Placeholder Picture
Placeholder Picture
ሓጺር ታሪኽ ስዉእ አቦና ባሻይ ነስረዲን ስዒድ

19/06/2022 19:16 PM

ሓጺር ታሪኽ ስዉእ አቦና ባሻይ ነስረዲን ስዒድ
Martyr Bashay Nesredin Seid (Short biography)

ሓጺር ታሪኽ ስዉእ አቦና ባሻይ ነስረዲን ስዒድ

ሓጺር ታሪኽ ስዉእ አቦና ባሻይ ነስረዲን ስዒድ
Martyr Bashay Nesredin Seid (Short biography)

ባሻይ ነስረዲን ስዒድ ዚበሃል ወዲ ማይ ደሪሰ ንጡፍ መራሒ ማሕበር ምስልምና (አልራቢጣ አልኢስላሚያ) ብ20 ለካቲት አብቲ ኣብ ኢምባ ደርሆ ኣካያዲ መደበር ባቡር ኰይኑ ዚዓየሉ ዝነበረ ብሸፋቱ ናይ ሰልፊ ሕብረት (አንድነት) ተቐትለ ። ብመሰረት እቲ ሙፊቲ ሺክ ኢብራሂም ኣል ሙኽታር ዝጸሓፎ ጸብጻብ ሰኑይ ምሸት ሰዓት 07:30 5 ሸፋቱ መጺኦም ኣብ ዕዮኡ ኸሎ ሓያሎ ጠያይት ተኰሰሉ ከቢድ ጕድኣት ወሪድዎ ብኡንብኡ ናብ ኣስማራ ተወስደ ኣብ መንገዲ ግን ሞተ።

እቲ ዝተቐተለሉ ምኽንያት አልራቢጣ አልኢስላሚያ ሓዲጉ ምስ ሰልፊ ሕብረት (አንድነት) ኪሓብር ብተደጋጋሚ ስለ ዝሓተትዎን ንሱ ግን ስለ ዝኣበየ እዩ ። እዚ ቕትለት እዚ ኣብቶም ኣብ ኣስማራ ዝነበሩ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ቝጥዓ ኣለዓዓለ ንጽብሒቱ ድማ ብዙሓት ሰባት ነቲ ግብረ-ሽበራውያን ሰልፊ አንድነት ዚገብርዎ ንጥፈታት ንምቅዋም ናብ ቀብሩ መጹ።

መንእሰያትን ዓበይቲ ዓዲ እስላም ብዚግባእ እተወደበ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገበሩ፣ ኣብኡ ድማ ተኣኪቦም ናብ ቀብሪ እንዳተጋዓዙ ብሰለስተ ቐንዲ ጐደናታት ድሕሪ ምሕላፎም። እቶም ቀባሮ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ አንድነት ዝነበረሉ ጐደና ምስ በጽሑ። ብመሰረት እቲ ሙፊቲ ዝበሎ ድሕሪኡ ኣባላት ማሕበር አንድነት መጀመርታ ኣእማን ክድርብዩ ጀመሩ ደድሕሪኡ ኸኣ ሰለስተ ቦምባታት ድሕሪኡ ሕንፍሽፍሽ ሰዓቡ። ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ወገናት ግሁድ ግጭት ነበረ ብዙሓት ድማ ተቐትሉ ካብ ክልቲኡ ወገን ድማ ብዙሓት ቈሰሉ። ኣባላት ፖሊስ ህያው ተዅሲ ብምትኳስ ጠጦው ከብልዎ እኳ እንተ ፈተኑ እቲ ግጭት ግን ቀጸለ ። እዚ ዅሉ እናሃለወ ኽነሱ እቶም ቀባሮ ናብቲ ሬሳ ዝቅበረሉ መቓብር ጉዕዞኦም ብምቅጻል ነቲ ረሳ ቀበሩ። ድሕርዚ እቲ ናዕቢ ናብ ካልእ ቦታታት ተዘርግሐ ሓደገኛ ኣንቆራታት ድማ ኰነ። ሓያሎ ንብረት እውን ተዘሚቱን ነዲዱን እዩ።

ረቡዕ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብሪጣንያ ካብ ሰዓት 5 ናይ ምሸት ክሳዕ ሰዓት 5 ናይ ንግሆ ናብ ቤት ዚኣትወሉ ሰዓት (ኮፕሪፈኮ) ኣወጀ እቲ ናዕቢ ግን ስለዝቀጽለ ዓርቢ ድማ እቲ ናብ ቤት ዚኣትወሉ ሰዓት(ኮብሪፈኮ) ናብ 22 ሰዓት ወሰኸ። ሓሙስ ኣመሓዳሪ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብሪጣንያ ንጽብሒቱ ኣርባዕተ ማካይን ዝሓዘ ጭፍራ - (ኣብታ ቐዳመይቲ ማኪና ዕጡቓት ፖሊስ ነበሩ ኣብታ ካልአይቲ ኣመሓዳሪ ኣስማራ ምስ ተርጓሚ ዓረብኛ ነበሩ፣ ኣብ ሳልሳይቲ ድማ ሙፍቲን ኣቡናን ይርከብዎም ፣ ኣብ መበል 4 ኸኣ ዳኛ ኣስማራን ሓማሴንን ምክትል ኣቡናን ነበሩ) ናብ ገዛውቲ 'ጌዛ በርሃኑ፣' ዕዳጋ ዓርቢ፣ ኣክሪያ፣ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ኣባ ሾውል፣ ሓዲሽ ዓዲን ጋዛ ባንዳን ተገዓዙ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቦታ ሰባት ብማይክሮፎን ገይሮም ብዓረብኛን ትግሪኛን ይእከቡ ነበሩ ፖሊስ ከም ዘይጐድእዎም ድማ ተነግሮም።

ኣብቲ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ዝነበሩሉ ቦታታት ኣቡነ ፈለማ ደሓር ከኣ ሙፍቲ ነቲ ዓመጽ ደው ከብልዎ ብኣንጻሩ ድማ ኣብቲ መብዛሕትኦም ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝነበሩሉ ኻልእ ቦታታት ፈለማ ሙፍቲ ቀጺሉ ድማ አቡነ ንሰባት ጸዊዕም ነቲ ጎነጽ ደው ከብልዎ ሓተትዎም። ጸኒሖም እቶም ህዝቢ ናብ ቤቶም ክምለሱ ተነግሮም። ብምቅጻል ምሸት ሙፍቲን ኣቡነን ናብ መደበር ረድዮ ኸይዶም ነቶም ዜጋታት ዓመጻ ከቋርጽዎ መኸርዋም። እቶም ካብ ክልቲኡ ወገን ዝመጹ ለባማት ነቲ ጻውዒት ተቐበልዎ እቲ ናዕቢ ቕድሚ ምዝዛሙ ግን ንብረት እስላም ነጋዶ ምዝራፍ ን3 መዓልቲ ቐጸለ።

ቀዳም 25 ለካቲት እቶም ምእመና ክርስትና ኣብቲ ቀንዲ ቤተ-ክርስትያንን ኣቶም ምእመና እስልምና ድማ አብቲ ዓቢይ መስጊድ አኪቦም ነቲ ዓመጻ ብኸመይ ከም ዜቋርጽዎ ተመያየጡ። ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ምእንቲ ከይጋጨዉ ክምሕሉ ተሰማምዑ። ነፍሲ ወከፎም ነቲ ውዕላት ብሓላፍነት ዚከታተሉ አአርባዕተ ኣባላት ሽማግለታት ብምቅራብ ሓንቲ ናይ ሓባር ኮሚተ ሸሙ። ጸኒሖም ካብ ክልቲኡ ወገን ዝመጹ 31 ኣባላት ኣብ ቅድሚ እቶም ሸሞንተ ኣባላት ኮሚተ መሓሉ።

ኣብ ካልእ ቦታታት ተወሳኺ ዓመጻ ምእንቲ ኸይፍጠር ኮሚተ ኽልቲኦም ወገናት ናብ መቓብር እስላምን ክርስትያናትን ኪበጽሕ ወሰነ፣ ኣብ መቓብር እቶም ግዳያት ክልቲኦም ወገናት ከኣ ዕምባባታት አቀመጡ። ልዕሊ 62 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ልዕሊ 180 ድማ ቈሰሉ እቲ ንብረት ድማ ብዙሕ ጕድኣት ወረዶ ። በዚ መንገዲ እቲ ኢትዮጵያዊ መራኸቢ ሓላፊ ዓብዪ ተራ ዝተፃወተሉ ናዕቢ፣ በቶም ለባማት መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለታትን ክልቲኦም ወገናት ኣብቅዐ።

አብዚ ብጣዕሚ አገዳሲ ጉዳያት ክንፈልጥን ክንማሃርን ንኽእል

1ይ -እቲ ቀንዲን ቀዳማይን ባሻይ ነስረዲን ስዒድ ሓዳ ካብቶም ጀጋኑ አቦታትና ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ዝተቃለሱን አብ ዕላመኦም ዝተሰዉኡን አቦና ሙኻነምን ኮይኑ ግን ታሪኾም ብግቡእ ዘይተገለጸ ተባዕ ጅግና ኤርትራዊ ካብቶም ቀዳሞት ንኤርትራ ዝተሰዉኡላ አቦ ሙኻኖም ንምግላጽ ኢዩ።

2ይ - ከምኡውን እቲ ዝተፈጥረ ናዕቢ ጸገም ናይ ሃይማኖታት ፍልልያት ዘይኮነ ጉዳይ ሃገራዊ ሕቶ ኢዩ ነይሩ፣ አብ ሞንጎ ነጻ ሃገር ክትህልወና ኢሎም ዝቃለሱን ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ዕላማ ዝነበረዎም ዝነበረ ጎነጽ ኢዩ። ነቶም ነጻነት ዝብሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን አስላም ይኹኑ ክርስቲያን ንምዕንቃፍን ነቲ ሕኑን ቃልሶም ንሙቅጻይን ዝፍጸም ዝነበረ ናይ ክሕደትን ዘይቅኑዕ ተግባራትን እከይ ፍጻመታት ኢዩ፣ ብዓቢዩ እውን አቦ ስዉአት ሸኽ ዓብዱልቃድር ከቢረ ናብ ዩናይት ነሽን ምእንቲ ነጻነትና መደረ ከስምዕ አብ ዝተበገሰሉ እዋን ኢዩ ተቀቲሉ።

3ይ - ብዝኾነ መንገዲ እቲ ናዕቢ (ጎነጽ) ምስ ተፈጠረ እቶም ዓብይ ልቦና ዝነበሮም መራሕቲ ሃይማኖታት አቦታትና አብ አፈታትሕኡ ዝወሰድዎ ለባምን ቁርጡጥን ስጉምቲ አዚዩ ዘኹርዕን ዘሐብንን ምንባሩኢዩ።

4ይ - ከምቲ አብ ላዕሊ አብዛ ሓጻር ታሪኽ ተዘኺሩ ዘሎ ቃንቃ ዓረቢኛን ትግሪኛን ክልተ ዕላውያን ቃንቃና ካብ ጥንቲ ብግቧ ዝስራሓለን ዝነበረ ምኻኑ ህያው ምስክር ኢዩ።

ብዛዕባ ስዉእ አቦና ባሻይ ነስረዲን አብዛ ናይ ሎሚ መልእኽተይ ሓጺር ታሪኽ ኢየ ጠቂሰ ዘለኹ አብ ዝመጻ ጊዜ ግና ሰፊሕ ታሪኽ ሒዘ ክመጽእ ሙኻነይ ክሕብረኩም ይፈቱ ሰናይ ቅነ።

ዘልአለማዊ ዝኽርን ዝኽርን ንኹልም ጀጋኑ ስዉአትና

ኤርትራና ልዑላውነታ ንዘልአለም ተኸቢሩ ይንበር

NB: እዛ ሓጻር ታሪኽ ሎሚ አቅሪበያ ዘለኹ ካብ Wikipedia ዝወሰድኩዎ ናብ ትግሪኛ ብዓቅመይ ዘፍቅዶ ተርጊመ ዘቅረብክዎ ኢዩ። ንመወከሲ አብዛ ጥብቆ ተወከሱ

https://en.wikipedia.org/wiki/History_of_Eritrea

አሚን ጃብር
26 ሰነ 2022


See also:
Eritrea Martyrs day, 20 June 2022:
Reflections and Press Releases.
ዝኽርታትን መግለጺታትን፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ 20 ሰነ 2022
يوم شهداء إريتريا 20 يونيو 2022: تأملات وبيانات صحفية.



ERITV Program 20 June 2020




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: