ዋዕሮ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ጉዐይ (1ይ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

06/06/2019 15:38 PM

ዋዕሮ ኤርትራ፡
ወ/ሮ ጉዐይ

(1ይ ክፋል)

ብ' ደብረ

ዋዕሮ ኤርትራ ወይዘሮ ጉዐይ

ዋዕሮ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ጉዐይ (1ይ ክፋል)።
ጽሑፍ ብ 'ደብረ

ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን፡ ሓደ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ይኣክል ኣኼባ ነይሩ። ኣብ’ዚ ኣኼባ እዚ ሓንቲ ወ/ሮ ጉዐይ ትበሃል ኤርትራዊት ኣደ ተሳቲፋ ነይራ። ወይዘሮ ጉዐይ፡ ምዕሩግ ክዳን ሃገር ሽፎን ምስ ነጸልኡ ተኸዲና፡ ርእሳ ብወርቂ ተሰላሊማ ነበረት። ኣብቲ ዘለዋ ግርማ ሞጎስ፡ ተወሳኺ ግርማ ከኣ ኣልበሳ። ኣብ መድረኽ ወጺኣ ናይ ይኣክል መልእኽቲ ኣብ ዘመሓላለፈትሉ እዋን፡ እቶም ካብ ኣፏ ዝወጹ ዝነበሩ ቃላት፡ ሓሲባ ተዳልያ ዘይኮነስ ትዛረቦም ዝነበሩ ቃላት ካብ ማዕሙቕ ልባ ዝፈልፊሉ፡ ፈንጢሶም ዝወጹ ‘ዮም ነይሮም። እቶም ቃላት፡ ቅንዕነኣን፣ ሓይላን፣ ግርህነታን የንጸባርቑ ነበሩ። ከምኡ ስለዝነበሩ ከኣ ይመስለኒ ናይ ብዙሓት ሰባት ቀልቢ ኣብ ዩ ቱዩብ ዝሰሓበት። ኣነ ብወገነይ ደጋጊመ ሰሚዐያ። ደጋጊመ ክሰምዓ ከለኹ፡ እዛ ናይ ሱዳን ኑብያን ንግስቲ ኢሎም ዝሰመዩዋ፡ ኣላኣ ሳላሓ ትበሃል፡ ነቲ ኣንጻር ፕረሲደንት ዖማር ኣልበሽር ዝግበር ዝነበረ ለውጢ ትመርሕ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ እየ ዝዝኽር ዝነበርኩ። ልበይ ከኣ ብተስፋ ተመልአ። ንሕና ’ውን ደቂሰን ሃልየን እምበር ኣሽሓት ዋዕሮ ኤርትራውያን ኔረናናን ኣለዋናን። ኣብዚ ቃልሲ ብንጥፈት ክቃለሳ ዝጸንሓ ን’በዓል ኤልሳ ጭሩም፣ ሰላም ኪዳነ፣ ኣበባ ተስፋገርጊሽ፣ ኣክቲቪስት ሳልዋ ኑር ወ.ዘ.ተ. እንቋዕ ሓጎሰክን፡ ሓንቲ ደፋር ሓያል ዋዕሮ ተሓዊሳትክን ክብለን እፈቱ። እቲ ዝነበረ ሃዋሁ ምሉእ ብሙሉእ ክገልጾ ዝኽእል ኣይመስለንን። ወ/ሮ ጉዐይ ንዓኺ ዝገልጽ ክእለት የብለይን። ግን ከኣ ናይ ዓቕመይ ክፍትን ኢለ እየ ዝጭሕትር ዘለኹ። ኣይትሓዝለይ።

ናብ ወ/ሮ ጉዐይ ክምለስ። ብሓንቲ ኢዳ ማይክሮፎን፡ በቲ ሓደ ኢዳ ሓንሳእ እንግዳዓኣ ደጊፋ፣ ሓንሳእ ናብቲ ሕዝቢ እንዳወናጨፈትን እንዳ ኣመልከተትን፣ ሙሉእ ብሙሉእ ገጿ ናብ ህዝቢ ጌራ፡ “ኣብ ‘ዚ ዝርእየኩም ዘለኹ፡ ኣበይ ደኣ ኣለዋ ኣንስትኹም፧” ክትብል እያ ብሓያል ቃና ዘለዎ ዘሰንብድ ቃል ዘረበኣ ዝፈለመቶ። ኣዒንቲ ተሳተፍቲ ብምሉኣቶም ቋሕ ኢሎም ናብኣ ጠሚቶም። ገሊኦም ከኣ ሚስጢሮም ዘቃለሓትሎም ይመስል ኣፎም ከፊቶም ነበሩ። ድሕሪ ምግራም፣ ምስንባድን ምዕዝምዛምን፡ ጣቕዒት ‘ዩ ሲዒቡ። “ኣንስትኹም ኣበይ ኣለዋ፧ መሓዝትኩም ኣበይ ኣለዋ፧ የዕርኽትኩም ኣበይ ኣለዋ፧ ኩሉኹም የዕረኹት ኣለዋኹም። ብዘይ ሰበይቲ ዝሓድር ሰብኣይ የለን።” ክትብል ኢዳ ናብቶም ተኣከብቲ እንዳመልከተት ነቲ ሓቂ ኣርጊጻ ‘ያ ነጊራቶም። ብፍላይ “ኣንስትኹም ኣበይ ኣለዋ?” ትብል ሓረግ፡ ኣስሚራትለን እያ። ኣግራሞት ናይ ተጋባእቲ ብምዕዝምዛም ድምጺ ይስማዕ ነይሩ። ድሕሪኡ ጠርበሽበሽ ጣቕዒት ከኣ ሲዒቡ። ከም እቲ ኣብ እቲ ዩ ትዩብ ዝረአ ዝነበረ፡ ምልኣተ ጉባኤ ተኣከብቲ ምሉእ ኣይነበረን። ከም እቲ ዝድለ ተሳተፍቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣይነበራን። ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ዝበዝሑ ሰብኡትን መንእሰያት ኣወዳትን እዮም ነይሮም ማለት እዩ። ቀጺላ፡ ሰፍ ዘይብል ዳንጉላ መልእኽቲ እያ ሰው ኣቢላቶ። “ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣይትጽረፍዎ። ናቱ ይገብር ኣሎ፡ ስርሑ።” በለት ህድእ ኢላ። ኢሳይያስ ጥፍኣት እንተኾይኑ ስርሑ፡ ነጢፉ፣ ሰላሕ ኢሉ የጥፍእ ኣሎ። ንሕና ግን ናትና ኣይገበርናን፣ ደቂስና ጸኒሕናን ኣሎናን፡ ኣይነቓሕናን ወይ ከኣ ፈሊጥና ኣስቂጥና ኣሎና፡ ዝብል መልእኽቲ ኢያ ኣመሓላሊፋ። ህዝቢ፡ “ኣበይ ነይራ፧ በየን ደኣ በሪቓ፧” ዝብል ይመስል ኣብ ነንሕድሕዱ ምጥምማት ኣትዩ።

ወ/ሮ ጉዐይ ድሕረ ባይታኣ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰለስተ ክፋል ከምተኸፋፈለ ገሊጻ። ንሶም ድማ ከምዚ ደቂ ኣስመራ ዝብልዎ፡ ጥዑያት ህዝቢ፣ እዝኖም ዝጻንዖም ህዝብን ጸማም ህዝብን ኢዮም። ጸማም ህዝቢ ፈሊጡ ይኹን ከይፈለጠ ንስርዓት ኢሳይያስ ዝድግፍ፣ ዝጻንዖ ህዝቢ ከኣ ካብትን ካብዝን ዘይብሉ ኣብ ጠልጠል ዘሎ ክኸውን ከሎ እቲ ጥዑይ ህዝቢ ዝበሃል ከኣ ነገራት ብስሩ ዝተረድኦን ሃገር ገዲፉ ዝተሰደን እዩ። ንሳ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኻ ኣብቶም ጸማማትን ዝደንጸዎም መደብ እያ ኣቐሚጣታ። እሳ፡ “ኣነ ንባዕለይ ደጋፊት ኣይነበርኩን፡ ተቓዋሚት ‘ውን ኣይነበርኩን። መንግስተይ ኣሚነ ግን እነብር ነይረ። ንምንታይ፡ ኤርትራዊት እየ።” ትብል። ኤርትራዊት ብምዃና ዘይቅየር ትማሊ፣ ሎሚን ጽባሕን ሕብንቲ ‘ያ። ኤርትራዊት ብምዃና ስኽፍ ዝብላ ነገር የብላን።

ብዙሕ ህዝቢ ንመንግስቱ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢሳይያስ ኣብ መለኮታዊ ደረጃ ዝበጽሕ እምነት ስለዘሕደረ እዩ ነይሩ እቲ ጌጋ። ህዝቢ ከም ወ/ሮ ጉዐይ ብምእማኑ ከም ጸማም ተሓሲቡ። ወ/ሮ ጉዐይ ኣሚና ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት ንመንግስቲ ገዲፋ ኣብ ናብራኣ ኣተኲራ ኣብ ምዕባይ ደቃ ተዋፊራ። ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኹን እውን ምጥርጣር ኣይነበራን። ናታ ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ዓዲ ከሎ፡ መን ከምዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሕማቕ ክገብር ኢሉ ክጥርጥር ይኽእል። ነቶም መራሕቲ የሕዋትካን ደቅኻን ከመይ ኢሉ ይጥርጠር! “ዝኣመንካዮ ኣይጥለምካ” ይብሉ ኣበው። “ከም ህዝበይ ኣድሚጸ፣ ዓድ ዓረብ ነይረ። ድሕሪኡ ኣብዚ ኣብ ጀርመን መጺኤ ከኣ ኣብ ደቀይ ምዕባይ ነይረ። እንታይ ይስራሕ ኣሎ፡ እንታይ ይግበር ኣሎ፡ ዓደይ እንታይ ትኸውን ኣላ፡ ኣነ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።” እያ ዝበለት እዛ ገርሂ ልባ ወ/ሮ ጉዐይ። ከም አተጠልመት ኣረጋጊጻ።

ሕጂ ደኣ ብምንታይ ካብ ድቃሳ ተበራበረት፧ ዲሒራ ከምዝገለጸቶ ምምጻእ ዶ/ር ኣብይ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ነገር እዩ ኣግሂዱ። ምብጽጻሕ ኢሳይያስን ኣብይን፡ ኣብ ኣስመራን ኣብ ኣዲስ ኣበባን፡ ኢሳይያስ ኣብ ክሊቲኡ ህሞት ደጋጊሙ ኣብ ዝገበሮ መደረ “ኣይከሰርናን፡ ገንዘብና ተመሊሱልና ኣሎ” ዝብል ወ/ሮ ጉዐይ ኣይተቐበለቶን። ካብ ድቃሳ ከኣ ኣበራቢሩዋ። ነቲ ዝነበረቶ ህሞት፡ “ሓፍ (ሰፍ) ዘይብል እምኒ ኣብ ርእሰይ ጸኒሑኒ።” ክትብል እያ ገሊጻቶ። ማይ ኣብ እምኒ እንተኣፍሲስካዮ ወይ ነጢሩ ይምለስ ወይ ከኣ ኮረር ኮረር እሉ ብላዕሊ ላዕሊ እዩ ዝፈስስ እምበር ናብ’ቲ ውሽጢ እምኒ ዘሪቑ ኣይኣቱን’ዩ። ወ/ሮ ጉዐይ ሽዑ እቲ ዝሓለፈ እዋን ዝነበረ ሃዋሁ ቧዕ ኢሉ ግልጺ ኮይኑ ተራእዩዋ። ምስምስ ዶባዊ ውግዕ ሓሶት ምዃኑ በሪሁላ።

ብምስምስ ውግእ ከምኡ እውን ካብኡ ብዝቐጸለ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ሃዋሁ፡ ዝሃለቐ ሰብ፣ ዝተመዛበለ ህዝቢ፣ ዝጠፍአ ንብረት፣ ዝዓነወ ትሕተ ቅርጺ፣ ዝለመሰ ዓቕሚ ሰብ እንዳሃልወ፡ እዚ ብኸመይ ተረሲዑ ‘ዩ፡ ኢሳይያስ ዓው ኢሉ “ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዋላ ሓንቲ ኣይከሰርናን” ክብል ደረቱ ገቲሩ መዲሩ፧ ከመይ ኢሉ ነፍሱ ጌርሉ፧ እቲ መልእኽቲ ብግልጺ ንኢትዮጵያውያን “ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም” መልእኽቲ እዩ ነይሩ። ከም ዘረባ ኢሳይያስ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ነብሳ ክትኸላኸል ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ኣብጺሔያ ኣለኹ’ሞ፡ “ሃየ ዶ/ር ኣብይ ዝተረፈ ዕማም ናባኹም ገዲፈዮ ኣለኹ።” ኢዩ ዝብል ነይሩ።

ንምዃኑ ንወ/ሮ ጉዐይ እንታይ ዓይነት እምኒ እዩ ጸቒጥዋ ነይሩ፧ ክሕደት ኢሳይያስ ፈርከሽከሽ ዘብል ማሳ ኢዩ ኮይንዋ። ሓሲባቶ ዘይትፈልጥ ክሕደት ኢሳይያስ ካብ ዝነበረቶ ድቃስ ኣበራቢርዋ። ነቲ ኣብ ርእሲ ወ/ሮ ጉዐይ ዝጸንሐ ፈርከሽከሽ ዘብል ሰፍ ዘይብል ማሳ ኢዩ ዘድልየካ። እቲ ክሕደት ኢሳይያስ፡ ከም ማሳ ኾይኑ ነቲ ኣብ ርእሳ ተጻዒኑ ዝጸንሐ ዓቢ እምኒ ፈርከስከስ ኣቢሉላ። ሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ስዉኣትና ካብ ገንዘብ ፎኺሶም ሪኣቶም። ገንዘብ ሊዕሊ ኤርትራዊ ከቢሩ። እቲ ገንዘብ’ሲ ተመሊሱ፡ እቶም ስዋኣት ከ፧ እቶም ኣፈቐዶ በረኻ ንቡር ቀብሪ ዘይረኸቡን ድራር ባሕሪ ዝኾኑ ኤርትራዊያንን ‘ከ፧ እዚ ክሕደት ‘ዚ ንወ/ሮ ጉዐይ ኣይተዋሓጠላን። ከም ዋዕሮ ነብሪ ኣንጢሩ ኸኣ ኣተሲእዋ። ምስ ስዉኣት የሕዋተይ ንቅድሚት፡ ንብረት ባዕሉ ይፈልጥ ኢላ ከኣ ነዲራ ተሲኣ።

ካልኣይ ክፋል ይቅጽል

ደብረ


Share with friends:


ATV: ኤርትራዊት ኣደ ወሮ ጉዐይ ካብ ፍራንክፈርት - `ምእንቲ `ቲ ምሳይ ዘሎ ሕልና `ምበር - ምእንቲ ቲ ኣስመራ ዘሎ ገዛይ ኣይነበርን `የ` ትብል




See also recent articles by Mr. Debre
ካልኦት ብ'ኣቶ ደብረ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: