ዋዕሮ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ጉዐይ (2ይ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

15/06/2019 13:20 PM

ዋዕሮ ኤርትራ
ወ/ሮ ጉዐይ

(2ይ ክፋል)

ብ' ደብረ

ዋዕሮ ኤርትራ ወይዘሮ ጉዐይ

ዋዕሮ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ጉዐይ (2ይ ክፋል)።
ጽሑፍ ብ 'ደብረ

“ገዛይ፡ ሰበይ ኣብዘይብሉ ምስ መን እየ ክስሕቀሉ፧ --- መንደቅ ዝውሰድ እንተዝኸውን ኔይሩ፡ ጥልያን ንኣስመራ ሕዚዋ ምኸደ ኔሩ።”” ወ/ሮ ጉዐይ።

ወ/ሮ ጉዐይ፡ ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገዛን ንብረትን ኣነኣኢሳ ንሰባ ዘለዋ ክብሪ ከኣ ላዕሊ ሰቒላ ኢያ ገሊጻቶ። ገዛ ይኹን ንብረት ብዘይ ሰብካ፡ ኣይትስሕቀሉ ኣይትድሰተሉ ባዶ ዑና ከምዝኾነ እያ ገሊጻቶ። ብዙሓት ዲያስፖራ፡ ኣብ ኣስመራ ሓንቲ ከም ንብረት ክትህልዎም ትኽእል ኣብ ልዕሊ መሬት ዘላ ገዛ እያ። ነታ ኣብ ትሕቲ ገዛ ዘላ መሬት ከማን ኣይውንኑዋን እዮም። ምኽንያቱ መሬት፡ መሬት መንግስቲ ተባሂሉ ድሮ፡ ድሮ ብመንግስቲ ተሃጊሩ ‘ዩ። ምውናን ፋብሪካ፣ ኢንዱስትሪ፣ መሬት፣ ሕርሻ፣ ከምኡ እውን ንግዳዊ ትካል ዝበሃል ፈጺምካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። እሞ ኸኣ ነዛ ተሃኒጻትላ ዘላ መሬት እኳ ዘይትውንናስ ንገዛ ክበሃል ካብቲ ዘሎ ሓቂ ምህዳም ቅኑዕ ከምዘይኮነ እያ ሓቢራ። እዚ ነፍሰ-ምፍታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓንቃፊ ቃልሲ ምዃኑ እያ ኣብሪሃ። ወ/ሮ ጉዐይ ከምዚ በለት፡ “ኣነ ኣብ ኣስመራ ንብረት (ገዛ) ኣሎኒ ። ገዛይ፡ ሰበይ ኣብ ዘይብሉ ምስ መን እየ ክስሕቀሉ፧” ኢላ እያ ትሓትት። ገንዘብ፣ ንብረት፣ ንዋይ ዘይኮነስ፡ ንዓይ ሰበይ ይዓብየኒ፥ ሰበይ ይኸብረኒ እያ ትብል ዘላ። ሓቃ፡ ሰብካ ይዓቢ፣ ሰብካ ይኸብር። ንብረት ብንብረት ትትክኦ፡ ሰብካ ሓንሳብ ምስ ጠፍአ ንዘለኣለም ኣይትረኽቦን ኢኻ።

ድሕር ኢላ ከምዝገለጸቶ፡ ገዛ ኣብ ዝኸዶ ከምዘይብሉን ኣብቲ ዝሃነጽካዮ ቦታ ከምዝጸንሕ፡ ምስ ስዕረት መግዛእቲ ጥልያን ኣተሓሒዛ ገሊጻቶ። “ገዛ፣ መንደቕ ከይውሰደክን ኢልክን ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ንህግደፍ ትድግፋ ዘለኽን ተጋጊኽን፡ መንደቕ ዝውሰድ እንተዝኸውን ኔይሩ ጥልያን ንኣስመራ ሕዚዋ ምኸደ ኔሩ።” ክትብል ረዚን መልእኽቲ ኣመሓላለፈት። ኣብ ውሽጢ እዚ መልእኽቲ እዚ፡ ኤርትራዊ ምዃን፡ ፍሉይ ናይ ዜግነት ዕዳ ተሰካማይ ምዃኑ እያ ትሕብር ወ/ሮ ጉዐይ። ነዚ ዕዳ ክስከሙ ዘይከኣሉ ናይ ጠልጠል ተዓዘብቲ ከም “ክሳብ ዘይተተንከፍኩ እንታይ ገደሰኒ” ንዝብሉ “እስኻ ሙተለይ ኣነ ክነብር” ንዝጭርሑ (ነቲ ጉዳዮም ካልኦት ክዓሙሎም ዓማዕድዮም ዝጽበዩ) ጎረሓት ተበለጽቲ፣ ናይ ነፍሰ ፍትወት ፖሊሲ ዘማዕበሉ፣ ተጸበይቲ ጥቕመይ-ጥቕምኻ ከም በዓል “ነብሰይ ይጥዓመኒ ‘ምበር፡ ህዝቢ ባዕሉ ይፈልጥ” ንዝብሉ፡ ሕማም፣ ጭንቀት ህዝቢ ዘይስምዖም ድኹማት ከኣ፡ ሰፍ ዘይብል መጠንቀቕታ እዩ ነይሩ። ናይ ብሓቂ ክቃለሱ ንዝደልዩ ኸኣ “መንደቕ’ሲ እንታይ ክኾነና እዩ ዋላ ይፍረስ።” ኢላ ከኣ ትውስኸሉ ወ/ሮ ጉዐይ። እዚ ኣደኣዊን ሕውነታዊን ምኽሪ ኢዩ፡ ሕልፈት ሓንቲ እያ፣ ንዘለኣለም ዝነብር ሰብ ከኣ የለን። ከብዲ ከኣ ሓንቲ እያ፡ ሊዕሊ ዓቐን ዝበልዕ ሰብ የለን። ንገዛ፣ ንመንደቕ ኢልካ ኣብ ቀረባ ከለኻ’ስ ናይ ሩሑቕ ተዓዛባይ ኣይትኹን፣ ንመንደቕ ኢልካ ምኽንያት ጥፍኣት ሃገርካ ኣይትኹን፡ ዝብል እዩ እቲ መልእኽቲ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተመሳሳሊ ተግባር ንዝገብሩ ዘለዉ እውን ኒሓፋቶም ‘ድያ! “ናይ እዚኦም ከማን ይኸፍእ” ትብል ወ/ሮ ጉዐይ። ሰብኡት ኣብ ምቅዋም ይነጥፉ፡ ኣንስቶም ከኣ ኣብ ኣስመራ ገዛን ንብረትን የማሕድራ፡ ክትብል ትገልጾም። ንሳ “ገዛይ ከይውረሰኒ፣ ከይውሰደኒ ኢልኩም” ምስ በለት ናብ ገለ ገለ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ቁሊሕ ቁሊሕ ኢላ ምስጠመተት ዘረበኣ ቀጸለት፡ “ኣብዚ ብዙሓት ኣለኹም ኣነ ዝፈልጠኩም፡ ኣንስትኹም ኣስመራ ከይደን ንገዛኹም ዘማሓድራ።” ክትብል ሚስጢሮም ደርጎሓትሎም። ጣቕዒት ህዝቢ ሲዒቡ። እቲ ኻልእ ደገፍቲ ህግደፍን ተቓወምቲን ኣብ ሓደ ገዛ ምህላዎም እዩ። ወ/ሮ ጉዐይ ዘጋጠማ ብኸምዚ ትገልጾ፡ “ካብ መሓዙተይ ሓንቲ ካብኣተን ናይ ሃማዲኤ እያ ኔራ። ካብ እዚ ዘለናዮ ፍራንክፈርት ንኮለን ከይዳ ተመርዕያ። እቲ ሰብኣያ ከኣ ዲግ ዝበለ ተቓዋማይ። ንዓይ ተቓዊምኪ ኢላ ተባኢሳትኒ። ነቲ ተቓዋማይ ሓቚፍኪዮ እንዳሓደርኪ’ሲ ንዓይ ከመይ ጌርኪ ትእውድኒ ኢለያ።” ትብል።

ወ/ሮ ጉዐይ ብጸጋማይ ኢዳ ንድሕሪት እንዳመልከተት፡ ናይ ትማሊ እቲ ናይ ትማሊ እቲ ዝሓለፈ ጊዜ ንዝክር ብዘምስል ክዋኔ፡ ብዛዕባ እቶም ዝሓለፉ ስውኣት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እታ ስውእቲ ጓል ኣንስተይቲ እንዳኣስትማሰለት፡ “እቲ ዝተሰወአ፣ እታ ዝተሰወአት ዋዕሮ፡ ስድራ ነይሮማ፣ ሓዳር ነይርዋ፣ ክትምርዖ ክትነብር ትደሊ ነይራ እያ።” ኣንዳበለት ኣስተንተነት። ንኹሎም ኣብቲ ኣኼባ ዘለዉ ብዙርያ እንዳጠመተት ከኣ “ነዓይ፡ ከምዚ ከማኻትኩም ነጻ ከተውጽእ ግን እታ እንኮ ሂወታ ሂባ። ኤርትራዊት፣ ኤርትራዊ ተባሂልና ንክንጽዋዕ ሓሊፋ። እቶም ሓቀኛ ኤርትራዊያን ጀጋኑ እዮም ሓሊፎም።” ክትበኪ እንዳደለየት ከይትነብዕ ግን ትቃለስ ነበረት። ዘረበኣ ወንን ስሚዒትን ዘበራብር ሓይሊ ስለዝነበሮ ናይ ኩሎም ልቢ ተንከፈት።

ነዚ ክቡር ህያብ ስውኣት ዘመራስሑን ዝረገጹን ደገፍቲ ህግደፋውያን፡ ኤርትራዊያን ኣይኮኑን ኢላቶም። ነቲ ክውንነት እቲ ክትገልጾ ኮላ፡ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኢሳይያስ ንኣብይ ስልጣኑ ከረክብ ‘የ ኣብ ዝበለሉ፣ ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ውሻጠይ ዓደይ ኢሉ እንዳእወየ ከሎ፣ ዜጋታት መንእሰያት ኣብ ሊብያ መዓንጠኦም እንዳተዞቀ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ብናይ እንቋዕ ሓጎሰና ክስዕስዓ ቀኒየን። “ኣየነይቲ ኤርትራዊት ኣደ እያ ከምዚ ትገብር፧” ክትብል ትሓትት ወ/ሮ ጉዐይ። ቀጺላ፡ “ኣነ ከም ኤርትራዊት ኣደ” ብኽያት ብዘለዎ ቃና፡ “ደቀይ የሕዋተይ እንዳተዘልዘሉ ከምኡ ኣይገብርን ‘የ።” በለት ዓው ኢላ ብርእሰ ተኣማንነት።

ብዙሕ ሰብ ተሃሚሉ ነቲ ሕማቅ ተግባር ክውዕሎ ይኽእል እዩ። ኣብ ዝነቕሓሉ እዋን ግን ከም ወ/ሮ ጉዐይ ቶባእ ኢሉ ክነጽጎ ክኽእል ኣለዎ። ወ/ሮ ጉዐይ ከምዝበለቶ ‘ዝነገሰ ንጉሰይ፡ ዝበረቐ ጸሓየይ’ ዝብሉ፡ እቲ ብሂል ካብ መንግስትኻ ምእማን ስለዝብገስ ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ጸወታ ብዙሕ ኣፍፈልጦ ኣይህልዎምን ይኸውን። ኣተሓሳስብኦም ንኹሉ ፖለቲካዊ ጸዋታ ዕጹው ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ኤርትራዊ ወላዲ፡ ብደቆምን ሃገሮምን ንዝመጾም ኣይጻወሩን እዮም። ንኸም እንደገና መግዛእቲ ዝጻወር መንኮብ የብሎምን። ንብዓት ብዝሓዘለ ኣዒንታ፣ ሕርቃን ብዝሰፈኖ ገጻ፣ ዓውታን ቁጠዐን ብዘለዎ ቃና፡ “ኣምሓራይ መጺኡ ክገዝኣና ዘይሕሰብ እዩ!!” ክትብል ነዲራ ነቲ ህዝቢ ኣበራቢራቶ። ቀጺላ፡ “ንምንታይ ደኣ ጠፊኦም እቶም የሕዋተይ፧” ኢላ ትሓትት። መልሲ ክህባ ንዝኽእል እቲ መልሲ ቀሊል እዩ። እቶም የሕዋታ ዝተሰውኡ ንባንዴራ፣ ናጽነትን ሓርነትን እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን እቲ ስግኣት፡ ኢሳይያስ ናብ እቲ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝነበሮ መግዛእቲ ገጹ ኣገዲዱ ከይእትወና ዝብል እዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ንህዝቢ ኤርትራ ምስጢርን ሕቡእን እዩ ዘሎ። ብዛዕባ እዞም ናይ ውዕላት ስምምዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብተዘዋዋሪ ካብ ኢትዮጵያ ብዝናፈሱ ወረታት እዩ ዝረኽቦ እምበር ኢሳይያስ ንህዝቢ ዝሓበሮ ዝኾነ ይኹን ወግዓዊ መግለጺ የለን። እዚ ሕጂ ወ/ሮ ጉዐይ ሰጊጻቶ ዘላ ስግኣት፡ ስግኣት ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ስግኣት፡ “ያዕ፡ ያዕ” ዝብሎ ዘይብሉ ኢሳይያስ፡ ነዛ ከምውልቂ ዋኒኑ ዝርእያ ኤርትራ፡ ብዘይ ሰጋእ መጋእ ናብ ኢትዮጵያ የሕሊፉ ከይድምራ እዩ። እዚ ምድማር ዘምጽኦ ሳዕቤን ከም ስግኣት ብዙሓት ምሁራት ኤርትራውያን ዝገልጽዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዘይተደልየ ካልኣይ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ክኣቱ ከይግደድ ኢዩ። ምኽንያቱ ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ቃል ብቓሉ፡ “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ዝብል እንተሎ፡ ታሪኽ ዘይፈልጥ ኢዩ፤ ሓደ ህዝቢ ኢዮም።” ክብል ከሎ፡ ኣይሓነኸን ስክፍ ከኣ ኣይበሎን። ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክትሕወስ ምዃና ብዘይ ወለንታ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ፓፓጋሎ ሚኒስትራቱን ጀነራላቱን ከየማኸረ ብግልጺ ኣዊጁ ‘ዩ። ንሱ ንኽብርን ንሉዕላውነትን ኤርትራ ዘመራስሑ፡ ኣጸየፍቲ ተግባራት ገይሩን ይገብርን ከኣ ኣሎን።

እዞም ደገፍቲ ህግደፍ እምበኣር፡ ነዚ ሓሳብ ኢሳይያስ ደጊፎም እዮም ዝስዕስዑ ዘለዉ። ሓቃ እያ ወ/ሮ ጉዐይ፡ እዚኦም ኤርትራውያን ኣይኮኑን ዝበለቶም። እቲ ዘገርም፡ ብላዕሊ ኾይኖም፡ “ሃደምቲ!” እናበሉ ኸኣ ይጻረፉ። ልክዕ ንሳቶም እውን ከምዘይሃደሙ። እቲ ምህዳም ደለይቲ ፍትሒ ግን ምኽንያት ኣለዎ። ወ/ሮ ጉዐይ ናይ ኣደ ኢዳ ናብ እቶም መንእሰያት ዘርጊሓ፡ “እዞም ኩሎም መንእሰያት እዚኦም እንተዝጥዕሞም ምተሰዱ’ ዶ ነይሮም፧” ኢላ ብጥቕልሉ ትሓትት። “ኤርትራ እኮ፡ ጸጋ ዘለዋ ሃብታም ሃገር’ያ። ኤርትራ እኮ፡ ዓዲ ምሁራት’ያ።” ብምባል፡ ጸገም እንተዘይህሉ ህዝቢ ሃገሩ ገዲፉ ከምዘይስደድ፡ ነቶም ዝጻረፉ መልሲ ሂባቶም። ቀጺላ’ውን ናብቶም ኣብ መንደቕ ስእሎም ተሰቒሉ ዝርአ ዘሎ ናይ ፖለቲካ እሱራት እንዳመልከተት፡ “እዞም ኩሎም እዚኦም ኣለዉ ኢልኩም ትሓስቡ ዶ፧ የለዉን።” ትብል ወ/ሮ ጉዐይ። ምስኡ ኣተሓሒዛ ከኣ “ንሓንቲ ለይቲ እስኪ ፈትንዋ እታ ዘለዉዋ መሬት። ን27 ዓመት ኣብ ጸልማት፡ እሞ ኸኣ መተንፈሲ ፊኒስትራ ዘይብሉ። እሱራትና ይውጽኡ ኢልና ክንዛረብ፡ ክንሓፍር ኣሎና። ንሳቶም (እቶም እሱራት) የለዉን።” ኢላ ብጓሂን ምስቁርቋርን ናይ ህላወኦም ተስፋ ከምዝጸልመተ ትገልጽ።

ምስ እዚ ዝተተሓሓዘ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይና፡ ብሕጂ ውሽጣዊ ጉዳያታ ክትፈትሕ ዘለዋ ተኽእሎ ዜሮ እዩ። እዚ ስርዓት፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠልቦን ዝሓቶን ሕቶታት ከማልእ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋን ሞራልን የብሉን። ህዝቢ ተጠሊሙ’ዩ። ናይ 1997 ሃገራዊ ቅዋም ከምዝሞተ ተሓቢሩ። ካብ መሬትና ከይወጽኡ ዝኾነ ርክብ ይኹን ዝርርብ ዝበሃል የሎን ክበሃል ጸኒሑ ከብቅዕ፡ ሕጂ ግን ድሕሪ እዚ ኩሉ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ጉዳይ ዶብ ተረሲዑ፡ ንተዓረቕ ንተዓረቕ ጥራሕ ክበሃል ንርኢን ንሰምዕን ኣሎና። ልኡላውነት ኤርትራ ብጉሁድ ተጣሒሱ ‘ዩ፤ ኣሽሓት ሂወት ኤርትራውያን ተኸፊሉን፣ ን20 ዓመታት መመላእታ መንእሰያት ጊዜኦም ኣባኺኖምን ኢዮም። ነባሪ ፍታሕ ካብ ኢሳይያስ ምጽባይ ኣብቂዑ እዩ። እቲ ኹሉ ብምኽንያት ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ተዓጊቱ ዝጸንሐ ከም፡- ትግባረ ቅዋም፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ገደብ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ምምላስን ምጥያስን፡ ምቛም ሃገራዊ ባይቶን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ክትግበሩ ትጽቢት ኤርትራዊያን እኳ እንተኾነ እቲ ፍታሕ ካብ ኢሳይያስ ክመጽእ ትጽቢት ዝገብር ኣካል፡ ሕጂ የለን። እሱራት ፖለቲካ ንነዊሕ ጊዜ ንዓመታት ደሃይ ስለዘይብሎም፡ ብሂወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ ስለዘይፍለጥ ዝፍታሕ እሱር የለን። ብሂወት እንተሃሊዮም ከኣ ኢሳይያስ ነዚኦም ክፈትሕ ሞራል የብሉን። ቅዋም ክትከል፡ ስርዓተ ሕጊ ክህሉን ዝነበረ መደብ፡ ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት እዚ ቅዋም ከይተተግበረ ከምዝሞተ ኢሳይያስ ኣርዲኡና እዩ። ህዝቢ፡ በቲ ዝተዋህበ ዓለምለኻዊ ብይን፡ ዶብ ክሕንጸጽ ይጠልብ’ኳ እንተሎ፡ ኢሳይያስ ካብዚ ዝሓሸ መመሳመሲ ስለዘይረክብ ብቅልጡፍ ክሕንጸጽ ኣይደልዮን እዩ።

ወ/ሮ ጉዐይ እቲ ፍታሕ ናብ ሓደ መንገዲ ጥራይ ከምዘምርሕ እያ ኣተንቢሃ። ወ/ሮ ጉዐይ “ ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ እዩ ነጻ ከውጸኣ ዝኽእል፡ ምሽ ንሕና።” ትብል። ብረት ዝዓጠቐ ብረቱ ኣልዒሉ እምቢ ንምልኪ፡ ይኣክል ናብራ ሓሶት! ኢሉ ንኽለዓል እንኮ ኣማራጺ እዩ። ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ካብ መንበሩ ተኣልዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርብ ኣለዎ።

ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ክፋል ይቕጽል።

ደብረ


Share with friends:


ATV: ኤርትራዊት ኣደ ወሮ ጉዐይ ካብ ፍራንክፈርት - `ምእንቲ `ቲ ምሳይ ዘሎ ሕልና `ምበር - ምእንቲ ቲ ኣስመራ ዘሎ ገዛይ ኣይነበርን `የ` ትብል




See also recent articles by Mr. Debre
ካልኦት ብ'ኣቶ ደብረ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: