ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 16 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

31/03/2017 22:48 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

መበል 16 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 16 ክፋል   ትሕትና ባኣሲ በትሪ የውቅዕ፡ ትሕትና ምጒት የርትዕ!
ትስፍዋት ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸገም ንዕድል የቋምቱ፤ ዘይትስፍዋት ሰባት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕድል ንጸገም ይጥምቱ! (ዊንስተን ቸርችል)
ትሽዓተ ዕስሪት ናይ ዓወትና፡ ንገዛእ ርእስና ብምትብባዕ'ዩ ዚብጻሕ! (ኣናቶለ ፍራንስ)
ትዕቢት መቕድም ውድቀት፡ ትሕትና መቕድም ክብረት!
ትዕቢተኛስ ነፍሱ ባዕሉ ዚፈጠራ ይመስሎ!

*እዚ ካብ 1ይ ክፋል ዚፈለመ ጽሑፍ'ዚ ንምንታይ ኢና 30 ዓመታት ኣብ ኲናት ደሚና? ንምንታይከ ድሕሪ ናጽነት ሰላምን ርግኣትን ረኺብና፡ ኣብ ሃገርና ቀሲንና ክንነብር ዘይከኣልና? ትምኒትናን ባህግናን ረኺብና፡ እፎይ ኢልና ኣብ ቤትና ብሰላም ንኽንነብርከ እንታይ ክንገብር ኣለና? ወዘተ. ንዚብሉ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ፡ ብኹሉ መልክዕ ስነ ጽሑፍ፡ ማለት ብመሳልል ቋንቋ (ሰዋስው)፡ ብግቡእ ስርዓተ ነጥቢ ኣጠቓቕማ፡ ብምስላ፡ ብስውያን (ትርጉሙ ኣብ ሓጹር ኣትዩ ዘሎ) ቁንቁኛን ቋንቋ ትግርኛ ማዕሪጉ፡ ብዚተኻእለ መጠን ምሉእ ትምህርትን ኣፍልጦን ዘስንቕ ጽሑፍ ኮይኑ ንኺቐርብ፡ ብዙሕ ዚተጻዕሮ ጽሑፍ'ዩ።

መበል 16 ክፋል፥

ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን ኤርትራዊ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣብታ "ኣይንፋላለ" ዘርእስታ ቀዳመይቲ ናይ ታሪኽ መጽሓፉ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኪብል፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ፡ ሓደ ሓቅን ኪኸውን ዘለዎን ጽሑፍ፡ ሰኒዱ ኣሎ፥

'...እዚ ኹሉ ታሪክናን ቅርስናን'ዩ። እቲ ናይ ናጽነት ቃልሲ ስለ ዚተዓወተ'ሞ ንኣኡ ድማ ንመጻኢ ትውልዲ ከነውርሶ ስለ ዚደለና ጥራይ፡ ነቲ ዘይተዓወተ መዳይ ታሪኽና ኪንድምስስ ጌጋ'ዩ። ዚከኣልውን ኣይኮነን! ምንጪ መንነት ሓደ ህዝቢ ታሪኹ'ዩ። ታሪኽ ድማ እኩብ ናይ ዚተፈላለየ ተመኩሮታት'ዩ። ታሪኽ ጽቡቕን ሕማቕን ተባሂሉ፡ ብኽልተ ሕንጻጻት ኪፍለ ዚከኣል ኣይኮነን። ወይ ድማ ነቲ ጸጽቡቑ ኣውጺእካ፡ ነቲ ዚተረፈ ኪትሓብኣሉ እትኽእል ዓውዲ ኣይኮነን።

እዚ ናትና ወለዶ፡ ናጽነት ስለ ዘምጽአ፡ ነቲ ዚሓለፈ ወለዶታት ኪኹንን ወይ ኪፈርድን እንተኾይኑ በደል ኪፍጽም'ዩ ማለት'ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኣርብዓታት ደረጃ ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝብና ኣበየናይ ደረጃ ነይሩ? ተወዲብካን ተሳኒኻን ናይ ምስራሕ ዓቕምን ተመኲሮን ነይሩዎዶ? ካብቲ ዚገበሮ ንላዕሊ ኪገብርከ ይኽእል ነይሩዶ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ'ዩ። ካብቲ ሻቡ ዚገበሮ ንላዕሊ ንኺገብር ምጽባይ ወይ ዘይገበረ ኢልካ ምኹናኑ ከኣ ርትዓዊ ኣይከውንን። ከምዚ ክንብል ከለና ግን ታሪኽ ወይ መጻኢ ትውልዲ፡ ንህዝብን ሃገርን ንዚበደሉን ወይ ንውልቃዊ ከምኡውን ንጉጅለኣዊ ጥቕሚ ኪብሉ፡ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ንዚሃሰዩ ሰባት ብሕጊ ኪጸባጸቦም የብሉን ማለት ኣይኮነን!

ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ካብ ተመኲሮ ናይ ምምሃር ሓላፍነትን ግዴታን ኣለዎ! ሓደ ህሉው ትውልዲ ረብሓኡ ንምሕላው፡ ህላወኡን ቀጻልነቱን ንምርግጋጽ'ዩ ብዛዕባ ታሪኹን ኣመጻጽኣኡን ዚግደስ። ንገዛእ ታሪኽካ ብቓል ይኹን ብጽሑፍ ምስ ዘይትፈልጦ፡ ጓና ኪፈልጠልካ ከምዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ተመኲሮ ተማሂሩዎ'ዩ።' ይብል።

ኣብዚ ኣቐዲምና ኪንነቦ ዚጸናሕና ጽሑፍ፡ ብዙሕ ክንግንዘቦ ዚግብኣና መንቲ (ቁውም ነገር) ኣሎዎ። ቅድም ቀዳድም ታሪኽና ምፍላጥ ከም ዘድልየና። ካልኣይ ድማ ነቶም እንተ ብፍላጥ እንተ ብጌጋ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን በደል ዚፈጸሙ ውልቀ ሰባት ይኹኑ ጉጅለታት፡ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ፡ ውዒሎም ሓዲሮም ናብ ፍርዲ ምቕራቦም ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ንግንዘብ። በዚ መሰረት ከኣ እዚ ሎሚ ብኢደ ዋኒኑ ኣብ ስልጣን ህዝቢ፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ተኾይጡ፡ ንህዝብና ብምጥፋእ፡ ነታ ደም ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር ከኣ ዘዐኑ ዘሎ ደማሕን ጉጅለኡን ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ሓላፍነትና ምዃኑ ኪስመሮ ይግባእ።

እንተ ፈቲኻ እንተ ተገዲድካ ስለ ዚተጋደልካ ጥራይ፡ ንህዝብን ሃገርን ከም ውልቃዊ ዋንናትካ ብምርኣይ፡ ድላይካ ኪትገብሮም ትኽእል ኢኻ ዚብል ፍቓድን ባርኾትን ካበይ ከም ዘምጽኦ፡ እዚ ኣውቶክራት ጽባሕ ንግሆ ግዜኡ ምስ ኣኸለ፡ ኣብ መጋባእያ ህዝቢ ኤርትራ ቀሪቡ መልሲ ኪህበሉ ኪግደድ'ዩ! እዚ ሰብ'ዚ ብህይወቱ ኮነ ዋላውን ድሕሪ ሞቱ፡ ሬሳኡ ካብ መቓብር ኣልዒልካ፡ በቲ ንሱ ነበረ ጌሩዎ ዘሎ ሕጊ እንዳባ ከም ዚፍረድ ኪግበር ኣለዎ! ዚኾነ ይኹን ሰብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኮይኑ ንሕጊ ኪቐትል መሰል የብሉን! ኣብ ኤርትራ ልዕና ሕጊ ዚረጋገጸሉ ግዜ ከኣ ኪመጽእ'ዩ። ብርግጽ ኤርትራዊ ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ንሽግሩን ንስምዒቱን መዝሚዙ፡ ቅኑዕ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ዘትሕዞ መራሒ ኣይረኸበን ዘሎ። ሓደ ካብ ውሽጢ ህዝቢ ኪፍጠር ምዃኑ ግን ዘይከሓድ ሓቂ'ዩ።

ከምዚ ሕጂ ጉጅለ ህግደፍን ሰዓብቱን ንህዝቢ ንምእያድ (ተስፋ ንምቚራጽ)፡ 'ብዘይካ ጉጅለ ህግደፍ ካልእ ንኤርትራ ከማሓድርን ኪሕሉን ዚኽእል ሓይሊ የለን!' ዚብሉዎ ዘለዉ፣ ምምዳር እንግሊዝውን ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣቐዲሙ፡ ነቶም ኣብ ኣብርብዓታት ናጽነት ዚጠልቡ ዚነበሩ ኤርትራውያን ተስፋ ንምቚራጽ፡ ንኤርትራን ህዝባን ማለት 'ኤርትራውያን ሃገር ከማሓድሩ ዘይክእሉ ድኹማት፡ ኤርትራ ድማ ብቑጠባ ንነብሳ ክትከውን ዘይትኽእል ድኻ!' ብምባል የነኣእሶም ነይሩ'ዩ። እዚ ግን ክልቲኡ ሓሶትን ከንቱን'ዩ ነይሩ።

ዋላ'ኳ ሕጂ ብሰንኪ ግጉይ ኣካይዳን ግዕዙይ ምሕደራን ጃንዳ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነብሱ ናይ ምምሕዳር ዓቕሙ ኣብ ምልክት ሕቶ እንተ ኣተወን ኤርትራ ሃገርናውን ብቑጠባ ንድሕሪት ስለ ዝሰጎመት ትንቢት እንግሊዝ ሓቂ መሲሉ እንተተራእየ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ሃገርና መንግስቲ ምስ ተተኽለ ግን ነቲ ዘሎና ዚሃብካዮ ዘፍሪ፡ ኩሊት ዚኾነ መሬትና (ፍርያም መሬትና)፡ ብዘመናዊ ኣጋባብ ብምልማዕ፣ ነቲ ሎሚ ዕዳጋ ኳዃት (ዚሕልሕል ዚበለ፡ ጽምዋ) ኮይኑ ዘሎ ልዕሊ 1000 ኪሎ ሜተር ዚግመት ገማግም ባሕርና፡ ብዘመናዊ ኣጋባብ ሃኒጽና በጻሕቲ ሃገር ብምዕዳም፡ ንኹሉ ዕዳጋ ጠስሚ (ዋዕዋዕታ ዚመልኦ) ዕሙር ቦታ ብምግባር፡ ካብ ኣገልግሎቱ፡ ብቱሪዝም ርቡሕ ኣታዊ ከነኻዕብት ኢና፤ ከምኡውን ካብቲ ገና ብድንግሉ ዘሎ ባሕርና፡ ብዘመናዊ ኣጋባብ ዓሳ ብምግፋፍ፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብምርካብ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ዕብየትና ከነረጋግጽ ኢና። ሻቡ ሰያብ ዚዓብደሉ ግዜ (ዘመነ ጽጋብ) ኪኸውን'ዩ!

ከምኡውን ነቲ ተፈጥራዊ ሃብትና፡ ማለት ንጸሓይን ንንፋስን ቴክኖሎጂ ብምጥቃም፡ ብቐሊሉ ዘይተኣደነ ጸዓት ብምምንጫው፡ ንሃገርን ንወጻእን ዚኸውን ሓይሊ ኤለትሪክ ብምኽዛን፡ ኣታዊ ምርካብ፣ ነቲ ኣብ መላእ ሃገርና ዘሎ ተፈጥራዊ ኣእማን፡ ጸሪብካን ጥሒንካን ናይ ወጻኢ ዕዳጋ ከም ዚረክብ ብምግባር፡ ማሕፉዳ ሃገር ምምላእ፣ ወዘተ. ወዘተ. ብምክያድ፡ ኤርትራ ሃገርና፡ እዚ ሕጂ ጉጅለ ህግደፍ ዚጻወተሉ ዘሎ ውሽጣዊ ሃብታ፡ ማለት ወርቃ ከይፈሓርካ ጥራይ ካብ ልዕለ ሃብታ ብዚርከብ ኣታዊ፡ ንህዝባ ኣይኮነን ንህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ትቕልብ ምግባራ ኪከኣል'ዩ። እዚ ኪኸውን ዚኽእል ግን ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ሓደ ኣፈ-ጸፍ (መሲሉ ኪርአ ዚደሊ) ሰብ፡ ማለት ራኢኡን ዕላማኡን እንኮ ስልጣን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝባውን ሃገራውን መራሒ ኣብ ኰረሻ ስልጣን ምስ ዚድይብ ጥራይ እዩ ዚረጋገጽ። ነዚ ክውን ንምግባር ከኣ ነዚ ርጉም ደመኛና ንምእላይ ኣፍን ከርፈስን ኴንና (ተደጋጊፍና) ኪንሰርሕ ኣለና።

ንኣብነት ኣስመራ ከተማ ጥራይ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን 18 ኢንዱስትሪታት ትውንን ነይራ'ያ። ኣብቲ ኣብ 1943 ዓ.ም. ዘዳለወቶ ኢንዱስትርያዊ ምርኢት ከኣ ናይቲ ኣብ ሓደ ዓመት ናብ ወጻኢ ዝለኣኸቶ ኣቑሑ ዋጋ 1,678,000 ፓውንድ እንግሊዝ ከም ዚተገመተ ጸብጻባት ታሪኽ የረጋግጹ። እዚ ከኣ እቶም ድሕሪ ስዕረት መንግስቶም ዳግም ናጻ ዕድል ንግድን ወፍርን ዚረኸቡ ኢጣልያውያን፡ ካብ ፋብሪካታት ሳሙና፡ ቢራ፡ ክርቢት፡ ካብ ዚተደርበየ ሓጺነ መጺን፡ ዘይቲ፡ ኦክስጅን፡ ኮላን ወረቐትን ወዘተ. ኣፍርዮም ናብ ወጻኢ ሃገር ብምልኣኽ ዘእተዉዎ ምህርቲ ነበረ። ሻቡ ዚነበረ ሓጺነ መጺን ከምዚ ሎሚ ኣብ ከባቢ ቃኘውን ኣብ መላእ ኤርትራን ዋና ስኢኑ፡ ተርድቢዩ፡ ብጸሓይን ብሓመድን ዚባኽን ዘሎ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚምብዝሑ ሓጻውን እንተ ዚነብር ነይሩ፡ ዚያዳ ኣታዊ እውን ምተረኽበ ነይሩ። ሻቡ ከምዚ ናይ ህግደፍ ዶብ ሰበር ሸቐጥ (ጸሊም ዕዳጋ) ኣይነበረን። ወርቂ ጸላም (በላዕ ጉቦ) ዘይብሉ ጽፉፍ ምሕደራ ስለ ዚነበረ፡ ኩሉ ግሉጽን ከፋሊ ግብሪ መንግስትን'ዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ብዝሒ ኢጣልያውያን ኣብ ኤርትራ ከባቢ 100.000 ከም ዚነበረ ይፍለጥ። ኢትዮጵያ ብምኽንያት ፈረደሽን ናብ ኤርትራ ክትኣቱ ምስ ጀመረት ግን ቊጽሪ ኢጣልያውያን ናብ 13,000 ኣንቈልቈለ። ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ንቑጠባ ኤርትራ ንምድኻም፡ ነቶም ሞተር ወፍርን እቶትን ዚነበሩ ኢጣልያውያን፡ ፈያት (ሸፋቱ) ብምውፋር ሃዲና ትቐትሎምን ትካላቶም ተዕኑን ስለ ዝነበረት፡ ዳርጋ ኩላቶም ኣብ መላእ ኤርትራ ፋሕ ኢሎም ዚነበሩ ኢጣልያውያን ኣውፈርቲ ናብ ኣስመራ ከተማ ብምእካብን ናብ ዓዶም ብምምኻድን ስራሖም ደው ኣበሉ። ንኣብነት፥ ፈያት ኣብ ወርሒ ጥሪ 1948 ዓ.ም. ኣብ ዒላ በርዕድ ዚነበረ ናይ ሓደ ካሻኒ ዚተባህለ ኢጣልያዊ ፋብሪካ ዒቃ ብምጥቃዕ፡ 300 ከብቲ ዘመቱ። ብዕለት 16 መጋቢት 1948. ዓ.ም. እውን ኣብ ዓዲተከሌዛን ዚነበረ፡ ብሜሎትን ዲሮሶን ዚብሃሉ ኢጣልያውያን ዚውነን መዐደኒ ወርቂ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣዕነዉዎ። እቲ መጥቃዕቲ ብዙሕ'ዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ጃንሆይ፡ ንኤርትራውያን ሓረስቶት ብገንዛብ ብምዕሳብን ተጋሩ ብብዝሒ ብምውፋርን ሽፍትነት ኣብ ኤርትራ ብልዑል ከም ዘስፋሕፍሕ ይገብሩ ነበሩ። ንኣብነት ኣብቲ እዋን ኮሎኔል ራይት ዚተባህለ እንግሊዛዊ ኮምሽነር ፖሊስ ኤርትራ ነበር፡ 'ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤርትራዊ ምምሕዳር ምትእምማን መታን ከጥፍእ'ሞ ንቕጽበታዊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ መገዲ ኪጸርግ ምእንቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሽፍትነት ንኸስፋሕፍሕ ትጽዕር ኣላ!' ኪብል ከሲሱ ከም ዚነበረ ይፍለጥ። እዚ ኪብሃል ከሎ ግን ኩሎም ናይቲ ሽዑ ሸፋቱ ብኢትዮጵያ ጥራይ ይሕገዙ ነሮም ንምባል ኣየድፍርን'ዩ። ንኣብነት ከም ብዓል ሓመድ ኢድሪስ ዓዋተ ዚኣመሰሉ ሸፋቱ፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ'ዮም ናብ ሽፍትነት ኣትዮም።

ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ንኢትዮጵያ ከም መዕቆቢ ሽፍትነቱ ይጥቀመላ ከም ዚነበረን 27 ዚኾኑ ኢትዮጵያውያን ሰዓብቲ ከም ዚነበሩዎን እውን ናይ 1948 ዓ.ም. ሰነዳት ብሪጣንያ የረጋግጽ። ንኣብነት፥ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ብዕለታት 22 ሰነ 1948 ዓ.ም. ምስ 16 ኢትዮጵያውያን፡ ሸውዓተ ናራን ሓሙሽተ በኒዓምርን ሰዓብቱ ኮይኑ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኦምሓጀር ብምእታው፡ ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ፡ ሰለስተ ኣንስቲ ከም ዚጨወየ ዘዘንቱ ጸብጻብውን ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ፡ ኣብ ዕለት 26 ሰነ 1948 ዓ.ም. እውን ጭፍራ ዓዋተ፡ ታኒና ንእትብሃል ዓዲ ኩናማ ብምጥቃዕ፡ ኣርባዕተ ደቂ ዓዲ ከም ዚቐተለን 39 ኣጓዱ ከም ዘቃጸለን ከምኡውን 70 ከብቲ ከም ዚዘመተን ይፍለጥ።

ገብሪሀት፡ ትርፈን ገረዝጊሄርን ዚትባህሉ ተጋሩ ምስ ብዓል ሓጐስ ተምነዎን ወልደስላሴ ኣዳልን ኣስረሰሀይን ከምኡውን ኣርባዕተ ደቂ ሞሳዝጊ ዚተባህሉ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ዚመደበሮም ኤርትራውያን ሸፋቱውን ንህዝቢ ኤርትራ ኣመና ኣሸጊሮሞ ከም ዚበሩ ከይተጠቕሰ ኪሕለፍ ኣይከኣልን።

ኣብቲ እዋን ዚነበረ ምምሕዳር እንግሊዝ ከምዚ ሕጂ ጉጅለ ህግደፍ ዚገብሮ ዘሎ፡ ኣብ ሓደ ዓዲ ንሽፍታ ዘዕቈበን ዚዓንገለን ወይ ዚሓገዘን ሰብ ምስ ዚርከብ፡ እቲ ክሳራ እቲ ዓዲ ከም ሞልታ ኪኸፍሎ ብምግባር ንኺቘጻጸሮ ይፍትን ነይሩ'ዩ። እዚ ውሳነ'ዚ ግን እንግሊዝ መንግስቲ ስለ ዚነበረ፡ ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣቕሪቡ ከም ዚጸድቕ ብምግባር'ዩ ኣብ ስራሕ ኣውዒሉዎ። ኣብ ህግደፍ ግን ሓደ ብዓል ስልጣን'ዩ ኣብ ደስ ዚበሎ ግዜን ኩነታትን ዚውስኖ! ስለዚ፡ እዚ ኹሉ ኣጠቓሊልካ ክርአ ከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጥንቱ ጥቅምቱ ጀሚሩ ዕብየትን ብልጽግናን ጥራይ ዘይኮነስ ሰላምን እፎይታን ዘይረኸበሉ ምኽንያት ባዕሉ ዋና ሃገሩ ስለ ዘይኮነ ጥራይ እዩ!

ገለ የዋሃት ሕጂ ድሕሪ ናጽነት ደኣ'ሞ ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ወኒኑ እንድዩ ንምንታይ ኣስተርሕዩ ብሰላም ዘይነበረ ዚብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣይኮነንዶ ሃገሩ ኪውንንስ ነታ ቅድሚ ናጽነት ዚውንና ዚነበረ ነብሱውን ኪውንና ኣይከኣለን! ንሳውን ሎሚ ብኢሳያስ እያ ትውነን! ኢሳያስ ተላኣኻ ትለኣኽ! ኢሳያስ ተሰጎጓ ትስደድ! ብኡ ኣቢሉ ከኣ ከተማ ይውሕጣ (ብዝወጸቶ ትተረፍ)፡ ኢሳያስ ተኣሰራ ትምቋሕ! ኢሳያስ ዜግነት እንተኸልኣ፡ መንነታ ትሕደግ! ኢሳያስ ኣብቲ መዳሕንታ ዚተቐብሮ ምቕባር እንተከልከላውን ሬሳኣ ኣብ ግዳም ይቕበር! ድሕሪ ናጽነት፡ ኤርትራዊ ቆርበት ተኸዲኑ (ተዋሪዱ) ይነብር ኣሎ! ኣይፋሉን ከምኡ ኣይኮነን ዚብል ሚዛን ዚኾነ ሰብ (መስተውዓሊ) እንተሎ ከኣ ሃየ እቲ ንኣና ዘይረኣየና ዘሎ ነገር ይንገር?

ኣብ መበል 17 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 31/03/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-