መሰጋገሪ መድረኽን ሕልኽልኻቱን THE CHALLENGES OF TRANSITION

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

14/01/2020 08:19 AM

መሰጋገሪ መድረኽን
ሕልኽልኻቱን
THE CHALLENGES OF
TRANSITION

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) - January 12/2020

THE CHALLENGES OF TRANSITION

መሰጋገሪ መድረኽን ሕልኽልኻቱን
THE CHALLENGES OF TRANSITION
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) January 12/2020

መሰጋገሪ መድረኽ ኣዚዩ ሰፊሕን ዓሚቝን ስለዝዀነ ኣብ ሓደ ዓንቀጽ ወይ ብወሱን ውልቃዊ መጽናዕቲ ክብጻሕ ዝክእል ኣይኰነን። ምስግጋር ኣብ ኩሉ ዓውዲ ፍልጠት ዝርግሐ ዘለዎ ኣምር ኢዩ። ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ይኹን ኣብ ባህሪ ብዘይ መሰጋገሪ መድረኽ ዝብጻሕ ውጽኢት የለን። ንምፍላጡ ድማ ብዙሓት ሊቃውንቲ ሰብ ሞያ በብዓውዲ ፍልጠቱ ይሓትት።

እቲ ኹሉ ወድ ሰብ ኣብ ባህሪ ይኹን ኣብ ሕ/ሰብ ኣዋህሊሉዎ ዘሎ ፍልጠት፡ ብመስርሕ ብመሰጋገሪ መድረኽ’ዩ በጺሑዎ። ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ጥንቁቕ መጽናዕቲ እንተዘይ ወሲድካ፡ ናብቲ ዝኣመትካዮ መዓርፎ ክትበጽሕ ኣይትኽእልን ኢኻ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደጋ’ውን ከጋጥመካ ይኽእል ኢዩ።

ምህዞታት ወድ ሰብ ብጥንቁቕ መሰጋገሪ መድረኽ ክሓልፉ ኣለዎም። ናይ ፈተነ ትካላት ማለት (testing facilities, laboratories, training institutions etc…) ክህልዉ ኣገዳስነት ዝህልዎም ምእንቲ ካብ ሓደጋ ንምድሓን’ዩ። ወይ ድማ ንሓደጋ ምውጋዱ እንተ ዘይተኻእለ፡ ኣብ ዝትሓተ ደረጃ ንምውራዱ ብማለት’ዩ። ንምጥቕላል ዝኣክል ኣብ ማሕበራዊ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ከምኡ’ውን ኣብ ቍጠባዊ ሂወት፡ መሰጋገሪ መድረኽ ናይ ምዕባለ ስለ ዘሎ፡ ጥንቁቕ መጽናዕቲ ወይ ኣስተብህሎ ክግበረሉ ይግባእ።

ሓደ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ዝነበረ ውድዕ ወይ ክውንነት ዕላምኡ ምስ ወቕዐ፡ እቲ ዝተወቕዐ ወይ ዝተበጽሐ ዕላማ እንደጋና ወራስ ዓራት ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ስለ ዝኸውን፡ ንባዕሉ መሰጋገሪ መድረኽ ናይቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ምዕባሌ ይኸውን። ብኻልእ ኣዘራርባ መስርሕ ሕብረተ ሰብኣዊ ምዕባለ፡ ምትእስሳራት ወይ ሰንሰለት መሰጋገሪ መድረኻት ኢዩ ክብሃል ይክኣል።

ብዙሓት ካባና፡ ንመሰጋገሪ መድረኽ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ስልጣን ምስ ፈረሰ፡ ክሳዕ በቲ ዝተደልየ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝትካእ፡ ኣብ ዝህሉ ውሱን ምንገዋ (interim) ናይ ግዜ፡ ናይ ውሑድ ወይ ውሱን ዓመታት ቈጸራ ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን።

ንዕድመ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ዝውስኖ፡ ምዕባሌ ናይቶም ዋናታቱ፡ ብቝጠባዊ ሰረት፡ ማለት ብኣገባብ ማእቶትን፡ ደረጃ ፖለቲካዊ ነጸብራቓትን፡ ከም ወድዓዊ ኲነታት ብሓደ ሸነኽ ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካልኣይ ሸነኽ ክኣ፡ ደረጃ ንቕሓትን ብስለት ተዋሳእትን ናይ ኣመራርሓ’ዩ። እዚ ማለት ብቕዓት ብዓል ቤታዊ ረቛሒ ናይቲ ዝተወሰነ መድረኽ ኣብቲ ዝምልከቶ ሕ/ሰብ ምዃኑ ኢዩ።

እዚ ክልተ ዝተጠቕሰ ረቛሒታት ነቲ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ተሪርን መሪርን፡ ወይ ክኣ ሓጺርን ቅልል ዝበለን ይገብሮ። ኩሎም ሕብረተሰባት ዓለም፡ ብዕድመ ይኹን ብምረት ናይ ቃልሲ ዝመሳሰል’ምበር ሕደ ዝዀነ መሰጋገሪ መድረኽ የብሎምን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ክኣ ሕ/ሰብኣዊ ሂደትን፡ ደረጃ ምዕብልንኦምን ዝተፈላለየ ታሪኻዊ ክውንነት ስለ ዝገዝኦ’ዩ።

ነቶም ቅድሚ ርእሰ-ማላዊ ስርዓታት ዝነበሩ ምዕባሌታት ገዲፍና፡ ኣብ ሃገራዊ ጅማረ፡ ወይ ሃገራዊ ፍልምያታት ምስ እንኣቱ፡ እዚ ዘለናዮ ሃለዋት ሃገራት ንባዕሉ፡ ዝፈላልዮን ዘመሳስሎን ረቛሒታት ስለዘሎ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ናይ ምስግጋር መድረኽ፡ ዝተፈልየ ክኸውን ግድን’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣጠቓቕማ ናይ ዲሞክራሲ’ውን ልክዕ ብእጅገ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ክዕቀን ኣለዎ ማለት’ዩ። ማዕረ-ማዕሪኡ መስቲ ባህላዊ ዕግበት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር፡ ካብ ሚዛናዊ ኲብዖ ምዃን ሓሊፉ፡ ተራጻሚ ክኸውን የብሉን። መሰጋገሪ መድረኽ ዝምድንኡ ምስ ደሞክራስን ዓቕሚ ናይቲ ዝምልከቶ ሕ/ሰብ ዘርዕሞ’ምበር፡ ዝፍንፍኖ ክኸውን የብሉን።

እቲ መሰረታዊ ብድሆ (challenge) ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ዝህሉ፡ ብወገን ሊቃውንቲ ህንደሳ ናይ ኣመራርሓ ቃልሲ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ሰውራና ምልስ ኢልና ምስ እንምልከት፡ ኣብ ጒዕዞ ሳላሳ ዓመት ብረታዊ ቃልስና ዝነበረና ብስለት ኣመራርሓ ምስ ክውንነትን ሕ/ሰብኣዊ ሂደት ህዝብና፡ ዘይከይድ ስለዝነበረ፡ ንዓቕሚ ሕ/ሰብና ኣጓዲሉዎ፡ ንዕድመ ብረታዊ ቃልስና ኣናዊሑዎ፡ ንውጽኢትና ድማ ብዘይዋናታቱ ከም ዝዝራዕ ገይርዎ ኢዩ።

እዚ ጒዕዞ ሳላሳ ዓመት ብረታዊ ቃልስና ንባዕሉ፡ መሰጋገሪ መድረኽ ናብ ሃገራዊ ነጻነትን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካልን ኢዩ ነይሩ። ወድዕነት እንዳፈቐደልና ከሎ፡ ብኣመራርሓ ደረጃ ግን ነቲ መሰጋገሪ መድረኽ ኣይበቓዕናዮን።

መሰጋገሪ መድረኽ ኣብ ተወረርቲ ከምዚ ከማና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ወረርቲ’ውን ኣሎ። ኩሎም ገዛእቲ ሓይልታት ነናቶም ጥበብ ኣለዎም። ገሊኦም ብሃይማኖትን ምጽወታን ዝጅምሩ ኣለዉ። ቍሩብ ቍራቦ እንዳሃቡ፡ ሃይማኖቶም የስፋሕፍሑ። ገሊኦም ሃይማኖትን ቍጠባዊ ሰረትን እንዳተኣታተዉ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር የእትውኻ። ገሊኦም’ውን ሰለይቲ ብምውፋር፡ ስልኳታት ብጒቦታት (corruption) ከድዓት ብምፍራይ ናብ ቍጠባውን ፖለቲካውን ወረራ ይሰጋገሩ።

ካብ’ዚ ምኽንያታት’ዚ ኣብ ታሪኽና ሃሰስ ኢልኩም ስለ ዘይትስእኑ፡ እቲ ምርምር ናባኻትኩም ክገድፎ ኢየ። ኣነ ግን ዕላማይ መሰጋገሪ መድረኽ ክሳዕ ክንደይ ሕልኽልኽ ዝበለ ምዃኑ ንምግላጽ ኢዩ መደበይ።

ኣብ ግዜና ክንመጽእ፡ እዚ ደምበ ተቓውሞና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ክኣ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንዓይ ሓደ መሰጋገሪ መድረኽ ክሳብ ህዝባዊ ባይቶና እንምስርት እንሰጋገረሉ ድልድል’ዩ። እዚ ዘለናዮ ወድዕነት ልክዕ ናይ ታሪኽና ተመሳሳልነት ኣለዎ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ታሪኽና ናይ ኣመራርሓ ፍሽለት ዝጓዕጸጾ ተመኲሮ ኢዩ ነይሩ።

ካብ ታሪኸና ንመሃሮ ነገር እንተድኣ ኣሊዩ፡ ኣመራርሓና ዝምድንኡ ካብ ምስ ውሽጣውያን ሰብ ጒዳይ፡ ምስ ግዳማውያን ወረርቲ የተኣሳስሮ ስለ ዝነበረ፡ ሕማም ድሓር ገዲፉልና፡ ሰላም ስኢንና ንርከብ። ተምሃራይ ምዃን ኣገዳስነት ክህልዎ እንተድኣ ኰይኑ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ዕንወት መሰጋገሪ መድረኽ ተመኲሮ፡ ፈጺሙ ክድገም የብሉን።

ህዝባዊ ኣፍልጦ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ዕንደራ ናይ ውልቀ-ሰባት፡ ጒጅለታት ይኹን ወይ ውድባት: ነቲ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ከም ዝሰኸረ ፈትሊ ስለዝጠናንጎ፡ ነቲ ሽግር ንኽትፈትሖ ኣዚዩ መሪር ይኸውን። ብባህሪያቱ ኩሉ መሰጋገሪ መድረኽ ሕልኽልኽ ዝበለ’ኳ እንተዀነ፡ “EVERY TRANSITION IS MESSY” ሕጽረት ኣመራርሓ ምስ ዝሕወሶ ግን ዝገደደ መንሽሮ ይኸውን ማለት’ዩ።

እቲ ካልእ ሕልኽልኽ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ክኣ፡ ተመኲሮ ካልኦት ሃገራት፡ ከም ተመኲሮ ክትጥቀመሉ እንተድኣ ኰንካ፡ ዘድልየካ ኣገባብ ኣብ ምልቃሕ፡ ኣዚዩ ጥንቁቕን መጽናዕታውን ክኸውን ይግባእ። እቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ዝተፈላለየ ታሪኻዊ ተመኲሮ፡ ሕ/ሰብኣዊ ሂደት፡ ከምኡ ድማ ባህላዊ ምትሕንፋጽን ፍሉይነታትን ኣብ ግምት ምእታው፡ ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ወያ ምስጢር ናይ ብዙሕነት ሓድነት እትብሃል መትከል’ውን ክትዝከር ኣለዋ ማለት’ዩ።

እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብፍላይ ናይ ኤርትራ ክውንነት፡ ካብ ናይ ካልኦት ኣዚዩ ዝፍለ ኢዩ። ምኽንያቱ ፈተውትናን ጸላእትናን አብ ግምት ምስ ዝኣትዉ፡ ብዙሕ ፍልልይ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ስርዓት ንምቕያር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሃገርና’ውን ንባዕላ ኣብ መስርሕ ዘመተ ተንከባልል ስለ ዘላ፡ ኣዚዩ ፍሉይነት ዘለዎ ክውንነት ብምዃኑ፡ ብተዓጻጻፊ ፍሉይ ናይ ኣመራርሓ ብቕዓት ዝጠልብ መሰጋገሪ መድረኽ ገጢሙና ምህላዉ ግለጺ ኰይኑ’ሎ።

ካልእ ሽግር ናይዚ ዘለናዮ መሰጋገሪ መድረኽ ክንጠቅስ እንተድኣ ኰንና፡ ካብ ግዳም ይኹን ካብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ፡ ተሓባበርቲ ናይ ስተራተጂካዊ መሰጋገሪ መድረኽና ክንመርጽ ወይ ክንወዓዓል እንተድኣ ኰንና፡ ግሉጽነት ዘለዎ፡ ዘየጣዕስ ባዕላውን ብሕቱውን ዘይኰነ፡ ሓባራዊ ውሳኔ ክኸውን ይግባእ።

ኣበሃህላይ ክበርህ ምእንቲ፡ ንዓይ ክሳዕ’ዛ ዕለት’ዚኣ ኣብ ኢትዮጲያ ዝርከባ ክልላት ኢትዮጲያውነተን ክሳዕ ዘይክሓዳ፡ ካብ ኣተሃላልውአን ወጻኢ ሚዛን ክህበን ፡ ብዓይኒ ቃልሲ ክርአ ኸሎ ኣይግብኣን’ዩ። እቲ ኩሉ መስፍናዊ ድሕረ ባይታታት የታአሳስረና’ዩ ኢልና እንግምቶ፡ ምስ ሃገራዊ ንቕሓተ-ምዕባለ ዘይቃዶ ስለዝዀነ፡ ፈላሊኻ ናይ ምምዛን ሕልና ብወገነይ ተቐባልነት የብሉን። እቲ ምርጫ ወይ ንኣእምሮኻ ብዛዕባ ሃገር ከምዝሓስብ መግባሩ ኢዩ፡ ወይ ድማ ሃገራዊ ጒዳይካ ራሕሪሕካ ነናብ ቤተ-ሰብካ ምውጋን’ዩ።

ኣብ ደምበ ተቓውሞና’ውን ልክዕ ማእለያ ዘይብሉ ውልቀ-ሚዛናትን፡ የንጸባርቕ ስለዘሎ፡ ካብ ናይ ደምበ ተቓውሞ ማእከላዊ ኣሰራርሓ ወጻኢ ብዝዀነ መንገዲ፡ ባዕላዊ ዝምባሌኻን ዊንታኻን ምእማም ትኽክል ኣይኮነን። እዚ’ውን ነዚ መሰጋገሪ መድረኽ ኣዚዩ ሕልኽልኽ ዘብሎ ኣገባብ ሰለዝዀነ፡ ብወገነይ ዕግበት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣይኰነን።

ካልእ ባዕላዊ ኣነነት፡ ሓሳበይ ዘይተቐበሉዎ ኢልካ፡ ካብ ህዝባዊ ቃልሲ ኣሻፈረኝ ምባል ኣዚዩ ሓደገኛ ስለዝዀነ፡ ንመሰጋገሪ መድረኽ ናብ ዝገደደ ሕልኽልኽ የእትዎ። ኣነነት ማለት ትምክሕታዊ ኣገባብ ኣቀራርባን ኣገላልጻን ኰይኑ፡ ከይዱ-ከይዱ ምስ ነብስኻ’ውን ከይተረፈ ከም ዘይትቃዶ ኢዩ ዝገብረካ። ትማል ዝበልካዮን ሎሚ እትብሎን መትሓዚ ስለዝሰኣኖ ዝተሓዋወሰ መልእኽቲ ከተመሓላልፍ ብተዓዘብቲ ተመኒኻ ከም እትተርፍ ይገብረካ።

ኣብሃህላይ ሎሚ ሓፈሻዊ ጌረ ኢየ ኣቕሪበዮ ዘለኹ። ምኽንያቱ እቲ ብኣስተብህሎይን ዝዕዘቦ ዘለኹን መብዛሕትኡ መልእኽትታት፡ ኣዚዩ ዝተሓናፈጸ ኰይኑ ስለዝረኸብኩዎ ኢየ። እጌለ ከምዚ ኰይኑ ሓሳባትካ እንዳበልኩ ናብ ኩሉ ክበጽሕ ግዜ ስለ ዘይብለይ፡ ኩሉ እቲ በብዓቕሙ ዝጋደል ዘሎ፡ መብዛሕትኡ ኰነ ኢልካ ዘይኰነስ፡ ካብ ዘይምስትብሃል ኽኸውን ስለዝኽእል፡ ባዕሉ ተትሕዝትኡ እንተፈተሸ ዝሓይሽ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ኢየ።

ናተይ ኣገባብ ቃልሲ ግን ከም ቀደሙ ኢደይ ዝሃብኩሉ ማእከል ናይ ቃልሲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ስለዝዀነ፡ ቦዂራ ወይ መዕቆሪ ዓቕምታት ናይ ቃልሲ ኢለ ስለዝኣመንኩሉ፡ ኩሉ ተትሕዝትኡ ሒዙ እሞ ናብ’ዛ ቦዂራ ናይ ይኣክል ይዕቈር፡ እቲ መሰጋገሪ መድረኽ ኣደብ ዘለዎ ኰይኑ ክንረኽቦ ኢና ብሃላይ ኢየ።

እዚ ዘለናዮ ኣገባብ ቃልሲ፡ ኣደብ ዝሳአነ መሰጋገሪ መድረኽ ኰይኑ’ሎ። ኣደብ ዘለዎ መሰጋገሪ መድረኽ ክህልወና እንተድኣ ኰይኑ፡ ክንዲ ነናይ ባዕልና ቤተ-ሰብ ናይ ቃልሲ ንመርጽ፡ እቲ ውጽኢት ናይ ቦዂራ ናይ ይኣክል ባዕሉ ምሃንድስነት ናይ ዝምድና ከርእየና’ዩ። እንታይ ካብ መን ንልቃሕ፡ እንታይከ ካብ ታሪኻዊ ሃብትናን ድኽነትናን ክንመሃር ከም እንኽእል ብውልቀ ውሳኔ ኣይንተሃወኸሉ። ርእይቶ ቅቡል’ኳ አንተዀነ፡ ብውልቀ ዊንታ ግን ክዕበለል የብሉን።

ንእግረ-መንገደይ ይኣክላዊ ተበግሶ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ክኣ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ ዝሓለፎ ዘሎ ሃለዋት ጥቕስ ከብል ኢየ። ይኣክላዊ ተበግሶ ምሉእ ዓለም ኣገዳሲ ምኻኑ ንማንም ደላይ ፍትሒ ብሩህ ኢዩ። አዒንቲ ብዙሓት ሰባት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ግን፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ሰሜን ኣሜርካ ኣተኲረን ብምፍርራህ ቀባሕ-ባሕ ምባለን ሰጊርካዮ ዝሕለፍ ቋሕ-ሰም ኣይኰነን።

ኩለን ከተማታት እንተ ዘይተወኪለን ዝብል ኣበሃህላ ብመሰረቱ ካብ ባህሪ ናይ ኣጀማምራ ቃልሲ ወጻኢ ዝዀነ ባዕላዊ ሓሳባት ኢዩ። ኩለን ከተማታት ክሳዕ ዝውከላ ትጽቢት ዝግበር እንተድኣ ኰይኑ፡ ሃገርና ከነድሕና እንኽእል ኣይመስለንን። ሰውራ ወይ ገድሊ ብውክልና ደረጃ፡ ኣብ ታሪኽ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ሰውራና’ውን ዝጀመረ ኢዩ ጀሚሩዎ እምበር ብውክልና ተሰማሚዕና ንበረኻ ኣይወፈርናን።

ንጸላእትና ኣሸኒፍና ክሳዕ ኣስመራ እንኣቱ’ውን ነቲ ቓልሲ ብውክልና ኣይተማቐልናዮን። ኩሎም ተቓለስቲ ይተኣከቡ፡ ንምሉእ ሃገር ዝውክል፡ ኣገባብ ቃልስን ኣወዳድባን ክኣ ይሃንድሱ ማለት ግን ወሳኒ ተራ ዝጻወት ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ጥበብ’ዩ። ኩሎም ይወከሉ ዝበሃለሉ ግዜ ኣብ ሃገራዊ ምምሕዳር ዝትግበር ድኣ’ምበር ሕጂ ኣብ ግዜ ምግዳል ኣይኰነን። ከምቲ በለጽ ሓደ መንቀሊ ናይ ክሕደት ዝኸውን፡ ወጽዓ ድማ ሓደ መበገሲ ናይ ቃልሲ ኢዩ። ስለዚ ወጽዓ ዝርድኦ ኣካል ጥራየ’ዩ ናይ’ዚ መድረኽ’ዚ ተዋሳኢ። ምኽንያቱ ብጻይካ መቃልስትኻ’ምበር ካልእ ብሕታዊ ዝምባሌኻ ኣይኰነን።

ኣብ ቃልሲ ኩሉ ግዜ እቲ ጭቆና ዝጻዕጸዖ ኢዩ ዝቃለስን ዝዕወትን። ኣብ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ ዘይበልሐት ልሳንን ዘይወደቐት ኲርማጅን የላን። ኩሎም ልሳኖም ክሕይኹን፡ ኲርማጆም ከይፈተዉ ክጥቕልሉን እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ዝበጸሕዎ የብሎምን። ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ ብኽልተ እግራ ረጊጻስ ኣብ ዝብጻሕ ክትበጽሕ ቀላሲ ግደ ክትጻወት ምዃና ዘይተርፍ ኢዩ።

ኣነ ኣብ ሃገረ ካናዳ ኢየ ዝርከብ። እንተዀነ ግን ምስ ይኣክል ሰሜን ኣሜርካ ክዓስል ወይ ደው ክብል ድሕር ኣይብልን። ኩለን ከተማታት ስለዘይተወከላ ኢለ ቍጭምጭም ዘብል ምኽንያት የብለይን። ይኣክላውያን ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ተሓጋገዝቲ ናይ ለውጢ ኣባላት’ምበር፡ ዶብ ዝውስኖም ኣይኰኑን። ንስርርዕ ክጥዕም ግን፡ ንመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ክንግልገለሉ ንኽእል ኢና ማለት እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ምስጢር የብሉን።

ኣብ ተመኲሮ ሰውራና፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ውግእ ክካየድ ከሎ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ምምሕዳር ረዳት ጠበቕ ከም ዝብል ይግበር። ኣብ ቃልሲ ናተይ ናትካ የለን። ሰትራተጂካዊ ቦታ ምሓዝ ግን ናይ ኣመራርሓ ብስለትን መጽናዕትን የድልዮ። ኣመራርጻ ክሳድ ኣብ ቃልሲ ዓቢ ወሳኒ ግደ’ለዎ። ካብ ጒይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ ዝብሃል’ውን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነታትዩ።

ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ሕምብርቲ ናይታ ዝሓየለት ስርዓት ኣሜሪካ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ኣብ ሕምብርቲ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ዓለም’ውን ስለ እትርከብ፡ ዓቢ ዓለም ለኻዊ ኣገዳስነት ኣለዋ። እቲ ሰብ ዘየስተብህለሉ ዓቢ ነጥቢ፡ ስርዓት ኣሜርካን እቲ ዝዓበየ ትካል ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ዓለምን፡ ንጸላእትና ዝውጅሆም ዘሎ፡ ኣብ ገዝኡ ዓቕሉ እንተዘይ ኣጽቢብናሉ ብማዕዶ ብመሸንጎጋ ከነረኻኽበሉ ኣይንኽእልን ኢና። ክንዛረብን፡ ክንጽሕፍን፡ ክንምድርን ከለና ኣፋፍኖት ናይ ዓወት ዘለዎ ኣገባብ ናይ ቃልሲ ክህልወና ይግባእ።

ንህዝቢ ኣመሪካን ንሕቡራት መንግስታት ዓለምን ብዕዙዝነት ደረጃ፡ ብይኣክል ሰሜን ኣመሪካ ጌርና ኢና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዘሎ ፖለቲካዊ ርእዮተ-ዓለም ክነመሓላልፈሉ ’ንኽእል። ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ሓያል ትካል ደምበ ተቓውሞ ነይሩና እንተዝኸውን፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ኣባል ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ክኸውን ኣይምኽኣለን ነይሩ።

ይኣክላውያን ማእከል ናይ ቃልሲ፡ ማለት መዝገብ ወይ ድፋዕ እንተጠፊኡና፡ ንሰይጣን መልኣኽ ኢሎም እንተጸውዕዎ ጌጋ የብሎምን። ሓደ ኣብ’ዚ መሰጋገሪ መድረኽ እንምሃሮ ምዕራፍ እንተልዩ እዝን ወድ ኸምዝን ምዃኑ ምርዳእ ከድልየና ኢዩ።

ኣብ መድረኽ ምስግጋር እንዶ ዘለዎ ራኢ (PRUDENT VISION) እንተጠፊኡካ፡ ፖለቲካዊ ሕልኽልኽ ብዘይመጾ የብሉን። ኩሎም ደቀቕቲ ምኽንያታት ውራይካ ገዲፍካ ከም ውንጅር የማነ-ጸጋም ከም እትብል’ዮም ዝገብሩኻ። ድሓን ክትስጒም ትጸንሕ’ሞ፡ ጽንሕ ኢልካ ኣብ መንጎ፡ ህግደፍ እንተዘይኰንካ፡ ከይተፈለጠካ ጎሬቤት ህግደፍ ትኸውን። እዚ ከንጸባርቕ ዝኽእል፡ መሰረታዊ እንዶ ናይ’ቲ ተተሓሒዝካዮ ዘለኻ ጒዕዞ ምስ እትዝንግዖ ኢዩ።

ኣብ ዝዀነ ይኹን መድረኽ፡ ግዴኻን ዘይግዴኻን ክትፈልጥ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። መብዛሕትና፡ ደይግዴና ክንገብር ኣብ ብዙሕ ጌጋ ንኣቱ ኢና። ብዙሕ ግዜ ግዴና ዘይገበርናስ፡ ዘሊልና ግደ ኤርትራዊ ሃገራዊ በይቶ የዛርበና። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ሃሰስ ኢልካ ዘይትረኽቦ ፈልልይ፡ ኣብዚ ኣራቢሕና መጻወት ጸላእቲ ንኸውን። ሃገራዊ ባይቶና ዝገብሮ ዕማማት ኣብዚ ንኳሰተረሉ። ገደብ ናይ ዓቕምና ይደናገረና። ንዂነታት ክንቅይር እንዳተቓለስና፡ ኣብ መንጎ ነብስና ክንቅይር ምኽኣል ንስእን።

ኣንጻር ምልኪ እንዳተቓለስና፡ ኣብ ኣምልኮ ውልቀ-ሰባት ካብ ቤት እምነት ንላዕሊ ንሰግድ። መትከላውን ህዝባውን ጒዕዞና ንርስዖ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰል ዘይብሱል መኸተ፡ ነቲ ተተሓሒዝናዮ ዘለና መሰጋገሪ መድረኽ ዝያዳ ሕልኽልኻውን ተመጣጥን ይገብሮ።

ናይ ሓባር ዕላማና ሃገራዊ በይቶ ኤርትራ ምምስራት እንዳዀነ ኸሎ፡ ተጋድሎና ረሲዕና፡ ድሮ ኣባላት ባይቶ ኰንና ኣብ ዘይምልከተና ውሳነ ብምእታው፡ ከይተረድኣና ታሪኽ መለኽትን ተመኲሮ ናይ ትማልን ንደግም።

ንናይ ስልጣን መሰጋገሪ መድረኽ ዘገልግል፡ ክለሳ ሓሳባዊ ኣፍልጦ እንተዘይ ኣማዕቢልና፡ ቃልስና ናይ ተልመዴን መዐንደሪ ኰይኑ ኢዩ ዝተርፍ። “ዘይተወቕረ መጥሓን ነየጥሕን፡ ዘይተማህረ ሰብ ክኣ ነየድሕን” ከም ዝብሃል፡ ብዘይ ኣፍልጦ ብሃቦ ተረከቦ ክንጐዓዝ ግዜና ከነባኽን ኣይግባእን። ሎሚ ድኽመቱ ኣለልዩ ክመሃር ንዝደለየ፡ ማዕከን ናይ ትምህርቲ ኣብ’ዛ ምዕብልቲ ዓለም፡ ኣብ ማእከል ገዛኻ ከይተረፈ መልኡ’ሎ። ብግቡእ እንተ ተጠቒምናሉ ዕድመ ንሳይንስን ተክኖሎጅን። ምሁር ግን ብኣፍልጦ ክስነ ኣለዎ።

ሓደ ክመሃር ዝደለየ ንመስርሕ ናይ ዓውዲ ፍልጠት ክሰግሮ የብሉን። እቲ ንመድረኽ ምስግጋር ዝዓግቶ ወይ ድማ ዝሓላልኾ፡ ንመስርሕ ናይ ፍልጠት ሰጊርካ፡ ብዘይ ክለሳ ሓሳባዊ ትሕዝቶ ደርገፍገፍ ምባል’ዩ። ከም ዝዀነ ዝኸሰርካ ከሲርካ ዓዲ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ምስ ኣተኻ ዘጋጥመካ ግን ሓደ ካብቲ ኹሉ ተረኽቦታት፡ ከምዚ ንዓና ገጢሙና ዘሎ ኢዩ። ተመኲሮና ተግባራዊ ትሕዝቶ’ምበር ክለሳሓሳባዊ መርሖ፡ መፍትሕ፡ ወይ ጽፉፍ ብሱል መሰጋገሪ መድረኽ ኣይተኸተለን።

እምብኣር ይኣክል ምሉእ ዓለም ብሓፈሻ፡ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ ድማ ብፍላይ እንዳተጸፍዐ ከጽቅጥን ኣሜን ኢሉ ድንን ክብልን ዘይኰነስ፡ ንጸፋዕቱ ክጸፍዕ መልሰ ተግባር ክህብ ብትካል ደረጃ ከመስክር ኣለዎ። ብኣፍልጦ ምስ እንቃለስ፡ ኩሎም ሞያውያን ናይ ዝተፈላለየ ዓውዲ ፍልጠት ናብ ዘብልዎ የብሎምን። ተቓላሳይ ዘበለ ኹሉ ምእንቲ ነብሱ’ምበር ምእንቲ ይኣክል ነብሪ ጎልጎል ኤርትራ ዝቃለስ ዋላ ሓደ ከቶ ይለን። እንተ ብናይ ሕልና ቅሳነት ካብ’ዛ ዓለም ክሰናበት፡ ወይ ድማ ብኣካል ነመጻኢት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ከስተማቕራ፡ ኩሉ ንመንፈሳዊ ዕግበቱ ላዕልን ታሕትን ይብል።

ናይ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ምስክር ወይ ታሪኻዊ መረዳእታ ዝሓለፉ ስውኣትናን ስንኩላትናን ምዃኖም ክንዝክር ይግብኣና። ነጻነት፡ ሓርነት፡ ቅሳነት፡ ፍስሃ-ወሰላም፡ ናይ ሕልና ዕረፍቲ’ምበር ብልዕን መስተን ኣይኰነን። ንሱ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ዳርጋ ኩልና ኣብ ግዳማዊ ዓለም እንርከብ ንብልዕን መስትን ተተርኢስናዮ ንውዕልን ንሓድርን ኣለና።

ኣብ ሃገርና ህዝብና ዘለዎ ሃለዋት ከመይ ከም ዘሎ ክገልጸልኩም ዘድልየኒ ኰይኑ ኣይርኣየንን። እንተ ንሕና ግን፡ ጽባሕ ማይ ኣሎ፡ ሙቘት ኣሎ፡ በረድ ኣሎ፡ ወዘተ…ክንበሃሃልን፡ ክዳውንትን መግብን ክንቀያይርን፡ መቐመጢ ክንስእነሉን ንውዕልን ንሓድርን ኣለና።

ኣብ መወዳእታ ዝብሎ ነገር እንተልዩ፡ ኣነ ዘመስግኖን ዘተባብዖን ነዚ ይኣክላዊ መስመር ናይ መንእሰይ ነብሪ ጐልጎል ኤርትራ ኢየ። እቶም ካልኦት ብፍላይ ቀዳሞት ነዚ ወለዶ’ዚ ዘፍረና ዕዳና ንፍለጥ። ክንምስገን ዘይክንምስገን ባዕሉ እዚ መንእሰይ ኣብ ሓደ ደረጃ ፍርዱ ክህበና ኢዩ። ድሮ’ውን ምስ ፈለጠ ብሰንክኹም ክብለና ጀሚሩ’ሎ። ትኽክል ክንቅበሎ ዘለና ነቐፌታ ኢዩ።

ይኣክል ኣለኹ እንዳበለ ኸሎ፡ የለኻን ክንብሎ፡ ሕጂኸ ናበይ ኢልና ክንወራዘን፡ ጓኖት ኰንና ክንቀርብን፡ እንዶ ዘይብሎ ራኢ ስለዝዀነ፡ ዘዋጽኣና ኣገባብ መሰጋገሪ መድረኽ ኣይኰነን። ኣብ ክልተ ሰለስተ ባይታ እንዳረገጽና፡ ንይኣክል ክንጥብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ኩሉ ነብስና ምስ ይኣክል ብምዃን፡ ንይዀኑ ኢዮም እንብሎም ድማ፡ ምስ ይኣክል ደው ክብሉ ምኽርን ጸቕጥን ክንገብረሎም ይግባእ።

ብዝተረፈ ውልቀ ሽርክነታዊ ምሕዝነት ከይተርፈና፡ ሰጋእ-መጋእ ኣብ ምባል እንድሕሪ ኰይኑ ኣካይዳና፡ ንይኣክላዊ መስመር ብዘይተማልአ እምንቶ ከነዐውቶ ኣይንኽእልን ኢና። ሃገር ኣብ መርድእ እንተድኣ’ልያ፡ ቀዳሞት ኣብ ባይቶ ዓዲ መን ይዕወት ክብሉ ከለዉ፡፡ ኣነ ’ዕወት ኢሉ ነቲ ዝረሓቐ መገሻ ዝዓሞ መንእሰይ ኢዩ። ስለዚ ነዚ ክውንነት’ዚ ንእመነሉ።

መሰጋገሪ መድረኽ ትርጒሙ ኣብ ሕ/ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ ዋላ ኣብ ባህሪ’ውን ናቱ ሕግታት ኣለዎ። ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ውሽጣዊ ኲነታቱን ክኣ ኢዩ ዝምርኰስ። ኣብ ሕ/ሰብ ብሓፈሻ፡ አብ ደምበ ተቓውሞና ክኣ ብፍላይ ኣብ ውሽጣዊ ኲነታትና ከንምርኰስ የድሊ። ካብዚ ወጻኢ ዝዀነ ቀደምትነትን ግደ ተቓወምትን ዘየለሊ ወስታታት፡ ናይ ግዳማዊ ኣጠማምታን ኣመዛዝናን፡ ኣዘማምዳን ናይ ቃልሲ ግን፡ ነብሰ ምዝንጋዕ ስለዘኸትል፡ ግዳማውያን ከዘንግዑና፡ ከምዚ ዝቐነየና ላልማየ ላሎ፡ መፍጠጥቲ ዓይኒ፡ የዒንቶም ከፍጥጡልና ቀሊል’ዩ።

ንሕማቕ ምዓልቲ የለኹን በላ ከም ዝብሃል፡ ሕማቐ ምዓልቲ ምእንቲ ከይውለድ፡ ንመስርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ኣይንጥሓሶ። (WE MUST AVOID TRANSITIONAL PROCESS VIOLATION)

እምብኣር ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ እንተልዩ፡ “ቍሪ ናበይ ደሊኻ ናብ ክዱናት፡ እቶም ዕሩቓትከ? ትሑዛት” ከም ዝብሃል፡ ልክዕ ከም’ዚ ሎሚ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ደምበ ህግደፍ ናብ ደምበ ፍትሒ ምውሓዝ ምስ ጀመሩ: ካብ ሃገራዊ ሓልዮቶም ዝነቐለ፡ ጅግንነቶምን ቆራጽነቶምን ብጣዕሚ ደስ ስለ ዝበለኒ፡ ዝደረስኩዋ መጺእኩምዶ! ትብል ግጥመይ ጌረ: ንሎሚ ክሳዕ ከም ኣመልና ዕድል ረኺብና ንራኸብ ክፍለየኩም ኢየ። መጺእና’ወ! ምምጻእ ተበሉኻኸ! ምባል ብተግባር ግን ኣይትሕመቑ። እንሆ’ምብኣር፦

መጺእኩምዶ!
መስከረም 03/2018
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ነዊሕ ተጸቢና መጺእኩምዶ
ከንደይ ሳዕ ድኣ’ሞ ማዕዶ-ማዕዶ

ህግደፍ እከይ ብዓል ሕማቕ ዛንታ
መቓብርካ ኣኺላ ስዓታ
ቋሬጣኻስ ባዕልኻ ስንክታ

ኣእምሮኻ ኩሉ ተደፊኑ
ካብ’ዚ ኹሉ ዝብሃል ስኢኑ
እነኹልኩም ውሰዱኒ ዀይኑ

ሓዲግ መዲግ ኣይ ስራሕ ኣይ ብዓል
መጽሓፍካ ተደርብዩ ናይ ምትላል
ኩሎም ኢሎምኻ ድሓን ውዓል

ብል ርኣዮም ፍንጫሕ መሰንገልና
መንዮምኻ ሰጊሮም ናባና
መጺእኩምዶ ንደርፍ ኣለና

ምድሪ-ቤትና ክጸሪ ጀሚሩ
ብሰንክኻ ተበላሽዩ ነይሩ
‘ስኮባ ረኺቡ ተዀስቲሩ

ኣንታ ጽሉል ትሰምዕዶ’ለኻ
ላምና ተመሊሳ ካብ በረኻ
ምርኻብ ጀሚራ ምስ ምራኻ

መጺኣ’ወ ተሓላቢት ላምና
እምባሕ-እምባሕ ንሰምዕ ኣለና
ጻልጣና ክንሰቲ ተፋይትና

እልል በሊ ኤርትራ ሃገርና
ነዊሕ እንዲዩ ሓሊቡኪ ጓና
ሕጅስ ኲሮ፡ ጓጒድ ንስድራና

መዋእልኪ አምብለይ ክትብሊ
መጻእናኪ ጸባኺ ዓድሊ
ማሕለኻ ዘይብሉ ሕራይ በሊ

ንብዓት ይትረፍ እልል ጀምርዮ
ደቀይ ጠፊኦም’ዮም ዝበልክዮ
ደቀይ መጺኦም’ዮም ቀይርዮ

ኣልቦ ዕፉን ሱማ ተሪፉኪ
ብበሊሕ ኣስናኑ ተጋሂጽኪ
ተሓፋሪት መርዓት ተደፊርኪ

ጽንዓት ይሃብ ዝብል ሰሚዕኪዶ?
ብጀካ ሴፍ ሕረዶ - ሕረዶ
መዋእልኪ ተሰካሚት ጋዶ

ዕረፍቲ ዘይብሉ ጽኑዕ ብርኪ
ደይደቅኺ ክትሓቝፊ ረብሪብኪ
ሕጅስ ፍረ ማህጸን እንሆልኪ

ግዲ የለን ኤርትራ ሃገርና
ርሑቕን ቀረባን ዝነበርና
ሰብ ናብ ሰቡ ክንብል ጀሚርና

ዓመጽትና ብዓል ሃቡ-ሃቡ
ይርሓቑልና በይኖም ይዛረቡ
ናቶም ትኹን ዝብኢ ናብ ገረቡ

ክኽፈት’ዩ ኩሉ ዝተዓብጠ
ክእቶ’ዩ ምድርቤት ውሻጠ
ክፈልጥ’ዩ ኩሉ ዘይፈለጠ

ደስ ይበልኪ ኤርትራ ሃገርና
ተቐበሊ ንመጽእ ኣለና
ክተርፍ’ዩ ግዱድ ዕስክርና

እዚ ሰይጣን ጽባሕ ክቕበር’ዩ
ሓመድ ናይ መለኽቲ ከለብስ’ዩ
ወዮ ብኽያት ስሓቕ ክቕየር’ዩ

ክትስእ’ዩ ንጒሆ ኣቦይ ሸኽና
ከም ድላዩ ቍርኣን ክቐርኣልና
ኣላህ ክብል ከምቲ ናይ ቀደምና

ቀሺ ምስ ፈላሲ ተቐባበል
ተዳሎ በልዎ ብዓል ደወል
ደርሆ ነቆ ህዝብና ክምህለል

ድሕሪ ኹሉ ከይንተርፍ ታሕቲ
ክኽፈት’ዩ ኹሉ ቤት ትምህርቲ
ኮለጅ ይኹን ምስ ዩኒቨርሲቲ

ድንቍርና ምእንቲ ክቕበር
ክምለስ’ዩ ናይ ኤርትራ ዶክተር
ንሃገሩ መታን ክመራመር

ጥራይ ንሕና ንሰማማዕ’ሞ
ከምለስ’ዩ ኩሉ ፈለኛሞ
ብዓል መጋዝ ህግደፍ ዝጠለሞ

እወ ንሕና ንከባበር ጥራይ
ክጅምር’ዩ ኩሉ ብዓል ውራይ
ብዓል ሜትሮ ነዳቓይ ኣላማይ

ክምንቆስ’ዩ እዚ ርጉም ስራይ
ማዕጾ ክኽፈት’ዩ ናይ ነጋዳይ
እንካ ገንዘብ ሃበኒ’ቲ ሽሻይ

ከተማታት ኩለን ናይ ሃገርና
ተፋሒረን እንድየን ተዓንቂፍና
ክሕደሳልና ’የን ከጽገና

ኣደ ወላድ መታን ከተዕርፍ
ኣሰይ-ኣሰይ ህዝብና ክደርፍ
ንዓኒ’ምበር ኪደለይ ክተርፍ

መንእሰይና ውረስ’ምበር ውረስ
ክተት’ሞ ዓድኻ ተመለስ
ኰዳዕ-ኰዳዕ ኣራግጻ ፈረስ

ኔው በለለይ ናይ ንሕድሕድ ባእሲ
መዋእልካ ጥንሲ ብዘይ ሕርሲ
ፍርያት ዘይብሉ መኻን ፈልሲ

ጓል ሃገረይ ኣንቲ ሰፋሕ ልቢ
ቀሪብኪ’ምበር ድላይኪ ክትረኽቢ
ጽሩይ ማይ ጓቝመን ክትሕጸቢ

ተበጊሱ ናይ መንእሰይ ዕስለ
ሆየ - ሆየ ጐበዝ እንሆለ
ዋእ! ጸላኢናስ ካባና ይፈለ

ወዲ ገዛውተይ ብዓል ወኒ
ፓሊናዶ ’ሕሸካ ፍጉሪኒ
ነፊቐ’ንድየ ’ስመራ ትዝ ኢሉኒ

ሑፍራዶ ’ሕሸካ ኣሪማንዶ
ስመር’ምበር ክልቲኡ ውሰዶ
ክጠፍኡ’ዮም ብዓል በጋሚንዶ

በቲ ሓደ ኮርሶ ብቺግለታ
በቲ ሐደ ክኣ ኲቺነታ
ኩሉ ጥዑም እንተልዩ መሰታ

ክንደይ ክብሎ ደርዘን’ዩ ብደርዘን
ብዀናትል መሊኡ ዝምዘን
ነባርሮ ጥራይ ነዚ መርዘን

ጥዑም ግዜ ተኒስ ምስ ፓሎኒ
ኲዕሶ’ምበር ዘይድርበዮ እምኒ
ከምለስ’ዩ ክምስ ክብል ስኒ

እዚ እከይ ነጋዳይ ኰላሊት
ናይ ልማኖ ዝስቀል ነፋሪት
ክእሰር’ዩ ብእንኲ-እንኲሪት

ኤርትራና ምቅላስ ልማዳ
የግድፉኺ ትወልዲ ዝያዳ
ሕጅስ ኩሎም ክኸፍሉ’ዮም ዕዳ

ክምሕለልኪ ክብል’የ ብኡነት
ጽንዓት ክውለድ’ዩ ክንዲ ጥልመት
ንበልዖ ’ግበረና ኣየ ስበት

እወ! ነዊሕ ተጸቢና መጺእኩምዶ
ከንደይ ሳዕ ድኣ’ሞ ማዕዶ-ማዕዶ
ዘይመጸና ባይቶና ይፍረዶ

ምሕጽንታ፦ ይኣክል ህዝባዊ መንቅስቓስ ክበሃል ከሎ፡ ውድባዊ ሂወት (ዝተማልአ ቅርጻ ናይ ህዝባዊ መሰል) የብሉን ማለት ኣይኰነን። ውደባ ንኹሉ ጥርኑፍ ኣገባብ ቃልሲ ይምልከት፡ ብዘዐውቶ ዕላማ ክኣ ይልለ። ካብታ ዝነኣሰት ዕቁብ፡ ክሳዕ’ታ ዝዓበየት ሕቡራት መንግሰታት ዓለም ብውደባ ዝነባበራ ኣሃዱታት ኢየን። ዘዐውትኦ ዕላማ ግን ዝተፈላለየ ኰይኑ፡ ኣብ ሰነዳተን ይርከብ። እዚ እኹልን ሓጺርን መልሲ ንትርጒም ውደባ ክበርሃሉ ዝደሊ ሓበሬታ ኢዩ።

ሰበዋ፦ ስርዓት ኢሳያስ ከሎ፡ ናብ ታምራት ወዲ ነገራ፡ ኤርትራ ገዲፍካ ዓደ’ምሓራ፡ ዘየዋጽእ መባኸን ግዜ፡ ፖለቲካዊ ዕንደራ ክኣ ይትረፍ። ኣብ ናይ ኢትዮጲያ ገዛእቲ ሓይልታት ዘሎ ከርበ ሓድሽ ኣይኰነን። ከተፈልፍሎም ኢልካ ኲርማጅ ሸጥ እንተቢልካ፡ ቀይ ባሕራችን! ወደባችን! ትብል ዘረባ ኢያ መጀመርያ ትወጽእ፡ ጓህሪ እንተ ዀለሱ’ውን እዛ ቃል’ዚኣ ኣይትቕየርን ኢያ።

እቲ ፍታሕ ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ብምፍጣር፡ ሱር መሰረት መላኺ ስርዓት ኣስመራን ተሓበበርቱን መንቍስካን ቀይድካን፡ ኣብ ሓጹር ቤት ፍርዲ ምስንዳዎም’ዩ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ: ከነፍሪ እንተደሊና “ኣብ ከውሒ ኣይንዝራእ”። ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ዘልኣለማዊ ምሓዛና ክንገብሮ ንጽዓር። ሕውነትና ዘረጋግጽ ኣብ ደሞክራሲያዊ መሰል ምእማን ጥራይ ኢዩ።

ካብዚ ንላዕሊ ቀልባዕባዕ ምባልን፡ ግዜኻ ምብኻንን እንተብዚሕናዮ ግን፡ ንሕና’ውን ዘየግሃደ ከርበ ከሳቕየና ምዃኑ ንፍለጥ።

ብዝተረፈ፦

ሰናይ ቅነ፡ ሰላምኩም ዝምነ
ሕጂ ሕራይ ይኣክል ሰሰነ
ደይ ንሱ’ሞ እንታይ እደሊ ኣነ!!!

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)


Share with friends:

See also recent Articles by Redi Kifle ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ’ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) (Snitna Archives):-


መሰጋገሪ መድረኽን፡ ሕልኽልኻቱን THE CHALLENGES OF TRANSITION - by Redi Kifle Bashay (Snitna 14-Jan-2020)

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: