ትርጉምን ብልጫታትን፡ ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

17/04/2019 21:15 PM UPDATED

ትርጉምን ብልጫታትን፡
ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ፡
ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን

ብ'በርሀ ደስታ

ትርጉምን ብልጫታትን፡ ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን

ትርጉምን ብልጫታትን፡ ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን
ብ'በርሀ ደስታ

መእተዊ (Introduction)

ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን፡ እቲ ኣብ'ዚ ኣዝዩ ዘስግእን፡ ዘሰክፍን ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ንኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ በብከተምኡ፡ ኣነቓቒሕካን፡ ኣተባቢዕካን፡ ብምጥርናፍ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ኣዝዩ ዝሓጸረ ግዜ ሃገሮም ንምድሓን ኣብ መኣዲ ቃልሲ ኣሳቲፉ ናብ ዓወት ዝመርሕ ሓይሊ-ዕማም (task force) እዩ።

ምኽንያት ኣበጋግስኣ ከኣ፡ ካብ’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሰንኪ ግፍዓዊ መግዛእቲ ህግደፍ፡ ዓቐን ዘይብሉ ፡ ሕሱም ማእሰርትን፡ ህዝባዊ ህልቂትን ዘምጽኦ ኩነታት፡ ከምልጡ ኢሎም ብ13 ጥቅምቲ፡ 2013 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ገምገም ደሴት ላምፓዱሳ፡ ዓዲ ጣልያን፡ ጥሒሎም ዝሃለቑ ኣስታት 360 ዝኾኑ ንጹሃት ህጻናትን፡ መንእሰያትን፡ ኣዴታትን፡ ኣቦታትን ኤርትራውያን፡ ብዝተሰምዖም ሓዘንን፡ ቁጣዔን፡ “ሕጅስ ይኣክል” ዝብል ጭርሖ ጨሪሖም ብምብጋስ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዓለም፡ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተበገሰ ናይ ተቓውሞ ማዕበል እዩ። ኣቶኩሮ ናይ ህዝባዊ ማዕበል፡ ነቲ ካብ 90% ዘይውሕድ፡ ዘይተወደበ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣረዲእካን፡ ኣነቂሕካን፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ንምስታፍ እዩ ፡

ኣገባብ ኣጠራንፋ ህዝቢ ከኣ፡ ንኹሎም ኤርትራዊውያን ተቐማጦ ናይ'ታ ዝምልከታ ከተማ፡ ውዱባትን፡ ዘይውዱባትን፡ ደገፍትን፡ ተቓወምትን፡ ከይተባህለ፡ ህጹጽን ፡ሓባራዊን፡ ጸውዒት ንሃገራዊ ድሕነትን ንውልቀ ሓርነትን ተገይሩሎም፡ ኣብ'ቲ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ተሳቲፎም፡ ብምምይያጥን፡ ምልዝዛብን፡ ምርድዳእን፡ ሓንቲ ብሕጊ ትጥርንፎምን፡ ትመርሖምን ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል፡ መሰልን፡ ጥቕምን፡ ዕድልን፡ ብማዕርነት ትሕሉ ግዝያዊት ቅዋም (By Laws) ብምንዳፍ፡ ውዱባትን፡ ዘይውዱባትን ፡ ብውልቀ - ኣባልነት ደረጃ ንምጥርናፍ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈተነ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ፡ ናይ ህዝባዊ ጥርናፈ ጎስጓስ ብምክያድ፡ ከምኡ'ውን፡ ንነፍስ-ወከፍ ናይ ኤርትራውያን ገዛ፡ ብኣካል ኳሕኲሕካ ብጽሑፍ ብምዕዳምን፡ ብተወሳኺ ከኣ፡ ብጆግራፊካውን (geographic )፡ ስነ- ህዝባዊን (demographic) ኣገባብ ብምጥቃም፡ ነቲ ዘየሎ ክነሱስ፡ ከም ዘሎ ጠርጢርካ ፡ ኣብ ነንሕድሕድ ዝጸንሐን ፡ ጌና 'ውን ዘሎን፡ ዘይምትእምማንን፡ ምትህልላኽን ፡ መንፈስ ወጊድካ ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ናይ'ታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ጽላል ከም ዝመጹ ምግባር እዩ።

ብሃገር ደርጃ፡ ናብ'ታ ቀጻሊት ህዝባዊት ጥርናፈ ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ መሪሕነት ንምስግጋር ከኣ፡ ንኹለን ዝተጠርነፋ ከተማታት ናይ'ታ ሃገር ፡ ብማእከልነት (centralism) ናብ ሃገራዊ ደረጃ ኣሰጋጊራ፡ ትመርሕ ሓንቲ ሓዳስ፡ ናይ ሓባር ቅዋም ተሃኒጻ ፡ ትጥርንፈን።

ብድሕሪኡ ከኣ፡ ንኹለን፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ በብሃገር ደረጃ ዝተጠርነፋ ሓይሊ ዕማማት፡ ብኣህጉራዊ ደረጃ፡ ናብ ናይ መወዳአታ፡ ጥርናፈ ጠረጴዛ፡ ልኡኻተን ንክልእኻ ጸውዒት ተገይሩለን ካብ መላእ ዓለም ወከልተን ይልእኻ።

ደረጃታት ናይ ህዝባዊ ጥርናፈ፡ ሰለስተ ኮይነን

1)  እታ ቀዳመይቲ ደረጃ በብከተምኡ፡ ንሓፋሽ ህዝቢ፡ ኣተባቢዓን ኣነቓቒሓን፡ ብምጥርናፍ፡ ተሳትፈን።

2)  እታ ካልኣይቲ ደረጃ ከኣ፡ ንኩለን ጥርኑፋት ከተማታት ናይ'ታ ሃገር ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ መረሕነት፡፡ ብማእከልነት centralism) ብምትእዛዝ ይጥርነፋ።

3)  እታ ሳልሰይቲ ከኣ፡ ካብ ሃገር ናብ ኣህጉራዊ ደርጃ፡ ዘሰጋግር መሳለል ግን፡ እታ ዝምልከታ ሃገር ብቑዕ ህዝባዊ ጥርናፈኣ ምስ ኣረጋገጸት፡ ምስ'ተን ካልኦት ዝተጠርነፋ ሃገራት ፡ ብምምይያጥን፡ ምርድዳእን፡ ኩለን ሃገራት ወከልተን ልኢኸን ኣብ ንኹለን ዘማእክል ቦታ ተኣኪበን ፡ንኹሉ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ትውክል ሃገራዊት ባይቶ የቑማ።

ራኢ (Vision)

ራኢ ናይ'ቲ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ሓይሊ -ዕማም ቃልሲ ኤርትራ፡ ነቲ ብውድብ ደረጃ ተጠርኒፉ ዝጸንሔ ፡ እቲ ውድቡ ኣብ ቦታኡ ከሎ፡ ንሃገራዊ ድሕነትን ፡ ውልቀ- ሰብኣዊ ሓርነትን፡ ቀዳምነት ብምሃብ ፡ በብከተምኡ፡ "ሃ" ኢሉ፡ ተወዲቡን፡ ከይተወደበን ዝጸንሐ፡ ኣወሃሂድካ ኣብ ሓደ ብጥርኑፍ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት በዲህካ መንግስታዊ ለውጢ ንምምጻእ እዩ።

ዓላማ (Goal)

ዓላማ ናይ ህዝባዊ ማዕበል ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ንኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ በብከተምኡ (locality) ብዘይ ሓደ ፍልልይ፡ ኣንቂሕካን፡ ኣተባቢዕካን ብምስታፍ፡ ብውልቀ- ሰብ ኣባልነት ኣገባብ ጠርኒፍካ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይ ሕግን፡ ፍትሕን፡ ቅዋምን፡ ንህዝቢ ዝጭፍጭፍን፡ ሃገር ዘዕኑን፡ ዘሎ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓቢርካ ንምልጋስ፡ ንኣብ ውሽጥን፡ ኣብ ወጻኢን፡ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣወሃሂድካ ፡ ብምብጋስ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኢርትራ ብማዕርነት ትውክል፡ ቅዋማዊትን፡ ደሞክራስያዊትን፡ ሓዳስ ኤርትራ ንምህናጽ እዩ።

ሜላ (Approach)

ሜላ ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ፡ ነቶም ተውዲቦም ዝጸንሑ፡ ነቲ ውድቦም ኣብ ቦታኡ ከሎ፡ ንሃገራዊ ድሕነትን ፡ ውልቀ ሓርነትን ቀዳምነት ንምሃብ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ተቐማቶ ናይ'ታ ዝምልከታ ከተማ፡ ብዘይ ሓደ ፍልልይ፡ ብምጥርናፍ፡ ግዝያዊት ዓንዲ-ሕጊ ሓንጺጽካ ነቲ ዓንቀጻት ናይ'ቲ ዓንዲ ሕግን ፡ ዓላማን፡ ነቲ ህዝቢ ኣረዲእካ፡ ዓጊቡ ምስተቐበሎ፡ ኣብ ኣገልግሎት ውዒሉ፡ ብውልቀ- ኣባልነት፡ ደርጃ ተጠርኒፍካ፡ ካብ ከተማ ናብ ሃገር፡ ካብ ሃገር ናብ ኣህጉር ደረጃ ብሰንሰለታዊ ጉዕዞ፡ ናይ ሓንቲ መርሕነት ጥራሕ ተሰጋጊሩ፡ ኣብ ደረጃ ናይ ሃገራዊ ጥርናፈ ይብጻሕ።

እዚ ኣገባብ ህዝባዊ ጥርናፈ'ዚ ነቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኣነቓቒሑን፡ ኣበራቢሩን ዘሳትፍ ሓይሊ-ዕማም ደኣ'ምበር ፡ ንገዛእ ርእሱ ስልጣን ዝጭብጥ ውድብ ኣይኮነን። ብልጫታት (Advantages)

1) ኣብ ኤርትራውያን ዝርከቡለን ከተማታት ዓለም ፡ንውዱብን፡ ዘይውዱብን፡ ብከተማ ደረጃ፡ ኣነቓቒሓን፡ ኣተባቢዓን፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ናይ'ታ መላእ ሃገር፡ ኣብ ኣዝዩ ዝሓጸረ ግዜ ናይ ምጥርናፍ ዓቕሚ ዘሎዋ ሓይሊ- ዕማም ምዃና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ፈውሲ (panacea) ናይ'ቲ ንብዙሕ ዓመታት ሸንኮለል ከብል ዝጸንሔ ናይ ውድባት ክጥርነፋ ዘይምኽኣል፡ ከስምያ ዝኽእል ብልሓት'ውን ኣሎዋ።

2) ኣገባብ ቃልሲ ህዝቢዊ ማዕበል ናይ ህዝቢ፡ ብህዝቢ ፡ ንህዝቢ ኮይኑ፡ ማዕርነትን፡ መሰልን፡ ዕድልን ናይ ነፍስ-ወከፍ ኣባል ዝሕሉ አዩ።

3) ሓደ ኤርትራዊ፡ ኣባል ናይ ሓንቲ ውድብ እናሃለዎ፡ ንሃገራዊ ድሕነትን፡ ንመሰል ውልቀ-ሰብኣዊ ሓርነትን፡ ቀዳምነት ንምሃብ ተባሂሉ፡ ብተወሳኺ፡ ካልኣይ መሰል ናይ ኣባልነት እትህብ ብምዃና እዩ።

ደረት: ( Limitations)

1) ህዝባዊ ማዕበል ቃልሲ ኤርትራዊያን፡ ንኹሎም ኤርትራዊያን ተቐማጦ ናይ'ታ ዝምልከታ ከተማ ኣረዲኣን፡ ኣተባቢዓን፡ ኣነቓቒሓን፡ ብምውህሃድ ጠርኒፋ፡ ኣብ መኣዲ፡ ቃልሲ ተሳትፍ፡ ሓይሊ ዕማም ደኣ'ምበር መተካእታ ናይ ዝኾነጥ ውድብ ወይ ውልቀ-ተቓዋሚ፡ ወይ ንርእሳ ስልጣን ትጭብጥ ውድብ ኣይኮነትን።

2) ኣገባብ ኣወዳድባ ህዝባዊ ማዕበል በብከተምኡ (locality) ተጠርኒፋ፡ ብውልቀ ኣባልነት ዝተሰረተ፡ ካብ ታሕቲ፡ ንላዕሊ ዝጠመተ ስልቲ ትኽተል ቃልሲ ህዝቢ እያ።

3) ብውልቀ- ሰብ ደረጃ፡ ሓንቲ ድምጺ ንሓደ ሰብ ደኣ'ምበር፡ ብውድብ ደረጃ፡ ወይ ከኣ፡ ሰብኣይን ሰበይትን (ሰብ ሓዳር) ብሓንቲ ድምጺ ኣባል ንምዃን ኣይፍቀድን እዩ።

4) ሕጋውነት ንምልባስን፡ ንጥርናፈ ንኽጥዕምን፡ ብኣባልነት ደረጃ ንምጥርናፍ ኣድላይነት ስለ ዘለዎ፡ ናይ ኣባልነት ወርሓዊ ክፍሊት ብውሑዱ፡ ብ $10.0 ይውሰን።

5) ኣባልነት ናይ ህዝባዊ ማዕበል ምስ ካሊእ ተወሳኺ ኣባልነት ናይ ተቓውሞ ሓይሊ (ታት) ዘሎዎም ውልቀ-ሰባት፡ ነቲ ዝጸንሔ ኣባልነቶም ንክቕጽልዎ የተባብዕ ደኣ'ምበር ኣይኽልክልን ።

6) ቃልሲ ህዝባዊ ማዕበል በብከተማ ተጀሚሩ ፡ ናብ ሃገራዊ ደረጃ ከኣ፡ ብማእከልነት ብምጥርናፍ ይሰጋገር ። ካባኡ ከኣ፡ ብሓንቲ መሪሕነት ተማእዚዙ ናብ ኣህጉራዊ ደረጃ ይሰጋገርን፡ ኣብ'ዛ መስርሕ ኣገባብ'ዚኣ (process) ከኣ እያ፡ ነፍስ-ወከፍ ሃገር ወከልታ ናብ ናይ መላእ ኤርትራ፡ ህዝባዊት ባይቶ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንምቛም ትልእኽ ። ስራሕ ናኣይ'ታ ህዝባዊት ማዕበል ከኣ ኣብ'ዚኣ ደረጃ ጠጠው ዝብል።

7) ቃልሲ ህዝባዊ ማዕበል፡ ዕድመን፡ ጾታን፡ ዘይፈሊ ኮይኑ ፡ሓደ ኣባል ንኽመርጽን፡ ክምረጽን ግን፡ ዕድመኡ ካብ 18 ዓመት ዘይውሕድ ክኸውን ኣሎዎ።

8) ወርሓዊ ክፍሊት ንምኽፋል ዓቕሚ ዘይብሉ ኣባል፡ ትሕዝትኡ ብምሪሕነት ተመርሚሩ፡ ብቑዕ ምኽንያት ምስ ዘቕርብ፡ ክጎድለሉ ወይ ክለዓለሉ ይከኣል እዩ።

መደምደምታ (Conclusion)

ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ብምኽንያት'ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ሕገ ኣልቦ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብቐጻሊ ከካይዶ ዝጸንሐን፡ ጌና'ውን ዘካይዶ ዘሎን ፡ቅትለትን፡ ማእሰርትን፡ ጭንቀትን ምኽንያት፡ ብቑጠዐ ብምለዓል፡ ካብ ብዙሓት፡ ኤርትራውያን ዝርከቡወን ከተማታት ዓለም፡ ገንፊሉ ዝተላዕለ ሓይሊዕማም እዩ።

እዚ ኣብ ንጹር ዓላማ ዝተላዕለ ገስጋሲ ሃዝቢ ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ናይ'ተን ዝተበገሰለን ከተማታት፡ ብዘይ ፍልልይ፡ ውዱባትን፡ ዘይውዱባትን፡ ደገፍትን፡ ተቓወምትን ፡ ከይተባህለ፡ ኣነቓቒሓን ፡ ኣተባቢዓን ብምጥርናፍ ፡ ናብ ብድሆ ንሃገራዊ ድሕነትን ናይ ርእስና ሓርነትን እተሳትፍ ፡ሓይሊ-ዕማም እያ።

ህዝበን ኣነቓቒሔን ንምስታፍ ዝበቕዓ ከተማታት፡ ብግቡእ ዝመርሐንን፡ ሕጋውነት ዘልብሰንን፡ ግዝያዊ ቅዋም ነዲፈን፡ ብውልቀ ኣባልነት ደረጃ ፡ ይጥርነፋ ። እቲ ዝህነጽ ቅዋም ከኣ፡ መሰልን፡ ጠቕምን፡ ዕድልን ናይ ነፍሲ -ወከፍ ኣባል ምሉእ ማዕርነት ዝሓለወ ኮይኑ፡ ስልቱ ከኣ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝጠመተ እዩ። ኣገባብ ኣጠራንፋ ከኣ፡ ብከተማ ደረጃ ተጀሚሩ፡ እኹል ህዝባዊ ጥርናፈ ናይ'ተን ተሳተፍቲ ከተማታት ፡ ብከተማታት ደረጃ ምስ ተረጋገጸ ፡ ብማእከልነት (centralism) ኣብ'ተን ዝምልከተን ሃገራት፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ መሪሕነት ንምጥርናፈን፡ ብሓዲሽ ንኹለን ዘሰማምዕን፡ ዝውክልን፡ ዓንዲ- ሕጊ ሓንጺጸን፡ ይምረሓ።

ኣብ ሃገር ደረጃ ፡ ናይ ኩለን ተሳተፍቲ ሃገራት፡ እኹል ህዝባዊ ጥርናፈ ምስ ተረጋገጸ ከኣ፡ ናብ'ቲ ሳልሳይን፡ መጨረሽታን ኣህጉራዊ ደርጃ ንምብጻሕ፡ ንኹለን ተሳተፍቲ ሃገራት፡ ሃገራዊት ባይቶ ናይ መላአ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንምቛም፡ ወከልተን ንኽልእካ ጸውዒት ተገይሩለን፡ ምስ ለኣኻ፡ ግዝያዊት፡ መሰጋገሪት ባይቶ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ሃገር ትቐውም። እዛ ህዝባዊት ማዕበል ከኣ ኣብ'ዚ ደረጃ ምስተበጽሐ ስርሓ ተብቅዕ።

እዛ ካብ ኩለን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘሎዋ ዝተወከለት ንመላእ ኤርትራ ትውክል፡ ባይቶ ንምቛም፡ ነፍሲ-ወከፍ ብሄር ኤርትራ ዕድልን፡ መሰልን፡ ጥቕምን፡ ብፍጹም ማዕርነት ኣብ ግምት ዘእቱን፡ ዝሕሉን፡ ቀመር (formulae) ነዲፋ ፡ ብፍላይ ከኣ፡ መሰልን፡ እጃምን ፡ ማዕርነትን ናይ መንእሰያትን ፡ ደቂ ኣንስትዮን ፡ ብግቡእ ዝሕለወሉ ኮይኑ፡ አታ ትህነጽ ፡ ሓዳስን፡ ቅዋማዊት ኤርትራ ፡ ናይ መንእሰያት ደቃ ስለ ዝኾነት፡ ብብቕዓቶምን፡ ተወፋይነቶምን ብግብራዊ ተሳታፍነቶም ኣመስኪሮም፡ ነታ ሽግ ንክቕበሉዋ ፡ ጸውዒት ክግበረሎም ይግባእ። ነተን ክሳዕ ሕጂ ተወዲበን ክቃለሳ ዝጸንሓ ባእታታት ኤርትራ፡ ኣብ'ዚ ንሃገራዊ ድሕነት ቀዳምነት ብምሃብ፡ ኣብ'ዚ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሔ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈተነ ፡ ኣገባብብን፡ ስልትን ህዝባዊ ጥርናፈ ዝጥቀም ሓይሊ -ዕማም (task force) ብተወሳኺ ብምስታፈን፡ ዝግበኤን ነጥብን፡ ምስጋናን፡ ክወሃበን ይግባእ። *

ዘለ-ኣለማዊ ዝኽርን ፡ ክብርን፡ ንስውኣትና ፡ ክብርን ሞገስን ንስንኩላንና ።

በርሀ ደስታ / ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ።

---------

*ግብራዊ ኣጠራንፋ ህዝቢ ይቕጽል።

Read in PDF: Click here


1) ጆግራፊካዊ ዝሜላኡ ኣገባብ ህዝባዊ ጥርናፈ:


see Large image ብፍሩይ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።


2) ስነ-ህዝባዊ ዝሜላኡ ኣገባብ ጥርናፈ:


see Large image ብፍሩይ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።


ስእላዊ ቅርጻ ናይ ጆግራፊካውን፡ ስነ ህዝባውን ኣገባብ ህዝባዊ ጥርናፈ
ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ቃልሲ ኤርትራውያን።

እዘን ክልተ ስእላዊ ቅርጺ ጥብቆታት (Attachments) ኣካል ናይ'ታ ብህዝባዊ ማዕበል ትልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ ኮይነን፡ ዓላምኤን ከኣ፡ ነቲ ክልተ፡ ጂዮግራፊካውን፡ ስነ-ህዝባውን (Demographic approach) ሜላ ፡ በብከተምኡ ዝካየድ ጎስጓስ ህዝባዊ ጥርናፈ ኣጒሊሕካ ንምግላጽ እዩ ።

ኣብ'ዚ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ ቃልሲ ኤርትራን ፡ ግዜን፡ ኩነታትን ዘልዕሎም ዘሎ ሕቶታት፡ ሓዲሽ ስልትን ፡ ሜላን ፡ኣብ ኩለን ከተማታት ተጠቒምካ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን፡ ተቐማጦ ናይተን ከተማታት፡ ጠርኒፉ ኣብ መኣዲ ቃልሲ ዘሳትፍ ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ ናይ ጥርናፈ ጎስጓስ ምክያድ እዩ።

ነዚ ሕቶን፡ ጠለብን ህዝቢ ንምምላሽ፡ ዝሓሸ ኣገባብ ተባሂሉ ዝተወስደ፡ ኣብ'ዘን ክልተ ስእላዊ ቅርጽታት በሪሁ ዝረኤ ጆግራፍያዊን ፡ ስነ-ህዝባው እዩ ። ትሕዝቶ ናይ ጅዮግራፊ ሜላ፡ ንነፍስ-ወከፍ ከተማ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ፡ ሰሜን፡ ደቡብ፡ ምብራቕ፡ ምዕራብ፡ ማእከላይ ሰፈር ኢልካ መቒልካ፡ ኣብ ነፍስ -ወከፍ ዞባ ፡ እኹላት ቁጽሪ ናይ ውፉያት ንኡሳን ሽማግለ ረቑሕካ ነቲ ህዝቢ ምጥርናፍ ክኽውን ከሎ፡ እቲ ናይ ስነ-ህዝባዊ ኣባብ ሰፊሕ ህዝባዊ ጥርናፈ ከኣ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ናይ'ታ ከተማ በብ ብእኩብ ዝልለዩሉ ወገናት፡ ከም' ኣብ'ዚ ስእላዊ ቅርጺ ኣብ 12 ዝተፈላልያ ክፋላት ተገሊጹ ዘሎ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክፋል እኹላት ቁጽሪ ናይ ጠርነፍቲ ንኡሳን ሽማግለ ኣሰሊፍካ ንመላእ ኤርትራውያን ተቐማጦ ናይ'ታ ከተማ፡ ብዘይ ሓደ ፍልልይ ኣብ'ቲ ሃገራዊ ቃልሲ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ንምስታፍ እዩ።

ካብተን ኩለን ዝተገልጻ ሜላታት፡ እታ ኩሉ ግዜ ተጠቒምና፡ ንኹሎም ኤርትራውያን፡ ተቓወምትን፡ ደገፍትን ከይተባህለ፡ ብዓወት ንጥቀመላ ኣገባብ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ገዛ ኳሕኩሕካ ናይ ዕድመ ወረቐት ዓዲልካ ንዕወተላ ኣገባብ እያ። ሕጂ ክኣ፡ ነቲ ዝተለምደ ምስ ንጥቀም ክንዕወት ንኽእል ኢና።

ምስ'ዚ ህዝባዊ ጥርናፈ'ዚ ጎድኒ- ንጎድኒ ዝኸይድ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕማም፡ ከኣ ካብ ህዝቢ ዝእከብ ናይ ገንዘብ ወፈያ እዩ። ስለ'ዚ፡ ነፍስ-ወከፍና ብምሉእ ተገዲስነት ክንውፈየሉ ዘሎና ነጥቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሽሕኳ ብናይ ህግደፍ ዕንቅፋት ቁሩብ ዝሕል ንበል'ምበር፡ ኣብ ሃገርና ዘሎና ፍቕርን፡ ተወፋይነትን ናይ 50 ዓመታት ሃብታም ባህልና ዝምስክሮ ዘይከሓድ፡ ሓቂ አዩ።

በዚ መሰረት'ዚ፡ አዚ ተጊልጹ ዘሎ አንታይነትን፡ ብልጫታትን ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ትልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን ተገንዚብና ሃየ ሓቢርና ንበራበር ንምድሓን አታ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነትት ትርከብ ሃገርና ? ነቲ መላእ ሃብቲ ሃገር ንበይኑ ገቢቱ ዘሎ ውልቀ መላኺ ንምብዳህ ናይ ህዝብና ፍጹም ትርናፌን፡ እኹል ገንዘብ ከኣ ግድነት ከድልየና እዩ ።

ልዕላውነት ሃገርና ብደምና!

በርሀ ደስታ / ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ።


Share with friends:



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

See also recent articles by Mr Berhe Desta
ካልኦት ብ'ኣቶ በርሀ ደስታ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



Share with friends: