ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 38 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

17/12/2019 16:30 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 38 ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

መበል 38 ክፋል፥

ቤት ማእሰርቲ “ሓለዋ ሰውራ” (ገሃነም ምሁራትን ጀጋኑን ኤርትራውያን!)

ቤት ማእሰርትታት “ሃገራዊ ድሕነት” (መቓብር ኣፍቀርቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝኾኑ ንጹሃን ኤርትራውያን)

ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተቐትሉ ተጋደልቲ ፍርቂ ናይቶም ብጸላኢ ዝተቐትሉ ተጋደልቲ ከም ዝኾነ፡ ብርግጽ ክዝረብ ይከኣል እዩ። እቶም ክሳዕ ለይቲ ሎሚ መስዋእቲ ደቆም ዘይተነግሩ ስድራቤታት ኤርትራ ከኣ ደቆም ብኢሳያስ ዝተቐትሉ ምዃኖም ክፈልጡ ይግባእ። “ሓለዋ ሰውራ” እትብሃል ገሃነም ኢሳያስ ኣሕቂቓቶ ዘላ ኤርትራዊ ዜጋ ቊጽሪ የብሉን! ብዛዕባ ቤት ማእሰርቲ ሓለዋ ሰውራ ካብ ባሕሪ ብልጭልፋ እምበኣር ገለ ክንብለኩም፥

ብቕድሚኡ ግን ነቶም ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ናይ ምልኪ ዓመታት፡ “ታሪኽ ሰውራ ኤርትራን ተጋዳላይን” እናበሉ ነተን 10% ጽቡቕ ናይቲ ገድሊ ጥራይ፡ ከም ጸሎት እናደጋገሙ ክጽሕፉን ክምድሩን ዝነበብናዮምን ዝሰማዕናዮምን ሰባት፡ ታሪኽ ዝብሃል ጽቡቕን ሕማቕን፡ ሓጐስን ሓዘንን ወዘተ. እምበር ጽቡቕን ብስራትን ጥራይ ከምዘይኮነ ክንሕብሮም ንፈቱ። ኣብ መጻኢ መደባቶም ከምቲ እወታዊ ጎድንታት ሰውራ ዝደጋግሙልና ዘለዉ፡ ካብቲ ኣሉታዊ ጎድንታት ሰውራ ኤርትራ እውን ወስ ንኽብሉናን ክንመሃርን ትጽቢትና ምዃኑ ከነዘኻኽሮም ንደሊ።

ብዝኾነ ይኹን መለክዒ፡ ንዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ዘየጣራጥርን መወዳድርቲ ዘይብሉን ሓቂ ኣሎ። ንሱ ከኣ ጥፍኣትን ውርደትን ኤርትራውያን ኣብ ዘበነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ! እዚ ከኣ ብብዝሕን ብዓቐንን ልዕሊ ኹሎም እቶም ብቕድሚኡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገዝኡ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ከም ዝኾነ’ዩ ዝፍለጥ።

ቆላ ተምቤናዊ፡ ኢትዮጵያዊ ኤርትራዊ ልጅ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ወዲ ኣብርሃ፡ ወዲ ራኣሲ ሓጐስ፡ ወዲ እንግዳ፡ ኣብ 1966 ዓ.ም. ነታ ዓረባዊት እተባህለት ውድብ ጀብሃ ንምብታን ተባሂሉ፡ ብሃጸይ ሃይለስላሴን ብሓወቦኡ ደጃዝማች ሰሎሞን ኣብርሃን ተላኢኹ ናብ ሜዳ ኤርትራ ካብ ዚኣቱ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ፡ ኣጥፊኡዎም ዘሎ ደቀባት ኤርትራውያን ኣደኦም ትቚጸሮም! ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ ክንዲ ፍረ ኣድሪውን ትኹን ዝጠራጠር ሰብ እንተሎ ቊሩብ ግዜን ዓቕልን ክገብር ጥራይ ኢና ንምሕጸኖ። ምኽንያቱ፡ ንኹሉ ምስጢር፡ ግዜ ክቐልዖ ስለ ዝኾነ።

ቤት ማእሰርቲ ሓለዋ ሰውራ፡ ኣብ 1973 ዓ.ም. እዩ ነቶም ሻቡ ኣብቲ ውድብ ደሞክራስያዊ ኣጋባብ ንኽተኣታቶ ጠለብ ዘቕረቡ ተጋደልቲ፡ ማለት ኣባላት “ጉጅለ መንካዕ” ንምሕቃቕ ተባሂሉ፡ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ተመስሪቱ። ሻቡ በቲ ልብኻ ዘጎምጁ ስሙ ተደናጊሮም፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ንሰውራ ንምሕላው ተባሂሉ ዝተመስረተ ዝመሰሎም ተጋደልትን ሓለፍትን ከም ዝነበሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ቤት ማሕቡስ ሓለዋ ሰውራ፡ ዕላማኡ ሰውራ ንምሕላው ዘይኮነስ ንዝኾነ ካብ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፍልይ ዝበለ ርእይቶን ሓሳባትን ዘሎዎ ሰብ ወይውን ንስልጣን ኢሳያስ ዘቋምትን ንኢሳያስ ዘይምእዘዝን ኤርትራዊ ዜጋ ንምሕቃቕ ዝተመስረተ ገሃነማዊ ቤት ማእሰርቲ’ዩ ነይሩ!

ቤት ማእሰርቲ ሓለዋ ሰውራ፡ ኣርባዕተ ዝተፈላለየ ደረጃታትየን ነይረንኦ። ንሳተን ከኣ፥

1ይ. ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝእሰር ሰብ፡ ገበኑ ከይተነግሮን በደሉ ከይፈለጠን “ንሞት ተፈሪድካ ኣለኻ” ተባሂሉ ብዓመጽ ዝርሸንዩ! ሓደ ሓደ ግዜ ነዚ ሕጋዊ ንምምሳል፡ ልጅ ኢሳይስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ፡ ብሓንቲ ባዕሉ ብዚመረጾም ሰባት ዝቘመት፡ “ወተሃደራዊ ባይቶ” እትጽዋዕ ጉጅለ ኣቢሉ፡ ነቶም ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት “ፍርድኹም ሞት’ዩ” ብምባል ይነግሮም ምንባሩ ይፍለጥ። እዛ ንሞት እትፈርድ “ወተሃደራዊ ባይቶ” እትጽዋዕ ጉጅለ፡ ቀዋሚት ጉጅለ ኣይኮነትን ነይራ፤ ናይ ቅትለት ድራማ ምስራሕ ከድሊ ከሎ’ዩ ልጅ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ፡ ንኣባላታ ከካብ ዘለዉዎ ኣሃዱ ጸዊዑ፡ ዚእክቦም ነይሩ። እዚ ኣጋባብ ኣጠፋፍኣ ሰባት’ዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ደረጃ ዝጽዋዕ’ዩ።

2ይ. እቲ ካልኣይ ደረጃ ኣቀታትላ ሰባት ድማ ብዋርድያታት’ዩ ዝፍጸም ነይሩ። ዋርድያታት ሓለዋ ሰውራ መሃይማን ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነ ኣዛዊሮም ዘይሓስቡ ሃዚላትን (ዓያሹን) ጨካናትን ሰባት መሪጽካውን እዮም ዝምደቡ ነይሮም። እዞም ሓለውትን መርመርትን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ሓደ ሰብ ብበትሪ ደሲቕካ ዓቕሉ ምስ ኣጽበብካሉ ጥራይ እዩ ዝለፋለፍ ዝብል ጽኑዕ እምነት ስለ ዝነበሮም፡ ንእሱር ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ከም ብማሳ ንደንጎላ ኣብ ባህ ዝበሎም ክፍሊ ኣካላቱ ብበትሪ’ዮም ይቕጥቅጡዎ ነይሮም!

ብተወሳኺ ኣብ መንጎኦም፡ ‘እከለ ንእከለ ቀልጢፉ ኣላፋሊፉዎ’ ዝብል ናይ ውድድር መንፈስ ስለ ዝነበሮም፡ ገለ ሰባት ነዚ ብልጫ’ዚ ንምርካብ ክብሉ፡ ንእሱራቶም ኣብ ተነቃፊ ቦታ እናሃረሙ ቀልጢፎም ህይወቶም የሕልፉዎም ከም ዝነበሩን፡ ብድሕሪ ሞቶምውን “ክላ ንሱ ደኣ ዘይነበሮ! ኪጻወር ዘይክእል ሙሽሙሽ’ዩ እንድዩ፥ ሓንሳብ ምስ ሃረምኩዎ እንድዩ ተኻርጁ!” ብምባል ድኽመት እሱራት የዘንቱዉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።

3ይ. እታ ሳልሰይቲ መቕዘፊት ህይወት ተጋደላይ ከኣ ዝኾነ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሓለዋ ሰውራ ዝወጸ ተጋዳላይ፡ ብቐጥታ ናብ ቅድመ ግንባር ኣሰሊፍካ እንተ ብጸላኢ፡ እንተ ብልኡኻት ኣብ ኲናት ከም ዝስዋእ ምግባር’ያ ነይራ። እዚ ብኸምዚ ንሞት ዝፍረድ ሰብ፡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ኣትዩ ንዝተወሰነ ግዜ፡ ኣብቲ ገሃነም ምስ ተሳቐየ፡ ልጅ ኢሳያስ ኣብ ባህ ዝበሎ እዋን “ይኣኽሎ ልቐቑዎ” ምስ በለ ዚወጽእ ተጋዳላይ እዩ ነይሩ።

እዚ ብኸምዚ ዓይነት ዝተሳቐየ ተጋዳላ’ዚ ወላ ምስ ወጸውን በደሉ ስለ ዘይንገሮ፡ ወትሩ ኣብ ጭንቀትን ስቅያትን’ዩ ዝነብር! ገለ ገለ ግሩሃት ግን “ምኽንያት መእሰሪና ከይፈለጥና ካብዚ ቤት ማእሰርቲ ኣይንወጽእን ኢና” ብምባል ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጻእ ይኣብዩ ነይሮም’ዮም። እንተኾነ ዝወሃቦም ዝነበረ ግብረ መልሲ ግን “ሕራይ ጽቡቕ፣ በል ኪትወጽእ ምስ ደለኻ ሓብረና” ተባሂሎም ብዘይሕቶ ኣብታ ናይ ስቅያት ቦታ ከም ዝቕጽሉ’ዩ ዝግበር ነይሩ። ክሳዕ ሕራይ መእሰሪና ምኽንያት ኣይንሓትትን ኢና ዝብሉ ድማ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክሳቐዩ ይጸንሑ ከም ዝነበሩ ይንገር።

4ይ. እታ ራብዐይቲ መቕዘፊት ህይወት ተጋደላይ ድማ፥ ንስቅያትን መግረፍትን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ምጽዋሩ ስኢኖም፡ ሓንጎሎም ስሒቶም ዝተጸለሉ ተጋደልቲ እያ። እዞም ሰባት ኣዚኣቶም መብዛሕትኦም ምስ ተፈትሑ ባዕላቶም ነብሶም ከሕልፉ ከለዉ፣ ገለ ድማ ክሳዕ ግዜ ናጽነት ጸኒሖም፡ ድሕሪ ናጽነት ንስድራኦም ዝተረከቡ ኣለዉዎም። ገለውን ኣብ ሰንበል ክሳዕ ሎሚ ተደርብዮም ኣለዉ። ስድራቤቶም ይኹኑ ህዝቢ ግን ብሰንኪ ኲናት ወይውን መውጋእቲ ኣእምሮኦም ዝሰሓቱ’ዩ ዝመስሎም። ዳርጋ ኩላቶም ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘሎዎም ተጋደልቲ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓለዋ ሰውራ’ዩ ኣጋጢሙዎም።

እዞም በዘን ኣቐዲመን ዝተገልጻ ኣርባዕተ ኣጋባባት ማእሰርቲ ዝሓለፉ ተጋደልቲ፡ ነዚ ኹሉ ሰጊሮም ብዕድል እንተወጺኦም ድማ ገለ ሃዲሞም ናብ ወጻኢ ሃገራት ይኹን ናብ ጸላኢ “ወዶ ገባ” ኮይኖም ብምእታው ካብቲ ውድብ ይገላገሉ ነይሮም። ገለ ድማ ኣብ ግንባራት ብፍላጥ ኮነ ኢሎም ጅግንነት ሰሪሖም ብምስዋእቲ ይሓልፉን ካብቲ ዝነበሮም ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ይገላገሉን ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። እዚ ኹሉ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓለዋ ሰውራ ዝኣተወ ቅዩድ፡ ኣዋርሕ ይግበር ዓመታት ብዘየገድስ፡ ነብሱን ክዳውንቱን ማይ ክሕጸብ ይፍቀደሉ ኣይነበረን!

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓለዋ ሰውራ፡ ብዘይፍቓድን ኣፍልጦን ልጅ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ፡ ዝተኣስረ ዝተፈትሐ ተጋዳላይ ዳርጋ ኣይነበረን። ሎሚውን ድሕሪ ናጽነት፡ ቤት ማእሰርቲ ሓለዋ ሰውራ፡ ስሙ ብምቕያር ኣጋባብ ግፍዕታቱ ግን ከም ዘለዎ፡ ብስም “ሃገራዊ ድሕነት” ንዜጋታት ኤርትራ ዘሕቅቕ ገሃነም ምድሪ ተፈጢሩ፡ ስልጣን ልጅ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ፡ ኣብ ምንዋሕ ዓቢ ተራ ይጻወት ምህላዉ’ዩ።

እታ “ንስኻ ኣብ ስልጣን ክሳዕ ዘለኻ ህዝቢ ኤርትራ ክደሚ ክነብር’ዩ!” እትብል ቃል’ቲ ንእንታይነት ልጅ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ፡ ብግቡእ ዘስተውዓለን ዚፈለጠን ስውእ ሓለዋ ሰውራ፡ ሓርበኛ ወልደሚካኤል ሃይለ፡ ሓቅን ክውንን ቃል ስለ ዝሓዘት ንዘንትዕለት ተዘኪራ ከም ትነብር ኮይና ኣላ።

ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 1973 ዓ.ም. ኣብ ፋሕ ዚተባህለ ቦታ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህ.ሓ.ሓ.ኤ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ፡ ኣብቲ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ሃይለ ወልደትንሳኤን ዝመርሑዎ ዝነበሩ መድረኽ ብምእታው፡ እሱራት ሓለዋ ሰውራ፡ ተጋዳላይ ኣፈወርቂ ተኽሉ፡ ተጋዳላይ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ተጋዳላይ ዮውሃንስ ስብሃቱን ተጋዳላይ ታረቀ ይሕደጎን ንሞት ከም ዝተፈርዱ ንጉባኤኛታት ከም ዚሓበረ መሰኻኽር ይሕብሩ።

ኣብ መበል 39 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ “ን40 ዓመታት ዝተቐብረ ጉድ” ደራሲ ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎን ካልእ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን።

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ንጉጅለ ህግደፍ ተመለኽቲ’ምበር ደገፍቲ የብሉን!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 14/12/2019


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡   18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡  33 ክፋል (04/12/2018)፡  34 ክፋል (27/01/2019)፡  35 ክፋል (10/03/2019)፡  36 ክፋል (16/04/2019)፡   37 ክፋል (28/05/2019)፡   38 ክፋል (17/12/2019)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ:


Share with friends: