ኣገናዕ ሜጅ/ጀ ብርሃነ ነጋሽ!!

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

10/02/2020 23:55 PM

ኣገናዕ ሜጅ/ጀ
ብርሃነ ነጋሽ!!

ብ`ሲራክ

ኣገናዕ ሜጅ/ጀ ብርሃነ ነጋሽ

ኣገናዕ ሜጅ/ጀ ብርሃነ ነጋሽ!!

እዋኑ እዋን ውራውራ'ዩ! ታሪኽና ተበሊሉ ሃገርና ኣብ እንስእነሉ እዋን ኢና በጺሕና ዘሎና። ታሪኽ ዘይብሉ ህዝብን ሱር ዘይብሉ ገረብን ድማ ሓደ`ዩ! ታሪኽ ብስዓርቲ ከም ዝጽሓፍ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂዩ። ይኹን ድኣምበር ካልእ ገዚፍ ፈተና ገጢሙና ብምህላዉ ታሪኽና ክንስንድ፡ ንወለዶታት ከነሕልፍስ ይትረፍ፡ ግብረመልሲ ክንህብ'ውን ኣብዘይንኽእለሉ እዋን ኢና በጺሕና ዘሎና። ግን ከኣ ታሪኽና ክንጽሕፍ እንተዘይ ክኢልና፡ እቶም ዝተሳዕሩ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም በቲ ዝጥዕሞም መገዲ ሓድሽ ጽውጽዋይ ክጽሕፉ ብግዲዩ። "ተሳዒርና ከይብላስ ይግባይ`ብላ"ዩ ነገሩ። ኣብ መብዛሕትኡ መጻሕፍቶም ነዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት እናልዓሉ ምስምስ ክፈጥሩ ምርኣይ ንቡር ኮይኑ`ሎ። "ብወገን ጸላኢ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ወሪዱና፡ መራሕትና ኣግዲዖምና፡ ጽጹይ ስለያዊ ሓበሬታ ኣይነበረናን፡ ጸላእትና በዕራብ ድጋፍ ረኺቦም፡ መራሕትና ጉቦ በሊዖም፡ ሰራዊትና ወሰኽ ደሞዝ ኣይረኸበን፡ ዕጥቅን-ስንቅን እኹል ኣይነበረን፡ ክጽወር ዘይክኣል ኩነታት ኣየርን ስእነት ዝስተ ማይን. ..ወዘተ" እናበሉ፡ ነቲ ጉልባብ ስዕረቶም ካባ ዓወት ከጎናጽፉዎ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓሉን። ኪኖ መጻሕፍቲ ምጽሐፍ "የቀድሞ የደርግ ወታደሮች ማህበር" ዝብል መስሪቶም ይንቀሳቐሱ ኣለው። ብርጋደር ጀ/ካሳየ ጨመዳ ሓደ ኣብነት ናይዚ`ዩ። ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ዝኣተወ ክንሱን፡ ሓቂ መስኪሩ፡ ክፋእ ናይ ውግእን-ወረ ውግእን ነጊሩ ካብዛ ዓለም ብሰላም ክሰናበት ዝግብኦ ክንሱን፡ ደረቱ እናነፍሐ ቅልጽሙ እናሕበጠ፡ ቡኛ እና ጨበጠ ክፍክር ንርኢ ኣሎና።

በቲ ካልእ ሸነኽ ኣብ ከምኒ "ተራራን ያንቀጠቀጠ ትውልድ". ከምኡውን ብሓለቓ ሓምሳ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ ዝተደርሰት "ኣይ ምጽዋ..." ኣትብል መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳባት ነቲ ክቡር መስዋእትና ዝድውን ኮይኑ ትረኽቦ።

ታደሰ ቴሌ፡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ክልተ በራጊድ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ሕወሓት) ተሳቲፈን ምንባረን'ዩ ዝገልጽ። ይኹን ድኣምበር "ሓቂ ብርእሳ ተቐበርካያስ ብእግራ ትወጽእ"ዩ ነገሩ። ከም ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ንብዙሓት ፈለጥተይ ብዛዕባ ተጋደልቲ ወያነ ኮነ ኣሃዱታቶም፡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ዘይምስታፎም በቲ ኣነ ዝፈልጦ መጠን ኣጻዊተዮም ምንባረይ ይዝክር። ኣብ 1990 ታት ካብ ኣሶሳ ተመሊስና፡ ወደባዊት ከተማና ምጽዋዕ ሓራ ወጽያ ኣብ ግ/ደቀምሓረ ዓረድና ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ናብ ዓደንገፎም፡ ቤት/ ጽሕፈት ብርጌድ ሜካናይዝድ ኣሃዱ ምሸት ምድሪ ናይ ታንክታት ባትሪ ክወስድ ከይደ። እታ ቤት/ጽ ብርጌድ (ጸሃየ ሞኮነንን ወዲ`ሕፈሮምን) ዝጥቀሙላ ዝነበሩ ጀኔነተር፡ ናትና ብምንባራ፡ እቲ ምሉእ መዓልቲ ክመልእ ዝወዓለ ባትሪታት ንድፋዕ ክወስዶ ኢለ ኢየ ኸይደ። ኣብኡ ምስበጻሕኩ፡ ኣጋጣሚ ቅድም ሕጂ ዝፈልጦም መሪሕነታት ሕወሓት ረኺበ። ገለ ካብቶም ዝዝክሮም መራሕቲ ሓደ፡ ቸንቶ እቲ ካልኣዩ ድማ መሸሻ'ዩ ኔሩ። መሸሻ ብዓል ሳምረ ፡ ቀይሕ፡ ቅንጹብ ኣካላት ዝነበሮ ኣዛዚ`ዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንሓደ ኮረኔል ሓቲተሉ`ስ ብሕማም ምኽንያት ዓሚ ከምዝሞተ ነጊሩኒ፡ ንዕኡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድርኡ ድማ ጽንዓት ይሀቦም!`

እቲ ካልኣዩ ብ`ቸንቶ ዝፍለጥ ከደራይ፡ ትግራዋይ መበቆል ዘለዎ ኣብ ሰራዊት ደርግ ኣብ ግምባር ከረን ኣባል መሪሕነት ዝነበረ፡ ንራሻ (ሩስያ) ንፍሉይ ስልጠና ዝተላእከን ድሒሩ ናብ ሕወሓት ዝተጸንበረን`ዩ። ኣብ ሞንጎ እቲ ዕላል፡ ናብኡ መምጽኢኦም ምኽንያት ምስ ሓተትክዎም፡ ብግልጺ ከምዚ ክብሉ ኣጻዊቶምኒ ምንባሮም ኣጸቢቐ ይዝክር፦ "ምውህሃድ ኣጋር ሰራዊትን ሜካናይዝድን ንኽንመሀር ኢና መጺና" ኢሎምኒ። ምስ'ዞም ኣዘዝቲ ሕወሓት፡ ኣብ 1989 ብ`መጥቃዕቲ ወልድያ ኣብ ዝፍለጥ ስርሒት ንኽንሳተፍ ኢልና ካብ ሳሕል ምስ ከድና ኢና ተላሊና። ሽዑ ዝማረኽወን ታንክታት ኔረንኦም'የን፡ ግን ክኣ ፍሉጥ ዝኾነ ሜካናይዝድ ኣሃዱ ኣይነበሮምን። ሽዑ ይምስረት ስለ ዝነበረ፡ ምስኦም ጽቡቕ ሌላ ክንገብር ሓጊዙናዩ። እቲ መጽሓፍ ጽሒፉን ብቓለ መሕትት'ውን ከይሓነኸ፡ “ክልተ በርጌድ ወያነ ኣብ ኩናት ሰምሃር ተሳቲፈን ኔረን” ዝብል ዘሎ ታደሰ ቴሌ ን፡ ነተን ኣሃዱታት ሕወሓት መሪሑ ዝተሳተፈ ድማ ሜጀ/ጀነራል ብርሃነ ነጋሽ ምንባሩ ይጠቅስ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ነተን ኣሃዱ ወያነ መሪሑ ዝተሳተፈ ዝበሎ ሜጀ/ጀነራል ብርሃነ ነጋሽ፡ "ሓሶት'ዩ ኣይተሳተፍናን” ብምባል ንሓሶታት ታደሰ ቴሌ ከቃልዖ ምኽኣሉ፡ ኣዝየ ኢየ ተሓጉሰ!! “ነገር ግን” ይብል ሜጀ/ጀነራል ብርሃነ፡ “ምውህሃድ ኣጋርን ሜካናይዝድን ክንመሃር፡ ሓደ 12 ዝኾኑ ሓለፍቲ ሒዘ ናብ ግንባር ደቀምሓረ ከይደ ኔረ" ኢሉ ሓቀኛ ምስክርነቱ ሂቡ። "ዝወዓለ ይንገር -ዝቐበረ...." ከምዝባሃል፡ ከምዚ ጌሩ ነቲ ሓቂ ክምስክር ምኽኣሉ ሞጎስ ይግብኦዩ ብሃላይ'የ።
ኣገናዕ ሜጅ/ጀ ብርሃነ ነጋሽ!!

እቲ ቃለ መሕትት ኣበ ታሕቲ ኣለኩም

ሲራክ
10 Feb 2020


Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-



Share with friends: