 “ባይቶ ይኣክል፡ ንመን ይመስል” ትብል ኣብ ስኒትና ዶት ኮም ንንባብ ዝበቕዐት ጽሑፍካ ኣንቢበዮ። ኣንባባይ ብቀሊሉ ክርድኦ ብዝኽእል መንገዲ ስለዝጸሓፍካዮ “ይበል” ዝብል ጽሑፍ ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ኣድናቖተይ እገልጸልካ። ስለ እቲ ጽሑፍን ዘቕረብካዮ ሓሳባትን ምስጋና ይግበኣካ ኢዩ፡ የቕንየልና ክብል ኣፍቅደለይ።

ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ፍሉጥ ጸሓይ ዝሞቖ ጉዳይ ኢዩ። ብዙሕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ከምዝፍለጥ ታሪኽ ኤርትራ ታሪኽ ባይቶ ኢዩ። ታሪኽ ኣቦታትና ከምዚ ሕጂ ዘሎ ዘሕፍር ታሪኽ ባይቶ ከምዘይነበረ ኢዩ ዝዝንተወልና ዝነበረ። ነንሕድሕዶም ይተሓላለዉን ሕጎም (ሕጊ እንዳባ) ኣኽቢሮምን፡ ናብርኦም ይመርሑ ዝነበሩ። ካብዚ ታሪኽ ባይቶ፡ ካብ ኣመሳራርትኡ ክሳብ ውዕሉኡ ንማሃሮ ብዙሕ ቁም ነገራት ኣሎ። ህዝቢ ኣብ ባይቶ ናይ ምዝራብ መሰል ነይርዎ ኢዩ። ሕጂ መሰል ምዝራብ ምስተገፈ፥ ስለምንታይ ህዝቢ ኣጽቂጡ ትም መሪጹ ዝብል ሕቶ ኢዩ ክምለስ ዘለዎ። መብዛሕትና ንፈልጦን ንርድኦን ነገር ኢዩ። ከምዚ ከማኻ ብዙሓት ዓበይቲን ምሁራትን ተቓለስቲ ዓንገረር ዝበሉሉ ነገር ከኣ ኢዩ። መንስኤ እቲ ሽግር፡ እቲ ክውን ሓቂ፡ ንሕና ባዕላትና ኢና። ስርዓት ኢሳይያስ ምኽንያትን መሳርሕን እንተኾነም ንሕና ኢና መሰልና ኣሕሊፍና ዝሃብና፣ ንሕና ኢና ንመንነትና ደው ዘይበልና፣ ንሕና ኢና ባይቶ ኣንዳባ ክፈርስ እንዳረኣና ዘጽቀጥና። ንሕና ኢና ፈሪህናን ተሸቁሪርናን ሃገር ገዲፍና ዝተሰደድና። ናብ ፍታሕ ዘይኮነስ ናብ እቲ ጸላኢ ዝደልዮ ዒላማ ኢና ብቀሊሉ ዘው ኢልና ዝኣተና። ፋሕ ብትን ክሳብ ዝኣትወና ነንሕድሕድና ብሃይማኖት፣ ኣውራጃ፣ ከበሳን ቆላን እንዳበልና፡ በዘባልዕ ስርዓት ዝተባላዕና። ኣነ ከልዕሎ ዝደሊ ሕቶ፡ ስለምንታይ ኢና በዚ መንገዲ’ዚ ንሓስብ፧ ዝብል ሕቶ ኢዩ። ሕጂ ሕጂ እምነተይ ሰረት ዝገብር ዘሎ ኣብ ዜገነት ጥራይ ኢዩ። ኣብ መሪሕነት ይኹን ኣብ ባይቶ፡ መን ይምጻእ መን ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ ኣይጸልወንን ኢዩ። ጠንቂ ተፈጢሩ ዝጸንሔ ምጉጅጃላትን ምፍልላያትን፡ ህዝብና ከኣ ብዜግነት ዘይምእማን ንኣውራጃን ሃይማኖትን ምቅላስ ስለዝነበረ ይመስለኒ።

ምንቅስቓስ ባይቶ ይኣክል፡ ናይ ፖለቲካ ተልእኮ ስለዘለዎ ብፍኑው ስሚዒት ከተቑሞ ዝከኣል ኣይመስለንን። ባይቶ ክቐውም፡ ባይታ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ኣብ ባይታ ዘሎ ሕብረተሰብ ይውስነካ ኢዩ። እቲ ዝቐውም ባይቶ’ውን ነቲ ከባቢ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ ዝመስል። ኣብ ናይ ሓንቲ ሃገር ወይ ከተማ ኩሉ ሕብረተሰብ ዝውክል ባይቶ ከተቕውም ኣይትኽእልን። ባይቶ ንኸተቕውም ዜጋ ምዃን እኹል ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ቃልስና፡ ኣውራጃ ከይበልና፣ ሃይማኖት ከይፈለና፣ ብሄር ከይጠቐስና ብሓባር እናሰራሕና ንፍቕሪ ሓድሕድ ከነደልድል ይግባእ። ኣብ ምክብባርን፡ ብዙሕነትን፡ ምትእምማንን መሰረት ዘንጸፈ ባይቶ ክህልወና ይግባእ። ብኸምዚ ምስእንኸይድ ኢና ህግደፋዊ ስነሓሳባት ክንቆጽዮም ንኽእል።

ሕጂ ናብ ፍታሕ ከነተኩር ይግበኣና። ቅድም ቀዳድም ከም ኤርትራዊ ዜጋ ንረዳዳእ እሞ፡ ዘረዳዳኣና መስመር ንሓዝ። ዘረዳዳኣና ነጥቢ ዜግነት ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ድሕሪኡ ንወዳደብ ዝብል ኣምር ጽቡቕ ኢዩ። ቀጺሉ ባይቶ ነቑም ዝብል ኣንፈት ኣዝዩ ጽቡቕ ኢዩ። ነዚ ኩሉ ግን ንቕሓት ከድልየና ኢዩ። ኣብ ጭቡጥን ክውንን ነገር ተቢዕና ክንሰርሕን ክንውፈን ኣሎና። እዚ ሕጂ ኣብ ኣውሮፓ ይኹን ኣመሪካ ሒዝኩሞ ዘለኹም መስመር ክፈሽል የብሉን። ከም ሕጊ እንዳባ፡ ሕግታትን ስርዓታትን ክወጽእን ክእወጅን ኣለዎ። እቲ ዝስዕብ ክስዕብ ኢዩ። ክትብገስ ከሎኻ ምሉእ ዕግበት ክህሉ ኣይክኣልን። ግን ኣብ ጉዕዞ ነቲ ዝጎደለ አንዳማላአካ ዝተጋገኻዮ አንዳኣረምካ ምስጓም ኣድላዪ ኢዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ መስመር እንዳጸረየን እንዳነጸረን ክመጽእ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ልዕልና ሕጊ ክህሉ፣ ምልኪ ክፈርስ፣ ፍትሒ ክነግስ፡ እንኮ ኣማራጺ፡ ምእላይ ኢሳይያስ ምዃኑ የስምረሉ። ርእሲ ናይ እቲ ሽግር ንሱ ስለዝኾነ። ድሕሪ ሕጂ ኢስይያስ እሱራት ክፈታሕልና፣ ዶብ ከሕጽጸልና፣ ቅዋም ክተኽለልና ክንሓቶ ኣይግባእን። እዚ ሕቶ’ዚ ዝሕተተሉ ጊዜ፡ ድሮ ሓሊፉ ኢዩ። ብዝኾነ መንገዲ ግን ኢሳይያስ ካብ ጸወታ ፖለቲካ ሃገርና ብስዕረት ክወጽእ ኣለዎ። ሕጊ ምንቅስቓስ ኒውቶን ኣብ ባይታ ክትግበር ኣለዎ እብል። ባይቶ ይኣክል፡ ኣብዚ መዳይ ኣበርቲዑ ክነጥፍ ርእይቶይ የመሓላልፍ።

መስትርሆት ካብ ኣምላኽ ኢዩ!!!

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ።

ሓውኻ ደብረ

29 July 2019


Share with friends:


See also recent articles by Mr. Debre
ካልኦት ብ'ኣቶ ደብረ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


ATV: ፈስቲቫል ይኣክል ዋሺንግተን ዲሲ 24 -25 ግንቦት 2019 - 3ይ ክፋል


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: