ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 39 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

01/02/2020 13:20 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 39 ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

መበል 39 ክፋል፥

ኣብ ወርሒ ሕዳር 1948 ዓ.ም. ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣኽሊሉ ሃብተወልድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ሚኒስተር ጆርጅ ሲ.ማርሻል ተራኸበ’ሞ፡ እንተደኣ ኣመሪካ ንምምላስ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ደጊፋ እቲ ድሮ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ራዲዮ ማሪና ተኺላቶ ዘላ መደበር ራድዮ ከም ቀደሙ ንኽቕጽል ከም ትፈቕደላ ቃል ኣተወሉ። ጆርጅ ሲ.ማርሻል እውን ብወገኑ መደበር ራድዮ ማሪና ከም ዘለዎ ንኽቕጽል ከምኡውን መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራን ወደብ ባጽዕን ንወተሃደራዊ ሓይልታት ኣመሪካ ብናጻ ከገልግል፡ ኢትዮጵያ ትፈቅድ እንተኾይና፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ምሉእ ደገፋ ከም ትህባ ኣፍለጦ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብውሽጥን ብግዳምን ንኤርትራ ንምልሓቕ፡ ብምሉእ ዓቕሙ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓደ መልኣከ ኣባ ንፍታሌም ዚተባህሉ፡ ናይቲ እዋን ብዓል ስልጣን ቤተ ክህነት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ነዚ ዝስዕብ መደረ ኣስምዑ፥

“እቶም ካብ ኢትዮጵያ ንፈለ ዝብሉ ሰባት ምስ እግዚኣብሄር ዝፈታተኑ’ዮም ዝመስሉ። ንእስራኤላውያን ኣሕዋትና ዝበጽሖም መከራ ከይበጽሓና ንጠንቀቕ! ንበይንና ኴንና ክንነግስሲ ሕራይ ዊን በለና፤ እተን ትሕዝቶና ግን ኣርባዕተ ክሻ እየን። ንሳተን ከኣ፥ ሓንቲ ክሻ ስገም፡ ሓንቲ ክሻ ዕፉን፡ ሓንቲ ክሻ ዓተር፡ ሓንቲ ክሻ ከኣ መሸላ እየን። እዚኣተን ንቐለብናድየን ክኾና ወይስ ንመንገሲና? ምስ ሕቡራት መንግስታትከ በዚኣተንሲ ማሕበር ክንኣቱ ንኽእልዶ!?

ስለዚ፡ እዚ ንፋላለ ዝብል ሓሳብ ከንቱ ሓሳብ’ዩ። ግዳ ኣብታ ደንጎላ ወርቂ ዝእረየላ፡ ምህርቲ ወርቂ ዝሕፈሰላ፡ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ዓለም ከኣ ብኽብሪ እትልዓል ዓባይ ኢትዮጵያ፡ በዛ ሓዳስ ዘመን፡ ግዜ ብከንቱ ከየሕለፍና ኣብኣ ኣቲና ስራሕ ምስራሕ ይሕይሸና። ዓለም ኩሉ ንሃገሩን ንመንግስቱን’ዩ ዝጽዕር ዘሎ።” ብምባል፡ ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዘሎዎም ድሌትን ባህግን ንትሕዝቶ ኤርትራ ብምንእኣስ ገለጹ።

ብ15 ሰነ 1947 ዓ.ም. እውን ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንኢትዮጵያ ዘሎዎም ፍቕሪ ገለጹ፥ “ህዝቢ መረብ-ምላሽ እምበኣርከስ ኣይትዘንግዕ። እውነተኛ ፍቕሪ ሃገር ሃይማኖት’ዩ! ‘ብሓቂ ንሃገርና እነፍቅርሲ ንሕና ኢና። ‘ሃገረይ ስለ ዚበልካ ለቕላቂ ኢኻ!’ እንተ በሉኻ እግዚኣብሄር ይምሓርኩም በሎም። ‘ውዕል መዓስ ከም ዘድሊ፡ ምፍላይ ሃገርካ መዓስ ከም ዘድሊ፡ ወዘተ. ንሕና ኢና ንፈልጦ’ እንተበሉኻ፡ ድንብርጽ ኣይበልካ። ደጊምካ ጥራይ እግዚኣብሄር ይምሓርኩም በሎም።

ተነበይቲ ተመሲሎም ‘ሎሚ ንሃገርና ኣብ ኢድ ጓና ትጽናሕ እንብላ ዘለና ምእንቲ ክትጥቀም ኢልና ኢና። ከማና ተራቂቕካ ኣስተውዕል፡ ግቡዝ ኣይትኹን’ እንተበሉኻ፡ ኢትዮጵያውነትካ ከይረሳዕካ ቀጥ በል! ከም ቀደምካ ድማ እግዚኣብሄር ይምሓርኩም በሎም። ንሰይጣን ድያብሎስ ኣቦ ሓሶትን እከይን እንጸልኦ እኮ ንሱ ፍረ ሓሶት፡ ፍረ ግብረ እከይን ትምኒት እከይን ስለ ዚምነ’ዩ። ነዚ እከይ ሓሳብን ትምኒትን ከኣ ብኹሉ ሓይልና ክንጸልኦ’ዩ ዝግባእ" ብምባል ምእንቲ ኢትዮጵያ ሰበኹ።

ድሕሪ’ዚ ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ናብ ኣመሪካ ብምኻድ፡ ብዕለት 26/4/1949 ዓ.ም. ናብ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቦም፡ "ንሕና ኤርትራውያን ብታሪኽ፡ ብሃይማኖት፡ ከምኡውን ብጆግራፊያዊ ኣቀማምጣ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈልየና የለን! በዚ ምኽንያት ከኣ ዝበዝሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ እዩ ዝደሊ" ብምባል ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓደ ምዃንና ገለጹ።

ብድሕሪ ደጃዝማች ተድላ ባይሩ መደረኦም ዘቕረቡ ከኣ ወካሊ ሰልፊ “ሓዳስ ኤርትራ-ሻራ ኢጣልያ” ዚነበሩ ብላታ መሓመድ ዓብደላ እዮም። ንሶም ድሕሪ ውሱን ናይ ኢጣልያ መጒዚትነት ማሕበሮም ምሉእ ናጽነት ከም ዚጠልብ ኣረድኡ። "ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያን ቅርሕንቲ ስለ ዘሎ ከኣ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ቅቡል ኣይኮነን" እውን በሉ።

ማሕበሮም ደገፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘሎዎ ምስ ገለጹ ከኣ ካብ ኣባላት ው.ሕ.ሃ ኣዋጣሪ ሕቶ ቀረበሎም እሞ ነቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድንና’ዩ ዝብል መግለጺኦም ብምዕጻፍ፡ ደገፍቲ ሰልፎም ብኣዛዊ ቊጽሪ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 1.250.000 ናብ 400.000 ኣውረዱዎ። ‘ማሕበርኩምከ ሕጂ ኤርትራ ናጽነታ ክትውሃብ ይድግፍድዩ?’ ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ እውን "ኤርትራ ንምሉእ ናጽነት ድልውቲ ኣይኮነትን" ብምባል ቀጥታዊ ናጽነት ከምዘየድልዮም ገለጹ።

ድሕሪ’ዚ ምጉት’ዚ ኣብቲ ጉባአ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሎም ተሳቲፎም ዚነበሩ ኤርትራዊ ብላታ ኤፍሬም ተወልደምህን፡ ከምዚ ዝስዕብ ኪብሉ ንመደረ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ብላታ መሓመድ ዓብደላን ኣባጨውሉ፥ "ጠቕላላ ቊጽሪ ህዝቢ ኤርትራ 1.250.000 እንተ ኾይኑሲ ብመሰረት መግለጺ ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ኣስላም ኤርትራ 75% ዝውክሉ እንተኾይኖም ደኣ እቲ ዓብላሊ ቊጽሪ ዘሎዎ ህዝብታት ኣውራጃ ኣከለጉዛይ፡ ሰራየ፡ ሓማሴን፡ ምጽዋዕን ምዕራባዊ ቆላን ክንደይ እዩ ቊጽሩ ማለት’ዩ?" ኪብሉ ሓተቱ።

ድሕሪ’ዚ ርእይቶ ወከልቲ ሃገራት ዓለም ቀጸለ’ሞ ወኪል ፈረንሳ ከምዚ በለ፥ "ወከልቲ ኤርትራ ኣብ ሓድሕዱ ዝጋራጮ ሓበሬታታትን መግለጽታትን ስለ ዝሃቡ፡ ዝያዳ፡ ንጹርን ርጡብን ብዛዕባ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንምርካብ ተወሳኺ ግዜ ከድሊ’ዩ" በለ። ወኪል ህንዲ እውን፡ "ድሌት ህዝቢ ብግቡእ ንምፍላጥ፡ ኣብ ኤርትራ ረፈረንደም ክካየድ ኣለዎ" በለ። ወከልቲ ፓኪስታንን ጓቲማላን ከኣ "ኤርትራ ናጽነታ ክትወሃብ ኣለዋ" በላ፤ ንናጽነት ክሳዕ ትዳሎውን ብመጒዚትነት ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ክትጸንሕ ጠለባ። በርማ፡ ኖርወይን ደቡብ ኣፍሪቃን ከኣ "ኤርትራ ብቑጠባ ነብሳ ስለ ዘይትኽእል ናጽነት ኣይግብኣን’ዩ!" በላ። እዚ ጠለባትን ብይንን’ዚ ድማ ንዕለት 08/06/1950 ዓ.ም. ብይን ንኽወሃቦ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕ.ሃ. ቀረበ።

ዘይምስናይ ናይዞም ልዕሊ ኩሉ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንሓድሕዶም ብትውልድን ሓረግን ዝቃረቡ፡ ኣብ ሰልሰቲአን ኣውራጃታት ኤርትራ፡ ማለት ኣብ ሰራየ፡ ሓማሴንን ኣከለጉዛይን ዝነበሩ፡ ሓደ ቋንቋ ዝዛረቡ ህዝብታት፡ ንኤርትራ ሃገርና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ግዳይ መግዛእትን ሕሰሙን ከም ዝገበራን ሎሚ ድሕሪ ናጽነትውን ከይተረፈ ግዳይ ሕሱም ምልክን ዘለማኡን ይገብራ ከም ዘሎን ህዝቢ ኤርትራ ገና ዝተገንዘቦን ካብ ተመኩሮኡ ዝተመሃረሉን ኣይመስልን።

ኣብ መበል 40 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተክአ በየነ፡ ተስፋይ ተምነዎን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 01/02/2020


Share with friends:


ጉዕዞ ይኣክል ኣብ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ብሓልዮት ባይቶ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ከተማ ሎንዶን።

ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡   18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡  33 ክፋል (04/12/2018)፡  34 ክፋል (27/01/2019)፡  35 ክፋል (10/03/2019)፡  36 ክፋል (16/04/2019)፡   37 ክፋል (28/05/2019)፡   38 ክፋል (17/12/2019)፡   39 ክፋል (01/02/2020)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: