Placeholder Picture
Placeholder Picture
ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ፡ 1955 - 1975፡ ብወልደየሱስ ዓማር

15/03/2023 02:26 AM

ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ

1955 - 1975

ካብ ቅያታት ናይ'ቲ ኤርትራውነት ዘጐሃሃረ ወለዶ።

ብ'ወልደየሱስ ዓማር

Books by Woldeyesus Ammar.

ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ
1955 - 1975
ካብ ቅያታት ናይ'ቲ ኤርትራውነት ዘጐሃሃረ ወለዶ።
ብወልደየሱስ ዓማር

ሓጺር ሌላ ምስ ደራሲ

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ኣብ ኣሸራ ጥቓ ሓጋዝ (ኣውራጃ _ ሰንሒት) ኣብ ኣጋ ምውዳእ 2ይ ወግእ _ ዓለም ተወሊዱን ዓብዩን፡ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምጅማር ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ኣብታ ማእከል ፖለቲካ ኤርትራ ዝነበረት ከረን ትምህርቲ ጀሚሩ። ዳርጋ ንምሉእ ጒዕዞ ናይታ ድሕሪ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝቐጸለት ኤርትራ ብኣካል_ነይሩዎ ብምዃኑ፡ ነቲ ካብ መፋርቕ 50ታት ክሳብ መፋርቕ 70ታት እተኻየድ ቀሊል ዘይነበረ ጐስጓስ ንኤርትራዊ ሃገራውነት ብምልኣት ካብ ዝተኻፈሉ እዩ። ብፍላይ ካብ 1961-1965 ኣብ ኣስመራ፣ ክሳብ መወዳእታ 60ታት ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሱን መማህርቱን ዕቱብ ምልዕዓላት ንሃገራዊ ቓልሲ ኣካይዶም። ሚካኤል ጋብር፣ ስዩም ዑቚባሚካኤል፣ ወልደዳዊት ተመስገን ሙሴ ተስፋሚካኤል፣ ዶ/ር ብእምነት ኣሕመድ፣ ሎሚ ሃለዋቱ ዘይተፈልጠ ሃይለ ድሩዕ፣ ከምኡ'ውን ኢሳያስ ኣፈወርቂን ሰዓብቱን (እኒ ኣረፋይነ በርሀ/ወዲ-ዓሸራ፣ ዮሴፍ ገብረስላሴ እንጦጦ ተስፋይ ገብረስላሴ/ቻይና) መማህርቱን መቓልስቱን ካብ ዝነበሩ ምንባሮም ምስትብሃል፡ ነቲ ኣብ ጽቡቕን ሕማቕን ኤርትራ ዝተኻፈለ ወለዶ የዘኻኽር።

ብዘይካ ዲፕሎማ ኣብ ሞያ ጋዜጠኛነት፡ ብስነ-ፖለቲካን ኣህጉራዊ ዝምድናን ክሳብ 2ይ ዲግሪ ዝውንን ገዲም ተጋዳላይ ወልደየሱስ ዓማር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ጋዜጠኛ ኣብ ከባቢ በዓል በዓሉ ግርማ (ደራሲ ኦሮማይ) ድሕሪ ምስራሕ፡ ብ1975 ንሜዳ ብምኻድ፡ ኣብ ቤት/ጽ ዜና ተ.ሓ.ኤ. (በይሩት) ክሳብ 1982 ኣገልጊሉ። ቀጻሊ ኣበርክቶኡ ብጽሑፋት ከይተረፈ ክንጸባረቕ ዝጸንሐ ኰይኑ ንተሳትፎን ሓላፍነታትን ቃልሲ ከየዋደቐ ካብ 90ታት ጀሚሩ ም ውድብ ሕ.ሃUN ሰሪሑ። ካብቲ 2005 ዘጓነፈ ኣሰንባዲ መስዋእቲ መማህርቱን መቓልስቱን ስዩም ሓረስታይ ንደሓር፡ ላዕለዋ ሓላፍነታት እናተሰከመ፡ ነቲ ጌና ዘይተዛዘመ ጉዳይ ህዝቢ ከዐውት ምስ ዝቐደመን ዝደሓረን ወለዶታት ዝቃለስ ዘሎ ሃገራዊ እዩ።

ደሃይ ሕትመት፡ ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ ጸሓፊ ወልደየሱስ ዓማር


ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ፡ --- ሓበረታ ንፈተውቲ ንባብ።

Books by Woldeyesus Ammar.

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 2022 እተሓትመት ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዝሒ ዘለዎም ኣንበብቲ ብምርካባ፡ ድሮ ካልኣይ ሕታማ ተዳልዩ ናብ ግዱሳት ኣንበብቲ ትዝርጋሕ ኣላ። ትሕዝቶ መጽሓፍ፡ ግደ ተመሃሮ ኣብቲ ናብ ዓወት ዘምርሐ ምልዕዓል ሃገራውነት ክሳዕ ክንደይ ምንባሩ ምግላጽ እዩ። ኣብ ታሕቲ ገለ ካብቲ እትርከበሉ ኣድራሻታትን ካብ ርእይቶታት ኣንበብቲን ቀጺሉ ይርከብ።

መጽሓፍ “ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ” ካብ እትርከበሉ ኣድራሻታት፡- Europe:


Germany
1. https://banabooks.com Michael Abraham, Tel. +4917620344938
2. +4915901128160 (Afeworki Abay)
3. +4917632759416 (Neguse Tseggai)
4. +491629063565 (Woldeab Zerai)


Switzerland
1. +41792661021 (Tesfagaber Ghebre - Zurich)
2. ++41763478014 (Sium Nabute - Basel)
3. +41765413697 (Mehari Ammar - Neuchatel)
4. +41797055073 (Leteab Tewolde - Geneva)


Sweden: +46707816737 (Rezene Tesfazion); +46736969770 (Gebre Nashih)
Norway: +4792409760 (Yacob O/M);
Denmark: +4550561859 (Amanuel Beraki)
UK: +447884054117 (Goitom Mebrahtu);
Italy: Desbele Mehari +393478959983


North America:
Canada: +1(647)8788960 (Bahlibi Tekle)
USA: +1(408)8963154 (Fessehaye Hagos)
Online: www.Semayat.com Tel: +1(616)2726546

ካብ ርእይቶታት ኣንበብቲ

“መጽሓፍ ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብስንፍና ይኹን ብሸለልትነት ከይተዳህሰሰ ዝጸንሐ ታሪኽና ዝግበኦ ኣቓልቦ ሂባ፡ ነቲ ኣብ ኣፍልጦና ዝነበረ ጋግ ኣጽቢባቶ። ምስቶም ኣብ ምምስራትን ምዕባይን ገድልና ዓቢ ተራ ዘበርከቱ መንእሰያትን ተመሃሮን ንኽንላለ ዕድል ዘርሓወ ጸሓፋይ ወልደየሱስ ዓማር ዓቢ ምስጋና ይግብኦ። ጀጋኑኣ ዘይተኽብር ሃገር ነዊሕ ክትጸንሕ ስለ ዘይትኽእል፡ ጀጋኑና ምፍላጥን ምኽባርን ሓደ ካብቲ ቅድም-ቀዳድም ከነማልኦ ዘለና ሃገራውን ሕልናውን ሓላፍነት‘ዩ። በቲ ዝጸንሐ ድንቁሩና ሓኒኸ ኣብ ጽፍረይ ክኣቱ እኳ ቁሩብ እንተተረፈኒ፡ ሳላ ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ ግና እቲ ዝነበረ ድነ ተቐንጢጡ ብርሃን ረአኹ።”
ሰመረ ተስፋሚካኤል ሃብተማሪያም፡
ዕባይ ከሰላ/ሱዳን፣ ደራሲ መጻሕፍቲ፡ ከም Reflections on the History of the Abyssinian Orthodox Tewahdo Church, 2017 ***

“ኣብ መጽሓፍ ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ ስቕ ኢልካ ዘይሕለፍ ሓቅታት ሰፊሩ ብምህላዉ፡ ነቲ ጌና ድኻ ዘሎ ኤርትራዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ዓባይ ህያብ ገይረ እቘጽራ። ብዙሕ ናይ እተዘንግዑ መንእሰያትን ኣበርክቶኦምን ኣብዛ መጽሓፍ ትግርኛ ሰፊሩ ብምርካበይ ደስ ኢሉኒ። ንዝዓበናሉ ፖለቲካዊ ሃዋህውን፡ ከም ተመሃሮ ኣብ ምልዕዓል ሃገራዊ ስምዒት ንዘበርከትናዮ ተራን እትገልጽ መጽሓፍ ሓው ወልደሱስ፡ ነቶም እተሳተፍናሉ በዘይ ጣዕሳ ንእንዀርዓሉ ተዘክሮታት ትቕስቅስ፣ ነቲ ብድሕረና ዝሰዓበ ወለዶታት ከኣ ኣድላይ ሓበረታን ትምህርትን ተስንቕ። ንእግረ መንገዳ’ውን ንገለ-ገለ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጸሓፍ ዘሎ ልቢ-ወለዳዊ ወስታታት ታሪኽ ትእርም እያ። ሹክረን ወድ ዓማር።”
ኢብራሂም መሓሙድ ገደም፡
ኣቦ-መንበር ጠቕላል ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ/ተሓኤ-ነበር። ***

“ናይ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኰነን ኣስመራ መማህርተይ ወዲ ዓማር: ብዛዕባ ኣበርክቶ ምንቅስቓሳት ተመሃሮ ንናጽነት ኤርትራ ዝደረስካያ መጽሓፍ መሳጢት ሰነድ፡ ክፋል ሃገራዊ ቃልስና እያ። ... ኣብ ዝኽርታት ቃልሲ መማህርተይ ኣጥሊቓትኒ። እታ ብመልክዕ ድሕረ-ጽሑፍ/Epilogue ዝቐረበት ጽሕፍቲ እተዀነት እውን ካብ መጠን ንላዕሊ ኣገዳሲት ኰይና ረኺበያ። ዝምስገን ኣበርክቶ። እወ ሓቅኻ ወዲ ዓማር፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ሃገራዊ ዕርቂ ናይ ምግባር ዕድል ኣምሊጡና’ዩ።”
ስምረት ኣስፍሃ፡
ኣባል ኮሚሽን ምንዳፍ ቅዋም 1997። ***

“ሓው ወልደየሱስ ዓማር ዘቕረባ መጽሓፍ ፍልይቲ ዝገብራ ምኽንያት: እቲ ኣብ ባይታ ኤርትራ ዝነበረ ክውንነት፡ ብፖለቲካ ዝተላዕጠጠ: ወይ ከኣ ብሌላን ጉሌላን ዝተሓመሰ ዘይኮነስ ከም ዝነበሮ ከቐምጦ ብምኽኣሉ'ዩ። ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ከርእየኒ ብምኽኣሉ ዓቢ ምስጋና ይግብኦ።”
ዳዊት መስፍን፡
ኣባል G-13፡ ካብ ኣዳለውቲ ሰነድ Berlin Manifesto, 2000 ***

“ካብ’ዛ ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ ብዝብል ኣርእስቲ ብኣቶ ወልደይሱስ ዓማር ዝተደርሰት መጽሓፍ ከም እንግንዘቦ፡ እታ ፈልሲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ክትጥጥዕ ዝኸኣለት: ብፍላይ እቶም ናይ 1955-75 ተመሃሮ፡ ብምልኣት ስምዒት ወኒ ሃገራውነቶም ኰስኲሶም ክኹልዕዋ ብምኽኣሎም እዩ። ኣንባቢ/ኣንባቢት ንታሪኽ ፖለቲካዊ ጒዕዞ ኤርትራ ንምክትታል ዝጠቅም ሰነድ ኣብዚ መጽሓፍ ክረኽቡ’ዮም። ደራሲ ሓደ ካብቶም ፍረ እታ ፈልሲ ዝረኣዩ`ዩ። ፍርያታ ንዝጻብኡ ኣንጻሮም ካብ ዝቃለሱ ዘለው ህይወት ዝዓደሎ ምስክር ከኣ እዩ።”
ረዘነ ተስፋጽዮን፡
ካብ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኤ.ና.ኤ. ኣብ 70ታት። ***

“ቃልሲ ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ኤርትራ ዝግብኦ ታሪኻዊ ቦትኡ ጌና ከይሓዘ ጸኒሑ ኣሎ። ብርእይቶይ፡ ዓቢ ሓው ወልደየሱስ ዓማር ሓደ ካብቶም ቃልሲ ኤርትራ ዘፍረዮም ብቁዓት ተቃለስትን ኣቃለስትን መሃንድሳት ሓርነታዊ ቃልስን ከም ምዃኑ መጠን ንታሪኽ ተማሃሮ ኤርትራ ንኽጽሕፍ ዝገበሮ ተብጉሶ አዝዩ ዝሙጐስ እዩ። ንወለዶታት ኤርትራ ከኣ ዓቢን መሃርን ህያብ እዩ፡፡ ብፍላይ፡ ሙሉእ ናይ ምጽሓፍን ምምርማርን ዓቕሚ ዘለዎ ዓቢ ሓው ኮይኑ፡ ኣብ ቃልሲ ተማሃሮ ኤርትራ ከኣ ካብቶም ፈለምትን መራሕትን ነይሩ። አብ ሓርነታዊ ቃልሲ’ውን ካብቶም እሙናት መራሕትን ምስክር ናይቲ ኩሉ ዝሓለፈ ውረድ-ደይብን ስለዝኾነ፡ ዘቕረቦ መጽሓፍ ታሪኽ ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ ካብቶም አገደስቲ መወከስታት ታሪኽና ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ 3 ክኽውን ናይ ግድን እዩ፡፡ ክብርን መጐስን ንህሉዋትን ሰውኣትን ተጋደልቲ ናይ እተናውሐ ቃልሲ ኤርትራ!”
ዓብዱራሕማን ሰይድ (ቦሃሽም)፡
ተመራማርን ተጣባቕን ሰብኣዊ መሰላት/ለንደን። ***

(ብጸገም ፊደላት ግእዝ፡ ብእንግሊዘኛ እተላእከት)፡- In his Tigrigna book, ’Students in Struggle,’ “Woldeyesus Ammar has done for us a remarkable job in chronicling the significant role that Eritrean students played in the struggle for our independence, inside and outside the country. Among other vital facts underlined in the book, what drew my attention in particular was the significant number of Moslem students who were the vanguards of the liberation movement, such as those who were in Cairo. I enjoyed reading the book and found it quite educational. I recommend it highly and I congratulate the author for this important contribution to the history of Eritrean students in the struggle for our country’s national independence.”
Professor Araya Debessay,
Member of the Historic G-13 and one of the devoted activists of EFLNA of 1970s ***

“Dear Wolde Ammar: I just finished your well written and documented book. Thank you for your political and intellectual work. I have gained a better appreciation to the gallant struggle of the Eritrean people, and especially to the role played by your generation both in the early stage as students and later on in the armed struggle....Hopefully you will visit Atlanta and I get the opportunity to say thank you in person.”
Seyoum Tesfaye,
Long-time Pro-Democracy Activist, USA.

Comment from Kubrom Dafla

Wedi Ammar,

Thank you for giving us your book "ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ 1955-75". I do not have enough words to fully describe how revealing and seminal it is.

It is by far, the best interpretation of the evolvement of Eritrean political history I have read so far. Recounted in simple words, it reveals the origin of the dynamics of Eritrean politics as we see it today. Your book distinguishes itself, not ONLY by what it says, but by what it does not.

By recounting events as they were, you proved that the biggest absentee in the making of contemporary Eritrean politics was, Isaias Afewerki. He had little or no role to play as a leader, be it as an opinion leader or as an organizational. You and your circle of dedicated students were in the midst of it all, whereas the young Isaias was not. His présence was comparatively, petty and irrelevant. His instinct to always complain & whine unless he has his way is revealed in your narration; his narcist nature. In EPLF and to this day, he would keep breaking established rules and norms to have his way.

It is amazing how you were always in the right place at the right time, always at the center of the leading core.

Secondly, your way of making sense of the events that surrounded you, is what impressed me the most. Others, who have experienced same events, would have told them as isolated events, without meaningful link to one another. You built, out of the details we thought we knew, a whole picture we did not know.

I have gone through your book, two times so far. It is priceless.

Thank you again, wedi Ammar. I hope I will drop by Geneva, your time and health permitting, to learn more.

Yours truly,
Kubrom Dafla Hosabay



•  For comments and reviews please follow this link.
•   ርእይቶን ገምጋምን ንምንባብን ንምሃብን ኣብዚ ጠውቑ።



See also more articles by Mr Woldeyesus Ammar:
ካልኦት ብ'ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: