13/01/2017 02:55 AM
ካብ ዓለም-በቃኝ
ክሳብ
ቪርጂንያ (ሃገረ-ኣመሪካ)
ታሪኽ ህይወትን ተመኩሮን ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም
ዶ/ር ገብረመስቀል፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ መቐረት ትምህርቲ ከይጸገበ፡
ከም ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ፡ በጃ ህዝቡ ህይወቱ መስዋእቲ ንምኽፋል፡ ናብ ሰውራ ኤርትራ ዝተሰለፈ ጅግና ሓርበኛ ኢዩ።
ኣብ ገድሊ (ሰውራ) ድማ፡ መስዋእቲ፡ መውጋእቲ፡ ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ነገራት ኢዩ ዘጋጥም። ዶ/ር ገብረመስቀል፡ ብዘጋጠሞ ከቢድ መውጋእቲ፡ ናብ ኢድ ጸላኢ ወድቑ፡ ድሕሪ'ቲ ጸላኢ (መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ) ዝገበረሉ ሕክምና ድማ፡ ናብቲ ንሕልፈትካ እትበልየሉ 'ዓለም-በቃኝ' ዝተባህለ ቤት-ማእሰርቲ ናይ ኢትዮጵያ፡ ምስ ካልኦት ሓርበኛታት ኤርትራውያን ተዳጒኑ።
ዶ/ር ገብረ፡ ኣብዚ ብዘይካ ዕርበት ሕልና፡ ካልእ ክትሓስበሉ ዘጸግም ዝኸፍአ ቤት ማእሰርቲ ኾይኑ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ዘኹርዕ፡ ሰሚዕካዮ'ውን መመሊሱ ዘደንጹ፡ ዓቢይ ዓወት ኢዩ ኣመዝጊቡ። ብትምህርቲ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ተማሃሮ ኮይኑ ካብ መላእ-ኢትዮጵያ ዝለዓለ ሬኮርድ (Record) ብምስባር፡ ብኣዝዩ ልዑል ነጥቢ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ዛዚሙ፡ ኣብኡ ከሎ ኸኣ፡ ናጽነት ኤርትራ ኣርኪቡ።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ቀጺሉ፡ ኣብኡ'ውን ከም መምህር ኮይኑ ሰሪሑ። ብድሕሪኡ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ናብ ወጻኢ ቐጺሉ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ከም ፕሮፈሶር፡ ኣብ ቪርጂንያ ዩኒቨርሲቲ፡ የገልግል ኣሎ። ኣብዚ እውን ዝተፈላለየ ሽልማታት ረኺቡ ኢዩ።
ዶ/ር ገብረመስቀል፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገርና ኤርትራ ፍትሒ ንምንጋስ ዝካየድ ቃልሲ፡ ብኹሉ መዳያት፡ ንቕሓት ኤርትራውያን ክብ ንምባል ዝሰርሕ ዘሎ ኣብነታዊ ምሁር ኤርትራዊ ኢዩ።
እቲ ታሪኽ፡ ካብቲ ኣብ ተኻታታሊ እዋናት ምስ ድምጺ ኣሰና ዝተኻየደ ዕላላት ብዝርዝር ክንመሃሮ ንኽእል። ንኹልና ኤርትራውያን ድማ ዓቢይ ኣብነት ኢዩ፡ ብፍላይ ንመናእሰይ ኤርትራውያን።
እዚ ታሪኽ'ዚ ንዓና ንርትራውያን፡ ንምስትንታን ዝሕግዘና ዓቢይ ሓቂ የግህደልና። ዶ/ር ገብረመስቀል፡ ኣብቲ ዝኸፍአ ቤት-ማእሰርቲ ናይ ኢትዮጵያ (ስርዓት ደርግ) ኾይኑ፡ ብብረት ኣንጻሩ ተሰሊፉ ዝነበረ ኤርትራዊ ክንሱ፡ ዋላ'ኳ ዘይንቡርን ብሳላ እቲ ዝነበሮም ተበግሶ ዝረኸቡዎ ዕድልን እንተነበረ፡ ግን ከኣ፡ ዕድል ናይ ትምህርቲ ክፍቀደሎም ምኽኣሉ፡ ሓደ ነገር ምልስ ኢልና፡ ከነወዳድር ይግድደና። ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ፡ ዒላ-ዒሮን ካልእን ዘለዉ እሱራትና፡ ክንዝክር ንግደድ። ገለ ጭላፍ ካብዚ መሰላት'ዚ ይትረፍ'ሲ፡ ዋላ'ኳ ከምቲ ኣብ ዓለም-በቃኝ (ሰርዓት-ደርግ) ዝዝውተር ዝነበረ፡ ናይ ቤተሰብን ፈተውትን ምብጻሕን ደሃይ ምፍላጥን፡ ከምኡ'ውን ናይ ትምህርቲ ዕድል ምፍቃድን፡ ኣብዚ "ናትና" እንብሎ ስርዓት ዘሎ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ፈጺሙ ኣይሕሰብን። ስርዓት ህግደፍ፡ ክሳብ ክንደይ ገፋዒን ጨካንን ምዃኑ ኸኣ የመልክተልና።
ከም በዓል ቢትወደድ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ሓርበኛታት፡ ንልዕሊ 25 ዓመታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ማሕዩር ኣለዉ፡ ን15 ክሳብ 20 ዓመታት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ፡ ምስ ስድራቤቶም ተራኺቦም ዘይፈልጡ፡ ብስርዓት ኣስመራ ዝተሓየሩ ሓርበኛታት ኤርትራውያን፡ ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም። ገለ ካብዚኦም፡ እቶም ቅዋም ኤርትራ ክትግበር፡ ሃገርና ድማ ከምቲ መብጽዓ ስዉኣትና፡ ብቅዋማዊ ስርዓት ክትመሓደር ስለዝጠለቡ ጥራይ፡ ኣብ ማሕዩር ዒላዒሮን ካልእን፡ ከም ዝስወሩን ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥን ዝተገብረ ኣርካናት ሓርበኛታትናን ጋዜጠኛታትናን፡ ይርከቡዎም። እዚ ኢዩ እምበኣር፡ ኩልና ኤርትራውያን፡ ከነስተንትንን ናብቲ እግዚኣብሔር ዝዓደለና ንቡር ሕልናና ተመሊስና፡ ንግፍዒን ምልኪን ክንቃወም፡ ንፍትሒ ድማ ተሓቛቚፍና ክንጓዓዝን፡ ዝድርኸና።
ካልእ፡ ነቲ ብኣማኢታት ኣሽሓት ዝቑጸር ኤርትራዊ፡ ኣብታ ልዑላዊት ኮይና ዝበላ ሃገሩ፡ ኣስተርሕዩ ንቡር ህይወት ከሕልፍ ብዘይምኽኣሉ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ፡ ኣብ ሃገረ-ስደት ዝነብር ዘሎ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራዊ መንእሰይ ወለዶ፡ ኢዩ። ካብዚ ናይ ዶ/ር ገብረመስቀል ተመኩሮ እንመሃሮ ድማ፡- ይትረፍ'ዶ ኣብቲ ዕድላት ትምህርቲ ዘለዎ ሃገራት ተቐሚጥካ፡ ዋላ'ውን፡ ኣብቲ ኣዝዩ ጸቢብ ዕድላት ዘለዎ ውጡር ኩነታት እውን እንተኾነ፡ ተባዕ ውሳኔ እንትጌርካ፡ ነብስኻ ንምምዕባል ክትዕወት ከምዝከኣል ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ ሃብታም ምኽሪ ዝሓዘለ ዕላል ብጽሞና ሰሚዕና፡ ኣብ ህይወትና ክንጥቀመሉ ንኹሎም መንእሰያትና፡ እምሕጸን።
ሓውኹም፡
ዮውሃንስ ጸጋይ
እምበኣር፡ ምስ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም ዝተኻየደ ዕላል ኣብ ታሕቲ እነሀልኩም-
See also past seminars and interviews with Dr. Gebre. Gebremariam:
ምስ ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም ዝተገብረ ዕላላትን፡ ዝተዋህበ ኣስተምህሮኣዊ ሰሚናራትን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡-
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)
ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።