ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 13 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

23/02/2017 23:25 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

መበል 13 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 13 ክፋል   ባዕላ ወሊዳቶ ኣይመሰለን፡ ባዕላ ሰንኪታቶ ኣይበሰለን!
ብቐጻሊ ብርእይቶን ሓሳባትን ናይ ሰባት ትጽሎ እንተደኣ ኴንካ፡ ነቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ራእይን ዕላማን ንኸተተግብር ውሽጣዊ ሓይሊ ስኢንካ ኣለኻ ማለት'ዩ!
ብኽልተ ካራ ኣይምተሩ ብኽልተ መልሓስ ኣይመስክሩ!
ብወረ ኣይንገሱ፡ ብኢዶም ኣይከሓሱ!
ብዓል'ዚኣ ዘይብል ዋንጫኻ ኣይዕተራ!

*እዚ ካብ 1ይ ክፋል ዚፈለመ ጽሑፍ'ዚ ንምንታይ ኢና 30 ዓመታት ኣብ ኲናት ደሚና? ንምንታይከ ድሕሪ ናጽነት ሰላምን ርግኣትን ረኺብና፡ ኣብ ሃገርና ቀሲንና ክንነብር ዘይከኣልና? ትምኒትናን ባህግናን ረኺብና፡ እፎይ ኢልና ኣብ ቤትና ብሰላም ንኽንነብርከ እንታይ ክንገብር ኣለና? ወዘተ. ንዚብሉ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ፡ ብኹሉ መልክዕ ስነ ጽሑፍ፡ ማለት ብመሳልል ቋንቋ (ሰዋስው)፡ ብግቡእ ስርዓተ ነጥቢ ኣጠቓቕማ፡ ብምስላ፡ ብስውያን ቁንቁኛን ቋንቋ ትግርኛ ማዕሪጉ፡ ብዚተኻእለ መጠን ምሉእ ትምህርትን ኣፍልጦን ዘስንቕ ጽሑፍ ኮይኑ ንኺቐርብ፡ ብዙሕ ዚተጻዕሮ ጽሑፍ'ዩ።


መበል 13 ክፋል፥


ለበዋ ዚተፈላለዩ ኣባላት ባይቶን መንግስትን ኤርትራ፥

'ንመሰልና ክንከላኸል ግቡእና ከም ዚኾነ ከዘኻኽረኩም እፈቱ፣ ነገር ግን ንጥፍኣትኩም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከተመስግኑ እንተ ደለኹም፡ ኣመስግኑ። እዙይን ከምዙይን እናገበርኩም ንዓድኹም ትጐድኡ ከም ዘሎኹም፡ መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራ ኸኣ ተጥፍኡ ከም ዘለኹም ጥርጥር የብሉን!' ቃል ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ዳይረክተር ጀነራል ሰልፊ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ።

'ትዒብትን ቅንእን ዚሓደሮ ሰብ ልቡ ይድፈን፡ ኣእምሮኡ ድማ ይዕውን'ዩ! ንርእሱ ጎዲኡ ንሃገሩውን ኪጎድእ ይኽእል'ዩ። እምበኣርከስ ትዕቢትን ቅንእን ካብ ዚሓደሮ ሰብ ተሓለዉ! ናይ ሃገር ጥቕሚ ኣምሲሉ፡ ጥቕሚ ርእሱ ዚደሊ ሰብ ኣይትኹኑ! ሕሜታን ዕላልን ኣይትፍተዉ! ተጻርዩ፡ ተመርሚሩ ዝተጨበጠ ነገር እንተዘይኮይኑ ቀልጢፍኩም ኣመንቲ ኣይትኹኑ!' ቃል ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ፕረዚደንት ሰልፊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ።

'መንግስቲ ንኣባላት ባይቶ እንተዘይኣኽቢሩ እዚ ንዕቀት ህዝቢ'ዩ ኪብሃል ይከኣል። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ምሉእ ስልጣን ከም ዘለዎ ኪዝንጋዕ የብሉን። ስለምንታይ ደኣ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ተነጢቑ፡ ኣብ ዓብዪ ሽግር ወዲቑ እናረኣናዮ ትም ንብል? ኣባላት ባይቶ ነዚ ዘይጣበቑን ዘይሰርሑን እንተኾይኖም፡ ህዝቢ ስልጣኑ ኣብ ርእሲ ልኡኻቱ ኪፍጽም ይግብኦ።' ቃል ቃዲ ዓሊ ዑመር፡ ፕረዚደንት ሰልፊ ናጻ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ጨንፈር ኣከለጉዛይ።

'እዚ ናትና ስቕታ ነቲ ዚመሓልናዮ ማሕላ መረስዒ ኮይኑ ስለ ዚተረኽበ፡ ነቲ ጠቕላላ ናይ ሃገርና ድሕነት፡ ክብርን ጥቕምን ከድሕን ኣይተረኽበን። እወ፡ ንሕና ስቕ ብምባልና ንመሰልናውን ይወሃበና ክንብል ስለ ዘይተረኸብና፡ ከምኡውን ዚተዋህበና መዝነት ስለ ዘይፈጸምና ንሕና ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ዓለም ከም ደንቈሮታትን ሰነፋትን ኴንና ተረኺብና ኣለና፣ እወ ብሓቂ ንሕና ደንቈሮታት'ምበር ክኢላታት ክንብሃል ኣይከኣልናን። ከመይ ንማለት እቲ ኹሉ ዘውቅሰና ዘሎ ነገራት እናፈለጥና ስቕ ብምባልናን ንጉሰ ነገስት ድማ ናይ ፈደራስዮን ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ከለው የማሓይሹዎ ደኾን እናበልና ብተስፋ ክሳዕ ሎሚ ብምጽባይና'ዩ።' ቃል ሳልሕ ሙሳ፡ ኣባል ባይቶ።

'እወ ሓድሽ ወጋሕታ ወጊሑልና ሓድሽ ኣፍደገውን ተራሒውልና ኣሎ'ሞ ብሓድሽ ልብን ብሓድሽ ፍቓድን ክንቅበሎ ዘድሊ'ዩ። ቂምታ፡ ጽልኢ፡ ምፍዳይ ሕነ፡ ኩሉ ካብ ማእከልና ወጻኢ ኪርሕቕ ይግባእ! እዙ ሓድሽ ወጋሕታ እዙይ ናይ ፍቕርን ናይ ሰላምን ናይ ኣገልግሎትን ዕዮን ወጋሕታ ምዃኑ ተረዲኡናስ ንሓድሕድና ሓንጎፋይ ንምባል ንቀዳደም? ምንም'ኳ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ፍቕሩ ዚልገልጸሉ መገዲ፡ ንግዝየኡ ነንበይኑ ኮይኑ ተራእዩ እንተነበረ፡ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩን ንኽብረቱን ዘፍቅር ህዝቢ ምዃኑስ እተረጋገጸ'ዩ።

እቲ ኣውራ ቁውም ነገር ኮይኑ ዚርከብ ከኣ ኣብዚ ሰልፊ እዙይ ወይ ኣብቲ ሰልፊ እቱይ ኴንካ ምግዳል ኣይኮነን። እቲ ኣውራ ቅውም ነገርስ ንረብሓን ንጥቕምን ህዝቢ ኤርትራ ኢልካ ብንጹህ ልቢ ምግዳል'ዩ ዝግብኣና። እዙይ ከኣ በደል ናብ ካልእ እናኣጸጋዕካ ንርእስኻ ክብረትን ናእዳን ምሃብ ተሪፉ፡ እቲ ዚሓለፈ ጉድለት ከም ሓደ ግጉይ መዘከርታ ኮይኑ ንኽርአን ነዚ ሓድሽ ወለዶ ዝበለጸ ዕድል ከነጽንሓሉን ንጋደል።

ደቅና ብሕውነትን ብደግነትን ንሓድሕዶም ከም ዚደጋገፉ ንግበር'ምበር ክፉእ ንሓድሕዶም ዘየሳኒ ውርሻ ኣይነጽንሓሎም። እዚ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት ንኹላትና ከርብሓና'ዩ ዚግባእ። ብሳላ'ዚ ዓወት እዙይ ኣንድነት ሃገርና ኣየቋረጸን፤ ህዝብናውን ኣብ ክልተ ኣይተመቓቐለን። ኩላትና ደቂ ኤርትራ ክርስትያንን ኣስላምን ደቂ ቈላን ደቂ ደጋን ኣብ ማእከልና ብዘሎ ናይ ሃይማኖት ኣፋላላይ ከይተዓንቀፍናን ከይተሰርነቕናን ናይ ሃገርና ኣንድነት ናይ ህዝብና ሕብረት ከየቋርጽ ኢልና ክሳዕ ክንድዙይ ብምግዳልና ንምልእቲ ዓለም ኣገሪምናያ ከም ዘሎና እተረጋገጸ'ዩ።' ቃል ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም፡ ፕረዚደንት ሰልፊ ደሞክርያስያዊ ሰልፊ ኤርትራ።

'ኣነ ቅድሚ ኹሉ ነገር ንናጽነትን ንናጽነታውያንን እንእድ፡ ከምኡውን ነቶም ናይ ናጽነት መገዲ ሒዞም ዚዛረቡ ኣባላት አመስግኖም። እቲ ደሞክራሲያዊ ህንጻን ሕግን ኣብ ኤርትራ ከም ዘሎ እኣምን። ስለዚ፡ ከምዚ ሎሚ ኣብ ባይቶና ዚርአ ዘሎ ህዝቢ ንዝኾነ ነገር ኪነቅፍን ከመስግንን መሰሉ ረኺቡ ኣሎ። ነዛ እትሓምም ዘላ መንግስትና ግን እቲ ብስንፍናኣ ኣጥፊኣቶ ዘላ ናይ ውሽጣዊ ነገራት ከኣ ንኣኣ ንሕመያ። ምኽንያቱ፡ ኤርትራ እዚ ሎሚ ወዲቑዋ ዘሎ ጉድኣት ብሰንኪ ድኹም ሕልና መንግስቲ ኤርትራ'ዩ። ህንጻ መንግስትን መሰል ወዲ ሰብን እናገሃሰት ከም ድላያ ስለ ዝኸደት'ዩ። ከምኡውን ብሕጊ ኣይትግደስን። ህዝቢኸ ብደሞክራስያ ድዩ ወይ ድማ ብናይ ፋሺሽት ሕጊ'ዩ ዝናበር ዘሎ?' ቃል ኣባ ሃብተማርያም ንጉሩ፡ ኣባል ባይቶ።

'ኣብ ኤርትራ ዚነብር ህዝቢ፡ ነቲ ናይ ብሓቂ ጥቕሙን ምድሓኑን ኣብ ሕብረት ሓድሕዱ'ዩ ኪረኽቦ ዚኽእል። እንተደኣ ተፈላልዩ ግና ጣዕሳኡ ዘይወጽእ ጉድኣት ከም ዚረኽቦ ህልምላሙውን ከምዘይርከብ እተረጋገጸ'ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣውራ ኣውራ'ኳ በዛ ዝሓለፈት ፍርቂ ዘመን፡ ሓንቲ ንብረት፡ ሓንቲ ዛንታ፡ ሓንቲ ስም ረኺቡ ይርከብ ኣሎ። እዛ ዛንታ'ዚኣ እንተደኣ ብኣኡ ኣቢላ ቀጺላስ ንዕብየትን ንኽብረትን እትኸውን ዛንታ እያ'ሞ ንሓሉዋ! ከምዚ ዚበለ ከቢድ ኩነታት፡ ኣብ ልቢ እቶም ዓበይቲ መራሕትን ምስሌነታትን ጉሉሕን ህያውን ኮይኑ ኪርከብ ዘድሊ'ዩ።' ቃል ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ዳይረክተር ጀነራል ሰልፊ ናጽነት።

* * *

ካብዚ ቀጺልና ከኣ ለበዋ ዚተፈላለዩ ኣባላት ህግደፍን ስርዓት ህግደፍን ነቕርበልኩም። (ጉጅለ ህግደፍ ብህዝቢ ዚተመርጸ ኣባል ዋላ ሓደውን ይኹን ስለ ዘይብሉ፡ ብዘይቅዋምን ባይቶን ዚዕንድር ፋኖ ስለ ዚኾነን መንግስቲ ምባሉ ንባዕሉ ገበን'ዩ!) ስለዚ፡ ጃንዳ ህግደፍ ምባሉ ቅኑዕ ስሙ'ዩ።

እምበኣርከስ ካብዚ ቀጺልና፡ ራእይ ናይቶም ካብ ውድብ ናብ መንግስቲ ንምስጋር ዘኽእሎም፡ ስድብን (ቅዋማን) ሕግን ነዲፎም ዘጽደቑን ንህዝባዊ ግንባር ህዝባዊ ግንባር ንኺኸውን ዘኽኣሉዎን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ፡ እንታይ ከም ዚነበረ ብኸምዚ ዚስዕብ ከነቕርበልኩም ኢና፥

'ራእይና፡ ኤርትራ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ደሞክራሲ፡ ራህዋ ዝሰፈና ሃገር ክትከውን'ዩ! ራእይና፡ ጥሜት፡ ድኽነት፡ መሃይምነት ወዘተ. ካብ ኤርትራ ምውጋድ'ዩ! ራእይና፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ መንነቱን ፍልዩነቱን ዓቒቡ፡ እቲ ብሉጽ ስድራቤታውን ኮማውን ምትሕልላይ ኣማዕቢሉ፡ ብቑጠባ፡ ብትምህርትን ተክኖሎጅን ምስተን ዝማዕበላ ሃገራት ክስራዕ'ዩ! ራእይና፡ ሕብረተስብ ኤርትራ ብስኒትን ፍቕርን ኣብ መንጎ ዝተፍላለያ ክፍልታት፡ ብማዕርነት ኣብ መንጎ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን፡ ብፍቕሪ ሃገርን ሰብኣዊ ሓልዮትን፡ ብዲስፕሊን ስራሕን ፍትወት ፍልጠትን፡ ብምኽባር ሕግን ስነ ስርዓትን፡ ብናጽነትን መሃዝነትን ዚልለ ህዝቢ ኪኸውን'ዩ!' ቃል'ቲ ከም ውድብ ኣብ 2001 ዓ.ም. ህላውነቱ ብግብሪ ዘብቀዐ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ።

ኣብዘን ልዕል ኢለን ዝተጠቕሳ ሓገራ (ራእይ) እቶም ን 16 ዓመት ኣብ መዓሙቕ ጸላም ሰፊሮም ዘለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ብቕልጽሙ ንኸረጋግጽ መሪሕ ተራ ዚተጻወቱ፡ ጀጋኑ ሰብ መትከል'ሞ በብሓደ ንተንትኖ። እዚ ራእይን ውጥንን'ዚ ብሓደ ንስልጣኑ ጥራይ ዚሓስብን ዚሰርሕን ሰብ፡ ማለት ብኢሳያስ ኣፈወርቂ እንተዘይመክን ኔሩኸ ኤርትራ ሃገርናን ህዝባን ሎሚ ኣበይ ምሃለዉ ኢልና ንግምት?

ራእይ እቶም ንህዝቢ ዚተጋደሉ፡ ኤርትራ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ደሞክራሲ፡ ራህዋ ዝሰፈና ሃገር ክትከውን'ዩ ኔሩ! ኤርትራ ሃገርና ግን ሎሚ ብድሕሪኦም ዋላ ሓንቲ ካብዘን ተጠቒሰን ዘለዋ መሳልል ምዕባለን ዕብየትንዶ ኣማሊኣ ኣላ? ነዚ ዘሎ ብዘይሕግን ፍርድን ሰብ ዘሐቅቕ ዘየናሕሲ ሓለንጊ ምልኪ ፈሪህካ እናተዓመጽካ ትም ኢልካ ምንባር ከም ሰላም ዚቚጸር እንተኾይኑ፡ እወ ኣብ ኤርትራ ሰላም ኣሎ። ብዛዕባ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ራህዋን ግን ንዓይነ ስውርውን ብሩህ ስለ ዝኾነ ምዝራብ ዘድሊ ኣይመስለናን።

ራእይ እቶም ንህዝቢ ዚተጋደሉ፡ ጥሜት፡ ድኽነት፡ መሃይምነት ወዘተ. ካብ ኤርትራ ምውጋድ እንተ ኔሩ፡ እዚ ሕልሚ ኮይኑ'ዩ ተሪፉ። ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ታሪኹ ከም ሎሚ ጌሩ ደኽዩን ሓሲሙዎን ስለ ዘይፈልጥ! ኢድ ኣብ ስደት ዘለዉ ደቁ ዘማዕዱ ኤርትራዊ ስድራቤት ኣደኡ ትቑጸሮ! ብዓብይኡ ኩፖን ኣብ ዘለዎ ሃገር ራህዋ ኣሎ ኪትብል ዚከኣል ኣይኮነን! ምኽንያቱ፡ ኩፖን ናይ ህጹጽ እዋን መሰጋገሪ ኣካል ክፍሊ ረድኤት ስለ ዚኾነ። ብረድኤት ዚነብር ህዝቢ ከኣ ሓሊፉሉ ወይ ድማ ድኽነት የብሉን ኪትብል ኣሸጋሪ'ዩ! መሃይምነት ጠፊኡ እንተ ኢልናውን ዋላ'ኳ ኩሉ ጽሒፉ ስለ ዘንብብ መሃይምነት ኣጥፊኡ'ዩ እንተበልና፡ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ተማሂሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዚተመረቐ ኤርትራዊ ዜጋ ስለ ዘየሎ ግን ብዛዕባ ትምህርቲ ምዝራብ፡ ምስቲ ንኤርትራውያን ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ጥራይ ዘፍቅድ ዚነበረ ፋሽሻዊ መግዛእቲ ጣልያን እንተኣነጻጸርናዮ እኹል ይመስለና።

ራእይ እቶም ንህዝቢ ዚተጋደሉ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ መንነቱን ፍሉይነቱን ዓቒቡ፡ እቲ ብሉጽ ስድራቤታውን ኮማውን ምትሕልላይ ኣማዕቢሉ፡ ብቑጠባ፡ ብትምህርትን ተክኖሎጅን ምስተን ዝማዕበላ ሃገራት ክስራዕ'ዩ ኔሩ! እዚ ግን "ስምናን ላዕላይ ሰማይ፡ ስራሕናን ወረድቲ ማይ" ንዚብል ምስላ'ዩ ዘዛኻኽረና። ህዝቢ ኤርትራ ምስተን ዚማዕበላ ሃገራት ዓለም ምስራዕስ ይትረፎ፡ ምስተን ዝደሓራ ሃገራት ኣፍሪቃውን ክስራዕ ኣይከኣለን! ምኽንያቱ፡ ህዝቢ'ተን ዝደኸያ ሃገራት ኣፍሪቃ እንተወሓደ፡ ስድራቤት ተጠርኒፉ፡ ዋላ ብጥሙይ ከብዱ ብሰላም ኣብ ቤቱ ኪነብር ይኽእል'ዩ፣ ኣብ ኤርትራ ግን ዋላ እዚውን ኣይፍቀድን'ዩ! ተኣኪባ ብሰላም ቀሲና ትነብር ኤርትራዊት ስድራ ዋላ ሓንቲ የላን! ብዘይካ ናይ ገለ ሰበስልጣን ምልክን ውሑዳት ስድራቤቶምን። ስለዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ዓለም እቲ ዚደሓረ'ዩ እንተበልና ጭቡጥ ስለ ዚኾነ፡ ምግናን ኣይኮነን!

ራእይ እቶም ንህዝቢ ዚተጋደሉ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብስኒት ኣብ መንጎ ዝተፍላለያ ክፍልታት፡ ብማዕርነት ኣብ መንጎ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን፡ ብፍቕሪ ሃገርን ሰብኣዊ ሓልዮትን፡ ብዲስፕሊን ስራሕን ፍትወት ፍልጠትን፡ ብምኽባር ሕግን ስነ ስርዓትን፡ ብናጽነትን መሃዝነትን ዚልለ ህዝቢ ኪኸውን'ዩ!' እዚውን ነበረ ኮይኑ'ዩ። ክንደይ ስድራቤታት'ያ ኣብ ግዜ ህግደፍ ኣብ ቤት ፍርዲ ብቐንጠመንጢ ክትካሰስ ትውዕል ዘላ! 'ፍቕርን ምትሕልላይን ቀደም ኔሩ' ይብሃል ኣሎ። 'ብምኽባር ሕግን ስርዓትን' ማለትከ እንታይ ማለት'ዩ? ብሓደ ክብሪ፡ ሕግን ስርዓት ዘይብሉ ፈያት (ሽፍታ) ጉጅለ እናተገዛእካስ ብዛዕባ ሕግን ስርዓትን ምዝራብ ይከኣልድዩ!? ስለዚ፡ እዚ ራእይን ሕልምን 15 ነብያት ዘብነነ ድያብሎስ ኣብ ምድሪ ኤርትራ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ እልበት (ሓሳረ መከራ) ኪወጽእ'ዩ ኢሉ ዚሓስብ ሰብ እንተሎ ከም ሰብ ዘይሓስብን ዘየመዛዝንን ሰብ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል!

ሓደ ህጻንሲ ኣደኡ ንዘዕጠቐቶ ፓምፐር ብሽንትን ኲስሕን (ቀልቀልን) ምስ ኣተርከሶ፡ ይበልዖ'ሞ ይበኪ፤ ወይውን ይጠሚ እሞ ይበኪ፡ ድሕሪ'ዚ ወላዲት ሃሰስ ኢላ ዝግባእ ረድኤት ትህቦ። ናጽላ ትም እንተይሉ ግን ኣደውን ስለ ትርስዖ ክሳዕ መቑሰልቲ ከብጽሖ ይኽእል'ዩ። ህዝቢ ኤርትራውን ልክዕ ከምኡ ህግደፍ ዘንበረሉ ፓምፐር ከምቲ ኣደኡ ዝቐየረትሉ ህጻን ማሕበረሰብ ዓለም ኪቕይረሉ እንተኾይኑ ድምጹ ከስምዕ ኣለዎ።


ኣብ መበል 14 ክፋል ይቕጽል...


"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለ ክርዳድ'ዩ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 23/02/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-