መልእኽቲ ንሰራዊት ኤርትራ፡ 01 June 2020

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

03/06/2020 02:54 AM

ዘእዊ ክረድእዎ፡ ዘስምዕ ክሰምዕዎ!
ንሓይልታት ምክልኻልን፡ ጸጥታን ፖሊስን ኤርትራ፡

An open call to Eritrean Defence Forces and Security and Police of Eritrea.

ተ/ጋ የውሃንስ ሃብተስላስ ኣድሓኖም ምስ ሓርበኛታት ብጾቱ።
By Veteran Yohannes Habteselassie and his comrades.
01 June 2020.

መልእኽቲ ንሰራዊት ኤርትራ፡ 02 June 2020

መልእኽቲ ንሰራዊት ኤርትራ፡ 01 June 2020። ብ`ተጋ የውሃንስ ሃብተስላስ ኣድሓኖም ምስ ሓርበኛታት ብጾቱ።
An open call to Eritrean Defence Forces and Security and Police of Eritrea, By Veteran Yohannes Habteselassie and his comrades.

ዘእዊ ክረድእዎ ፡ ዘስምዕ ክሰምዕዎ!
ንሓይልታት ምክልኻልን፡ ጸጥታን ፖሊስን ኤርትራ፡

ንህዝብኻ፡ ሃገርካን ነብስኻን ንምድሓን፡ ካብ ዘይምልከተካ ክጋፋሕ ዝኽእል ውሽጣዊ ግርጭታት ጎረቤትና ኢትዮጵያ፡ ኢድካ፡ ምእካብ!

እታ መላእ ህዝብና ብተራእዩ ዘይፈልጥ ሓጎስ ነጻነቱ ዘረጋገጸላ ዕለት፡ 29 ዓመታት ኣቚጺራ። እዛ ብጽዕቲ መዓልቲ ከኣ፡ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፡ እዚ ጽንታ ህዝብና ዝዕላማኡ፡ ኣብ ስልጣን ብዘይድልየት ህዝቢ ተኾይጡ ዘሎ፡ ሃሱስ ፡ ብኣካል ዘይወዓለላን እከይ ጽላሎቱ ዘየምበረላን መዓልቲ ብምዃና ኸኣ፡ ዝያዳ ክብርቲ ዕለት ይገብራ።

ኩቡራት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ፡ ጸጥታን ፖሊስን ኤርትራ፡

ኣብ ጽባሕ እቲ ብመስዋእቲ ተጋደልትን ህዝብን ዝመጸ ነጻነት፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ፖሊትካ ዘካተተ፡ ልዕልና ህዝቢን ሕግን ዘረጋግጽ፡ ነቕ ዘይብል፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝሰረቱ፡ ብሓጺሩ`ስ፡ ሓርነት ኩሉ ዜጋ ዝሕሉ ፡ መሰልኩም ኣብ ጽኑዕ ዘንብርን፡ ደሞክራስያዊ ሰርዓተ-ምምሕዳር ምቛም እዩ ዝነበረ፡ መትከላትና።

መሰልኩምን ክብርኹምን ዝሕሉ፡ ብቕዓትኩምን ክእለትኩም ዘብልሕ፡ ጥዕናኹም ዝሕሉ፡ ስድራቤትኩም እትናብዩሉ መንገዲ ዘጣጥሕ፡ ግቡእኩምን ኣገልግለትኩምን ከኣ ንህዝብን ሕግን ምዃኑ ዘረጋግጽ፡ ብህዝቢ ተመሪጹ ዘመሓድረኩምዶ`ስ? ብኣንጻሩ፡ እቲ ኣብ ሓድሕድኩም ንኸይትተኣማመኑን ከይትፋቐሩን፡ ሰለይቲ ኣብ መንጎኹም ጸፍዩ፡ ክምትነዓዓቑን ከምትጓድኡን ትረሓሓቑን ዝገብር፡ ጉዳይ ሃገርኩም ከይትፈልጡ፡ ምስጢር`ዩ እናበለ ከም ዘይጉዳይኩም ዓይኑኹም ሸፊኑ ናብ ዝደልዮ መኣዝን ዘሳልየኩም፡ ኣብ መጠረሽታኡ ኸኣ ኣብ ደልሃመት ዝድርብየኩም ዘሎ ስርዓተ-ምልኪ ይሓይሽ? ነየናይ ሰርዓት እዩ መስዋእቲ ተኸፊሉሉ? ንሰርዓት ጃንዳ ኢሳያስ? ኣይፋልን፡ ኣይመትከልናን ፡ ፈጺሙ ኣይኮነን!!

ሓደ ሰብ ወይ ጃንዳ፡ ክምድላዩ ብሃገርን ህዝብን፡ ክዋገን ናብ ጽንታ ክደፍኣናን፡ ሰልጣኑ ከነጣጥሓሉን ኣይነበረን ሕድሪ ሰውራናን፡ ሕድሪ ስውኣትናን። ንገለኹም ፡ ሽሕን ሚእትን ግዜ ሓለፋ ጉቦ፡ ማለት፦ ገዛ፡ መኪና ፡ ሽመት፡ ወዘተ ዝምጥወኩም ፡ ኢሳያስ ካብ ጅብኡ ዘይኮነስ፡ ካብ ሃብቲ ሃገር ምዃኑ ኣይትስሕትዎን ትኾኑ። እዚ፡ እቲ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝትከል ምምሕዳር፡ ብሕጊ ፡ ንኣገልግሎትኩም ብወግዕን ብኣኽብሮትን ብስርዓትን ከረጋግጸልኩም`ዶ ኣይምሓሸን? ኢስያስ እኮ፡ ንረብሓኡ ምስ ተጠቕመልኩም፡ ኣብታ ዝደለያ ደቂቕ ከኣ፡ ክድርብየኩም ይረኣ ኣሎ። ናትኩም ንዓኹም ዝውክለኩም ሕጋዊ መንግስቲ እንተዝነብር እኮ፡ እቲ ብሕጊ ዘንበሮ መሰልኩም፡ ብድልየት ዝኾነ ሓደ ወልቀሰብ ክቑርመም ወይ ክሽርመም ኣየፍቅድን`ዩ። ኣገልግሎትኩም ንህዝብን ንሃገርን ሰለ ዝኾነ፡ ዘይንቕነቕ መሰል ዘለኩም፡ ክቡራት ኣባላት ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ እኮ ኢኹም ! እዚ ኣይትግንዘቡዎን ዲኹም? ረብሓኹምን ረብሓ ሕፋሽ ህዝብን ፡ ዘንተ-ዕለት ሓደ ዘይነጻጸል ኣካል እኮ እዩ። ክሸረራርፍ የብሉን።

ከም ሓደ ዝተወደበ ኣካል ናይ ህዝብና ምዃንኩም መጠን፡ ድሕነትን ክብረትን ህዝብኹምን ሃገርኩምን፡ ናትኩም ሓላፍነት እዩ። ንዝኾነ ዘጋ፡ ሰብኣዊ መሰሉ ክትሕልውሉን ከተኽበርዎን ግቡእኩም እዩ። ህዝቡ ዘየፍቅርን ዘየኽብርን ሰራዊት ፡ ታሪኽ ኣልቦ ኮይኑ ዕንወት እዩ ዕጭኡ። ኣብ ሰራዊት ዘሎ ብጻይኩም ክትሓልዩሉን ክተኽብርዎን፡ ምትሕልላይኩም፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሞንጎ ሓፋሽ ተጋደልቲ ኣብ ሰውራ ዝነበረ ፍቕሪ ብጻይነት ክኸውን ይግባእ። ብጻይካን ህዝብኻን ከየኽበርካን ከይሓለኻሉን፡ ሰብ ኣይትኸውንን ኢኻ። ነብሱ ዘኽብርን ንመሰሉ ዝጣበቕን ሰብ ፡ መሰል ካልኦት የኽብርን ኣብ ክንዲ ካልኦት ከኣ ይሕለቕን። ሰብ ክቡር እዩ፡ ኣኽብሮ፡ ከኽብረካ ኢዩ። ሰብኣውነትኩም ብምኽሓድ፡ ኣንጻር ሕልናኹም፡ ኣብ ልዕሊ ብጾትኩም፡ ዘጋታትኩምን፡ ኣይትጨክኑ። ነቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ሰብ ወይ ህዝቢ ኣስተብህሉ`ሞ፡ ኣነ እተዝኽውን`ከ? ስለምንታይ ይግፋዕ ኣሎ? ከማይ ህያው ዜጋ`ዶ ኣይኮነን? ብምባል፡ ገለኹም ንሕልናኹም ምሕታት ከድልየኩም እዩ። ንሓደ ሓላፊ ከተሐጉሱ፡ ዘይ-ሕጋዊን ዘይ-ሰብኣዊን ተግባር፡ ኣብ ርእሲ ዜጋታትኩም ኣይትፈጽሙ። ብሕልፊ ደቂ ኣንስትዮ ብኽብረት ክትከላኸሉለን፡ ሕድሪ ስዉኣት ኣሎኩም። ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ መሰረት ኤርትራዊ ሕብረተሰብና ምዃና ኩሉ ግዜ ዘክሩ። ኣደ፡ ሓብቲ ፡ ዘመድ ..ኣለዋኹም፡ ንዝኾነት ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ከም ሓብትኹምን ኣደኹምን ገርኩም ሓልውወን፡ ተኸላኸሉለን። ብዝኾነ መንገዲ ከይግፋዓ ጽግዒ ኩንወን። እዚ ንሰራዊት ..ዘልዕለሉ ዘለኹ ፡ በንጻር ሕድሪ ስውኣትና፡ ደቂ ንስትዮ ዘይትጽበዮ ግፍዒ ይወርደን ምህላው ዘለዝፈለጥ እዩ። ህዝብና ዝሰደድ ዘሎ፡ ስለ ዝተገፍዐ ምዃኑ ትፈልጡ ኣሎኩም ። መሳርሒ ናይቲ ገፋዒ ከይትኹኑ። ነቲ ግፍዒ ደው ከተብልዎ ክትውፈዩ፡ ዝመሓልኩምሉ መብጽዓ ኣሎኩም። ስደት ደው ንኽብል፡ ህዝቢ ክብረቱ ክሕሎን፡ መሰረታዊ ዕዮ ገዛኹም እዩ ክኸውን ዝግብኦ። ነቲ ንሃገሩ ክምለስ ሃንቀው ዝብል ሰደትኛ ኤርትራዊ ሰብኩም፡ ክትቅበሉ ፡ ዘየላቡ እዋናዊ ሓላፍነትኩም ኮይኑ ኣሎ። ነቲ ህዝብና ካብ ሃገሩ ከስድዶ ዘገደደ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ጭፍለቓ ናይ መሰሉን መሰልኩምን፡ ብምቕያር፡ ባይታ ናይ ሰላምን ልዕልና ሕጊን ከተንጽፉ ትጥለቡ ኣሎኹም። ንዘለኣለም ዝዝከር ፡ ኣብ ሓወልቲ ሰፊሩ ዝነብር ታሪኽ ፡ ኣብ ምክልኻል መሰል ህዝብኹም፡ ከተበርክቱ እዋኑ እዩ።

እቲ ዘንተ-ዕለት ክዝከርን ክኽበርን ዘለዎ ፡ እሞ ከም ባህልና ኣብ ደምና ሰፊሩ ፡ ኣሎ ኢልና ገና እንኣምነሉን፡ ንሃገርካን ህዝብኻን ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ወሽጢ ይኹን ናይ ግዳም ጸላኢ፡ ክሳብ ብሂወትካ ምክልኻል እዩ። እዚ ባህሊ`ዚ ታሪኽ ሓፋሽ ተጋዳልይን ህዝብን ዝሰረቶ፡ መለለዪ ባህርይ ኤርትራዊ ምዃኑ ትፍልጡ ኢኹም። ታሪኽ ሓፋሽ ህዝብናን ተጋደልትናን ፡ ኣብ ሃገርና ብሃሱስ ትርመሰሉ ዘላ እዋን ፡ ብግቡእ ክድብተር ኣይተኻእለን። እንተኾነ፡ ታሪኽ ሓፋሽ፡ ኣብታ ነጻ ፕረስ ዝህልዋ ኤርትራ፡ ብዓቢ ድምቀትን ብዘይ ገለ ሕብእብእን ክድብተር ኢዩ።

እኹል ታሪኽ ጅግንነት ስዉኣትናን፡ ከምኡ`ውን ትማል ትማል፡ ኣብቲ ኢሳያስ ከይሓነኽ፡ “ዘየድሊ ዝነበረ ናይ ዶብ ኩናት ዝበሎ፡ ቀዋሚ ኩናት፡ ጀግንነትኩም ዘመስከርኩምሉ ታሪኽ ፡ ባዕልኩም ትፈልጥዎ ኢኹም። ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ከኣ፡ ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ናይ ዶብ ኩናት፡ ደጊፉኩም እዩ። እቲ ዶባዊ ኲናት፡ ብህዝብና ዝውከል ፓርላማ ዘይተኣወጀ ፡ ንረብሓ ስልጣን ኢስያስ ንምንዋሕ ዝተኣትወ ኩናት ምንባሩ ግን፡ ሕጂ፡ ኩሉ ኤርትራዊ በሪህሉ እዩ።

ናይ ሓንሽ ደሴታት ኩናት ፡ ናይ ባድመ ኩናት፡ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ተመርኩሱ እዩ ተፈቲሑ እምበር፡ ብውጺኢት ኩናት ኣይኮነን። ሕጀ`ውን ፈትዮም ኣይፈተውን፡ ባድመ ፡ መሬትና ስለዝኾነን ብሕጊ ስለዝተበየነን ከም ዝምለሰና፡ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን። ብዕለት 30 ታሕሳስ 2007 (30 November 2007) ፡ እታ ናይ ዶብ ኮሚሽን፡ ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ናይ ማእክላይን ምዕራብን ዶባት፡ ኢትዮጵያ ምስ ሓንገደት ፡ ብስእለ-ምስረሓ (image processing) ዝብልዎ ኣገባብ፡ ነቲ ዶብ ሓንጺጾም፡ ወዲኦሞ ኦዮም። ስለዝኾነ፡ ጥዕና ዘለወንን ሓልዮት ህዝበን ዝዓዝዘንን፡ ንህዝበን ዝውክላን ምምሕዳራት (መንግስታት) ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ምስ ተተኽላ፡ እዚ ዘየባእስ ውዱእ ጉዳይ እዩ። ውግእ ዝጠልብ ኩነታት፡ ፈጺሙ የለን፣ብዘይካ ባህጊ ፡ ዕንወትን፡ ምትሕልላኽ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍረቃን ዝዕላማኡ ፡ጉልሒንጣ ኢሳያስ።

ብኽብረትኩም ሓይልታት ምክልኻልን፡ ጸጥታን ፖሊስን ኤርትራ፡ ብምስትውዓል ብልቦናን ሰምዑ፡

"ዘእዊ ክረድእዎ ፡ ዘስምዕ ክሰምዕዎ! " ይብሉ ኤርትራውያን ሰብ ቀደም።

ንምንታይ እዩ ኢሳያስ ኣብ ሕጂ በጺሑ ባድመ፡ ብኩናት ንሓዝ ዝብል ዘሎ?

እዚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ዝነብር፡ ጉልሒንጣ ኢሳያስ፡ ንሓዋሩ ንረብሕኡ ከጣጥሕ ዝወጠኖ ሽርሒ ናይ ዕንወት ሃገርናን ህዝብናን ሰለዘለዎ እዩ።

ኣይሰማዕናን ኣይረኣናን ከይትበሉ ብግልጺ ከነቐምጠልኩም፦

ኢሳያስ ከይሓነኸ ኣዳዕዲዑ፡ ኣብ ኢትዮጰያ ንዝፍጠር ኮነታት ንኣይ ይምልከተኒ እዩ። ኢደይ ኣጣሚረ ኣይርእን እየ ካብ ዝብልን፡ ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣብ ኣደባባይ ካብ ዝኽሕድን፡ ንዝኸሰርናዮም ጀጋኑ ይከኣሎን ዋርሰይን፡ ኣይከሰርናን! ኢሉ ካብ ዝጭድርን፡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ብዘይ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ብምጭቋኑ፡ ናብ ሰድት ከም ዘምርሑ ብምግባሩን፡ ኣሻሓት ኡሱራት ብዘይ ክስሲን ፍርድን፡ ኣብ መፈጠርካ ዘጽልእ ጨካንን ግፍዓውን ኣተሓሕዛ፡ ዝሕይርን ዘጥፍእን፡ እሞ ኸኣ፡ ብጭቡጥ ብዓይንኹም ኣብ ኣዝማድኩም፡ ኣብ የዕርኽቱኹም፡ ኣብ ጎረባብትኹም ፡ ኮታስ ኣብ ደቂ ሃገርኩም ክፍጸም ወይ ተኣዚዝኩም፡ ወይ ሪኢኹም፡ ወይ ሰሚዕኩም ወይ`ውን ንርእስኹም ግዳያት ከም ዝኾንኩም፡ ኣብዚ ግዜ`ዚ ብብዝሒ ኤርትራውያን ሰደትኛታት መንእሰያት ፈቐድኡ፡ ኣብ ዓለም ፋሕ ምባሎምን፡ መርኣያ ናይዚ ዕንደራ ኢሳያስን ውጽኢቱን እዩ። እምበኣር፡ እዚ እዩ እቲ ሓቂ ።

መን`ዩ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ጎረቤት ሃገር ጉዳይ ዳግማይ ብዘይብቑዕ ንህዝቢ ዘስግእ ኩነታት ፡ ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ወኪላት ዘይተመዝነ ኩናት ክሸምሞ ዘዋደድ ዘሎ? ኢዱ ኣጣሚሩ ዝርኢ ዘሎኸ መን`ዩ? እቲ ዘይምኹኑይ ኩናት ዝኣልም ዘሎ ፡ ኢሳያስ ኢዩ። ንህዝቡ ክንዲ ዝሓሊ፡ ኢዱ ኣጣሚሩ ዝርእይ ዘሎ ከኣ ፡ንስኻትኹም ሓይልታት ምክልኻልን፡ ጸጥታን ፕሊስን ኤርትራ ኢኹም። "ዓያሹ፡ በትሪ ሃሱሳት" እዃ ይብሉ ሰብ ቀደም። ናይ ሓንሽ ይኹን፡ ናይ ባድመ ናይ ዶብ ኩናት፡ ብልዝብ ኣብ ጠርጰዛ እዩ ተፈቲሑ፡ ብኩናት ኣይተፈትሐን።

ኤርትራ፡ ብዓንተብኡ፡ እቲ ለባም ህዝባ፡ ባዕሉ ቆጽሊ ዘንበረሉ ሃገራዊ መራሒ እንተዝነብራ፡ ድሕሪ`ቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ (..ኣስተውዕሉ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ገባሩ ተጋዳላዩ ኣብ ዝባኑዝጾሮን ዝደኸመሉን ዝረሃጸሉን ዝተሰወኣሉን)፣ ናብ ቀዋሚ ኩናት ፡ ብምንም ተኣምር ፡ ኣይመእተዎን።ብኣንጻሩ፦ ከዕርፍ ፡ ክስስን፡ ደሞክራስያዊ ትካላት ክስርት፡ ክምዕብል፡ ብዝተኻእሎ መጠን ከኣ ንዘጓንፍ ሽግራት፡ ብብቑዕ ዲፐሎማሲ፡ ረዚን ልቦናን፡ ብሰላም፡ ብልዝብ ክፈትሖ ምፈተነ። ንሓደ ንዓመታት ዝተቓለሰ ሰራዊት ብምጽልጻል፡ ብምሕያር፡ ብምቕንጻል ፡ ብምድስካል ..ናብ ናይ ዊንታኻ ዓላማ፡ ውልቃዊ ስልጣንካ ንምድልዳል፡ ከም ዝዘምት፡ ከም ዕሱብ ስራዊት ተልኾዃ ከም ዝፍጽመልካ ምግባር፡ ምስ ምንታይ ትቖጽሩዎ? ኢስያስ ዝከኣሎ የዕንዩና እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ ናይ መዛዘሚ ጥፍኣትና፡ የዋድድ ኣሎ።

ንምንታይ እዩ ኣብዛ እዋን እዚኣ፡ ኢሳያስ፡ ኩናት ኩናት ዝብል ዘሎ?

ኣብይ ኣሕመድ፡ ሕጂ ከም ሓቂ ብሕጊ ዘይኮነስ ብሽርጥጥ ኣብ ስልጣን ሓዂሩ ዘሎ ፡ ጥራዝ ነጠቕ፡ ብፕራይ ሚኒስተር ናይ ኢትዮጵያ ዝፍለጥ ሰብ እዩ። እዚ ሰብ`ዚ ምስ ኢሰያስ ሰላም ሰለዝገበረ፡ ምስ ናይ ብሓቂ ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ዝገበሮ ስምምዕ ንፈልጦ የብልናን፣ ናይ ኖበል ሽልማት ረኹቡ ብዙሕ ካብ ሊቃውንቲ ዝተቐድሔ መደረታት ብምግባርን፡ ገለ መዓሸውቲ ሰጉምትታት ብምውሳዱን ንሓያሎይ ኣዋርሕ ህቡብነት ረኹቡ ኣብ ጽኑዕ ዝረገጸ ይመስል ነይሩ። ኣብ`ቲ እዋን`ቲ ኢስያስ "ናይ ዶብ ኣይግድሰናን ኣዩ" ክብልን፡ ብዘይ ቀለዓለም መራሒና ኢኻ ኢሉ ክምጉሶን፡ ኩሉ እቲ ካብ ሓደ ሃገራዊ ኤርትራዊ ዘይትጽበዮ፡ ሕሱር፡ ጽያፍ ዘረባታት የስምዕ ነይሩ። ወያኔ ገይም ኦቨር (Game over!)፡ ወያኔ ኣኺልኩም እናበለ፡ ከም ሓደ ወዲ ሹቕ፡ ይፍክር ነይሩ። ናይ ዶብ ኣይግድሰናን እዩ ፡ ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ኢና ብምባል፡ ንህዝብና፡ ክሳብ ዝሓምም፡ ኣስሚዕዎ እዩ።

ሕጂ ባድመ፡ ከነምልስ ኩናት የድልየና ኣሎ ኣብ ምባል ድኣ እንታይ ተርኽበ፡ ኣንታይ ኣምጽኦ?

ወዮ ኢሳይያስ ዝኣመኖ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሰራዊት ኣሎኒ ተዳልየ እየ ክድርዕመኩም እየ ዝብሎም ኣካላት ፡ ማለት ወያኔን ካልኦት ፈደራሊስት ሓይልታትን፡ ፈሪህዎም ዶ`ኾን ኮይኑ? ዓቕሚ ሰለ ዘይብሉ ድዩስ? ወይስ እንታይ ገደስኒ ፡ ብዓርከይ ኢሳያስ ገይረ ንኤርትራውያን መዝሓል ጥይት ዘይጥቀመሎም፡ ካብ ዝብል ጉርሒ ድዩ? ከም ሓቂ፡ ኣብይ ኣሕመድ ፡ ለኸፍከፍ ክብል ስግር ንረኣዩለይ ዝብሎም ጠፉሻት ተግባራት ሓሊፋ፡ ነታ ሃገር ንስልጣኑ ክብል ኣብ ከቢድ መዋጥር የእትዋ ከም ዝርከብ ባዕላቶም ኢትዮጰያውያን ብሰፊሑ የቃልዕዎ ኣለው።

ንኣና ንኤርትራውያን ፡ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ሽግር ምስ ወያኔ ዘለዎ፡ ምስ ናይ ፈደራሊስት ኦሮም ይኹን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ኢትዮጰያ ዘለዎ ወሽጣዊ ሃገራዊ ጉዳይ እንታይ ኣእተወና? ከም ኣፍሪቃዊት ጎረበትና ሃገር ፡ ብሰላም ብልዝብ ክፈትሕዎ ንደልን ንምነየሎምን። ኤርትራ ብሕጋዊ ወኪላት ህዝባ ትመሓደር እንተትነብር፡ ኣብ ድልየቶም ተሞርኵስና ፡ ኣብ ምዕራቖም ምነጠፍና እምበር ፡ ኣብ ባእሶም ኣቲና ንኣካሎም ዝኾነ ህዝቢ ክንወግእ ፈጺሙ ካብ ኣህጉራዊ ሕጊ ወጻኢን ኩኑንን ተግባር ስለዝኾነ ፡ ኣይምወዓልናዮን፡ ሕጂ`ውን ንስኻትክም ኣይትውዕልዎን ኢኹም። ኣብ ርእሲኡ ድማ ፡ ንርእሰና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገርና ጣልቃ ዝኣትወና ስለ ዘይንደልን ስለዘይፈቅድን እዩ።

ኣብይ ኣሕመድ ትማል ትማል ኩናት ተዓዋቲ የብሉን ፡ ዋላውን ስዒረ ዝብል ወገን ከምዝኸሰረ እዩ ዝቑጸር፡ ዝብል ለባም ዘረባ ካልኦት፡ ይደግም ነይሩ። ሕጂ ነቶም ናብ ስልጣን ንኽመጽእ ጸግም ዘይገበርሉ ደቂ ጋንታኡ ዝነበሩ ወያኔ ብኹናት ይሕንሕነሎም ኣሎ። ነቶም ምዕራብ ኦሮም እኳ፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ክድምስሶም እየ እናበለ፡ ክፍክር ይጽናሕ ኣምበር፡ ኣይተዓወተሎምን። ኣብ ኢትዮጰያ ዘሎ ሽግር ብቐሊሉ ዝረአ ጉዳይ ኣይኮነን። ፍታሑ ከኣ ብኢትዮጵያውያን ፡ ብልዝብ፡ ክፍታሕ እቲ ዝሓሸን ርትዓውን፡ ን110 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምልከት ግድልን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ብወገንና፡ ጎረቤትና ሃገር ሰለዝኾነት ካብ ካልኦት ሃገራት ዝያዳ ንግደሰላ ። ዘርባሓናን እንምነዮን ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትየጰያ ምስዝፍጠር ኣዩ። እዚ ሓዲሽ መርገጺ ዘይኮስነስ፡ ኣብ ሰውራ ዝተቓለስናሉ ፡ ኢሳያስ ዝጠሓሶ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሜላ፡ መትከልና ኣዩ።

ኣብ ጉዳይ ጎረቤትና ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ዶብ ኣማኻኒኻ ኢድ ምእታው ግን ንኣና ከም ኤርትራውያን፡ ከም ኣፍሪቃውያንን፡ ዘይግቡእ ዘይሕጋዊ ዘይሓላፍነታውን ዘይርትዓውን እዩ። ህዝቢ ዓለም ክፈልጦ ኸኣ ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመትከል ሰውራኡ ስዉኣቱን ሓርበኛታቱን፡ ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ወሽጣዊ ጉዳይ፡ ኢድ ምእታው ኣይቕበልን እዩ። ህዝብና ነዚ ኢሳያስ የዋድዶ ኣለኹ ዝብሎ ዘሎ ኩናት፡ ከምዘይቅበሎ፡ ኢሰያስ`ውን ይንፈልጥ እዩ። ሕዝቢ ይተሓተት። ንኹሉ ንኽፈልጦ ኸኣ ንእውጆ ኣሎና። ሕጂ ህዝብና፡ ሰላም ገይሩ ዘዕርፈሉን፡ ናይ 29 ዓመታት ዕንወት ገምጊሙ ፡ ብኒሕን ሓቦን፡ ልዕልና ሕጊ ብምርግጋጽ፡ ህዝብና ዝርዕሞ፡ ወኪላቱ ብናጻ መሪጹ ዘቑሞ ደሞክራስያዊ መግስቲ፡ ዝተኽለሉ እዋን እዩ።

እቲ ሕጂ ዝገርም ተርእዮ፡ ሕልሚ ኣብይ ኣሕመድ እዩ። ንኣኻትኩም ፡ ማለት ሓይልታት ምክልኻልን፡ ጸጥታን ፖሊስን ኤርትራ፡ ከም ናቱ ዕሱባት ብምቑጻር፡ ኣብቲ ናይ ኩናት ገበጣኡ (ጸወታኡ) ኣስፊሩኩም ምህላዉ እዩ። ሕልሚ ድዩስ ጋህዲ? ከመይ`ሉ ኸ ክሓስቦ ከኣለ? ዝብል ሕቶ እንተልይኩም፡ ንጉልሒንጣ ኢሳይስ ሕተትዎ። ብዘይ ቀለዓለም፡ ከይሓፈረ፡ መራሒና፡ ንስኻ ዶ/ር ኣቢይ ኢኻ ` ዝበለ መን ድዩ?

ንሕና ግን፡ ሃገርኩም፡ ህዝብኹም፡ ስደራኹም፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተቓለስናሉ ባህልን ሰጊሪርኩም፡ ነዚ ጽኑዕ፡ ለዋህ፡ ደቅና ዝብለኩም ህዝቡኹም፡ የሕሊፍኩም ናብ ዘይምልከቶ ኩናት፡ ማልት ኣብ ክህሉ ዝኽእል ዉሽጣዊ ኩናት ኢትዮጵያ፡ ኢስያስ ብውልቁ ዝግደስሉ ናይ ጎረበት ግርጭት፡ ክጥበስ ከም ዘይትፈቕዱ ንኣምን። ሕጅስ ሓድነትና ድኣ ይደልድል፡ ለውሃትና ንብጾትናን ንህዝብናን ነረጋግጽ። ጌጋታት ፈጺምና ክንከውን ንኽእል ኢና፡ ሰባት ኢና። ግን ከኣ፡ ጌጋ ብገጋ ኣይእረምን እዩ። ኣብ ንህዝቢን ሃገርን ዝምልከት ጉዳይ፡ ብሕልፊ ኸኣ ኣብ ናይ ኩናት ጉዳይ ግን ፡ ንረብሓን ህልውናን ህዝንናን ሃገርናን ዝውክል፡ ሰላም ዘውሕስ ወሳኒ ስጉምቲ ክንወስድ ይግባእ።

ኣብ ውሽጢ ጎረቤትና ዘሎ ከቢድ ሽግር፡ እሞ ኣብ ሞንጎኦም ንኹናት ተዳሊና ኣናበሉ ብምውጣጥ ነዚ ንልዕሊ 100 ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ኣብ ኩናት ክኣትወሉ ዝኽእል ሃዋሁው ፡ ኣብ ክንዲ ዓራቒ ትኸውን፡ ኣካል ናይ ጥፍኣትካን ጥፍኣቶምን ምዃን፡ ሰብኣወነት ዘይብልካ ገበነኛ፡ ብቐንዱ ኸኣ ኸዳዕ ህዝብኻ፡ ይገብረካ። ኣብ ኢስያስ ዝደልዮ ኩናት ንኣትወሉ ቅንጣብ ምኽንያት የብልናን። ቐደም ዝኣተናዮም ናይ ደሴታት ሓንሽ ኩናት ምስ የመን፡ ናይ ባድመ ናይ ዶብ ኩናት ምስ ኢትዮጰያ፡ ክልቲኦም ብኩናት ዘይኩነስ ብሕጊ ብይን ዝተወድኡ ይኣኽሉና። ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ዘሎ ሉኣላዊ መሬትና፡ ባድመ ሓዊስካ፡ ሕጋዊ መንግስቲ ኣብ ሃገርናን ኣብ ኢትዮጵያን ምስተተኽለ በቲ ኹሉ ዓለም ዝፈልጦን ዝቕበሎን ኣህጉራዊ ብይን ዶብ፡ ብሰላም ክረጋግጽ እዩ።

ኢሳያስ ፡ ንባድመ ዳግማይ መመሳማሲ ክጥቀመሉ ይነጥፈሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ጸጥታን ፖሊስን፡ ኢድኩም ኣጣሚርኩም ፡ ኣብ ጉዳይ ሂወት ህዝቡኹም ፡ ሰድራቤትኩም ኣሃዱታትኩም፡ ሂወትኩም ከይተዕንው። ካብ ሃገራዊ ሓልዮት ንዝብናን ንሂወትኩምን ብምብጋስ፡ እዚ ነጋሪትና ምዃኑ ነፍልጥ። ኣይሰማዕናን ኣይረኣናን ከይትብሉ፡ ንላበወኩም ኣሎና። ሰራዊት ሓደ ሃገር ፡ ህዝቡ ዘይድግፎ፡ ኣዕናዊ ተግባር ኣይፍጽምን እዩ።

ጽባሕ ታሪኽ ክምስክር እዩ፡ ከም ኣካል ህዝብና፡ ካባና ንላዕሊ ዘኽብረኩም ዘፍቅረኩምን ዝሓልየልኩምን፡ ካልእ ማንም ኣካል የሎን። ናይ ሕጂ ዘየላቡ ዕዮ ገዛ ሃገርና፡ ሓንቲን ንጽርትን ኣያ። ምእላይ ውሽጣዊ ጸላኢና። ሰብ ሓንሳብ ጥራይ እዩ ኣብዛ ዓለም ዝነበር።

ስብኣዊ መሰል ህዝብና ይከበር!
ኣብ ሓልዮትን ምክልኻልን ህዝብኹም የውዕልኩም!
ንጀጋኑ ስውኣትና የማስልኩም!
ሂወትን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!

ተ/ጋ የውሃንስ ሃብተስላስ ኣድሓኖም ምስ ሓርበኛታት ብጾቱ።
01-06-2020.



Share with friends:


See also Recent Articles by Yohannes Habteselassie / ኣቐዲሞም ብ’ዮውሃንስ ሃብተስላሰ ዝወጹ ጽሑፋት፡-


ATV: ዘተ ንዝመጽእ ናይ ምስግጋር መድረኽ -
ምስ ዶር ኣማኑኤል ምሕረታኣብን ዶር ገብረ ገብረማርያምን -
(Part-1 - Part-3)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: